መዝሙር 117
ሕያውነትን ሰናይን
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ኦ የሆዋ፡ ተዓዲልና፡
ለዋህ ኢኻ ሕያዋይ፣
ቅዱስ ኣምላኽ፡ እሙን ኢኻ፡
ኵሉ ግብርኻ ሰናይ።
ትምሕረና፡ ትሓልየልና፡
ተርእየና ሞገስካ፣
ካብ ልብና ዝፈልፈለ፡
ኣምልኾ ’ግብኣካ።
2. ሕያውነትካ የርኢ፡
እቲ ሕሩይ ህዝብኻ፣
በካይዳን ብስብከትን
የንጸባርቕ ባህርይካ።
ጽቡቕ እዩ ትምህርትኻ፡
ሕያዎት’ዮም ጓሶትካ፣
ከነማዕብል ሕያውነት፡
ኣፍስሰልና መንፈስካ።
3. ሰናይ ንግበር ንኣሕዋትና፡
ሕያዎት ንዅነሎም፣
ንንእሽቶ ዀነ ዓብዪ፡
ካብ ልቢ ንሕለየሎም።
ኣብ ጉባኤ፡ ኣብ ገዛና፡
ንቤተ ሰብ፡ ንጓና፡
ንዅሉ ሰብ ሰናይ ንግበር፡
ኣምላኽ ኪባርኸና።
(መዝ. 103:10፣ ማር. 10:18፣ ገላ. 5:22፣ ኤፌ. 5:9 እውን ርአ።)