ምዕራፍ 14
መን ኢዮም ናብ ሰማይ ዝኸዱ: ስለምንታይከ፧
1. ብዙሓት ሰባት ነቲ መን ኢዮም ንሰማይ ዝኸዱ: ስለምንታይከ: ዝብል ሕቶ ብኸመይ ኢዮም ዝምልሽሉ፧
ሓያለይ ሰባት ‘ኵሎም ሕያዎት ሰባት ኢዮም ንሰማይ ዝኸዱ’ ይብሉ። ስለምንታይ ንሰማይ ይኸዱ ንዝብል ሕቶ ድማ ‘ምስ ኣምላኽ ምእንቲ ክዀኑ’ ወይ ከኣ ‘ዓስቢ ሕያውነቶም ስለ ዝዀነ’ ኢሎም ይምልሹ ይዀኑ። መጽሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝምህር፧
2, 3. (ሀ) ገለ ሰባት ንሰማይ ከም ዝኸዱ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እንታይ ሕቶ ኢዩኸ መልሲ ዘድልዮ፧
2 መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ንሰማይ ከም ዝዓረገ ኣነጺሩ ይነግረና። ካልኦት ሰባት እውን ንሰማይ ከም ዝውሰዱ ይዛረብ። የሱስ በታ ቅድሚ ሞቱ ዝነበረት ምሸት ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ከምዚ በሎም:- “ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ: ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ: ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም: ኣብቲ ኣነ ዘሎኹዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ: ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።”—ዮሃንስ 14:1–3 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።
3 የሱስ ንሃዋርያቱ ምስኡ ንክዀኑ ንሰማይ ክውሰዱ ከም ዝዀኑ ኢዩ ብግህዶ ዝነገሮም። ሃዋርያ ጳውሎስውን ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብዛዕባ’ዚ ድንቂ ዝዀነ ተስፋ’ዚ ወርትግ ይነግሮም ነበረ። ንኣብነት: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ: ካብኣውን መድሓኒ: ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ንጽበ አሎና።” (ፊልጲ 3:20, 21፣ ሮሜ 6:5፣ 2 ቈረንቶስ 5:1, 2) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነዚ መብጽዓ’ዚ መሰረት ብምግባር ኣብ ሰማይ ክንነብር ኢና ዝብል ተስፋ ኣሕዲሮም ኣሎዉ። እሞኸ ኵሎም ሕያዎት ሰባት ንሰማይ ክኸዱ ድዮም፧
ኵሎም ሕያዎት ሰባት ንሰማይ ድዮም ዝኸዱ፧
4, 5. ዳዊትን እዮብን ንሰማይ ከም ዘይከዱ እንታይ መረጋገጺ ኣሎና፧
4 ሃዋርያ ጴጥሮስ ድሕሪ ትንሳኤ የሱስ ቁሩብ ጸኒሑ ነቶም እኩባት ኣይሁድ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም:- “ዳዊት ርእሲ ኣቦታት: ንሱ ኸም ዝሞተን ከም እተቐብረን . . . መቓብሩ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከልና አሎ። ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዐረገን።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:29, 34 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ስለዚ እቲ ሕያዋይ ሰብኣይ: ዳዊት ንሰማይ ኣይዓረገን። እዮብ እቲ ጻድቕከ፧
5 እዮብ ክሳቐ ከሎ ናብ ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “ኣየ: ቍጥዓኻ ኽሳዕ ዚሐልፍሲ: እንተ ትስውረኒ: ኣብ ሲኦል [መቓብር] እንተ ትሐብኣኒ: መዓልቲ ቘጸራ እንተ ትውስነለይ እሞ: ብድሕሪኡ እንተ ትዝክረኒ።” እዮብ: ምስ ሞተ ኣብ መቓብር ኣትዩ ገለ ከም ዘይፈልጥ ይርድኦ ነይሩ ኢዩ። ንሰማይ ከም ዘይከይድ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እንተዀነ ግን እዮብ “ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧ ምብራየይ [ኣብ መቓብር ዝጸንሓሉ ግዜ] ክሳዕ ዚመጽእ: ዘመን ሰልፈይ ኵሉ ምተጸቤኹ። ንስኻ ምጸዋዕካኒ: ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ” ብምባሉስ ተስፋ ከም ዝነበሮ ዘረድእ ኢዩ።—እዮብ 14:13–15
6, 7. (ሀ) ካብቶም ቅድሚ ክርስቶስ ዝሞቱ ዋላ ሓደ ንሰማይ ከም ዘይከደ ዘርኢ እንታይ ኣሎ፧ (ለ) ኵሎም እቶም ቅድሚ ክርስቶስ ዝሞቱ እሙናት ሰባትከ እንታይ ክዀኑ ኢዮም፧
6 እቲ ንየሱስ ዘጠመቖ ዮሃንስ መጥምቕውን ሕያዋይ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ምስናይዚ ግን የሱስ “ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ” በለ። (ማቴዎስ 11:11) ከምኡ መበሊኡ ድማ ዮሃንስ መጥምቕ ናብ ሰማይ ስለ ዘይዐርግ ኢዩ። ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ምስ ዓለዉ ድሕሪ 4, 000 ዓመት የሱስ ኣብዛ ምድሪ መጺኡ ኸሎ ከምዚ በለ:- “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ . . . ወዲ ሰብ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን።”—ዮሃንስ 3:13
7 ስለዚ ድማ ካብቲ የሱስ ባዕሉ እተዛረቦ ክንርድኦ ከም እንኽእልሲ ኣብተን 4, 000 ዓመታት ዛንታ ደቅሰብ ክሳዕ እቲ ንሱ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ግዜ ሓደ እኳ ንሰማይ ዝዓረገ ኣይነበረን። ዳዊትን እዮብን ዮሃንስ መጥምቕን ኣብ ምድሪ ትንሳኤ ህይወት ክረኽቡ ኢዮም። ኵሎም እቶም ቅድሚ ሞት የሱስ ድሮ ሞይቶም ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ካብ ምዉታት ተንሲኦም ኣብ ምድሪ ክነብሩ ደኣ እምበር ንሰማይ ምዕራግ ዝብል ተስፋ ኣይነበሮምን። ንሳቶምሲ ገለ ካብቶም ምድራውያን ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ክትንስኡ ኢዮም።—መዝሙር 72:7, 8፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:31
ስለምንታይ ሒደት እሙናት ናብ ሰማይ ዝኸዱ፧
8. መልሲ ናይ ኣየኖት ሕቶታት ኢዩ ኣገዳሲ ዝኸውን: ስለምንታይከ፧
8 የሱስ ናብ ሰማይ ዝኸደ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብኡኸ እንታይ ዝዕየ ዕዮ ኣለዎ፧ መልሲ ናይዞም ሕቶታት እዚኣቶም ብሓቂ ኣገዳሲ ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ እቶም ናብ ሰማይ ዝኸዱ ምስ የሱስ ኣብቲ ዕዮኡ ክሓብሩ ኢዮም። እቲ ናብ ሰማይ ዝኸድሉ ቀንዲ ምኽንያት እምበኣር ነዚ ዕላማ እዚ ኢዩ።
9, 10. ብመሰረት ዳንኤል ብዘይካ ክርስቶስ መን ኢዮም ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ገዛእቲ ዝዀኑ፧
9 ኣብቲ ዝሓለፈ ምዕራፋት ተማሂርናዮ ከም ዘሎና የሱስ ንጉስ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኣብታ ሓዳስ ምድራዊት ገነት ክገዝእ ኢዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ነዊሕ ግዜ ኣቐዲሙ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ትንቢት ዳንኤል “ወዲ ሰብ” “ግዝኣት ክወሃቦ” ከም ዝዀነ ተዛሪቡ ነበረ። እቲ “ወዲ ሰብ” ድማ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። (ማርቆስ 14:41, 62) ዳንኤል ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ግዝኣቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ: መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።”—ዳንኤል 7:13, 14
10 ይኹን እምበር ኣብቲ ዳንኤል ዝሃቦ ትንቢት እንተደኣ ተመልኪትናስ እቲ “ወዲ ሰብ” ተባሂሉ ዘሎ በይኑ ዀይኑ ከም ዘይገዝእ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “መንግስትን ግዝኣትን . . . ነቲ ናይ ልዑል ህዝቢ ቅዱሳን ኪውሀብ እዩ። [መንግስቶም “ትሓዓ ”] ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ።” (ዳንኤል 7:27) እዘን “መንግስቶም” ከምኡውን ‘ነቲ ህዝቢ’ ዝብላ ቃላት ድማ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ዝገዝኡ ካልኦት ከም ዘለዉ ኢየን ዘፍልጣና።
11. እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ ምስኡ መጋዝእቱ ከም ዝዀኑ ዘርኢ እንታይ ኣሎ፧
11 የሱስ በታ ንመወዳእታ ግዜ ምስቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ዘምሰየላ ምሸት ምስኡ ኣብታ መንግስቲ ገዛእቲ ክዀኑ ከም ዘለዎም ሓበረሎም። ከምዚውን በሎም:- “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። . . . ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም።” (ሉቃስ 22:28, 29) ድሕርቲውን ሃዋርያ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ኣብቲ ኪዳን ናይታ መንግስቲ እቱዋት ኰኑ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ክጽሕፈሉ ኸሎ “እንተ ተዐገስና: ምስኡ ኸኣ ክንነግስ ኢና” በሎ። (2 ጢሞቴዎስ 2:12) ሃዋርያ ዮሃንስውን ብዛዕባ እቶም ምስ የሱስ ‘ኣብ ምድሪ ዚነግሱ’ ጽሒፉ ኣሎ።—ራእይ 5:9, 10፣ 20:6
12. ከመይ ዝበለ ሓበሬታ ብዛዕባ “ዘርኢ” ኣብርሃም ኢዩ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ዝገዝኡ ካልኦት ገዛእቲ ከም ዘለዉ ዘረድኣና፧
12 ስለዚ እምበኣር እቶም ንሰማይ ዝኸዱ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ የሱስ ኰይኖም ንኽገዝኡ ኢዮም። የሱስ እቲ ቀንዲ “ዘርኢ” ናይቲ መብጽዓ ክኸውን ከሎ ብዘይካኡውን ኣምላኽ ካብ ደቅሰብ ኣብታ መንግስቲ ምስ የሱስ መናግስቱ ዀይኖም ዝገዝኡ ካልኦት ይሓሪ። በዚ ኸምዚውን ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም: ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም: ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም” ዝብሎ ክፍሊ ናይቲ “ዘርኢ” ይዀኑ።—ገላትያ 3:16, 29፣ ያእቆብ 2:5
ንሰማይ ዝኸዱ ክንደይ ኢዮም፧
13. (ሀ) ስለምንታይ ኢዮም ሕፃናት ንሰማይ ዘይከዱ፧ (ለ) የሱስ እቶም ነታ መንግስቲ ዝቕበሉ ብዝሖም ብኸመይ ገለጾ፧
13 እቶም ንሰማይ ዝኸዱ ንምድሪ ክገዝኡ ስለ ዝዀኑ: እተዀልዑን እተፈተኑን ሰዓብቲ ክርስቶስ ክዀኑ ኣለዎም። እዚ ማለት ድማ ሕጻናት ወይ ቈልዑ ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ዘይተፈተኑ ንሰማይ ኣይከዱን ኢዮም። (ማቴዎስ 16:24) ዝዀነ ዀይኑ እቶም ዝሞቱ ንኣሽቱ ኣብ ምድሪ ንምንባር ክትንስኡ ተስፋ ኣለዎም። (ዮሃንስ 5:28, 29) ስለዚ ቍጽሪ እቶም ንሰማይ ክኸዱ ዘለዎም ምስቶም ኣብ ምድሪ ትንሳኤ ረኺቦም ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ ዝግዝኡ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት እንተደኣ ኣነጻጺርናዮ ብሓቂ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም:- “ኣታ ሒደት መጓሰ፣ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ ኣይትፍራህ።”—ሉቃስ 12:32 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።
14.እቶም ንሰማይ ዝኸዱ “ሒደት መጓሰ” ብኽንደይ ዝቘሙ ኢዮም፧
14 ቍጽሪ ናይዞም ክፍሊ ገዛእቲ ናይታ መንግስቲ ደኣ ክሳዕ ክንደይ ውሑድ ኰይኑ ኢዩ፧ ንሳቶምከ ሃዋርያትን እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስን ጥራይ ድዮም፧ ኣይፋሉን: መጽሓፍ ቅዱስ እቲ “ሒደት መጓሰ” ተባሂሉ ዘሎ ካልኦትውን ዘጠቓልል ምዃኑ ኢዩ ዝነግረና። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ራእይ 14:1, 3 ከምዚ ይብል:- ‘እንሆ ድማ እቲ ገንሸል [የሱስ ክርስቶስ] ኣብ [ሰማያዊት] ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ: ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ካብ ምድሪ እተዓደጉ [እተወስዱ] ምስኡ ርኤኹ።’ ኣብዚ እቶም ምስቲ ገንሸል የሱስ ክርስቶስ ኣብታ ሰማያዊት ደብረ ጽዮን እተራእዩስ 144, 000 ሰባት ጥራይ ከም ዝዀኑ ኣስተብህል። (እብራውያን 12:22) ስለዚ እምበኣር ኵሎም ሕያዎት ሰባት ኣይኰኑን ንሰማይ ዝኸዱ: የግዳ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹዎ ዘሎ 144, 000 ፍቱናትን እሙናትን ሰባት ጥራይ ኢዮም ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ንኽገዝኡ ንሰማይ ዝኸዱ።
ስለምንታይ ካብ ምድሪ ይሕረዩ
15. ኣምላኽ ኣብታ መንግስቲ ገዛእቲ ዝዀኑ ካብ ደቅሰብ ክሓሪ ዘድለዮ ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ኣምላኽ ነዞም ገዛእቲ እዚኣቶም ካብ ደቅሰብ ዝሓረዮምሲ ስለምንታይ ኢዩ፧ ስለምንታይ መላእኽቲ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ዘይገዝኡ፧ እወ: ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኢዩ ነቲ ናይ የሆዋ ናይ ምግዛእ መሰል ንምቅዋም ብድሆ ዝቐረቦ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኢያ እታ ደቅሰብ ኣብ ኣምላኽ ዘላቶም እምነት ብናይ ድያብሎስ ምጽራር እተፈተነት። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እውን ኢዩ የሱስ ኣብ ትሕቲ ፈተና ምሉእ ተኣማንነቱ ናብ ኣምላኽ ኣርእዩ: ምእንቲ ደቅሰብ ድማ ህይወቱ በጃ ዘሕለፈ። ስለዚ ድማ ኢዩ የሆዋ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ምስ ወዱ ሓቢሮም ክገዝኡ ኢሉ ካብዛ ምድሪ እዚኣ “ሒደት መጓሰ” ዝሓረየ። እዚኣቶም በቲ ኣብ ኣምላኽ ዘርኣይዎ ተኣማንነት ነቲ ድያብሎስ ሰባትሲ ንኣምላኽ ዘገልግልዎ ምእንቲ ጥቕሞም ኢሎም ኢዮም ኢሉ ዘቕረቦ ክሲ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋገጹ። እምበኣርሲ የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ንኽብሩ ኢሉ ክሓርዮም ግቡእ ኢዩ።—ኤፌሶን 1:9–12
16. እቶም ገዛእቲ ናይታ መንግስቲ ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ብምዃኖም ሞሳና ክንገልጽ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና፧
16 በቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ዝሓለፉ: አረ ሓያለይ ካባታቶምሲ እኳ ደኣ ምእንቲ እዛ መንግስቲ እዚኣ ህይወቶም ዝሰውኡ ሰባት ክትግዛእ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ምዃኑ እሞ ሕሰቦ። (ራእይ 12:10, 11፣ 20:4) መላእኽቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት ኣይጠዓሙን። ከምኡውን እቲ ኣብ ደቅሰብ ልሙድ ዝዀነ ጸገማት ኣይበጽሖምን። ስለዚ ሓጥእ ሰብ እንታይ ማለት ከም ዝዀነን እቲ ሰባት ዘሎና ጸገማትውን እንታይ ምዃኑ መሊኦም ክግንዘብዎ ኣይክእሉን ኢዮም። እቶም 144, 000 ግና በዚ ጸገማት’ዚ ዝሓለፉ ስለ ዝዀኑስ ይርድእዎ ኢዮም። ገለ ካባታቶምውን ካብ ሓጢኣት ዝመልአ ልምድታት እተላቐቑ ስለ ዝዀኑ ከምኡ ምግባር ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝዀነ ይፈልጥዎ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 6:9–11) ስለዚ ነቶም ምድራውያን ግዙኣቶም ብምስትውዓል ክኣልዩዎም ኢዮም።—እብራውያን 2:17, 18
ማሕበር ኣምላኽ
17. እታ “ማሕበር” እትብል ቃል ንምንታይ ኢያ እተመልክት፧
17 መጽሓፍ ቅዱስ ክርስቶስ ርእሲ ናይታ ማሕበር ኣምላኽ ከም ዝዀነ ከምኡውን እቶም ኣባላት ተገዛእቲ የሱስ ምዃኖም ይነግረና። (ኤፌሶን 5:23, 24) ስለዚ ኸኣ እተን “ቤተ ክርስትያን” ወይ “ማሕበር ኣምላኽ” ዝብላ ቃላትሲ ንጕጅለ ክርስትያን ሰባት ደኣ እምበር ንሓደ ህንጻ ዘመልክታ ኣይኰናን። (1 ቈረንቶስ 15:9) ሎሚ ብዛዕባ እቶም እንሓብሮም ማሕበር ክርስትያናት ንዛረብ ንኸውን። ብተመሳሳሊውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ማሕበር ሎዲቅያ” ዝብልን ኣብታ ሃዋርያ ጳውሎስ ንፊልሞን ዝጸሓፋ መልእኽቲ ድማ “ኣብ ቤትካ ዘላ ማሕበር” ዝብል ጽሑፍ ነንብብ ኢና።—ቈሎሴ 4:16፣ ፊልሞን 2
18. (ሀ) “ማሕበር ህያው ኣምላኽ” ዘቝሙ መን ኢዮም፧ (ለ) እዛ ማሕበር እዚኣ ብኸመይ ዝበለ ካልእ መጸውዒ ኢያ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ፧
18 ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ “ማሕበር ህያው ኣምላኽ” ክብል ከሎ ንገለ ፍሉያት ክርስትያን ሰዓብቲ ክርስቶስ ከመልክት ኢሉ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:15) ብዘይዚውን “ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዅራት” ይበሃሉ ኢዮም። (እብራውያን 12:23) ስለዚ እዛ “ማሕበር ኣምላኽ” ብዅሎም እቶም ተስፋኦም ሰማያዊ ህይወት ዝዀነ ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ክርስትያናት ዝቘመት ኢያ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነዛ “ማሕበር ኣምላኽ” ዘቝሙ ብጠቕላላ 144, 000 ሰባት ጥራይ ኢዮም። ሎሚ ካብዚኣቶም ገለ ሒደት ተረፍ ጥራይ ኢዮም ኣብ ምድሪ ዘለዉ። እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት ድማ መንፈሳዊ መሪሕነት ካብ ኣባላት ናይዞም “ማሕበር ህያው ኣምላኽ” ኢዮም ዝቕበሉ። ብዘይዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ 144, 000 ኣባላት ዘለዉዋ ማሕበር “መርዓት: ሰበይቲ እቲ ገንሸል” “ኣካል ክርስቶስ” “ቤት መቕደስ ኣምላኽ” “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ከምኡውን “ሓዳስ የሩሳሌም” እናበለ ይጽውዓ ኢዩ።—ራእይ 21:9፣ ኤፌሶን 4:12 ትሓዓ ፣ 1 ቈረንቶስ 3:17፣ ገላትያ 6:16፣ ራእይ 21:2
ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘሎ ሓድሽ ነገር
19. ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ ምድሪ ዝነበሮ ቀዳማይ ዕላማ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ከውዕልሲ እንታይ ሓድሽ ነገር ኢዩ ዝሰርዐ፧
19 ኣዳም ንዅሎም ዓሌት ሰብ ኣብ ሓጢኣትን ሞትን ምስ መርሖም የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ ምድርን ወድሰብን ዝነበሮ ዕላማ ኣይለወጦን። ለዊጡዎ እንተ ዝኸውን ግን ነቲ ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ክፍጽም ከም ዘይክእል ኰይኑ ምተቘጽረ ነይሩ። እቲ ብመጀመርታ ዝመደቦ ዕላማ ብዘላ ምድሪ ገነት ክትከውን ሕጉሳትን ጥዑያትን ደቅሰብውን ክመልእዋ ኢዩ ነይሩ: እዚ ዕላማ እዚ ሕጂውን ከምኡ ኢሉ ኢዩ ዘሎ። እታ ሓንቲ ኣምላኽ ዝገበራ ሓዳስ ነገር ዕላማኡ ኣብ ግብሪ ከተውዕል እትኽእል ሓንቲ ሓዳስ መንግስቲ ምቛም ጥራይ ኢዩ። ርኢናዮ ከም ዘሎናውን ወዱ የሱስ ክርስቶስ ቀንዲ ገዛኢ ናይታ መንግስቲ ክኸውን ከሎ ምስኡ ዀይኖም ኣብ ሰማይ ዝገዝኡ እውን 144, 000 ሰባት ካብ ደቅሰብ ክውሰዱ ኢዮም።—ራእይ 7:4
20. (ሀ) እቶም “ሓድሽ ሰማይ” ከምኡውን “ሓድሽ ምድሪ” ዘቝሙ መን ኢዮም፧ (ለ) ኣብቲ “ሓድሽ ምድሪ” ግደ ምእንቲ ክህልወካኸ እንታይ ክትገብር ኢዩ ዝግብኣካ፧
20 እዞም ኣብ ሰማይ ኰይኖም ዝገዝኡ ድማ “ሓድሽ ሰማያት” ናይቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ ከቝሙ ኢዮም። ንምድሪ ብጽድቂ ዘመሓድሩ ገዛእቲ ካብ ዝህልዉ ኸኣ ዝግዝኡ ሰባት ከም ዘለዉ እውን ፍሉጥ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም “ሓድሽ ምድሪ” ኢዩ ዝብሎም። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:1–4) እዚኣቶም ድማ ከም እኒ እዮብ: ዳዊትን ዮሃንስ መጥምቕን—እወ: ኵሎም እቶም ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበሩ እሙናት ሰባትን ዘጠቓልሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን ብዙሓት ኻልኦት ክፍሊ ናይዚ “ሓድሽ ምድሪ” ዝዀኑ ሰባትውን ኣለዉ: ካብዚኣቶም እቶም ካብዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ዝድሕኑ እውን ኣለዉ። ንስኻኸ ሓደ ኻብዞም ደሓንቲ ክትከውን ዲኻ፧ ግዙእ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትከውንከ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተደኣ ኴንካስ ክትበጽሖ ዝግብኣካ ብቕዓታት ኣሎ።
[ኣብ ገጽ 121 ዘሎ ስእልታት]
እዞም ሕያዎት ሰባት እዚኣቶም ንሰማይዶ ከይዶም ኢዮም፧
ንጉስ ዳዊት
እዮብ
ዮሃንስ መጥምቕ
[ኣብ ገጽ 122 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ኣብታ ምስ ሃዋርያቱ ዝነበረላ ናይ መጨረሽታ ምሸት: ኣብ መንግስቲ ኣቦኡ ምስኡ ክገዝኡ ምዃኖም ተዛረበ