ምዕራፍ 14
ሰላምን ንጽህናን እታ ጉባኤ ንሓሉ
ከም ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ዓዓመት ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ናብቲ ጽሩይ ኣምልኾ ቤት የሆዋ ይውሕዙ ኣለዉ። (ሚክ. 4:1, 2) ንዓታቶም ናብታ “ጉባኤ ኣምላኽ” ምቕባል ኣዝዩ የሐጕሰና እዩ! (ግብ. 20:28) ምሳና ዀይኖም ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ኣጋጣሚ ምርካቦም ኣኽቢሮም ይርእይዎ እዮም፣ በቲ ኣብ መንፈሳዊ ገነትና ዘሎ ንጹህን ሰላማውን ሃዋህው እውን ባህ ይብሎም እዩ። ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስን ኣብ ቃሉ ዚርከብ ጥበባዊ ምኽርን፡ ሰላምና ኽንዕቅብ፡ ንጽህና ጉባኤና ድማ ክንሕሉ ይሕግዘና እዩ።—መዝ. 119:105፣ ዘካ. 4:6።
2 መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓልና፡ “ሓድሽ ስብእና” ኽንለብስ የኽእለና እዩ። (ቈሎ. 3:10) ንኣሽቱ ግጭታትን ብሕታዊ ዘይምስምማዓትን ሸለል ኢልና ንሓልፍ ኢና። ኣረኣእያና ኸም ኣረኣእያ የሆዋ ብምግባር ከኣ፡ ነቲ ኸፋፋሊ ዓለማዊ ጽልዋታት ንሰግሮ ኢና፣ ኣብ መላእ ዓለም ዘለና ኣሕዋት ከኣ ብሓድነት ንዓዪ ኢና።—ግብ. 10:34, 35።
3 ይኹን እምበር፡ ሓሓሊፉ ንሰላምን ንሓድነትን እታ ጉባኤ ዚጸሉ ጸገማት የጋጥም እዩ። ጠንቂ እዚ እንታይ እዩ፧ ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓል እዩ። ምስቲ ዘይፍጹም ሰብኣዊ ዝንባለና ኽንቃለስ ኣሎና። ዋላ ሓደ ኻባና ሓጢኣት ዘይብሉ የልቦን። (1 ዮሃ. 1:10) ሓደ ሰብ ናብታ ጉባኤ ስነ ምግባራዊ ወይ መንፈሳዊ ርኽሰት ኬተኣታቱ ዚኽእል ግጉይ ስጕምቲ ኺወስድ ይኽእል እዩ። ብዘይ ሓልዮት ብእተዛረብናዮ ቓላት ወይ ብዝገበርናዮ ተግባር ንሰብ ከነጕሂ ንኽእል፡ ወይ ከኣ ካልእ ሰብ ብዝበሎ ወይ ብዝገበሮ ኽንዕንቀፍ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 3:23) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን፡ ንምእራሙ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧
4 የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ኣብ ግምት ኣእትይዎ ኣሎ። ጸገማት ኪልዓል ከሎ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና፡ ቃሉ ምኽሪ ይህበና እዩ። ፈቃራት መንፈሳውያን ጓሶት፡ ማለት ሽማግለታት ብሕታዊ ሓገዝ ንምሃብ ቅሩባት እዮም። ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ነቲ ምስ ሰባት ዘሎና ጽቡቕ ርክብ ናብ ዝነበሮ ኽንመልሶ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ድማ ጽቡቕ ኣካይዳ ኺህልወና ይኽእል እዩ። ኣበሳ ብምፍጻምና ተግሳጽ ወይ መግናሕቲ እንተ ተዋሂቡና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መአረምታ መግለጺ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ምሳ. 3:11, 12፣ እብ. 12:6።
ንኣሽቱ ዘይምስምማዓት ምድቃስ
5 ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ግጭታት ወይ ንኣሽቱ ጸገማት ዚልዓለሉ እዋናት ኪህሉ ይኽእል እዩ። እዚ ቐልጢፍካ ብሕውነታዊ ፍቕሪ ኺፍታሕ ኣለዎ። (ኤፌ. 4:26፣ ፊል. 2:2-4፣ ቈሎ. 3:12-14) እቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ክርስትያን ብጻይካን ዚልዓል ብሕታዊ ጸገማት፡ ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ፍቕሪ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ንሓድሕድኩም ሓያል ፍቕሪ ትሃሉኹም” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኪፍታሕ ይከኣል እዩ። (1 ጴጥ. 4:8) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና” ይብል እዩ። (ያእ. 3:2) ነታ ንኻልኦት ከምቲ ኺገብሩልና እንደልዮም ክንገብረሎም እትእዝዝ ወርቃዊት ሕጊ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕላ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንንኣሽቱ በደላት ይቕረ ኽንብልን ክንርስዕን ንኽእል ኢና።—ማቴ. 6:14, 15፣ 7:12።
6 ሓደ ሰብ ብዘረባኻ ወይ ብተግባርካ ኸም ዝጐሃየ እንተ ኣስተውዒልካ፡ ከይደንጐኻ ብተበግሶኻ ምስኡ ኽትዕረቕ ኣሎካ። እዚ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ እውን ከም ዚትንኪ ኣይትረስዕ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እምበኣር፡ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጺእካ፡ ኣብኡ ኸኣ ሓውካ ጕህዩልካ ኸም ዘሎ እንተ ዘኪርካ፡ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ሓዲግካ ኺድ። ቅድም፡ ምስ ሓውካ ተዓረቕ፣ ድሕሪኡ፡ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ” ኢሉ መኺርዎም እዩ። (ማቴ. 5:23, 24) ዘይምርድዳእ ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መስመር ክፉት ግበሮ። ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅላቶም ብጽቡቕ ዚዘራረቡ እንተ ዀይኖም፡ ነቲ ዘይምርድዳኣት ንምውጋድን ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ንዚልዓል ጸገማት ንምፍታሕን ብዙሕ ይጠቅም እዩ።
ዜድሊ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ምሃብ
7 ሓድሓደ ግዜ፡ ሓለውቲ ንሓደ ሰብ ኣተሓሳስባኡ ምእንቲ ኼዐሪ፡ ኪመኽርዎ የድሊ ይኸውን። እዚ ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ገላትያ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብዘይ ፍላጥ እንተ ስሒቱ፡ ንስኻትኩም መንፈሳዊ ብቕዓታት ዘማላእኩም፡ ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ብልኡም መንፈስ ኣቕንዕዎ” ኢልዎም እዩ።—ገላ. 6:1።
8 ሓለውቲ ነተን መጓሰ ብምጕሳይ፡ ነታ ጉባኤ ኻብ ሓያሎ መንፈሳዊ ሓደጋታት ኪሕልውዋ፡ ከቢድ ጸገማት ድማ ኬወግዱ ይኽእሉ እዮም። ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ዚህብዎ ኣገልግሎት፡ ነቲ የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “ነፍሲ ወከፍ ድማ ካብ ንፋስ ከም መሕብኢ፡ ካብ ሃጽፊ ኸም መኸወሊ፡ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓይዝ ማይ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ” ብምባል ዝኣተዎ ቓል ዜማልእ ኪኸውን ኣለዎ።—ኢሳ. 32:2።
ብዘይ ስርዓት ንዚመላለሱ ምልክት ምግባር
9 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ገሊኦም ሰባት ኣብ ጉባኤ ሕማቕ ጽልዋ ኼሕድሩ ኸም ዚኽእሉ ኣጠንቂቑ እዩ። “በቲ ኻባና እተቐበልኩምዎ ስርዓት ዘይኰነስ፡ ብዘይ ስርዓት ካብ ዚመላለስ ዘበለ ሓው ክትርሕቑ . . . ንእዝዘኩም ኣለና” ኢሉ ኸኣ ምዒዱ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኺሓፍርሲ፡ ምልክት ግበሩሉ፡ ደጊም ምስኡ እውን ኣይትሕበሩ። ግናኸ፡ ከም ሓው ደኣ ምዓድዎ እምበር፡ ከም ጸላእስ ኣይትቝጸርዎ” ብምባል ነቲ ሓሳባቱ ኣነጺርዎ እዩ።—2 ተሰ. 3:6, 14, 15።
10 ካብ ጉባኤ ኸም ዚውገድ ኪገብር ዚኽእል ከቢድ ሓጢኣት ዘይፈጸመ ክነሱ፡ ነቲ ክርስትያናት ኪምርሑሉ ዘለዎም ስርዓት ኣምላኽ ብንቕጽና ዘይቅበል ሰብ ሓሓሊፉ የጋጥም እዩ። ንኣብነት፡ ኣመና ህኩይ፡ ነቓፊ፡ ወይ ረሳሕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ‘ኣብ ዘይምልከቶ ይኣቱ ይኸውን።’ (2 ተሰ. 3:11) ወይ ከኣ ንኻልኦት ብስጋ ኺብለጸሎም ይፍትን ወይ ዘይግቡእ ምዃኑ ብንጹር ዚፍለጥ መዘናግዒ ይጥቀም ይኸውን። እዚ ስርዓት ዘይብሉ ኣካይዳ እዚ፡ ነታ ጉባኤ ሕማቕ ስም ኬውህባን ናብ ካልኦት ክርስትያናት ኪልሕምን ዚኽእል ክብድ ዝበለ ነገር እዩ።
11 ኣብ ፈለማ፡ እቶም ሽማግለታት ነቲ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ሰብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ብምሃብ እዮም ኪሕግዝዎ ዚጽዕሩ። ግናኸ፡ እቲ ሰብ ነቲ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ዚብሎ እንተ ዀይኑ፡ እቶም ሽማግለታት ኣብ ጉባኤ ናይ መጠንቀቕታ መደረ ንምሃብ ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ሽማግለታት፡ ሓደ ጕዳይ ናይ መጠንቀቕታ መደረ ኽሳዕ ምሃብ ዜብጽሕ ከቢድን ንኻልኦት ዚርብሽን እንተ ዀይኑ ንምውሳን፡ ኬስተውዕሉ ኣለዎም። እቲ ተዛራባይ ብዛዕባ እቲ ስርዓት ዘይብሉ ኣካይዳ ግቡእ ምኽሪ ኺህብ ኣለዎ፣ ስም እቲ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ሰብ ግና ኣይጠቅስን እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቶም ነቲ ኣብቲ መደረ እተገልጸ ዅነታት ዚፈልጡ ሰባት፡ ‘ከም ሓው እናመዓድዎ’ ምስኡ ዘለዎም መንፈሳዊ ሕብረት ዚቕጽሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንማሕበራዊ ርክባቶም ግና ደረት ይገብሩሉ እዮም።
12 እሙናት ክርስትያናት ዘለዎም ጽኑዕ መትከል፡ ነቲ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ሰብ ከም ዚሓፍርን ከም ዚንሳሕን ይገብሮ ይኸውን። እቲ ሰብ ነቲ ስርዓት ኣልቦ ኣካይዳኡ ኸም ዝሓደጎ ብንጹር ምስ ተራእየ፡ ምልክት ከም እተገብረሉ ጌርካ ምርኣዩ ኣድላዪ ኣይኰነን።
ገሊኡ ኸቢድ በደላት ምፍታሕ
13 ንበደላት ዕሽሽ ክንብልን ይቕረ ኽንብልን ፍቓደኛታት ምዃንና፡ ኣበሳ ኣየተሓሳስበናን እዩ ወይ ንቕበሎ ኢና ማለት ኣይኰነን። ኵሉ በደላት ምስ ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና ዚተሓሓዝ ኣይኰነን፣ ንዓበይቲ በደላት ዕሽሽ ምባሉ እውን ግቡእ ኣይኰነን። (ዘሌ. 19:17፣ መዝ. 141:5) ኣብ ኪዳን ሕጊ ገሊኡ ሓጢኣት ካብ ካልእ ሓጢኣት ዝኸበደ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ፣ እዚ ኣብ ክርስትያናዊ ስርዓት እውን ይዓዪ እዩ።—1 ዮሃ. 5:16, 17።
14 የሱስ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ብጾት ኪልዓል ዚኽእል ከቢድ ጸገማት ንምፍታሕ ዜኽእል ንጹር ኣገባብ ሰሪዑ ኣሎ። ነቲ ንሱ ዝሰርዖ ስጕምትታት እሞ ኣስተብህለሉ፦ “ሓውካ እንተ በዲሉካ፡ [1] ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም በደሉ ንገሮ። እንተ ሰሚዑካ፡ ንሓውካ ረቢሕካዮ። እንተ ዘይሰሚዑካ ግና፡ [2] ኵሉ ነገር ብምስክርነት ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንዓታቶም እንተ ዘይሰሚዕዎም ከኣ፡ [3] ንጉባኤ ንገራ። ነታ ጉባኤ እውን እንተ ዘይሰሚዕዋ ግና፡ ከም ካብ ኣህዛብን ከም ኣካብ ቀረጽን ቍጸሮ።”—ማቴ. 18:15-17።
15 ነታ የሱስ ስዒቡ ዝመሰላ ኣብ ማቴዎስ 18:23-35 ተመዝጊባ እትርከብ ምሳሌ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ኣብ ማቴዎስ 18:15-17 ዚዝረበሉ ዘሎ ዓይነት ሓጢኣት ምስ ገንዘብ ወይ ንብረት ዚተሓሓዝ፡ ንኣብነት፡ ዕዳ ምስ ዘይምኽፋል ወይ ምስ ምትላል ዚተሓሓዝ እዩ ዚመስል። ወይ ከኣ እቲ በደል ንስም ሰብ ዜጸልም ሕሜት ኪኸውን ይኽእል እዩ።
16 ሓደ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ በደል ከም ዝበደለካ መርትዖ እንተ ኣሎካ፡ ተቐላጢፍካ ናብ ሽማግለታት ወይ ካልኦት ብምኻድ ጣልቃ ኺኣትዉ ኣይትሕተት። ከምቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ፡ መጀመርታ ነቲ ዝበደለካ ሰብ ኬድካ ኣዛራርቦ። ንኻልእ ሰብ ከይእተኻ፡ ነቲ ጕዳይ ኣብ መንጎ ኽልቴኹም ጥራይ ክትፈትሖ ጽዓር። የሱስ ‘ሓንሳእ ጥራይ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም በደሉ ንገሮ’ ኸም ዘይበለ ዘክር። ስለዚ፡ እቲ ሰብ ጌጋኡ ተኣሚኑ ይቕረታ እንተ ዘይሓቲቱ፡ ጸኒሕካ ኸም ብሓድሽ ክትቀርቦ ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ጕዳይ በዚ ኸምዚ ኺፍታሕ እንተ ተኻኢሉ ኸኣ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ ሓጢኣቱ ዘይምንጋርካ ወይ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዝነበሮ ጽቡቕ ስም ዘይምብልሻውካ ብርግጽ ኬሐጕሶ እዩ። እወ፡ “ንሓውካ ረቢሕካዮ” ኢኻ።
17 እቲ በዳሊ ኸም ዝበደለ ኣሚኑ ይቕረታ እንተ ሓቲቱን ነቲ ጕዳይ ኬዐርዮ እንተ ጽዒሩን፡ ተወሳኺ ስጕምቲ ምውሳድ ኣየድልን እዩ። እቲ በደል ከቢድ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰብ ጕዳይ ጥራይ ኪፍታሕ ይኽእል እዩ።
18 “ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም” በደሉ ብምንጋር ንሓውኻ ኽትረብሖ እንተ ዘይክኢልካ፡ ድሕሪኡ ኸምቲ የሱስ ዝበሎ ኽትገብር፡ ማለት ‘ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ወሲድካ’ ኸም ብሓድሽ ከተዛራርቦ ትኽእል ኢኻ። እቶም ምሳኻ እትወስዶም እውን ሸቶኦም ነቲ ሓው ኪረብሕዎ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ነቲ እተገብረ በደል መሰኻኽር ዚዀኑ ሰባት እንተ ወሰድካ ይምረጽ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እንተ ዘየለዉ ግና፡ ኣብቲ ምይይጥ ሓደ ወይ ክልተ መሰኻኽር ኪዀኑ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ተላዒሉ ዘሎ ጕዳይ ተመክሮ ዘለዎምን እቲ እተፈጸመ ነገር ብሓቂ በደል እንተ ዀይኑ ኼረጋግጹ ዚኽእሉን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። መሰኻኽር ኪዀኑ ዚምረጹ ሽማግለታት፡ እቲ ኣካል ሽማግለታት ኣብቲ ጕዳይ እቲ ብንጹር ስለ ዘይመደቦም፡ ነታ ጉባኤ ኣይውክሉን እዮም።
19 እቲ ጕዳይ ድሕሪ ተደጋጋሚ ጻዕርታት እንተ ዘይተፈቲሑ፡ ማለት ንበይኑ ድሕሪ ምዝርራብካን ምስ ሓደ ወይ ክልተ ኻልኦት ድሕሪ ምኻድካን እንተ ዘይተፈቲሑ፡ ንስኻ እውን ነዚ ሸለል ኢልካ ኽትሓልፎ ዘይትደሊ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ጕዳይ ንሓለውቲ እታ ጉባኤ ኽትነግር ኣሎካ። ሸቶኦም ኣብታ ጉባኤ ሰላምን ንጽህናን ኪሕሎ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ንሽማግለታት ምስ ቀረብካዮም፡ ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢዶም ሕደጎ፡ ኣብ የሆዋ ኸኣ እምንቶ ኣሕድር። ኣካይዳ ሓደ ሰብ ኪዕንቅፈካ ወይ ካብ ኣገልግሎት የሆዋ እትረኽቦ ሓጐስ ኬጥፍኣልካ ኣይተፍቅድ።—መዝ. 119:165።
20 እቶም ነተን መጓሰ ዚጓስዩ ጓሶት ነቲ ጕዳይ ኪምርምርዎ እዮም። እቲ ሓው ከቢድ በደል ከም ዝበደለካ፡ ግናኸ ኪንሳሕ ኰነ ሚዛናውን ግቡእን ካሕሳ ኪኽሕስ ፍቓደኛ ኸም ዘይኰነ እንተ ኣረጋጊጾም፡ ኮሚተ ሓለውቲ ነቲ በደለኛ ኻብታ ጉባኤ ኼውጽእዎ የድልዮም ይኸውን። በዚ ኸምዚ፡ ነተን መጓሰ የዕቍብወን፡ ንንጽህና እታ ጉባኤ ድማ ይሕልዉ።—ማቴ. 18:17።
ንኸቢድ ኣበሳ ዚምልከት ጕዳያት ምሓዝ
21 ከም ምንዝርናን ዝሙትን ግብረ ሶዶምን ጸርፊ ንኣምላኽን ክሕደትን ኣምልኾ ጣኦትን ዝኣመሰለ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዚፍጸም፡ እተበደለ ውልቀ ሰብ ይቕረ ኢሉ ኺሕለፍ ዚከኣል ኣይኰነን። (1 ቈረ. 6:9, 10፣ ገላ. 5:19-21) መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ንጽህና እታ ጉባኤ ኣብ ሓደጋ ስለ ዝኣተወ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ንሽማግለታት ኪንገሮምን ብኣታቶም ኪትሓዝን ኣለዎ። (1 ቈረ. 5:6፣ ያእ. 5:14, 15) ገሊኦም ውልቀ ሰባት ሓጢኣቶም ንምንዛዝ ወይ ካልኦት ዝፈጸምዎ ኣበሳ ንምንጋር ናብ ሽማግለታት ኪቐርቡ ይኽእሉ እዮም። (ዘሌ. 5:1፣ ያእ. 5:16) እቶም ሽማግለታት ነቲ እተጠምቀ ናይ የሆዋ ምስክር ዚምልከት ከቢድ ኣበሳ ኣብ መጀመርታ ዝሰምዑሉ መገዲ ብዘየገድስ፡ ክልተ ሽማግለታት ፈለማዊ መርመራ ይገብሩ። እቲ ሓበሬታ ርዝነት ዘለዎን ከቢድ ሓጢኣት ከም እተፈጸመ መርትዖ ዚርከቦን እንተ ዀይኑ፡ እቶም ኣካል ሽማግለታት እንተ ወሓደ ሰለስተ ሽማግለታት ዚርከብዎ ኮሚተ ፍርዲ ነቲ ጕዳይ ኪሕዝ ይምድቡ።
22 ሽማግለታት ነተን መጓሰ ኻብ ዝዀነ ይኹን ብመንፈስ ዚጐድአን ነገር ንምክልኻል ነቒሖም ይከታተሉ እዮም። ነቶም እተጋገዩ ንምግናሕ ቃል ኣምላኽ ብሜላ ይጥቀሙሉ፡ ናብ መንፈሳዊ ጥዕናኦም ኪመልስዎም ድማ ይጽዕሩ እዮም።። (ይሁ. 21-23) እዚ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን . . . እእዝዘካ ኣለኹ፦ . . . ብዅሉ ዓቕልን ጥበብ ኣመሃህራን ከኣ ግናሕ፡ ውቐስ፡ ምዓድ” ኢሉ ዝሃቦ ትእዛዝ ዚሰማማዕ እዩ። (2 ጢሞ. 4:1, 2) ከምዚ ምግባር ብዙሕ ግዜ ዜድልዮ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ግና ክፍሊ እቲ ሽማግለታት ዚገብርዎ ኸቢድ ዕዮ እዩ። እታ ጉባኤ ነቲ ጻዕርታቶም ተድንቖ፡ ‘ዕጽፊ ኽብሪ ኸም ዚግብኦም’ እውን ትኣምን እያ።—1 ጢሞ. 5:17።
23 ሓጢኣት ከም እተፈጸመ ምስ ዚረጋገጽ፡ እቶም ሓለውቲ ብቐዳምነት ነቲ ኣባሲ ናብ መንፈሳዊ ጥዕናኡ ኺመልሱ እዮም ዚጽዕሩ። ብሓቂ ዚንሳሕ እንተ ዀይኑን ኪሕግዝዎ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖምን፡ ብውልቂ ወይ ኣብ ቅድሚ እቶም እቲ ጕዳይ ፍርዲ ኺስማዕ ከሎ ዝመስከሩ መሰኻኽር መግናሕቲ ምሃቡ፡ ንዕኡ ተግሳጽ ይዀኖ፡ ነቶም ነቲ ጕዳይ ዚፈልጡ ድማ ጥዑይ ፍርሃት ይሓድሮም እዩ። (2 ሳሙ. 12:13፣ 1 ጢሞ. 5:20) ኣብ ኵሉ እዚ ብኮሚተ ፍርዲ ዚውሃብ መግናሕቲ፡ እገዳታት ይግበር እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ኣባሲ ድሕሪኡ ንኣእጋሩ “ትኽ ዝበለ መገዲ” ኺገብር ይሕገዝ። (እብ. 12:13) እቲ ውልቀ ሰብ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሓዊ ኸሎ፡ በብቝሩብ እዚ እገዳታት እዚ ኺልዓለሉ ይኽእል እዩ።
ምልክታ መግናሕቲ
24 ኮሚተ ፍርዲ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ከም እተነስሐ እንተ ወሲኑ፡ ግናኸ እቲ ጕዳይ ኣብታ ጉባኤ ወይ ኣብቲ ማሕበረሰብ ኪፍለጥ ሰፊሕ ኣጋጣሚ እንተ ኣልይዎ፡ ወይ ከኣ እታ ጉባኤ ካብቲ ዚንሳሕ ኣባሲ ኽትጥንቀቕ እንተ ኣልይዋ፡ ኣብ ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ሓጺር ምልክታ ይንበብ እዩ። እቲ ምልክታ፡ “[እገለ] መግናሕቲ ተዋሂብዎ እዩ” ዚብል ኪኸውን ኣለዎ።
እቲ ውሳነ፡ ውገዳ እንተ ዀይኑ
25 ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ እቲ ኣባሲ በቲ ሓጥእ መገዱ ንምምልላስ ልቡ ኼትርርን ነቲ ዚግበረሉ ጻዕርታት ምቕባል ኪኣብን ይኽእል እዩ። እቲ ጕዳይ ብኮሚተ ፍርዲ ኣብ ዚስምዓሉ እዋን ከኣ፡ እኹል ዚብሃል “ንንስሓ ዚበቅዕ ግብሪ” ኣየርእን ይኸውን። (ግብ. 26:20) ሽዑ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት፡ ነቲ ዘይንሳሕ ኣባሲ ኻብታ ጉባኤ ኸም ዚወጽእ ኪግበር ኣለዎ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ምስቲ ንጹህ ህዝቢ የሆዋ ሕብረት ኣይህልዎን። እቲ ኣባሲ ዘለዎ ሕማቕ ጽልዋ ኻብታ ጉባኤ ይእለ፣ ብእኡ ኣቢልካ ኸኣ መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ንጽህና እታ ጉባኤ ይሕሎ፡ ጽቡቕ ስማ እውን ይዕቀብ። (ዘዳ. 21:20, 21፣ 22:23, 24) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሓደ ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበረ ሰብ ነውራም ተግባር ከም ዝገበረ ምስ ፈለጠ፡ ነቶም ሽማግለታት፡ “መንፈስ [እታ ጉባኤ] . . . ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ . . . ንሰይጣን ኣሕሊፍኩም ሃብዎ” ኢሉ ምዒድዎም እዩ። (1 ቈረ. 5:5, 11-13) ጳውሎስ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ካብ ሓቂ ዝዓለዉ ሰባት ከም እተወገዱ እውን ገሊጹ ኣሎ።—1 ጢሞ. 1:20።
26 ሓደ ዘይንሳሕ ኣባሲ ኺውገድ ከም ዘለዎ ምስ ተወሰነ፡ ኮሚተ ፍርዲ ነቲ ሰብ፡ ነቲ ዚውገደሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት(ታት) ብምጥቃስ ነቲ ውሳነ ብንጹር ኬፍልጦ ኣለዎ። እቲ ኮሚተ ፍርዲ ነቲ ኣባሲ፡ እቲ እተገብረ ውሳነ ኺነግሮ ኸሎ፡ ኣብቲ ፍርዲ ኸቢድ ጌጋ ኸም እተገብረ እንተ ሓሲቡን ይግባይ ኪብል እንተ ደልዩን፡ ነቲ ይግባይ ዚብለሉ ምኽንያት ጠቒሱ ብደብዳበ ይግባይ ኪብል ከም ዚኽእል ይሕብሮ እዩ። ነዚ ንምግባር፡ ካብቲ ውሳነ እቲ ኮሚተ እተነግረሉ እዋን ሸውዓተ መዓልቲ ኺፍቀደሉ ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ይግባይ እንተ ቐሪቡ፡ እቶም ኣካል ሽማግለታት ነቲ ሓላው ወረዳ ይሕብርዎ፣ ንሱ ድማ ነቲ ጕዳይ ከም ብሓድሽ ዚሰምዑ ኮሚተ ይግባይ ዚዀኑ ብቑዓት ሽማግለታት ይሓሪ። ንሳቶም ከኣ እቲ ይግባይ ዚስምዓሉ ግዜ፡ ካብቲ እታ ደብዳበ ዝበጽሓቶም ግዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኪኸውን ብእተኻእለ መጠን ጻዕሪ ይገብሩ። ይግባይ እንተ ተባሂሉ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ከም እተወገደ ዚገልጽ ምልክታ ተወንዚፉ ይጸንሕ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ እቲ ኽሱስ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ካብ ምሃብን ካብ ምጽላይን ካብ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎትን ተኸልኪሉ ይጸንሕ።
27 ይግባይ ዚስማዕ፡ ነቲ ኽሱስ ለውሃት ንምርኣይን ነቲ ዘተሓሳሰቦ ነገር ዳግም ኪሰምዓሉን ተባሂሉ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ኣባሲ ኣብቲ ይግባይ ዚስምዓሉ እዋን ኰነ ኢሉ እንተ ዘይመጺኡ፡ ምስኡ ንምርኻብ እኹል ጻዕርታት ድሕሪ ምግባር ከም እተወገደ ምልክታ ይንገር።
28 እቲ ኣባሲ ይግባይ ኪብል እንተ ዘይደልዩ፡ እቲ ኮሚተ ፍርዲ ነቲ ኣባሲ ንስሓ ኽሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑን ኣብ እዋኑ ኺምለስ እንታይ ስጕምትታት ኪወስድ ከም ዜድልዮን ይገልጸሉ። እዚ ድማ ንምሕጋዙ ዚግበር ለውሃት እዩ፣ መገዱ ኪቕይርን ድሕሪ ግዜ ናብ ውድብ የሆዋ ኺምለስን ካብ ዚብል ተስፋ ተላዒልካ ኺንገሮ ይግባእ።—2 ቈረ. 2:6, 7።
ምልክታ ውገዳ
29 ንዘይንሳሕ ኣባሲ ኻብ ጉባኤ ምውጋድ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ “[እገለ] ድሕሪ ደጊም ናይ የሆዋ ምስክር ኣይኰነን” ዚብል ሓጺር ምልክታ ይንገር። እዚ ኸኣ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ እሙናት ክርስትያናት ምስቲ ሰብ ከይሓብሩ የንቅሖም።—1 ቈረ. 5:11።
ርእሰ ግለላ
30 እታ “ርእሰ ግለላ” እትብል ስያመ፡ ነቲ ሓደ እተጠምቀ ናይ የሆዋ ምስክር ንክርስትያናዊ መትከሉ ዀነ ኢሉ ብምኽሓድ፡ ድሕሪ ደጊም ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ኺፍለጥ ከም ዘይደሊ ኣብ ዚገልጸሉ እዋን እዩ ዚዕየየላ። ወይ ከኣ ነቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዎ ቦታ ብግብሩ ይኽሕድ ይኸውን፣ ንኣብነት፡ ኣብቲ ምስ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ዚጻርር ዕላማ ዘለዎን ፍርዲ የሆዋ ኣምላኽ ዚጽበ ዘሎን ዓለማዊ ውድብ ይኣቱ ይኸውን።—ኢሳ. 2:4፣ ራእ. 19:17-21።
31 ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናዊ እምነቶም ዝኸሓዱ ሰባት ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ እዩ፦ “ካባና እዮም ወጺኦም፡ ግናኸ፡ ካባና ኣይነበሩን፣ ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ምነበሩ ነይሮም።”—1 ዮሃ. 2:19።
32 ሓደ ሰብ ርእሱ ምስ ዜግልል፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኻብ ሓደ ዘይንጡፍ፡ ማለት ካብ ሓደ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዘይሳተፍ ክርስትያን ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ሓደ ሰብ ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲሩ ስለ ዘየጽንዕ ዘይንጡፍ ኪኸውን ይኽእል ይኸውን። ወይ ከኣ ብሕታዊ ጸገማት ወይ መስጐጕቲ ስለ ዝወረዶ፡ ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ቅንኣቱ የጥፍእ ይኸውን። ሽማግለታት ኰኑ ኻልኦት ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ንሓደ ዘይንጡፍ ክርስትያን ግቡእ መንፈሳዊ ሓገዝ ምሃብ ኣየቋርጹን እዮም።—ሮሜ 15:1፣ 1 ተሰ. 5:14፣ እብ. 12:12።
33 ብኣንጻሩ ግና፡ ሓደ ክርስትያን ርእሱ ኼግልል እንተ ወሲኑ፡ ነታ ጉባኤ ንምሕባር፡ “[እገለ] ድሕሪ ደጊም ናይ የሆዋ ምስክር ኣይኰነን” ዚብል ሓጺር ምልክታ ይንገር። እቲ ሰብ እቲ፡ ከም እተወገደ ሰብ ጌርካ እዩ ዚርአ።
ምምላስ
34 ሓደ እተወገደ ሰብ ወይ ሓደ ኻብ ጉባኤ ርእሱ ዘግለለ ሰብ ከም እተነስሐ ንጹር መርትዖ እንተ ሂቡ፡ ነቲ ሓጥእ መገዱ ኸም ዝሓደገ ንእኹል እዋን እንተ ኣርእዩ፡ ኪምለስ ይኽእል እዩ። ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎ ኸም ዚደሊ ድማ የርኢ እዩ። እቶም ሽማግለታት፡ እቲ ሰብ ብሓቂ ኸም እተነስሐ ንምርግጋጽ እኹል ግዜ ኺህቡ፡ ማለት ከከም ኵነታቱ ምናልባት ሓያሎ ኣዋርሕ፡ ሓደ ዓመት፡ ወይ ካብኡ ዚነውሕ ግዜ ኺህቡ ኣለዎም። እቲ ኣካል ሽማግለታት ናይ ምምላስ ሕቶ ዝሓዘት ደብዳበ ምስ ተቐበለ፡ ኮሚተ ምምላስ ነቲ ሰብ የዛራርቦ። እቲ ኮሚተ፡ እቲ ሰብ “ንንስሓ ዚበቅዕ ግብሪ” ይገብር እንተሎ ይግምግም፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኺመልሶ ወይ ከይመልሶ ድማ ይውስን።—ግብ. 26:20።
35 ሓደ ኺምለስ ዚሓትት ሰብ ኣብ ካልእ ጉባኤ እተወገደ እንተ ዀይኑ፡ ኣብታ ዘለዋ ጉባኤ ዚቐውም ኮሚተ ምምላስ ምስቲ ሰብ ተራኺቡ ቓሉ ይሰምዕ። ኣባላት እቲ ዝቘመ ኮሚተ ምምላስ እቲ ሰብ ኪምለስ ከም ዘለዎ እንተ ኣሚኖም፡ ናብ ኣካል ሽማግለታት እታ ኣብ ፈለማ ነቲ ጕዳይ ዝሓዘት ጉባኤ ምሕጽንታኦም የቕርቡ። እተን ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዚኣትዋ ኮሚተታት፡ ኵሉ ሓቅታት ከም እተኣኻኸበን ፍትሓዊ ውሳነ ኸም እተገብረን ንምርግጋጽ ብሓባር ይዓይያ እየን። ይኹን እምበር፡ እቲ ንምምላስ ዚግበር ውሳነ በቲ ኣብ ፈለማ ነቲ ጕዳይ ኣብ ዝሓዘቶ ጉባኤ ዚቐውም ኮሚተ ምምላስ እዩ ዚውሰን።
ምልክታ ምምላስ
36 እቲ ኮሚተ ምምላስ፡ እቲ እተወገደ ወይ ርእሱ ዘግለለ ሰብ ብሓቂ ኸም እተነስሐን ኪምለስ ከም ዘለዎን ምስ ኣመነ፡ ኣብታ ኣብ ፈለማ ነቲ ጕዳይ ዝሓዘቶ ጉባኤ ኸም እተመልሰ ዚገልጽ ምልክታ ይንበብ። እቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ካልእ ጉባኤ እንተሎ፡ እቲ ምልክታ ኣብታ ዘለዋ ጉባኤ እውን ይንገር። እቲ ምልክታ ብሓጺሩ፡ “[እገለ] ተመሊሱ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ” ዚብል ይኸውን።
ንዘይባጽሑ ጥሙቓት ዚምልከት ጕዳያት
37 ዘይባጽሑ ጥሙቓት ከቢድ ኣበሳ ኺፍጽሙ ኸለዉ፡ እዚ ንሽማግለታት ኪንገር ኣለዎ። ሽማግለታት ንሓደ ዘይባጽሐ ሰብ ብዛዕባ ኸቢድ ሓጢኣቱ ኼዛራርብዎ ኸለዉ፡ እተጠምቁ ወለዱ ኣብኡ እንተ ሃለዉ ይምረጽ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ዝኣበሰ ውሉድ ካብ ኣድላዪ ስጕምቲ ኺከላኸሉሉ ኣብ ክንዲ ዚጽዕሩ፡ ምስቲ ኮሚተ ፍርዲ ኺተሓባበሩ ይግባእ። እቲ ኮሚተ ፍርዲ ኸምቲ ምስ በጽሒ ኣባሲ ዚገብሮ፡ ነቲ ዘይባጽሐ ኣባሲ ኺገንሖን ናብ መገዱ ኺመልሶን እዩ ዚጽዕር። ይኹን እምበር፡ እቲ ዘይባጽሐ ሰብ ዘይንሳሕ እንተ ዀይኑ፡ ናይ ውገዳ ስጕምቲ ይውሰድ እዩ።
ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኺእብሱ ኸለዉ
38 ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኸቢድ ኣበሳ ኺፍጽሙ ኸለዉ እንታይ እዩ ኺግበር ዚግባእ፧ ጥሙቓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዘይኰኑ፡ ኣይውገዱን እዮም። ይኹን እምበር፡ ነቲ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን ይዀኑ፡ ምናልባት እውን ብለውሃት ዚውሃብ ምኽሪ ንኣእጋሮም “ትኽ ዝበለ መገዲ” ኺገብሩ ይሕግዞም ይኸውን።—እብ. 12:13።
39 ሓደ ዘይተጠምቀ ኣባሲ፡ ክልተ ሽማግለታት ምስኡ ድሕሪ ምርኻቦምን ኪሕግዝዎ ድሕሪ ምፍታኖምን ዘይንሳሕ እንተ ዀይኑ፡ ነታ ጉባኤ ምሕባራ ኣድላዪ እዩ። “[እገለ] ድሕሪ ደጊም ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኣይኰነን” ዚብል ሓጺር ምልክታ ይንገር። እታ ጉባኤ ነቲ ኣባሲ ኸም ዓለማዊ ገይራ ትርእዮ። ዋላ እኳ እቲ ኣባሲ እንተ ዘይተወገደ፡ ክርስትያናት ምስኡ ኣብ ዚህልዎም ምቅርራብ ይጠንቀቑ እዮም። (1 ቈረ. 15:33) እታ ጉባኤ ኻብኡ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣይትቕበልን እያ።
40 ድሕሪ ግዜ፡ እቲ ኣስፋሒ ኻብ ምዃን ዝወረደ ዘይተጠምቀ ሰብ መሊሱ ኣስፋሒ ኪኸውን ይደሊ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ክልተ ሽማግለታት ምስኡ ተራኺቦም መንፈሳዊ ግስጋሰ እንተ ገይሩ የረጋግጹ። ብቕዓት እንተ ኣማሊኡ፡ “[እገለ] ከም ብሓድሽ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዀይኑ” ዚብል ሓጺር ምልክታ ይንገር።
የሆዋ ንሰላማውን ንንጹህን ኣምልኾ ይባርኾ
41 ሎሚ፡ ኵሎም ኣብ ጉባኤ ኣምላኽ ዘለዉ ሰባት፡ በቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝሃቦም እናበልጸገ ዚኸይድ ዘሎ መንፈሳዊ ዅነታት ኪሕጐሱ ይኽእሉ እዮም። መንፈሳዊ መገሃጫና ብሓቂ ልሙዕ እዩ፣ ንመንፈስ ዜሐድስ ኣኺሉ ዚተርፍ ማያት ሓቂ እውን ኣሎና። የሆዋ ኸኣ በቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ዘሎ ቲኦክራስያዊ ስርዓቱ ኣቢሉ ዕቝባ ይገብረልና ኣሎ። (መዝ. 23፣ ኢሳ. 32:1, 2) ኣብዘን ሽግር ዝመልአን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ መንፈሳዊ ገነት እንነብር ብምዃንና፡ ደሓን ረኺብና ኣለና።
ሰላምን ንጽህናን ጉባኤና ብምዕቃብ፡ ብርሃን ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ነብርህ ኢና
42 ሰላምን ንጽህናን ጉባኤና ብምዕቃብ፡ ብርሃን ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ነብርህ ኢና። (ማቴ. 5:16፣ ያእ. 3:18) ብበረኸት ኣምላኽ ኸኣ፡ ብዙሓት ተወሰኽቲ ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎ፡ ፍቓዱ ንምግባር ድማ ምሳና ሓቢሮም ኬገልግሉ ኸለዉ ብምርኣይ ክንሕጐስ ኢና።