ምዕራፍ 13
“ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ”
ርእስና ዝወፈና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና፡ ኣብ ኵሉ እቲ እንዛረቦን እንገብሮን ነገራት ክብሪ የሆዋ ኸነንጸባርቕ ግዴታ ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እንተ በሊዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቲኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ጌርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ኢሉ መምርሒ ዚዀነና መሰረታዊ ስርዓት ሂቡና ኣሎ። (1 ቈረ. 10:31) እዚ ኸኣ በቲ ንፍጹም ባህርያት የሆዋ ዜንጸባርቕ ቅኑዕ ስርዓታት ኣምላኽ ተመሪሕካ ምንባር የጠቓልል። (ቈሎ. 3:10) ከም ቅዱሳት ህዝቢ መጠን፡ ንኣምላኽ ክንመስሎ ኣሎና።—ኤፌ. 5:1, 2።
2 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንክርስትያናት ንምዝኽኻር ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ከም እዙዛት ውሉዳት፡ በቲ ኣቐዲምኩም ብድንቍርናኹም ዝነበረኩም ትምኒት ደጊም ኣይትቀረጹ፣ የግዳስ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም እውን ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ፣ ከመይሲ፡ ‘ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ’ ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ።” (1 ጴጥ. 1:14-16) ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ዅላቶም፡ ከምቶም ጥንታውያን እስራኤላውያን ቅድስና ኺሕልዉ የድልዮም እዩ። እዚ ማለት ድማ ብሓጢኣትን ብዓለማውነትን ከይተበከሉ ንጹሃት ኰይኖም ኪነብሩ ኣለዎም ማለት እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንቕዱስ ኣገልግሎት እተፈልዩ ይዀኑ።—ዘጸ. 20:5።
3 ቅድስና ዚሕሎ፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ተዘርዚሩ እንረኽቦ ሕግታትን ስርዓታትን የሆዋ ብምስዓብ እዩ። (2 ጢሞ. 3:16) ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋን መገድታቱን ተማሂርናን ናብኡ ቐሪብናን ኢና። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደልን ፍቓድ የሆዋ ኣብ ህይወትና ልዑል ቦታ ኽንህቦን ከም ዘሎና እውን ኣሚንና ኢና። (ማቴ. 6:33፣ ሮሜ 12:2) ከምዚ ንምግባር፡ ሓድሽ ስብእና ኽንለብስ ኣድልዩና እዩ።—ኤፌ. 4:22-24።
መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ንጽህና
4 ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት የሆዋ ምስዓብ፡ ኵሉ ሳዕ ቀሊል እዩ ማለት ኣይኰነን። ሰይጣን ድያብሎስ እቲ መጻርርትና፡ ካብ ሓቂ ኼውጽኣና ይደሊ እዩ። ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም እትገብረልና እኩይ ጽልዋን ሓጥእ ስጋናን ኬሸግረና ይኽእል እዩ። ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ንምንባር፡ መንፈሳዊ ቓልሲ ኽንገብር ኣሎና። ተቓውሞ ወይ ፈተናታት ምስ ዜጋጥመና ኽንስንብድ ከም ዘይብልና፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይነግረና እዩ። ምእንቲ ጽድቂ ኢልና መከራ ኸነሕልፍ ኣሎና። (2 ጢሞ. 3:12) ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንገብር ከም ዘለና ዚሕብር ምዃኑ ብምፍላጥና፡ ክንሕጐስ ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 3:14-16፣ 4:12, 14-16።
5 የሱስ ፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ በቲ ዘሕለፎ መከራ ምእዛዝ ተማሂሩ እዩ። ንፈተናታት ሰይጣን ተምበርኪኹ ወይ ዓለማዊ ትምኒት ኣሕዲሩ ኣይፈልጥን እዩ። (ማቴ. 4:1-11፣ ዮሃ. 6:15) ሓንሳእ እውን እንተ ዀነ ኺለማለም ሓሲቡ ኣይፈልጥን እዩ። ተኣማንነቱ ኻብ ዓለም ጽልኢ የምጽኣሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት የሆዋ እዩ ዚስዕብ ነይሩ። ቀቅድሚ ሙማቱ ኸኣ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዓለም ንዓታቶም እውን ክትጸልኦም ምዃና ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። ካብቲ እዋን እቲ ንነጀው፡ ሰዓብቲ የሱስ ጸበባ ኼሕልፉ እኳ እንተ ጸንሑ፡ ወዲ ኣምላኽ ንዓለም ከም ዝሰዓራ ብምፍላጦም ተተባቢዖም እዮም።—ዮሃ. 15:19፣ 16:33፣ 17:16።
6 ካብ ዓለም ምእንቲ ኸይንኸውን፡ ከምቲ ጐይታና ዝገበሮ ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት የሆዋ ኽንስዕብ ኣሎና። ካብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጕዳያት ዓለም ክንርሕቕ፡ ነቲ ብልሹው ስነ ምግባራዊ ሃዋህው እዛ ዓለም እዚኣ ድማ ክንጻረሮ ኣሎና። ነቲ ኣብ ያእቆብ 1:21 ዚርከብ፡ “ኵሉ ጽያፍን ኵሉ ኣሰር ክፍኣትን ኣርሕቑ፣ ነቲ ኼድሕነኩም ዚኽእል ምትካል ቃል ከኣ ብልእመት ተቐበልዎ” ዚብል ምኽሪ ኣርዚንና ኽንርእዮ ይግባእ። መጽናዕትን ኣኼባታትን ንቓል ሓቂ ኣብ ኣእምሮናን ኣብ ልብናን ‘ይተኽሎ’ እዩ፣ ስለዚ ድማ፡ ነቲ ዓለም እተቕርቦ ፈጺምና ኣይንብህጎን ኢና። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ዕርክነት ምስ ዓለምሲ ጽልኢ ምስ ኣምላኽ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣር፡ እቲ ዓርኪ ዓለም ኪኸውን ዚደሊ፡ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን” ኢሉ ኣጠንቂቑ ኣሎ። (ያእ. 4:4) ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት ክንስዕብን ካብ ዓለም ፍሉያት ኴንና ኽንጸንሕን ኣትሪሩ ዚምዕደና።
7 እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ፡ ኣብ ዜሕፍርን ብዕሉግን ተግባራት እዛ ዓለም እዚኣ ኸይንካፈል የጠንቅቐና እዩ። “ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዐ ንቕዱሳት ዚግባእ ስለ ዘይኰነ፡ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ” ድማ ይብለና እዩ። (ኤፌ. 5:3) ስለዚ እምበኣር፡ ኣእምሮና ጽዩፍ፡ ዜሕፍር፡ ወይ ነውራም ነገራት ኬስተንትን ከነፍቅደሉ የብልናን፣ እዚ ኣብ ዝርርብና ኺኣቱ እውን ጠሪስና ኸነፍቅድ የብልናን። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ ንስነ ምግባር ዚምልከት ንጹህን ቅኑዕን ስርዓታት ኣምላኽ ክንስዕቦ ኸም እንድሊ መርትዖ ንህብ ኣሎና ማለት እዩ።
ኣካላዊ ንጽህና
8 ክርስትያናት ብመንፈስን ብስነ ምግባርን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኣካል እውን ንጹሃት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ይግንዘቡ እዮም። እቲ ኣምላኽ ቅድስና ዝዀነ የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤላውያን፡ ሰፈሮም ብንጽህና ኺሕዙ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። ንዓና እውን፡ ‘ገለ ዜሕፍር ነገር ምእንቲ ኸይርእየልና’ ንጹሃት ክንከውን ኣሎና።—ዘዳ. 23:14።
9 ቅድስናን ኣካላዊ ንጽህናን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ኣጸቢቑ ተኣሳሲሩ እዩ ዚርከብ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ፡ “ፍቑራተየ፡ . . . ብፍርሃት ኣምላኽ ናብ ፍጹም ቅድስና እናበጻሕና፡ ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (2 ቈረ. 7:1) ስለዚ እምበኣር፡ ክርስትያናት ሰብኡትን ኣንስትን ንጽህናኦም ንምሕላው፡ ክዳውንቶምን ሰብነቶምን ኣዘውቲሮም ኪሕጸቡ ይግባእ። ኣብ እተፈላለየ ሃገራት እተፈላለየ ዅነታት እኳ እንተሎ፡ ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ ንጽህናናን ንጽህና ደቅናን ንምሕላው ዜኽእል እኹል ሳሙናን ማይን ኣይንስእንን ኢና።
10 ህዝባዊ ምስክርነት ስለ እንህብ፡ ኣብቲ እንነብረሉ ማሕበረሰብ ኣጸቢቕና ፍሉጣት ኢና። ንቤትና ብውሽጡን ብደጊኡን ጽፉፍን ጽሩይን ምዕሩይን ጌርና ምስ እንሕዞ፡ ንጐረባብትና ምስክርነት ይህብ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤት አእጃሞም ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም። ጽፉፍ ቀጽሪ ገዛን ብግቡእ እተታሕዘ ቤትን ጽቡቕ ጦብላሕታ ስለ ዚሓድግ፡ ንቤቶምን ንኸባቢኡን ቈላሕታ ኺገብሩሉ ይግባእ። ቤቶም ብግቡእ ዜስተናብሩ ርእስታት ስድራ ቤት፡ ኣብ ርእሲ እቲ ንስድራ ቤቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ንምምራሕ ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ ጽሬት ኣባይቶም ንምሕላው ይጽዕሩ እዮም። (1 ጢሞ. 3:4, 12) ኣሓት እውን ቤተን ኪኣልያ ሓላፍነት ኣለወን። (ቲቶ. 2:4, 5) ብግቡእ ዝሰልጠኑ ቘልዑ ገዛእ ርእሶምን መደቀሲኦምን ጽፉፍን ጽሩይን ገይሮም ብምሓዝ ግዲኦም የበርክቱ እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣባላት ስድራ ቤት ነታ ብመንግስቲ ኣምላኽ እትመሓደር ሓዳስ ዓለም ዚበቅዕ ልማድ ጽሬት የማዕብሉ።
11 ሎሚ፡ ብዙሓት ካብ ህዝቢ የሆዋ ናብ ኣኼባታት ብማኪና ይኸዱ እዮም። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ንኣገልግሎት ግድን ብማኪና ኽትጐዓዓዝ ኣሎካ። ስለዚ፡ እታ ማኪና ዅሉ ሳዕ ብጽሬት ክትተሓዝን ግቡእ ጽገና ኺግበረላን ይግባእ። ቤትናን ማኪናናን ክፍሊ እቶም ንጹሃትን ቅዱሳትን ህዝቢ ምዃንና ኺምስክር ኣለዎ። እዚ ስርዓት እዚ ንናይ ኣገልግሎት ቦርሳናን ንመጽሓፍ ቅዱስናን እውን ይምልከት እዩ።
12 ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ። መሸም፡ ወዛል ወይ ተራ ኽዳን ተኸዲንና ኣብ ቅድሚ ምርኡይ ሰብ ክንቀርብ ኢልና ኣይንሓስቦን ኢና። ወኪላት የሆዋ ዄንና ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ወይ ኣብ መድረኽ ክንቀርብ ከለና ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ኽንጥንቀቕ ዘይግብኣና! ኣመለኻኽዓናን ኣከዳድናናን ካልኦት ሰባት ንኣምልኾ የሆዋ ብኸመይ ከም ዚርእይዎ ጽልዋ ይገብር እዩ። ትሕትና ዘይነርኢ ወይ ብኻልኦት ዘይንግደስ ክንከውን ኣይግባእን እዩ። (ሚክ. 6:8፣ 1 ቈረ. 10:31-33፣ 1 ጢሞ. 2:9, 10) ስለዚ፡ ናብ ኣገልግሎት፡ ናብ ኣኼባታት ጉባኤ፡ ናብ ኣኼባታት ወረዳ፡ ወይ ናብ ኣኼባታት ዞባ ኽንብገስ ከለና፡ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ኣካላዊ ንጽህናን ትሕትና ዜርኢ ትርኢትን ዚህቦ ሓሳባት ክንዝክሮ ይግባእ። እወ፡ ወትሩ ንየሆዋ ኸነኽብሮን ከነመጕሶን ንደሊ ኢና።
ርእስና ዝወፈና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና፡ ኣብ ኵሉ እቲ እንዛረቦን እንገብሮን ነገራት ክብሪ የሆዋ ኸነንጸባርቕ ግዴታ ኣሎና
13 ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ወይ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንበጽሕ ከለና እውን፡ ነዚ ስርዓት እዚ ኽንሕልዎ ኣሎና። ቤት-ኤል ማለት፡ “ቤት ኣምላኽ” ማለት ምዃኑ ንዘክር። ስለዚ፡ ኣከዳድናናን ኣካይዳናን ከምቲ ኣብ ኣኼባታት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክንእከብ ከለና እንገብሮ ኪኸውን ኣለዎ።
14 ኣብ እዋን ዕረፍትና እውን እንተ ዀነ፡ ንኣከዳድናናን ንኣመለኻኽዓናን ዕሽሽ ክንብሎ ኣይንደልን ኢና። ስለዚ፡ ንርእስና፡ ‘ብሰንኪ ኣከዳድናይ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ምሃብ የሕፍረኒ ድዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።
ጥዑይ መዘናግዒ
15 ሚዛናውያን ምእንቲ ኽንከውን፡ ጥዕናና ድማ ምእንቲ ኺሕሎ፡ ዕረፍትን መዘናግዕን የድልየና እዩ። የሱስ እውን ንደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ኣብ ጽምዊ ቦታ ኸይዶም ‘ሓንሳእ ኬዕርፉ’ ዓዲምዎም እዩ። (ማር. 6:31) ዕረፍትን ጥዑይ መዘናግዕን ዜሐጕስ መሕለፍ ግዜ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንቡር ስራሕና ንምዕያይ ኬሐድሰና ይኽእል እዩ።
16 ኣብዚ ሎሚ ብዙሕ ዓይነት መዘናግዒ ዚርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ክርስትያናት መረጽቲ ኪዀኑን ኣብ ዚገብርዎ ዘበለ ብጥበብ ኣምላኽ ኪምርሑን ኣለዎም። ምዝንጋዕ ቦታኡ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ኣብ ህይወት ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ኣይኰነን። ሰባት ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” “ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ዚፈትዉ” ከም ዝዀኑ መጠንቀቕታ ተዋሂቡና እዩ። (2 ጢሞ. 3:1, 4) መብዛሕትኡ እቲ ሎሚ መዘናግዒ ዚብሃል ዘሎ፡ ነቶም በቲ ቕኑዕ ስርዓታት የሆዋ ኺነብሩ ዚደልዩ ባህ ዜብል ኣይኰነን።
17 ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ኣብታ ተድላ እትፈቱ ዓለም ዝነበረ ሕማቕ ሃዋህው ኪቃወምዎ ነይርዎም እዩ። ተዓዘብቲ ኣብ ሰርከስ ሮማውያን ብዚርአ ስቓይ ካልኦት እዮም ዚዘናግዑ ነይሮም። ቀንዲ መዘናግዒ እቲ ህዝቢ፡ ዓመጻን ቅትለትን ምንዝርናን እዩ ነይሩ፣ ቀዳሞት ክርስትያናት ግና ካብዚ ይርሕቁ ነይሮም እዮም። መብዛሕትኡ ሎሚ ዘሎ መዘናግዒታት እውን ተመሳሳሊ መልክዕ ዘለዎ ዀይኑ፡ ነቲ ሕማቕ ባህጊ ሰባት ዜዕግብ እዩ። ካብ ብልሹው መዘናግዒ ብምርሓቕ፡ ከመይ ከም እንመላለስ ‘ኣጸቢቕና ኽንጥንቀቕ’ ኣሎና። (ኤፌ. 5:15, 16፣ መዝ. 11:5) ኣብ ገሊኡ፡ እቲ መዘናግዒ ንባዕሉ ሕማቕ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ሃዋህው ግና ዘይቅቡል ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ጴጥ. 4:1-4።
18 ክርስትያናት ኪዘናግዑሉ ዚኽእሉ ብዙሕ ዓይነት ጥዑይ መዘናግዒታት ኣሎ። ሓያሎ ሰባት ነቲ ኣብ ጽሑፋትና ዚርከብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽርን ሚዛናዊ ርእይቶታትን ብምስዓቦም ተጠቒሞም እዮም።
19 ሓድሓደ ግዜ፡ ገለ ስድራ ቤታት ክርስትያናዊ ምሕዝነተን ንምድልዳል ይተዓዳደማ እየን። ወይ ከኣ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ውራይ መርዓ ወይ ኣብ ተመሳሳሊ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ይዕደሙ እዮም። (ዮሃ. 2:2) እቶም ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ኣአንገድቲ ዝዀኑ ውልቀ ሰባት በቲ ዚፍጸም ነገራት ሓላፍነት ኪስምዖም ኣለዎ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ዚተኣኻኸቡሉ ኣጋጣሚ ጥንቃቐ ምግባር ከም ዜድሊ ፍሉጥ እዩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእኽኻብ እተራእየ ሸለልትነት፡ ገሊኦም ብልዕን መስተን ስለ ዜብዝሑ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ካልእ ከቢድ ኣበሳ ስለ ዝፈጸሙ፡ ንክርስትያናት ዘይግባእ ነገር ገይሮም እዮም። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ኣስተውዓልቲ ክርስትያናት ንስፍሓትን ንንውሓትን ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእኽኻብ ደረት ምግባር ጠቓሚ ምዃኑ ተገንዚቦም እዮም። ኣልኮላዊ መስተ እንተ ቐሪቡ፡ ሚዛን ኪሕሎ ኣለዎ። (ፊል. 4:5፡ እ.ጽ.) እቲ ምትእኽኻብ ጥዑይን ብመንፈስ ዚሃንጽን ኪኸውን ጻዕሪ እንተ ተገይሩ፡ ብልዕን መስተን ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኪኸውንን እዩ።
20 ተቐባል ጋሻ ምዃን ዚነኣድ ባህርይ እዩ። (1 ጴጥ. 4:9) እኽለ ማይ ንምጥዓም፡ ንምዝንጋዕ፡ ንምሕዝነት ኢልና ሰባት ናብ ቤትና ኽንዕድም ከለና፡ ንጽጉማት ክንዝክሮም ንደሊ ኢና። (ሉቃ. 14:12-14) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ኣጋይሽ እንተ ዄንና፡ ኣካይዳና ምስቲ ኣብ ማርቆስ 12:31 ዚርከብ ምኽሪ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ። ኵሉ ሳዕ ንዚግበረልና ጽቡቕ ከነማስወሉ ግቡእ እዩ።
21 ክርስትያናት በቲ ልግሲ ዝመልኦ ውህበት ኣምላኽ ባህ ይብሎም፡ ‘ኪበልዑን ኪሰትዩን፡ ብዅሉ ጻዕሮም ከኣ ኪሕጐሱ’ ምኽኣሎም እውን የሐጕሶም እዩ። (መክ. 3:12, 13) ‘ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ምስ እንገብሮ፡’ ኣአንገድትን ዕዱማትን ካብቲ ዚገብርዎ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ብመንፈሳዊ መዳይ ስለ ዚሕደሱ፡ ዕግበት ይረኽቡ እዮም።
ንጥፈታት ቤት ትምህርቲ
22 ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መሰረታዊ ዓለማዊ ትምህርቲ ይጥቀሙ እዮም። ቤት ትምህርቲ ኣትዮም ኪምሃሩ ኸለዉ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜንብቡን ከም ዚጽሕፉን ኪፈልጡ ይደልዩ እዮም። መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚምሃርዎ ኻልእ ዓይነት ትምህርቲ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብቲ ዚገብርዎ መንፈሳዊ ሸቶታት ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። ቤት ትምህርቲ ኣትዮም ኪምሃሩ ኸለዉ፡ ኣብ ህይወቶም መንፈሳዊ ነገራት ብምቕዳም ‘ነቲ ዓብዪ ፈጣሪኦም ኪዝክሩ’ ብትግሃት ኪጽዕሩ ይደልዩ እዮም።—መክ. 12:1።
23 ተምሃራይ መንእሰይ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ምስ ዓለማውያን መንእሰያት ብዘየድሊ ኸይትሓብር ወይ ግዜ ኸይተሕልፍ ተጠንቀቕ። (2 ጢሞ. 3:1, 2) የሆዋ ዜድሊ ዕቝባ ኣዳልዩ ስለ ዘሎ፡ ብዓለም ምእንቲ ኸይትጽሎ ኽትገብሮ እትኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ። (መዝ. 23:4፣ 91:1, 2) ስለዚ፡ ገዛእ ርእስኻ ምእንቲ ኽትሕሉ፡ ነቲ የሆዋ ዚገብሮ መሰናድዎታት ተጠቐመሉ።—መዝ. 23:5።
24 መብዛሕትኦም መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ቤት ትምህርቶም ካብ ዓለም ምእንቲ ኺፍለዩ፡ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ኣብ ዚግበር ንጥፈታት ኣይሳተፉን እዮም። እዚ ንመማህርትኻን ንመምህራንካን ኣይርድኦምን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ምሕጓስ እዩ ብቐዳምነት ዜገድስ። ከምኡ ንምግባር ድማ፡ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናና ኽንጥቀመሉን ኣብ ዓለማዊ ውድድር ወይ ሃገራውነት ከይንሳተፍ ክንቈርጽን ኣሎና። (ገላ. 5:19, 26) ስለዚ ኣቱም መንእሰያት፡ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለድኹም ንዚህቡኹም ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ብምስማዕ፡ ካብቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እትረኽብዎ ጽቡቕ ምሕዝነት ድማ ብምጥቃም፡ ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት የሆዋ ኽትሕልዉ ትኽእሉ ኢኹም።
ዓለማዊ ስራሕን ምሕዝነትን
25 ርእስታት ስድራ ቤት ንቤተ ሰቦም ኪናብዩ ቕዱስ ጽሑፋዊ ግዴታ ኣለዎም። (1 ጢሞ. 5:8) ይኹን እምበር፡ ከም ኣገልገልቲ መጠን ዓለማዊ ስራሖም ምስቲ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዚዓይይዎ ዕዮ ኺነጻጸር ከሎ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ዚስራዕ ምዃኑ ይግንዘቡ እዮም። (ማቴ. 6:33፣ ሮሜ 11:13) በቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ተወፋይነት እናተመላለሱ፡ ብምግብን ክዳንን እንተ ዓጊቦም፡ ንጭንቀትን ንመፈንጠራን እቲ ፍቕረ ንዋያዊ ኣነባብራ የወግድዎ እዮም።—1 ጢሞ. 6:6-10።
26 ኵሎም እቶም ዓለማዊ ስራሕ ዚሰርሑ ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኪዝክሩ ኣለዎም። ንናብራ ዜድልየና ነገራት ብቕንዕና ምምእራር ኪብሃል ከሎ፡ ሕጊ ኣምላኽ ወይ ሕጊ እታ እንነብረላ ሃገር ኣብ ዚጥሕስ ተግባራት ኣይንካፈልን ማለት እዩ። (ሮሜ 13:1, 2፣ 1 ቈረ. 6:9, 10) ሕማቕ ዕርክነት ሓደገኛ ምዃኑ ዅሉ ሳዕ ክንዝክር ኣሎና። ከም ወተሃደራት ክርስቶስ መጠን፡ ስርዓታት ኣምላኽ ዚጥሕስ፡ ክርስትያናዊ ገለልትነትና ዜበላሹ፡ ወይ ንመንፈሳውነትና ኣብ ሓደጋ ዜውድቕ ስራሕ ኣይንሰርሕን ኢና። (ኢሳ. 2:4፣ 2 ጢሞ. 2:4) ምስታ ብሃይማኖታዊ መዳይ ጸላኢት ኣምላኽ ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” እውን ርክብ የብልናን።—ራእ. 18:2, 4፣ 2 ቈረ. 6:14-17።
27 ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት ኣምላኽ ጠቢቕና ምስዓብና፡ ንቲኦክራስያዊ ሕብረትና ንግዳዊ ረብሓታት ወይ ብሕታዊ ጥቕሚ ንምድንፋዕ ከይንጥቀመሉ ይኽልክለና እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣብ ኣኼባታት ወረዳን ኣብ ኣኼባታት ዞባን ምስ ካልኦት እንተኣኻኸበሉ ዕላማ፡ ንየሆዋ ንምምላኽ ጥራይ እዩ። ካብቲ መንፈሳዊ መኣዱ ንምገብን ‘ንሓድሕድና ንተባባዕን’ ኢና። (ሮሜ 1:11, 12፣ እብ. 10:24, 25) እዚ ርክብ እዚ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ጥራይ ዘተኰረ ኪኸውን ኣለዎ።
ብክርስትያናዊ ሓድነት ምንባር
28 እቲ የሆዋ ህዝቡ ኺምርሑሉ ዘውጽኦ ቕኑዕ ስርዓታት፡ ‘ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ክንሕልዎ’ እውን ዚሓትት እዩ። (ኤፌ. 4:1-3) ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ባህ ኬብል ዘይኰነስ ንኻልኦት ኪጠቅም እዩ ዚደሊ። (1 ተሰ. 5:15) ኣብ ጉባኤኻ፡ እዚ መንፈስ እዚ ኸም ዝረኣኻ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ዓሌታዊ፡ ሃገራዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቍጠባዊ፡ ወይ ትምህርታዊ ድሕረ ባይታና ብዘየገድስ ኵላትና ብሕደ ስርዓታት ኢና እንመሓደር። እቶም ኣብ ወጻኢ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ እውን ከይተረፈ ነዚ ፍሉይ ባህርይ ህዝቢ የሆዋ ተዓዚቦምዎ እዮም።—1 ጴጥ. 2:12።
29 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ መሰረት ሓድነትና እንታይ ምዃኑ ኼጕልሕ ከሎ፡ “ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም፡ ሓደ ሰብነትን ሓደ መንፈስን ኣሎ፣ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ኣሎ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ኤፌ. 4:4-6) ስለዚ ድማ፡ ኣብቲ መሰረታዊ ዝዀነ ሰረተ እምነታት መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣብቲ ምስ ልዑላውነት የሆዋ ዚተሓሓዝ ዓሚቝ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ግንዛበ ሓድነት ኪህሉ ኣለዎ። ብሓቂ ኸኣ፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ብሓድነት ምእንቲ ኼገልግልዎ፡ ጽሩይ ቋንቋ ሓቂ ሂብዎም እዩ።—ጸፎ. 3:9።
30 እቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ሓድነትን ሰላምን ንዅሎም ኣምለኽቲ የሆዋ መንፈሶም የሐድሶም እዩ። እቲ፡ “ከም ኣባጊዕ ኣብ ደምበ፡ . . . ብሓደ ኽገብሮም እየ” ዚብል የሆዋ ዘተስፈዎ ቓል ኪፍጸም ከሎ ርኢናዮ ኢና። (ሚክ. 2:12) ወትሩ ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት የሆዋ ሓሊና ብምምልላስ፡ ነቲ ሰላማዊ ሓድነት እቲ ኽንዕቅቦ ንደሊ ኢና።
31 እቶም ኣብታ ንጽህቲ ጉባኤ የሆዋ ኺነብሩ ተቐባልነት ዝረኸቡ ሰባት ሕጉሳት እዮም! እቲ ብስም የሆዋ ኽንጽዋዕ ረኺብናዮ ዘለና ፍሉይ መሰል፡ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ኽንከፍለሉ ዚግባእ እዩ። ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ኽቡር ርክብ ሓብሒብና እናሓዝና፡ ባዕልና ነቲ ቕኑዕ ስርዓታቱ ንምሕላውን ካልኦት እውን ኪሕልውዎ ንምትብባዕን ተግሂና ኽንጽዕር ኢና።—2 ቈረ. 3:18።