ምዕራፍ 14
ኣፍልጦ ክትህበሉ ዝግብኣካ ስልጣን ናይ መን ኢዩ፧
1, 2. ኵሉ ኣገባባት ናይ ስልጣን ጐዳኢ ድዩ፧ ግለጽ።
“ስልጣን” ንብዙሓት ሰባት ባህ ዘየብል ቃል ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። እዚ ርዱእ ኢዩ: ከመይሲ ስልጣን—ኣብ ስራሕ: ኣብ ስድራቤት ከምኡውን ብመንግስታት—ወርትግ ብዘይ ግቡእ ኢዩ ዝዝውተር ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ቅቡል ብዝዀነ ኣዘራርባ “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጉድኣቱ ይገዝእ” ይብል። (መክብብ 8:9 ትሓዓ ) እወ: ብዙሓት ሰባት ንኻልኦት ብጭከናን ብናይ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ኣገባብን ገዚኦሞም ኢዮም።
2 ይኹን እምበር: ስልጣን ዘበለ ዅሉ ጐዳኢ ኣይኰነን። ንኣብነት: ኣካላትና ኣብ ልዕሌና ስልጣን የዘውትር ኢዩ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ከነስተንፍስ: ክንበልዕ: ክንሰቲ: ከምኡውን ክንድቅስ “ይእዝዘና” ኢዩ። እዝስ ጭቆና ድዩ፧ ኣይፋሉን። ምስዚ ጠለባት እዚ ተሰማሚዕካ ምምልላስ ንረብሓና ኢዩ። ሽሕ’ኳ ከይተፈለጠና ነቲ ናይ ኣካላትና ድሌታት እንግዛእ እንተዀንና: ብፍታው ክንግዝኦም ዝሓቱና ካልኦት ኣገባባት ስልጣን ኣለዉ። እስከ ገለ ኣብነታት ርአ።
እቲ ዝለዓለ በዓል ስልጣን
3. የሆዋ “ልዑል ጐይታ” ክበሃል ብቝዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
3 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ሓዳስ ዓለም የሆዋ ልዕሊ 300 ግዜ “ልዑል ጐይታ” ተባሂሉ ኢዩ ተጸዊዑ ዘሎ። ሓደ ልዑል: ኣዝዩ ክብ ዝበለ ስልጣን ዝውንን ኢዩ። የሆዋ ኣብዚ ደረጃ እዚ ንኽበጽሕ ዘኽኣሎ መሰል እንታይ ኢዩ፧ ራእይ 4:11 ይምልሸልና:- “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቝዕ ኢኻ።”
4. የሆዋ ንስልጣኑ ከመይ ገይሩ ከዘውትሮ ኢዩ ዝደሊ፧
4 ከም ፈጣሪና መጠን: የሆዋ ንስልጣኑ ከም ዝደለዮ ገይሩ ከዘውትሮ መሰል ኣለዎ። እዚ ብሕልፊ እኳ ብዛዕባ “ብርትዔ ሓይሉ” ክንሓስብ ከሎና ዘፍርሕ ክመስል ይኽእል ኢዩ። ንሱ “ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ: እዚ ኣጸዋውዓ እዚ ድማ ኣብ እብራይስጢ ዝያዳ ሓይሊ ሂቡ ዘበርትዕ ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘስምዕ። (ኢሳይያስ 40:26፣ ዘፍጥረት 17:1) ምስናይዚ ግን: የሆዋ ንሓይሉ ብመገዲ ርህራሀ ኢዩ ዝገልጾ: ከመይሲ እታ ዓብላሊት ባህሪኡ ፍቕሪ ኢያ።—1 ዮሃንስ 4:16
5. ንስልጣን የሆዋ ክትግዛእ ከቢድ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ሽሕ’ኳ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይናስሑ ገበርቲ እከይ መቕጻዕቲ ከም ዘምጽእ ኣጠንቂቑ እንተነበረ: ብመሰረቱ ግን “ንዚፈትውዎን ትእዛዙ ንዚሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዚገብር: ኪዳን ዚሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝዀነ:” ሙሴ ይፈልጥ ነበረ። (ዘዳግም 7:9) ሕስብ እሞ ኣብሎ! እቲ ናይ ኣድማስ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ከነገልግሎ ኣየገድደናን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ በቲ ዘርእየና ፍቕሪ ኢና ናብኡ እንቐርብ። (ሮሜ 2:4፣ 5:8) እኳ ደኣ ኣብ ትሕቲ ስልጣን የሆዋ ምግዛእ ደስታ ኢዩ: ከመይሲ ሕግታቱ ኵሉ ሳዕ ንዝለዓለ ረብሓና ኢዮም ዝዓዩ።—መዝሙር 19:7, 8
6. እቲ ናይ ስልጣን ጉዳይ ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣብ ኣታኽልቲ ኤደን እተላዕለ: ምስ እንታይ ፍረኸ፧
6 እቶም ቀዳሞት ወለድና ንልዕልነት ኣምላኽ ነጸግዎ። ኣየናይ ኢዩ ጽቡቕ: ኣየናይ ከኣ ኢዩ ክፉእ ባዕሎም ክውስኑ ደለዩ። (ዘፍጥረት 3:4-6) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ካብታ ገነታዊት ቤቶም ተሰጉ። ብድሕርዚ የሆዋ: ንደቅሰብ ኣብ ሓደ ዘይፍጹም እኳ እንተዀነ ስርዓት ዘለዎ ማሕበረሰብ ንምንባር ዘኽእሎም ናይ ስልጣን መዋቕር ክፈጥሩ ኣፍቀደሎም። ገለ ካብዞም ስልጣናት እዚኣቶም እንታይ ኢዮም: ኣምላኽከ ክሳዕ ኣበየናይ ደረጃ ክንግዝኦም ኢዩ ዝጽበየና፧
እቶም “ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት”
7. እቶም “ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት” መን ኢዮም: እቲ ቦትኦምከ ምስቲ ናይ ኣምላኽ ስልጣን እንታይ ዝምድና ኢዩ ዘለዎ፧
7 ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን: . . . ነፍስ ወከፍ [ነቶም ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት ይገዝኣዮም ትሓዓ ]።” እዞም “ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት” መን ኢዮም፧ ቃላት ጳውሎስ: ኣብቲ ቀጺሉ ዘሎ ጥቕስታት ሰብኣውያን ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣናት ምዃኖም ኢዩ ዘርእየና። (ሮሜ 13:1-7፣ ቲቶስ 3:1) የሆዋ ንናይ ሰብ መንግስታዊ ሰበ-ስልጣናት ባዕሉ ኣየቘሞምን: ይኹን እምበር: እዚ ግዝኣት እዚ ክህሉ ኣፍቂዱሉ ኢዩ። ስለዚ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ክጽሕፍ ከኣለ “እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ [ኣብ ቦታኦም ትሓዓ ] ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም።” እዚ: ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ምድራዊ ስልጣን እንታይ ዘመልክት ኢዩ፧ ካብ ስልጣን ኣምላኽ ዝተሓተን ዝንኣሰን ከም ዝዀነ ኢዩ ዘመልክት። (ዮሃንስ 19:10, 11) ስለዚ ኣብ መንጎ ሕጊ ሰብን ሕጊ ኣምላኽን ምግጫው ክፍጠር ከሎ ክርስትያናት በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተለማመደ ሕልናኦም ተመሪሖም ‘ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ክእዘዙ ይግባእ።’—ግብሪ ሃዋርያት 5:29
8. ካብቶም ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት ብኸመይ ኢኻ እትጥቀም: ንዕኦም ዘሎካ ተገዛእነትከ ብኸመይ ተርእዮ፧
8 ዝዀነ ዀይኑ: ዝበዝሕ ግዜ እቶም ናይ መንግስቲ ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት ‘ንሰናይና ኢሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ’ ኰይኖም ይዓዩ ኢዮም። (ሮሜ 13:4) በየናይ መገድታት፧ እስከ ብዛዕባ’ቲ እቶም ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት ዘቕርብዎ ሓያለይ ኣገልግሎት: ከም ኣገልግሎት ቡስጣ: ናይ ፖሊስን ናይ ሓውን መከላኸሊ: ጽሬትን ትምህርትን ዝኣመሰሉ ሕሰብ። ጳውሎስ “ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ: በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 13:6) ብዛዕባ ግብሪ ወይ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሕጋዊ ግዴታ ዝምልከት “ብቕንዕና ክንነብር” ይግብኣና።—እብራውያን 13:18 ትሓዓ
9, 10. (ሀ) እቶም ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት: ኣብቲ ስርዓት ኣምላኽ እንታይ ቦታ ኢዩ ዘለዎም፧ (ለ) ነቶም ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት ምቅዋም ጌጋ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ሓድሓደ ግዜ: እቶም ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት ንሓይሎም ብጌጋ የዘውትርዎ ኢዮም። እዚስ ካብቲ ኣብ ትሕቲኦም ንምግዛእ ዘሎና ሓላፍነት ናጻ ይገብረና ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን: ኣይገብረናን ኢዩ። የሆዋ ነቲ ግጉይ ተግባራት ናይዞም ሰበ-ስልጣናት ይርእዮ ኢዩ። (ምሳሌ 15:3) ንግዝኣት ሰብ ተጻዊርዎ ዘሎ ነቲ ብልሽውናኡ ሸለል ስለ ዘበሎ ኣይኰነን: ንዓናውን ሸለል ክንብሎ ይጽበየና ማለት ኣይኰነን። እኳ ደኣ ኣምላኽሲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ‘ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክጭፍልቐንን ከጥፍአንን’: በታ ናይ ገዛእ ርእሱ ጻድቕ መንግስቲ ገይሩ ድማ ክትክአን ኢዩ። (ዳንኤል 2:44) እዚ ኽሳዕ ዝፍጸም ግን እቶም ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት ንጠቓሚ ዕላማ ከገልግሉ ኢዮም።
10 ጳውሎስ “ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 13:2) እቶም ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት ሕንፍሽፍሽን ስርዓት ኣልቦን ምእንቲ ከይዕብልል ዝቈጻጸር ሕጊ ብመጠኑ ክዕቅቡ ብምኽኣሎም “ስርዓት” ኣምላኽ ኢዮም። ንዕኦም ምቅዋም ዘይጽሑፋውን ዕሽነትን ኢዩ። ንመረድኢ:- እስኪ መጥባሕቲ ከም እተገብረልካ እሞ ቍስልኻ ድማ ብመስፈይቲ ከም እተላገበ ገይርካ ሕሰብ። ሽሕ’ኳ እቲ መስፈይቲ ክፍሊ ኣካላትካ እንተዘይኰነ ንእተወሰነ ግዜስ ኣገልግሎት ይህብ ኢዩ። ቅድሚ ግዜኡ ምልጋሱ ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ናይ ሰብ መንግስታዊ ሰበ-ስልጣናት ክፍሊ ናይቲ ናይ መጀመርያ ዕላማ ኣምላኽ ኣይነበረን። ይዅን እምበር: መንግስቱ ንምድሪ መሊኣ ክሳዕ እትገዝኣ: ምስቲ ኣምላኽ ነዚ ግዜና ፈቒድዎ ዘሎ ዕዮ ብምስምማዕ ንማሕበረሰብና ጠሚረን ሒዘናኦ ኣለዋ። ስለዚ ቐዳምነት ንሕጊ ኣምላኽን ስልጣኑን ክንህብ ከሎና: ነቶም ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት እዙዛት ኴንና ክንቅጽል ይግብኣና።
ስልጣን ኣብ ውሽጢ ስድራቤት
11. ነቲ ስርዓት ናይ ርእስነት ከመይ ገይርካ ምገለጽካዮ፧
11 ስድራቤት ኣብ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ መሰረታዊ ኣሃዱ ኢዩ። ኣብኡ ሰብኣይን ሰበይትን ዓስቢ ዘለዎ ምሕዝነት ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ቈልዑ ኸኣ ይዕቈቡን ናብ ዕብየት ክበጽሑ ይማሃሩን ኢዮም። (ምሳሌ 5:15-21፣ ኤፌሶን 6:1-4) ከምዚ ዝኣመሰለ ግሉሕ ስርዓት ነቶም ኣባላት ስድራቤት ብሰላምን ብስምምዕን ከንብሮም ብዝኽእል መገዲ ክመሓደር ይግባእ። የሆዋ ነዚ ዝፍጽመሉ መገዲ በቲ ናይ ርእስነት ስርዓት ገይሩ ኢዩ: ንሱ ድማ በተን ኣብ 1 ቈረንቶስ 11:3 ዘለዋ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ: ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ: ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ” ኢዩ ዝብላ ቓላት ተጠቓሊሉ ይርከብ።
12, 13. እቲ ናይ ስድራቤት ርእሲ መን ኢዩ: ካብቲ ናይ የሱስ ኣገባብ ናይ ርእስነትከ እንታይ ኢኻ ክትማሃር እትኽእል፧
12 ሰብኣይ ርእሲ ስድራቤት ኢዩ። ይኹን እምበር: ብልዕሊኡ ርእሲ ኣለዎ: ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ጳውሎስ ‘ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ: ርእሱ ድማ በጃኣ ዝሃበ: ኣቱም ሰብኡት ኣንስትኹም ኣፍቅሩ’ ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌሶን 5:25) ሰብኣይ ከምቲ የሱስ ንማሕበሩ ዝገብረላ ኣተሓሕዛ ገይሩ ምስ ዝሕዛ: ንክርስቶስ ዘለዎ ተገዛእነት የንጸባርቕ። (1 ዮሃንስ 2:6) የሱስ ዓቢ ስልጣን ኢዩ ተቐቢሉ: ይኹን እምበር: ብዝለዓለ ህድኣትን ፍቕርን ርትዓውነትን ኢዩ ዘዘውትሮ። (ማቴዎስ 20:25-28) የሱስ ከም ሰብ መጠን ነቲ ናይ ስልጣኑ መዓርግ ብዘይ ግቡእ ኣይተጠቕመሉን። ንሱ ‘ለዋህ: ልቡውን ትሑት’ ኢዩ ነይሩ: ንሰዓብቱ ኸኣ “ባሮት” ዘይኰነስ “ኣዕሩኽ” ኢሉ ኢዩ ዝጽውዖም ነይሩ። ‘ከዕርፈኩም እየ’ ዝብል ተስፋ ሃቦም: ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ገበረ።—ማቴዎስ 11:28, 29፣ ዮሃንስ 15:15
13 ናይ የሱስ ኣብነት ንሰብኡት ክርስትያናዊ ርእስነት ጨቋኒ ግዝኣት ከም ዘይኰነ ኢዩ ዝምህሮም። ኣብ ክንድኡስ: ኣኽብሮትን ናይ ርእሰ-መስዋእቲ ፍቕርን ዘለዎ ኢዩ። እዚ ኸኣ ንብጸይትኻ ብኣካል ይኹን ብቓል ዘይምግፋዕ ማለት ምዃኑ ንጹር ኢዩ። (ኤፌሶን 4:29, 31, 32፣ 5:28, 29፣ ቈሎሴ 3:19) ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንበዓልቲ ቤቱ ዝገፍዓ እንተድኣ ዀይኑ: እቲ ኻልእ ሰናይ ግብሩ ዋጋ ዘይብሉ ኢዩ ዝኸውን: ጸሎቱ ድማ ይዕገት።—1 ቈረንቶስ 13:1-3፣ 1 ጴጥሮስ 3:7
14, 15. እቲ ፍልጠት ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ኢዩ ንሓንቲ በዓልቲ ቤት ንበዓል ቤታ ክትግዛእ ዝሕግዛ፧
14 ሰብኣይ ንኣርኣያ ናይ ክርስቶስ እንተድኣ ቀዲሑ: በዓልቲ ቤቱ ምስቲ ኣብ ኤፌሶን 5:22, 23 ዘሎ ቃላት ተሰማሚዓ ክትመላለስ ዝቐለለ ክዀነላ ኢዩ:- “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ: ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ: ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ: ኣትን ኣንስቲ: ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።” ልክዕ ከምቲ ሰብኣይ ንክርስቶስ ክግዛእ ዘለዎ ሰበይቲ ድማ ንሰብኣያ ክትግዛእ ይግብኣ። ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ደገኛታት ኣንስቲ በቲ ኣምላኻዊ ጥበበንን ትግሃተንን ክብረትን ናእዳን ከም ዝግብአን ኣብሪሁ ይገልጽ ኢዩ።—ምሳሌ 31:10-31
15 እቲ ሓንቲ ክርስትያን በዓልቲ ቤት ንበዓል ቤታ እተርእዮ ተገዛእነት ደረት ዘለዎ ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ: ንሓደ ጉዳይ ተገዛኢ ምዃንካ ነቲ መለኮታዊ ሕጊ ኣብ ምጥሓስ ዘብጽሕ እንተድኣ ዀይኑ: ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ምእዛዝ ኢዩ ዝግባእ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ እውን እንተዀነ እቲ ናይታ በዓልቲ ቤት ጽኑዕ መርገጽ ብ“ህዱእን ለዋህን መንፈስ” እተሰነየ ክኸውን ይግባእ። ዝሓሸት በዓልቲ ቤት ክገብራ ዝኸኣለ ፍልጠት ኣምላኽ ምዃኑ ክገሃድ ይግባእ። (1 ጴጥሮስ 3:1-4) እዚ ስርዓት እዚ ኣብቲ ዘይኣማኒት በዓልቲ ቤት ዘላቶ ክርስትያን ሰብኣይውን ዝውዕል ኢዩ። ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዑ ምምልላሱ ዝሓሸ በዓል ቤት ክገብሮ ይግባእ።
16. ቈልዑ ከመይ ገይሮም ኢዮም ነቲ የሱስ መንእሰይ ከሎ ዝሓደገሎም ኣርኣያ ክቐድሕዎ ዝኽእሉ፧
16 ኤፌሶን 6:1 “ኣቱም ውሉድ: እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ: ንወለድኹም ብጐይታ ተአዘዝዎም” ብምባል ነቲ ግደ ናይ ቈልዑ ይገልጾ። ክርስትያን ቈልዑ ኣብነት ናይቲ ክዓቢ ኸሎ ብዘይምቍራጽ ንወለዱ ዝእዘዞም ዝነበረ የሱስ ኢዮም ዝስዕቡ። ከም ሓደ እዙዝ ወዲ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዐበየ።”—ሉቃስ 2:51, 52
17. እቲ ናይ ወለዲ ናይ ስልጣን ምዝውታር ኣገባብ ኣብቶም ቈልዑ እንታይ ጽልዋ ኢዩ ክህልዎ ዝኽአል፧
17 እቲ ወለዲ ንሓላፍነታቶም ዘለዎም ኣተሓሕዛ: ኣብቶም ቈልዑ: ንስልጣን ዘኽብሩ ክዀኑ ወይ ኣንጻሩ ክዓልዉ ጽልዋ ይገብር ኢዩ። (ምሳሌ 22:6) ስለዚ ወለዲ ንገዛእ ርእሶም: ‘ንስልጣነይ ብፍቕራዊ መገዲዶ ወይስ ብትሪ ኢየ ዘዘውትሮ፧ ሸለል በሃሊ ድየ፧’ ኢሎም ክሓቱ ጽቡቕ ኢዩ። ሓደ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ወላዲ ፈቃርን ሓላዪን: ግን ከኣ ኣምላኻዊ ስርዓታት ንምስዓብ ጽኑዕ ክኸውን ኢኻ እትጽበዮ። ምስዚ ብምስምማዕ ከኣ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ [የሆዋ ትሓዓ ] ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም [ቃል ብቓሉ: ‘ተዃቲኹካ ምቝጥዖም’]።”—ኤፌሶን 6:4፣ ቈሎሴ 3:21
18. ናይ ወለዲ ተግሳጽ ብኸመይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧
18 ወለዲ: ብሕልፊ’ኳ ደቆም እዙዛት ኰይኖም ሓጐስ ከምጽኡሎም ዝደልዩ እንተድኣ ዀይኖም ነቲ ናይ ምልምማድ ኣገባባት ኣርዝን ኣቢሎም ብምርኣይ ክምርምርዎ ይግባእ። (ምሳሌ 23:24, 25) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ተግሳጽ ብቐዳምነት ናይ መምሃሪ ኣገባብ ኢዩ። (ምሳሌ 4:1፣ 8:33) ምስ ፍቕርን ህድኣትን እምበር ምስ ቍጥዓን ጭከናን ኣይኰነን ተተሓሒዙ ዘሎ። ስለዚ ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ክግስጹ ኸለዉ: ብጥበብ ገይሮም ክገብርዎን ርእሶም ክገትኡን ይግባእ።—ምሳሌ 1:7
ስልጣን ኣብ ውሽጢ ጉባኤ
19. ኣምላኽ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጽቡቕ ስርዓት ምእንቲ ክህሉ እንታይ ምድላው ኢዩ ዝገብር፧
19 የሆዋ ናይ ስርዓት ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ንህዝቡ ስልጣን ዘለዎን ብጽቡቕ እተመሓደረን መሪሕነት ይቕርብ ኢዩ ኢልና ክንጽበዮ ምኽንያታዊ ኢዩ። በዚ መሰረት እዚ ኸኣ: ንየሱስ ርእሲ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክኸውን ሸይሙዎ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 14:33, 40፣ ኤፌሶን 1:20-23) ኣብ ትሕቲ እቲ ዘይርአ መሪሕነት ክርስቶስ: ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ነቲ መጓሰ ብህንጥዮትን ብፍታውን ብፍቕርን ተደሪዀም ዝጓስዩ ሽማግለታት ብምሻም: ነዚ ስርዓት እዚ ስልጣን ሂብዎ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ድያቆናት ብብዙሕ መገዲ ይድግፍዎምን ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ኸኣ ጠቓሚ ኣገልግሎት የቕርቡን ኢዮም።—ፊልጲ 1:1
20. ነቶም እተመዘዙ ክርስትያን ሽማግለታት ተገዛእቲ ክንከውን ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ: ስለምንታይከ ኢዩ ጠቓሚ ዝኸውን፧
20 ብዛዕባ ክርስትያን ሽማግለታት ዝምልከት ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም: ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ: ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር: ብጓሂ እንተ ገበርዎ: እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ።” (እብራውያን 13:17) ኣምላኽ ብጥበብ ተደሪኹ: ነቶም ክርስትያን ተዓዘብቲ ንመንፈሳዊ ድልየት ናይቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ክሓልዩ ሕድሪ ሂቡዎም ኣሎ። እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም ናይ ቤተ-ክህነት ጕጅለ ዘቝሙ ኣይኰኑን። ንሳቶምሲ: ልክዕ ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝገብሮ ዝነበረ: ንድሌታት ናይ ኣመንቲ ብጾቶም ዘገልግሉ ኣገልገልትን ባሮትን ኣምላኽ ኢዮም። (ዮሃንስ 10:14, 15) ኣብ ምዕብልናናን መንፈሳዊ ዕቤትናን ዝግደሱ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ዘለዎም ሰብኡት ከም ዘለዉና ምፍላጥ ተሓባበርትን ተገዛእትን ክንከውን ዘተባብዓና ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 16:16
21. እተመዘዙ ሽማግለታት ነቶም ኣመንቲ ብጾቶም ብመንፈሳዊ መገዲ ክሕግዝዎም ዝደልዩ ብኸመይ ኢዮም፧
21 ሓድሓደ ግዜ ሓንቲ በጊዕ መገዳ ክትስሕት ወይ ብጐዳኢ ዝዀነ ዓለማዊ ጠባያት ኣብ ሓደጋ ክትኣቱ ትኽእል ኢያ። ሽማግለታት: ከም ንኡሳን ጓሶት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቲ ቀንዲ ጓሳ ብምዃን ንድሌት ናይቶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮቶም ዘለዉ እናኣማልኡ ብትግሃት ብሕታዊ ኣቓልቦ ይገብሩሎም። (1 ጴጥሮስ 5:4) ንኣባላት ጉባኤ ይበጽሕዎምን ናይ ምትብባዕ ቃላት ይህቡዎምን ኢዮም። ድያብሎስ ንሰላም ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ክዘርግ ከም ዝደሊ ብምፍላጥ: ሽማግለታት ዝዀነ ይኹን ሽግር ክፈትሑ ኸለዉ እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ኢዮም ዘዘውትሩ። (ያእቆብ 3:17, 18) ሓድነትን ናይ እምነት ሕብረትን ክህሉ ኣበርቲዖም ኢዮም ዝጽዕሩ: እዚ ድማ የሱስ ዝጽልየሉ ዝነበረ ጉዳይ ኢዩ።—ዮሃንስ 17:20-22 1 ቈረንቶስ 1:10
22. ጌጋ ክግበር ከሎ ሽማግለታት እንታይ ሓገዝ ኢዮም ዝህቡ፧
22 ሓደ ክርስትያን ብገለ ሓጢኣት ይጭነቕ እንተሎ ወይ ከኣ ሓጢኣት ብምፍጻሙ ተስፋ ቘሪጹ እንተድኣ ኣልዩኸ፧ ዘጸናንዕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽርን እቲ ሽማግለታት ኣብ ክንድኡ ዘቕርብዎ ልባዊ ጸሎትን ኣብ መንፈሳዊ ጥዕናኡ ክምለስ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። (ያእቆብ 5:13-15) ከምኡውን እዞም ብመንፈስ ቅዱስ እተመዘዙ ሰብኡት እዚኣቶም: ተግሳጽ ክህቡን ነቶም ደድሕሪ እኩይ ተግባራት ዝስዕቡ ወይ ንመንፈሳውን ስነ-ምግባራውን ንጽህና ናይታ ጉባኤ ዘስግኡ ሰባት ክገንሑ ስልጣን ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28፣ ቲቶስ 1:9፣ 2:15) ንጽህና ናይታ ጉባኤ ምእንቲ ክሕሎ: ውልቀ-ሰባት ነቲ እተፈጸመ ከቢድ ኣበሳ ክነግሩ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ዘሌዋውያን 5:1) ሓደ ዓቢ ሓጢኣት ዝፈጸመ ክርስትያን: ጽሑፋዊ ተግሳጽን መግናሕትን እንተድኣ ተቐቢሉን ናይ ሓቂ ንስሓ ከም ዘርኣየ ኸኣ መረጋገጺ ሂቡን ክሕገዝ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: እቶም ተረርትን ዘይናስሑን ንሕጊ ዝግህሱ ሰባት ይውገዱ ኢዮም።—1 ቈረንቶስ 5:9-13
23. ክርስትያን ተዓዘብቲ ንሰናይ ናይታ ጉባኤ እንታይ ኢዮም ዘዳልዉ፧
23 መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ኣብ ትሕቲ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ንህዝቢ ኣምላኽ ምጽንናዕን ዕቝባን ዕረፍትን ምእንቲ ክህቡ ብመንፈስ ብሱላት ሰብኡት ከም ዝሽየሙ ተነብዩ ነበረ። (ኢሳይያስ 32:1, 2) መንፈሳዊ ዕቤት መታን ከደንፍዑ ከም ወንጌላውያንን ጓሶትን መምህራንን ኰይኖም መሪሕነት ዝወስዱ ኢዮም። (ኤፌሶን 4:11, 12, 16) ክርስትያን ሽማግለታት: ሽሕ’ኳ ሓድሓደ ግዜ ነቶም ኣመንቲ ብጾቶም ዝግስጽዎም: ዝቐጽዕዎም: ወይ ዝምዕድዎም እንተዀኑ: ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረት ጥዑይ ትምህርቲ ናይቶም ሽማግለታት ኣብ ግብሪ ምውዓል ንዅሎም ኣብ መገዲ ህይወት ከም ዝጸንዑ ዝገብር ኢዩ።—ምሳሌ 3:11, 12፣ 6:23፣ ቲቶስ 2:1
ነቲ የሆዋ ኣብ ስልጣን ዘለዎ ኣረኣእያ ተቐበሎ
24. ብዛዕባ ከመይ ዝበለ ጉዳይ ኢዩ መዓልታዊ ፈተና ዘጋጥመና፧
24 እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብዛዕባ ንስልጣን ምግዛእ ዝምልከት ጉዳይ ተፈቲኖም ኢዮም። ንዓናውን በብመዓልቱ ተመሳሳሊ ፈተና የጋጥመና ምዃኑ ዘገርም ኣይኰነን። ሰይጣን ድያብሎስ ኣብ መንጎ ደቅሰብ ናይ ዕልወት መንፈስ ኣማዕቢሉ ኣሎ። (ኤፌሶን 2:2) እቲ ናይ ርእስኻ ምምሕዳር መገዲ ብዘታልል ኣገባብ ካብቲ ናይ ተገዛእነት መገዲ ዝለዓለ: መሲሉ ኢዩ ዝርአ።
25. ነቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዓለወኛ መንፈስ ምንጻግን ነቲ ኣምላኽ ዘዘውትሮ ወይ ዘፍቅዶ ስልጣን ተገዛኢ ምዃንን ጥቕሙ እንታይ ኢዩ፧
25 ይኹን እምበር: ነቲ ናይ ዓለም ዓለወኛ መንፈስ ክንነጽጎ ይግብኣና። ከምዚ ብምግባርና: ኣምላኻዊ ተገዛእነት ክቡር ዓስቢ ዘምጽእ ኰይኑ ክንረኽቦ ኢና። ንኣብነት: ከምቶም ንዓለማውያን ሰበ-ስልጣናት ተዃቲኾም ሽግር ዘምጽኡ ሰባት ብዘይምዃንና ጭንቀትን ብስጭትን ከነርሕቕ ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ሰፊኑ ዘሎ ምስሕሓብ ክንቅንሶ ኢና። ምስ ኣመንቲ ክርስትያናት ብጾትና ድማ ንጥቕሚ ናይ ምውቕን ፍቕራውን ምሕዝነት ከነስተማቕሮ ኢና። ልዕሊ ዅሉ ግን: እቲ ኣምላኻዊ ተገዛእነትና ምስ የሆዋ: እቲ ዝለዓለ በዓል ስልጣን: ጽቡቕ ዝምድና ዘፍርየልና ክኸውን ኢዩ።
ፍልጠትካ ምዘን
የሆዋ ንስልጣኑ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዘዘውትሮ፧
እቶም “ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት” ተባሂሎም ዘለዉ መን ኢዮም: ከመይ ገይርናኸ ኢና እንእዘዞም፧
እቲ ስርዓት ናይ ርእስነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዘሸክም፧
ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከመይ ገይርና ኢና ተገዛእነትና እነርኢ፧
[ኣብ ገጽ 134 ዘሎ ሳጹን]
ተገዛእቲ ድኣ’ምበር ኣይመናዓብትን
ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ናይ ህዝባዊ ስብከት ንጥፈቶም ገይሮም: መንግስቲ ኣምላኽ ንሓቀኛ ሰላምን ደሓንን እንኰ ተስፋ ምዃና ይሕብሩ ኣለዉ። ይኹን እምበር: እዞም ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነተን ንሳቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ መንግስታት ፈጺሞም ኣየናዕቡን ኢዮም። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ: እቶም መሰኻኽር ካብቶም ኣዝዮም መኽበርትን ሕጊ ዝእዘዙን ዜጋታትን ኢዮም። ኣብ ሓንቲ ናይ ኣፍሪቃ ሃገር ሓደ በዓል ስልጣን “ኵለን ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነይረን እንተ ዝዀና: ቀተልቲ: ሰረቕቲ: ስድታት: እሱራት: ኣቶማዊ ቦምብታት ኣይምሃለውናን። መዓጹና ወግሐ ጸብሐ ክሽገጥ ኣይመድለዮን” በለ።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሰበ-ስልጠናት ነዚ ኣፍልጦ ስለ ዝሃቡሉ: እቲ ዕዮ ስብከት ናይቶም መሰኻኽር ከይተዓግተ ክቕጽል ኣፍቂዶምሉ ኣለዉ። ኣብ ገሊአን ሃገራት: እቶም ሰበ-ስልጣናት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሰናይ ነገር ጽልዋ ከም ዘለዎም ምስ ኣስተብሃሉ: ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረ እገዳታት ወይ ቀይድታት ኣልጊሶምሎም ኢዮም። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ነቶም ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት ምእዝዛዝ ኣመልኪቱ ዝጸሓፎ ኢዩ:- “ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ።”—ሮሜ 13:1, 3