ትምህርቲ 3
ብኸመይ ሓቦኛ ኸም ዚኸውን
ሓቦ እንታይ እዩ፧
ሓቦኛ ሰብ ዕንቅፋታትን ሕማቕ ነገራትን ምስ ኣጋጠሞ፡ ካብ ዝወደቐሉ ይትንስእ እዩ። እዚ ኽእለት እዚ ብተመክሮ እዩ ዚርከብ። ከምቲ ሓደ ቘልዓ ሓሓሊፉ ኸይወደቐ ብእግሩ ምኻድ ዘይምሃር፡ ኣብ ህይወቱ ሓሓሊፉ ዕንቅፋታት ከየጋጠሞ እውን ዕዉት ምዃን ኣይምሃርን እዩ።
ሓቦ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ሓቦ ብኸመይ ትምህር፧
ውሉድካ ዝሓሰቦ ምስ ዚፈሽሎ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ጻድቕሲ ሸውዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ መሊሱ ይትንስእ።”—ምሳሌ 24:16።
ውሉድካ ኣመዛዚኑ ኺርኢ ሓግዞ። ንኣብነት፡ ናይ ትምህርቲ ፈተና እንተ ዘይሓሊፉ፡ እንታይ እዩ ዚገብር፧ “ኣነ ኣይክእሎን እየ!” ኢሉ ይሕለል ይኸውን።
ሓቦ ምእንቲ ኺምሃር፡ ከመይ ገይሩ ኸም ዚምሓየሽ መደብ ኪሕንጽጽ ሓግዞ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ በቲ ዘጋጠሞ ጸገም ስምዒቱ ኣብ ክንዲ ዚጕዳእ፡ ፍታሕ ኪረክብ ይጽዕር።
እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ነቲ ጸገም ባዕልኻ ኣይትፍትሓሉ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናቱ መደብ ኬውጽእ ሓግዞ። “ነዚ ትምህርቲ እዚ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትርድኦ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧” ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ።
ሕማቕ ነገር ምስ ዜጋጥም።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ጽባሕ ህይወትኩም እንታይ ከም እትኸውን ኣይትፈልጡን ኢኹም።”—ያእቆብ 4:14።
ህይወትና እንታይ ከም ዚኸውን ኣይንፈልጥን ኢና። ሎሚ ሃብታም ዝዀነ ሰብ፡ ጽባሕ ኪደኪ ይኽእል እዩ፣ ሎሚ ጥዑይ ዘሎ ሰብ፡ ጽባሕ ኪሓምም ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፈጣናት ኣብ ቅድድም ወትሩ [ኣይዕወቱን]፡ ሓያላት ድማ ኣብ ውግእ ወትሩ [ኣይስዕሩን]” ድሕሪ ምባል፡ “ከመይሲ፡ ንዅሎም ግዜን ኣጋጣምን የጓንፎም” ይብል እዩ።—መክብብ 9:11።
ከም ወላዲ መጠን፡ ንውሉድካ ኻብ ሓደጋ ንምዕቋብ ዚከኣለካ ትገብር ኢኻ። ከም ሓቂ ግና፡ ንውሉድካ ኣብ ህይወቱ ኻብ ዜጋጥሞ ዅሉ ሕማቕ ነገራት ከተዕቍቦ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ውሉድካ ዓብዪ ብዘይምዃኑ፡ ካብ ስራሕ ምውጻእ ወይ ቍጠባዊ ጸገም እንታይ ምዃኑ ብተመክሮ ኣይፈልጦን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካልእ ሕማቕ ነገራት ኪጻወር ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ፣ ንኣብነት፡ ምስ ዓርኩ ኺባተኽ ወይ ኣባል ስድራ ቤት ኪሞቶ ይኽእል እዩ።a
ንውሉድካ ሃናጺ ነቐፌታ ምስ ዚመጾ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ መጻኢኻ ጥበበኛ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕ።”—ምሳሌ 19:20።
ሓደ ሰብ ሃናጺ ነቐፌታ ዚህብ፡ ኪድንድን ኢሉ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ኪልወጥ ዜድልዮ ተግባር ወይ ኣረኣእያ ንምሕባር ኢሉ እዩ።
ውሉድካ መአረምታ ኪቕበል ምስ እትምህሮ፡ ንስኻን ውሉድካን ካብ ብዙሕ ጓሂ ኽትስተሩ ኢኹም። ጆን ዝስሙ ኣቦ ኸምዚ ይብል፦ “ንውሉዳት ወትሩ ኻብ ጌጋታቶም ተናግፎም እንተ ዄንካ፡ ጠሪሶም ኣይምሃሩን እዮም። ካብ ሓደ ጸገም ናብ ካልእ እዮም ዚኣትዉ፣ ንስኻ ድማ ምሉእ ህይወትካ ደድሕሪኦም እናኸድካ፡ ዘናኸስዎ ሓዊ ኸተጥፍእ ትነብር። እዚ ዓይነት ህይወት ከኣ ንወለዲ ዀነ ንውሉዳት ሕማቕ እዩ።”
ውሉድካ ኻብ ሃናጺ ነቐፌታ ምእንቲ ኺጥቀም ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ ንውሉድካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዀነ ኣብ ካልእ ቦታ ሃናጺ ነቐፌታ ምስ ተዋህቦ፡ እቲ መአረምታ ግቡእ ከም ዘይኰነ ጌርካ ኸይትዛረብ ተጠንቀቕ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምዚ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ፦
“እቲ መአረምታ ስለምንታይ እተዋህበካ ይመስለካ፧”
“ከመይ ጌርካ ኸተመሓይሽ ትኽእል፧”
“ኣብ መጻኢ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧”
ሃናጺ ነቐፌታ ሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ዓበየ እውን ንውሉድካ ኸም ዚጠቕሞ ኣይትረስዕ።
a ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንውሉድካ ኻብ ሓዘኑ ኺጸናናዕ ሓግዞ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።