ምዕራፍ ኣርባዕተ
ነቲ ጐራሕ ልብኻ ሓልዎ
1, 2. ናይ ሓቂ ዅነታት ምሳልያዊ ልብና ምፍላጥ ኣጸጋሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ሓደ ንግሆ ገና ኣብ ዓራትካ ኸለኻ፡ ኣብ ኣፍ ልብኻ ብርቱዕ ቃንዛ ተሰሚዑካ፡ ትንፋስ እውን ሓጺሩካ ንበል። ‘ወቕዒ ልቢ ደዀን ይኸውን፧’ ኢልካ ትሓስብ። ‘ኪኸውን ዘይክእል እዩ’ ኢልካ ነቲ ጕዳይ ዕሽሽ ምባልካ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይጠቕመካን እዩ። የግዳስ፡ ብኡንብኡ ስጕምቲ ኽትወስድ ኣሎካ። ሰብ ሞያ ሕክምና ምእንቲ ኺረድኡኻ፡ ኣምቡላንስ ትጽውዕ። ሓኪም እውን ብመሳርሒ ገይሩ ተጠንቂቑ ይምርምረካ ይኸውን። እቲ ብቕልጡፍ ዚግበር መርመራን ሕክምናን፡ ንህይወትካ ኼድሕና ይኽእል እዩ።
2 ብዛዕባ ምሳልያዊ ልብኻ ደኣኸ ቕልጡፍ ስጕምቲ ትወስድዶ፧ ኵነታት ምሳልያዊ ልብኻ ምፍላጥ ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ፧” ዚብል ነንብብ ኢና። (ኤር. 17:9) ስለዚ፡ መንፈሳዊ ጸገም ከም ዘሎና ኻልኦት ሰባት ምልክት ርእዮም ኪሻቐሉ ኸለዉ፡ ልብና ግን ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ጸገም ከም ዘየለ ኣምሲሉ ኼታልለና ይኽእል እዩ። ስለምንታይ ኢና ኽንታለል እንኽእል፧ ሓጥእ ዝንባለናን ሰይጣንን ስርዓቱን ንናይ ሓቂ ዅነታትና ኸም ዘይረኣየና ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ግን፡ ንልብና ብኸመይ ከም እንምርምሮ፡ ካብ ኤርምያስን ካብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣይሁድን ክንመሃር ንኽእል ኢና።
3. ሎሚ ናይ ብዙሓት ሰባት ኣማልኽቲ ዀይኖም ዘለዉ እንታይ እዮም፧
3 መንፈሳዊ ልቢ መብዛሕትኦም ኣይሁድ፡ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከም ዝነበረ ተራእዩ እዩ። ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሓዲጎም ናብ ኣማልኽቲ ከነኣን ኪኸዱ ኸለዉ፡ ሕልናኦም ኣይወግኦምን። የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኣቶም፡ “ኣማልኽትኻ ኽንዲ ፍቕዲ ኸተማታትካ እዮም እሞ፡ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ አለዉ፧ ብጊዜ መከራኻ ኼድሕኑኻ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖምሲ፡ ይተንስኡ” ብምባል ብድሆ ኣቕረበሎም። (ኤር. 2:28) ንሕና ንርእስና ኸም ኣምለኽቲ ጣኦት ጌርና ዘይንርኢ እኳ እንተ ዀንና፡ ንሰብ ኰነ ንነገር ልዕሊ ዅሉ ኽብ ኣቢልና ምስ እንርእዮ ግን፡ ከም ኣምላኽ ኰይኑና ኺበሃል ይከኣል እዩ። ብዙሓት ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ንስራሖም፡ ንጥዕናኦም፡ ንስድራ ቤቶም፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንዚፈትውዎም እንስሳታት ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ይህቡ እዮም። ገሊኦም ከኣ ንስፖርት፡ ንውሩያት ሰባት፡ ንተክኖሎጂ፡ ንዙረት፡ ወይ ንባህሎም ልዕሊ ዅሉ ኽብ ኣቢሎም ይርእዩ እዮም። ብዙሓት ሰባት ነዚ ነገራት እዚ ቐዳምነት ንምሃብ፡ ምስ ፈጣሪኦም ኪህልዎም ዚኽእል ርክብ ይስውኡ እዮም። ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ከምቶም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ሰብ ይሁዳ፡ በዚ ኺጽለዉ ይኽእሉዶ፧
ጐራሕ ልቢ ኼታልል ይኽእል
4. እቶም “ኣበይ አሎ ቓል እግዚኣብሄር፧ ይምጻእ ሕጃይ” ዝበሉ ሰባት ናይ ልቦም ድዮም ከምኡ ዚብሉ ነይሮም፧
4 እቲ ኣብ ከባቢ እቲ ኤርምያስ ንልቢ ኸም ሕሱም ገይሩ ዝገለጸሉ ቓላት ዘሎ ሓሳባት፡ ኣቓልቦኻ ዚስሕብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰባት፡ “ኣበይ አሎ ቓል እግዚኣብሄር፧ ይምጻእ ሕጃይ” ይብሉ ኸም ዝነበሩ፡ ኤርምያስ ኣስተውዒሉ ኣሎ። (ኤር. 17:15) እንተዀነ ግን፡ ናይ ልቦም ድዮም ነይሮም፧ እታ ኤርምያስ ዝጸሓፋ ምዕራፍ፡ “ሓጢኣት ይሁዳ ብብርዒ ሓጺን ብብልሒ ኣልማዝ ጽሑፍ እዩ፡ ኣብ ጽላት ልቦም . . . ከኣ ውቑር እዩ” ብዚብላ ቓላት እያ እትጅምር። እቲ ቐንዲ ጸገም፡ ሰብ ይሁዳ ‘ኣብ ሰብ ዚውከሉ፡ ቅልጽሞም ከኣ ኣብ ስጋ ዚገብሩ፡ ብልቦም እውን ካብ የሆዋ ዚርሕቑ’ እዮም ነይሮም። ኣብ የሆዋ ዚውከሉ፡ ካብኡ ድማ መምርሕን በረኸትን ዚደልዩ ሒደት ግን ነይሮም እዮም።—ኤር. 17:1, 5, 7።
5. ደቂ ዓዱ ንኤርምያስ፡ ነቲ የሆዋ ዝሃቦም መምርሒ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧
5 መብዛሕትኦም እንታይ ዓይነት ልቢ ኸም ዝነበሮም፡ በቲ ነቲ ኣምላኽ ዝበሎም ነገር ዝሃብዎ ምላሽ ተራእየ። (ኤርምያስ 17:21, 22 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ሰንበት ካብ ዕዮ ኣዕሪፎም፡ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ኪካፈሉላ እትግባእ መዓልቲ እያ ነይራ። ደቂ ዓዱ ንኤርምያስ፡ ብሰንበት ኪዓዩ ወይ ኪጐዓዙ ኣይነበሮምን። ነዚ መምርሒ እዚ ዝሃብዎ ምላሽ ግን፡ ንዅነታት ልቦም ዜቃልዕ እዩ ነይሩ። “ኣይሰምዑን፡ ኣእዛኖምውን ጽን ኣይበላን። ከይሰምዑን ከይግሰጹንሲ ኽሳውዶም ደኣ ኣትረሩ።” ሕጊ ኣምላኽ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ናይ ርእሶም ኣረኣእያ ነበሮም፣ እወ፡ ብሰንበት ጕዳዮም ይገብሩ ነበሩ።—ኤር. 17:23፣ ኢሳ. 58:13።
6, 7. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ነቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዚህቦ ምኽሪ እናፈለጠ ኽነሱ፡ እንታይ ኢሉ ኺሓስብ ይኽእል፧ (ለ) ኣኼባና ብኸመይ ኪጽሎ ይኽእል፧
6 ሎሚ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሰንበት ኣይኰንናን ዘለና። እቲ ሰብ ይሁዳ ዝገበርዎ ንልቦም ዘቃልዐ ተግባር ግን፡ መለበሚ ኪዀነና ይኽእል እዩ። (ቈሎ. 2:16) ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር፡ ደድሕሪ ንርእስና ዚጥዕመና ወይ ዓለማዊ ጕዳያት ኣይኰንናን እንስዕብ። ንኣምላኽ ከነሐጕስ እናበልና፡ ንርእስና ብዚጥዕመና መገዲ ምምልላስ፡ ክሳዕ ክንደይ ዕሽነት ምዃኑ ነስተውዕሎ ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ዘተኰሩ እሞ፡ እዚ ድማ ንነፍሶም ዕረፍቲ ዘምጸኣሎም ሓያሎ ሰባት ከም እንፈልጥ ኣየጠራጥርን እዩ። ብኸመይ ደኣ ኢና ኽንታለል እንኽእል፧
7 ሓደ ክርስትያን፡ ከምቲ ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ዚሓስብዎ ዝነበሩ፡ ልቡ ኼታልሎ ኸም ዘይክእል ገይሩ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብኣይ፡ ‘ንስድራ ቤተይ ዜድልዮም ንምምላእ፡ ስራሕ ክረክብ ኣሎኒ’ ኢሉ ኺሓስብ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ጌጋ ኣይኰነን። ካብዚ ተበጊሱ፡ ‘ጽቡቕ ስራሕ ንኽረክብ ወይ ንኺህልወኒ ዝያዳ ትምህርቲ የድልየኒ እዩ’ ኢሉ ኺሓስብ እንተ ጀሚሩኸ፧ እዚ እውን ዚወሓጠልካ ነገር ኪመስል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ‘ግዜ ተለዊጡ እዩ፡ ሎሚ ብህይወት ንምንባር ዜድሊ ስራሕ ንኺህልወካ ኸኣ ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ኣቲኻ ኽትመሃር ኣሎካ’ ናብ ዚብል መደምደምታ ኺመርሖ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ሓደ ሰብ ነቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ብዛዕባ ተወሳኺ ትምህርቲ ዝሃቦ ጥበባውን ሚዛናውን ምኽሪ ኣነኣኢሱ፡ ብቐሊሉ ኻብ ኣኼባታት ኪበኵር ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ገሊኦም በብቝሩብ ብኣተሓሳስባን ብኣረኣእያን እዛ ዓለም እዚኣ ተጸልዮም እዮም። (ኤፌ. 2:2, 3) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ዚብል መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ።—ሮሜ 12:2።a
8. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ብምንታይ እዩ ኺሕበን ዘለዎ፧ (ለ) ብዛዕባ ኣምላኽን ተግባራቱን ኣእምሮኣዊ ፍልጠት ካብ ምህላው ንላዕሊ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧
8 ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዓለም ሃብትን ምርኡይ ቦታን ነይርዎም እዩ። ገሊኦም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ክርስትያናት እውን ከምኡ ኣለዎም። ብዛዕባ እቲ ረኺቦምዎ ዘለዉ ኣሳልጦ ኸመይ ኪስምዖም ኣለዎ፧ ንሕናኸ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብኸመይ ክንርእዮም ኣሎና፧ የሆዋ ብኤርምያስ ኣቢሉ መልሲ ይህበና እዩ። (ኤርምያስ 9:23, 24 ኣንብብ።) ሓደ ሰብ ብሰብኣዊ ኣሳልጦኡ ኣብ ክንዲ ዚሕበን፡ ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ምፍላጥ ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢርካ ዚርአ ምዃኑ ኺእመን ኣለዎ። (1 ቈረ. 1:31) ብዛዕባ የሆዋ ምስትውዓልን ምፍላጥን ኪበሃል ከሎ ግን እንታይ ማለት እዩ፧ ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ሰባት ንስም ኣምላኽ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ነቲ ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ዝሰገሩሉን ናብ ምድሪ ተስፋ ኣብ ዝኣተዉሉን እዋን ኰነ ነቲ ብዘመን መሳፍንትን ብዘመን እሙናት ነገስታትን ንኣቦታቶም ዝገበረሎም ነገራት እውን ኣይሰሓትዎን። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ብሓቂ ኣይፈለጥዎን፡ ኣብኡ እውን ናይ ሓቂ እምነት ኣይነበሮምን። እንተዀነ ግን፡ ‘ኣነ ንጹህ እየ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ካባይ ኣርሒቑ ተመሊሱ’ ይብሉ ነበሩ።—ኤር. 2:35።
ልብና ጐራሕ ምዃኑ ምስትውዓልና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንልብና ብኸመይ ክንምርምሮ ንኽእል፧ እቲ ንልቢ ዚምርምር ኣምላኽ ብዛዕባና ዘለዎ ኣረኣእያኸ ብኸመይ ንፈልጥ፧
የሆዋ ንዓና ዚቐርጸሉ መገዲ
9. ልቢ ኪቕየር ከም ዚከኣል ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ብኸመይከ እዩ ኸምኡ ኺግበር ዚከኣል፧
9 እቶም ኤርምያስ ካብ ኣምላኽ መልእኽቲ ዜብጽሓሎም ዝነበረ ኣይሁድ፡ ልቦም ኪቕይሩ የድልዮም ነበረ። ኣምላኽ ነቶም ካብ ምርኮ ዚምለሱ፡ “[“የሆዋ፡” NW] ምዃነይ ኪፈልጡንስ፡ ልቢ ኽህቦም እየ፡ ብምሉእ ልቦም ናባይ ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ” ስለ ዝበለ፡ ልቦም ኪቕይሩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። (ኤር. 24:7) ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ለውጢ ኺግበር ይከኣል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ መብዛሕትና ንመንፈሳዊ ልብና ኸነመሓይሾ ንኽእል ኢና። ከምኡ ንምግባር ሰለስተ ነገር ኪማላእ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ዕቱብ ብሕታዊ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ምግባር፡ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብኸመይ ከም ዚዓዪ ምስትውዓል፡ ከምኡውን ብዛዕባኡ እተመሃርናዮ ነገራት ኣብ ግብሪ ምውዓል እዩ። ከምቶም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ሰባት ዘይኰነስ፡ ልብና በቲ ንልቢ ዚፍትን ኣምላኽ ንኺምርመር ድሌት ከነሕድር ኣሎና። ብመጽሓፍ ቅዱስን በቲ የሆዋ ንዝገበረልና ነገራት ዘሎና ግንዛበን ጌርና ንልብና ኽንምርምር ንኽእል ኢና። (መዝ. 17:3) ከምኡ ምግባር ብሓቂ ጥበባዊ እዩ!
10, 11. (ሀ) ኤርምያስ ንሰራሕ መሬት ኪርኢ ዝኸደ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነቲ የሆዋ ንሰባት ዚቐርጸሉ መገዲ ዚውስኖ እንታይ እዩ፧
10 ሰይጣን ንሰባት ብሓደ መገዲ ኣገዲዱ እዩ ኪቐርጾም ዚፍትን፣ ኣምላኽ ንሰባት ኪቐርጽ ከሎ ግን፡ ንውልቀ-ሰባት ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ነዚ ኸኣ ኣብቲ ንኤርምያስ ዘጋጠሞ ነገር ንርእዮ ኢና። ሓደ መዓልቲ፡ ኣምላኽ ንኤርምያስ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ኪኸይድ ነገሮ። እቲ ሰራሕ መሬት ብመዘወር ገይሩ ስራሑ ይሰርሕ ነበረ፣ እቲ ዝሰርሖ ኣቕሓ ምስ ተጸየቐ ግን፡ ነቲ ገና ልምሉም መሬት፡ ካልእ ኣቕሓ ገይሩ ሰርሖ። (ኤርምያስ 18:1-4 ኣንብብ።) ኤርምያስ ነዚ ኺርኢ መምርሒ እተዋህቦ ስለምንታይ እዩ፧ ካብኡኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
11 የሆዋ ንኤርምያስን ንእስራኤልን፡ ንሰባት ኰነ ንኣህዛብ ከም ዝደለዮ ገይሩ ናይ ምቕራጽ ስልጣን ከም ዘለዎ ኼርእዮም ደለየ። ኣምላኽ ነቲ መሬት ብኸመይ እዩ ዚሕዞ፧ የሆዋ ኸምቶም ሰብኣውያን ሰራሕቲ መሬት ዚገብርዎ፡ ጌጋታት ኣይገብርን እዩ፣ ቃሕ ስለ ዝበሎ ኢሉ እውን ንተግባራት ኢዱ ኣየጥፍእን እዩ። እቲ የሆዋ ንሰባት ዚገብሮ ነገር ዚውሰን፡ በቲ ንሳቶም ንኪቕረጹ ዘለዎም ፍቓደኛነት እዩ።—ኤርምያስ 18:6-10 ኣንብብ።
12. (ሀ) ዮኣቂም ነቲ የሆዋ ንኪቐርጾ ዝገበሮ ጻዕሪ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ (ለ) ካብቲ ብዛዕባ ዮኣቂም ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
12 የሆዋ ንውልቀ-ሰባት ዚቐርጽ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧ ሎሚ ብቐዳምነት፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚጥቀም። ሓደ ሰብ ንቓል ኣምላኽ ኬንብቦን ኣብ ግብሪ ኼውዕሎን ከሎ፡ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃኑ የርኢ፡ ኣምላኽ እውን ይቐርጾ። ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ብኸመይ ይቕረጹ ኸም ዝነበሩ ንምርኣይ፡ ኣብነት ንጉስ ዮኣቂም እስከ ንውሰድ። ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ ‘ንወዓላይ ኣይትዓምጾ’ ዚብል ትእዛዝ እኳ እንተሎ፡ እቲ ንጉስ ግን “ረርሒብ ክፍልታት” ንምስራሕ ንእስራኤላውያን ይምዝምዞም ነበረ። (ዘዳ. 24:14፣ ኤር. 22:13, 14, 17) ኣምላኽ ንዮኣቂም ብነብያት ኣቢሉ ኪቐርጾ ፈተነ። እቲ ንጉስ ግን ነቲ ጐራሕ ልቡ ሰዓበ። “ኣይሰምዕን” ብምባል፡ በቲ ኻብ ንእስነቱ ኣትሒዙ እተመላለሰሉ መገዲ ቐጸለ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ዮኣቂም፡ “ከም ኣቀባብራ ኣድጊ ኪቐብርዎ፡ ጓቲቶም ብኽንየው ደጌታት የሩሳሌም ኪድርብይዎ እዮም” በለ። (ኤር. 22:19, 21) ‘ኣነ ብባህርየይ ከምኡ እየ’ ኢልካ ምምላስ፡ ብሓቂ ዕሽነት እዩ። ሎሚ፡ ኣምላኽ ከም ኤርምያስ ዝኣመሰሉ ነብያት እኳ እንተ ዘይለኣኸ፡ መምርሒ ግን ይህበና እዩ። እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኸኣ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንርዳእን ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎን ይሕግዘና እዩ። እዚ ድማ ንመዓልታዊ ህይወትና ኺትንክፍ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣብ መርዓ ወይ ኣብ ካልእ ማሕበራዊ ጕዳይ ብዛዕባ ኺህሉ ዚግባእ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ወይ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ዚትንክፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ ብቓል ኣምላኽ ንኽንቅረጽ ፍቓደኛታት ዲና፧
13, 14. (ሀ) እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ወነንቲ ባሮት፡ ንእብራውያን ባሮቶም ሓራ ኼውጽእዎም እተሰማምዑ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ንናይ ሓቂ ልቢ እቶም ወነንቲ ባሮት ዘቃልዐ እንታይ እዩ፧
13 ካልእ ኣብነት እውን ንርአ። ባቢሎናውያን ንጼድቅያስ፡ ኣብ ትሕቲኦም ኰይኑ ንኺገዝእ፡ ኣብ ዝፋን ይሁዳ ኣደየብዎ። ድሕሪኡ፡ ጼድቅያስ ብኤርምያስ ኣቢሉ ኻብ ኣምላኽ ንእተዋህቦ ምኽሪ ዕሽሽ ኢሉ ዓለወ። (ኤር. 27:8, 12) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ከበብዋ። እቲ ንጉስን መሳፍንቱን፡ ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ንሕጊ ሙሴ ኺሕልዉ ኸም ዘለዎም ተሰምዖም። ጼድቅያስ፡ እብራውያን ባሮት ኣብ ሻውዓይቲ ዓመት ባርነቶም ሓራ ኺወጹ ኸም ዘለዎም ስለ ዝፈለጠ፡ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ባሮት ሓራ ንምውጻእ ኪዳን ኣተወ። (ዘጸ. 21:2፣ ኤር. 34:14) እወ፡ የሩሳሌም ብጸላኢ ተኸቢባ ኸላ፡ እቶም ህዝቢ ብሃንደበት ንባሮቶም ሓራ ኼውጽእዎም ከም ዘለዎም ተሰምዖም!—ኤርምያስ 34:8-10 ኣንብብ።
14 ጸኒሑ፡ ሰራዊት ግብጺ ንየሩሳሌም ኪረድእ ስለ ዝመጸ፡ ባቢሎናውያን ካብ ከበባኦም ተዛሕጡ። (ኤር. 37:5) እሞኸ እቶም ንባሮቶም ሓራ ዘውጽእዎም እንታይ ገበሩ፧ ነቶም ሓራ ኣውጺኦምዎም ዝነበሩ ባሮቶም፡ ከም ብሓድሽ ባሮት ገበርዎም። (ኤር. 34:11) ኣይሁድ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ እቲ ኣቐዲሞም ዝገበርዎ ሕማቕ ተግባራቶም ምእንቲ ኺድምሰሰሎም ኢሎም፡ ሕግታት ኣምላኽ ዜኽብሩ መሰሉ። እቲ ሓደጋ ምስ ኣልገሰ ግን፡ ናብ ናይ ቀደም መገዶም ተመልሱ። ነቲ ሕጊ እተቐበልዎ እኳ እንተ መሰሉ፡ በቲ ደሓር ዝገበርዎ ተግባራት ኣቢሎም ግን፡ ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መምርሒ ተሰማሚዖም ኪመላለሱን ብእኡ ኪቕረጹን ልባዊ ድሌት ከም ዘይብሎም ኣርኣዩ።
ካብቲ ኤርምያስ ብዛዕባ ሰራሕ መሬት ዝጸሓፎ ነገራት እንታይ ግብራዊ ትምህርቲ ኽትረክብ ትኽእል፧ ሎሚ የሆዋ ብኸመይ ይቐርጸና፧
ብየሆዋ ንኽትቅረጽ ፍቓደኛ ኹን
15. ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ብየሆዋ ኽትቅረጽ እትደሊ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።
15 ብሓገዝ ዓለምለኻዊት ጉባኤ የሆዋ፡ ንዝርዝር ጕዳያት ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሓውና እንተ ኣቘጢዑና፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና። (ኤፌ. 4:32) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ቕኑዕን ጥበባውን ምዃኑ ንእመን ንኸውን። ኰይኑ ግን፡ እንታይ ዓይነት መሬት ኢና፧ ብሓቂዶ ብየሆዋ ንኽንቅረጽ ፍቓደኛታት ኢና፧ ልብና ልምሉም እንተ ዀይኑ፡ ክንመሓየሽ ኢና፣ እቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት ንጥቕሙ ዚኸውን ኣቕሓ ገይሩ ኪቐርጸና እዩ። (ሮሜ 9:20, 21፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:20, 21 ኣንብብ።) ከምቲ ንዮኣቂም ዝነበሮ ዓይነት ልቢ ወይ ከምቲ ብግዜ ጼድቅያስ ንዝነበሩ ወነንቲ ባሮት ዝነበሮም ዓይነት ልቢ ኣብ ክንዲ ዚህልወና፡ የሆዋ ንኽብረት ንኪቐርጸና ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና።
16. ኤርምያስ እንታይ ኣገዳሲ ሓቂ ይፈልጥ ነበረ፧
16 ኤርምያስ እውን እንተ ዀነ፡ ብኣምላኽ ተቐሪጹ እዩ። እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧ “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ አሎኹ” ኢሉ ምዝራቡ፡ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮ ይእምተልና እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ንየሆዋ፡ “ቅጽዓኒ” ኢሉ ለመኖ። (ኤር. 10:23, 24) ኣቱም መንእሰያት፡ ንኤርምያስ ክትመስልዎ ዲኹም፧ ብሕጂ እውን ገና ብዙሕ ውሳነታት ክትገብሩ ኢኹም። ገሊኦም መንእሰያት፡ ‘ስጓሜኦም ኬቕንዑ’ ይደልዩ እዮም። ውሳነታት ክትገብሩ ኸለኹም፡ ካብ ኣምላኽ መምርሒ ኸተናድዩ ዲኹም፧ ወይስ ከም ኤርምያስ፡ ደቂ ሰብ ስጓሜኦም ኬቕንዑ ዓቕሚ ኸም ዘይብሎም ብትሕትና ኽትእመኑ ዲኹም፧ ካብ ኣምላኽ መምርሒ እንተ ደሊኹም፡ ንሱ እውን ከም ዚቐርጸኩም ኣይትረስዑ።
17-19. (ሀ) ኤርምያስ ናብ ኤፍራጥስ ነዊሕ ጕዕዞ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ተኣዛዝነት ኤርምያስ ብኸመይ ተፈቲኑ ኪኸውን ይኽእል፧ (ሐ) ኤርምያስ ምስታ ቕናት ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳይ እዙዝ ብምዃኑ፡ እንታይ እዩ ኺግበር ተኻኢሉ፧
17 ንኤርምያስ እተዋህቦ መዝነት፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚወሃቦ መምርሒ እዙዝ ኪኸውን ዜጠቓልል ነበረ። ኣብ ቦታኡ እንተ ትኸውን ኔርካ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒታት ምተቐበልካዶ፧ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሆዋ ንኤርምያስ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅናት ኪዕጠቕ ነገሮ። ቀጺሉ፡ ናብ ኤፍራጥስ ኪኸይድ ኣዘዞ። ኣብ ካርታ እንተ ተወኪስካ፡ 500 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሕቐት ኪጐዓዝ ከም ዝነበሮ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። ኤርምያስ ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ ነታ ቕናት ኣብ ምንቃዕ ከውሒ ሓቢእዋ ናብ የሩሳሌም ኪምለስ ተነግሮ። ጸኒሑ ድማ፡ ተመሊሱ ነታ ቕናት ኬምጽኣ ተነግሮ። (ኤርምያስ 13:1-9 ኣንብብ።) ብድምር፡ 2,000 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሕቀት ኪጐዓዝ ነበሮ። ሓያስያን መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓያሎ ኣዋርሕ ክንድኡ ዚኣክል ርሕቐት ከም እተጓዕዘ ኣይኣምኑን እዮም።b (እዝ. 7:9) ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ከምኡ ኢሉ እዩ ኣዚዝዎ፣ ኤርምያስ እውን ከምቲ እተባህሎ እዩ ገይሩ።
18 እቲ ነብዪ ኣኽራን ይሁዳ ሰጊሩ ናብ ኤፍራጥስ ኣቢሉ ብዚወስድ ምድረ በዳ ኺጐዓዝ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ነዚ ጕዕዞ እዚ ኸኣ፡ ነታ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅናት ንኺሓብእ ጥራይ ኢሉ እዩ ገይርዎ! ካብቲ ዚነብረሉ ኸባቢ ንነዊሕ እዋን ምጥፋኡ፡ ንጐረባብቱ ደንጽይዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ተመልሰ፡ እታ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅናት ምስኡ ኣይነበረትን። ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ነታ ቕናት ንኼምጽኣ ነዊሕ ጕዕዞ ኺገብር ነገሮ፣ ሽዑ ኸኣ ተበላሽያ፡ “ንሓደ ግዛዕ እኳ ዘይትጠቅም” ኰይና ጸንሓቶ። ‘ሕጅስ በዚሑ። እዚ ነገር እዚ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ የብሉን’ ኢሉ ኺሓስብ ምኸኣለ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ብኣምላኽ ስለ እተቐርጸ፡ ከምኡ ኣይበለን። ኣብ ክንዲ ዜማርር፡ ከምቲ እተኣዘዞ ገበረ!
19 ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ፡ ድሕሪ እቲ ኻልኣይ ጕዕዞኡ እዩ ገሊጹሉ። ኤርምያስ ዝገበሮ ተግባራት፡ ነቲ ድሕሪኡ ዘቕረቦ ሓያል መልእኽቲ ባይታ ኣንጸፈሉ። ከምዚ ድማ በለ፦ “እዚ ብትሪ ልቡ ዚመላለስ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼገልግሎምን ኪሰግደሎምን ዚስዕቦም፡ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ ኸምዛ ንሓደ ግዛዕ እኳ ዘይትጠቅም ቅናት ዝዀነት ኪኸውን እዩ።” (ኤር. 13:10) የሆዋ ንህዝቡ ብመሳጢ መገዲ እዩ ምሂርዎም። ኤርምያስ ኣብቲ ጢጥ ቅሚጥ ዚመስል ነገር እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ልቡ ንየሆዋ ይእዘዞ ምንባሩ፡ ኣብቲ የሆዋ ንልቢ እቶም ህዝቢ ንምትንካፍ ዝገበሮ ጻዕሪ ግደ ነይርዎ እዩ።—ኤር. 13:11።
20. ተኣዛዝነትካ ንገሊኦም ኪድንጽዎም ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ግን ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧
20 ሎሚ ክርስትያናት ከም ሓደ ኽፋል መለኮታዊ ትምህርቲ፡ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ኪጐዓዙ ኣየድልዮምን እዩ። ኰይኑ ግን፡ እቲ እትስዕቦ ክርስትያናዊ መገዲ ንጐረባብትኻ ወይ ንዚፈልጡኻ ሰባት ይድንጽዎም፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ከም ዚነቕፉኻ ይገብሮም ድዩ፧ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓኻን፡ እትመርጾ ዓይነት ትምህርቲ፡ እትሓርዮ ሞያ፡ ወይ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዘሎካ ኣረኣእያ ኣብዚ ኺጠቓለል ይኽእል እዩ። ከም ኤርምያስ፡ ምስቲ ኣምላኽ ዚህበካ መምርሒ ተሰማሚዕካ ንኽትመላለስ ቈሪጽካ ዲኻ፧ ልብኻ ብኣምላኽ ንኪቕረጽ ብምፍቃድካ እትገብሮ ምርጫታት፡ ሰናይ ምስክርነት ንኽትህብ የኽእለካ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ነቲ የሆዋ ብቓሉ ዀነ በቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኣቢሉ ዚህበካ መምርሒ እትእዘዝን እትቕበልን ምዃንካ፡ ነባሪ ጥቕሚ የምጽኣልካ እዩ። በቲ ጐራሕ ልብኻ ኣብ ክንዲ እትምራሕ፡ ከም ኤርምያስ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ሃየ እምበኣር፡ ብኣምላኽ ንኽትቅረጽ ፍቓደኛ ኹን፡ ንነባሪ ጥቕሚ ዚኸውን ኣቕሓ ኽብረት ኪገብረካ ኸኣ ፍቐደሉ።
ካብ ሰይጣንን ካብ ዘይፍጹም ልብናን ካብዛ ዓለም እዚኣን ዚመጽእ ጸቕጥታት ክንቃለስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
a ኤን.ኢ.ቲ. ባይብል (2005) ዚበሃል ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ እግረ-ጽሑፍ እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ሓደ ሰብ ንዓለም ብኸመይ ከም ዚመስላ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብኸፊል፡ ከይተፈለጠካ ኸም ዚግበር” ድሕሪ ምግላጽ፡ “ብእተወሰነ ግን እናተፈለጠካ ኸም እትመስል” ሓበረ። ኣብ መደምደምታ፡ “መብዛሕትኡ እዋን ናይ ክልቲኡ ድምር እዩ” በለ።
b ገሊኦም ሰባት፡ ኤርምያስ ናብ ኤፍራጥስ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቀረባ ናብ ዚርከብ ቦታ ኸም ዝኸደ ገይሮም ይሓስቡ እዮም። ስለምንታይ፧ ሓደ ምሁር፡ “ነዚ ሒስ እዚ ንኬቕርቡ ዝደረኾም እንኮ ምኽንያት፡ ነቲ ነብዪ ኻብቲ ኻብ የሩሳሌም ናብ ኤፍራጥስ ገይርዎ ዚበሃል ክልተ ኸቢድ ጕዕዞ ንኼድሕንዎ ኢሎም እዮም” በለ።