ንሓደ ናይ ጸልማት መዋእል ብርሃን ይዛዝሞ
እታ ብግዜ የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያቱን ዝነበረት ዓለም ካብታ ኣብ ግዜ ናይ እብራውያን ቅዱሳት ጽሑፋት ዝነበረት ዓለም ኣዝያ እተፈልየት ኢያ ነይራ። ነዚ ዘይተገንዘቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንበብቲ: ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ 400 ዓመታት እንታይ ከም እተፈጸመ ኣነጺሮም ብዘይ ምርዳእ ጥራይ: ካብ ነብዪ ሚልክያስ ናብቲ ጸሓፍ ወንጌል ማቴዎስ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ምትእስሳር ከም ዝነበረ ይሓስቡ ይዀኑ።
እታ ኣብ መብዛሕትኡ ሎሚ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱሳት ኣብ መወዳእታ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት እትርከብ መጽሓፍ ሚልክያስ: እቶም ናይ እስራኤል ተረፍ ካብ ምርኮ ባቢሎን ድሕሪ ምውጽኦም ኣብ ዓዶም እንደገና ከም ዝሰፈሩ ብምዝራብ ኢያ እትዓጹ። (ኤርምያስ 23:3) ውፉያት ኣይሁድ ነታ ንዓለም ካብ እከይ ኸተጽርያ ከምኡውን ነቲ ናይ መሲሕ ግዜ እተምጽእ ናይ ኣምላኽ መዓልቲ ፍርዲ ክጽበዩ ተተባቢዖም ኢዮም። (ሚልክያስ 4:1, 2) ክሳዕ ሽዑ ኣብ ዝነበረ ግዜ ግን: ፋርስ ገዚኣ ኢያ። እቶም ኣብ ይሁዳ ሰፊሮም ዝነበሩ ናይ ፋርስ ወተሃደራት ከኣ ብሓይሊ መሳርያ ሰላም ከም ዝህሉን ንጉሳዊ ኣዋጃት ድማ ከም ዝሕሎን ገይሮም ኢዮም።—ምስ እዝራ 4:23 ኣረኣእዮ።
ይኹን እምበር: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቦታታት ኣብቲ ዝሰዓበ ኣርባዕተ ዘበናት ኣይቀሰነን። መንፈሳዊ ሕንፍሽፍሽን ጸልማትን ክቀላቐል ጀመረ። ማእከላይ ምብራቕ ብዓመጽ: ራዕዲ: ጭቈና: ሱር በተኽ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባታት: ግምታዊ ፍልስፍናታት: ከምኡውን ብባህላዊ ምትሕንፋጻት ተናወጸ።
ወንጌል ማቴዎስ: እታ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ጽሑፋት ናይ መጀመርታ መጽሓፍ: ኣብ ሓደ እተፈልየ መዋእል ኢያ ተጻሒፋ። ናይ ሮማ ሰራዊት ነቲ ፓክስ ሮማና: ወይ ናይ ሮማ ሰላም ዝበሃል ሜላ ብሓይሊ ተግበርዎ። ኣምልኾ ዝነበሮም ሰባት ንስቓይ: ምልኪ: ከምኡውን ድኽነት ኣጥፊኡ ኣብ ህይወት: ብልጽግናን ቅሳነትን ምእንቲ ከብርህ: ንምምጻእ ናይቲ መሲሕ ብሃንቀውታ ተጸበይዎ። (ምስ ሉቃስ 1:67-79፣ 24:21፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:10 ኣረኣእዮ።) ናብቶም ቅድሚ ምውላድ የሱስ ኣብ ዝነበረ ዘበናት ነቲ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ እንደገና ዝቐረጽዎ ብርቱዓት ሓይልታት ጥልቕ ኢልና እስከ ንርአ።
ኣብ ግዜ ፋርስ ዝነበረ ናብራ ኣይሁድ
ነቲ ንኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ዝገበሮም ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ዝወጸ ናይ ቂሮስ ኣዋጅ ስዒቡ: ኣይሁድን ኣይሁድ ዘይኰኑን ዝሓዘ ጕጅለ ካብ ባቢሎን ተበገሰ። እዞም ብመንፈሳዊ መገዲ መለሽቲ ዝዀኑ ተረፍ: ናብቲ ዝዓነዋ ከተማታትን ዝባደመ መሬትን ዘለዎ ግዝኣት ተመልሱ። ኤዶማውያን: ፊንቂያውያን: ሳምራውያን: ናይ ዓረብ ነገዳት: ከምኡውን ካልኦት ነቲ ሓደ ግዜ ሰፊሕ ዝነበረ ናይ እስራኤል ግዝኣት ጐዝዮምዎ ኢዮም። እቲ ካብ ይሁዳን ቢንያምን ዝተረፈ ኣብቲ ኣባር ናሃራ (ክንዮ እቲ ርባ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ፋርስ ኣውራጃ: ናይ ይሁዳ ኣውራጃ ኰነ።—እዝራ 1:1-4፣ 2:64, 65
እቲ ዘ ካምብሪጅ ሂስትሪ ኦቭ ጁዳይዝም (ናይ ካምብሪጅ ናይ ኣይሁድነት ታሪኽ) እተባህለ መጽሓፍ: ይሁዳ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ፋርስ እንደገና “ናይ ምስፍሕፋሕን ምብዛሕ ቍጽሪ ህዝብን እዋን” ከተሕልፍ ጀሚራ ከም ዝነበረት ይዛረብ። ንየሩሳሌም ኣመልኪቱ ድማ ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “ገባርን ተሳለምትን ህያባት ኣምጽኡ: ቤት መቕደስን ከተማን ሃብታማት ኰና: ከምኡውን ሃብተን ናይ ወጻኢ ነጋዶን ሰብ ሞያን ዝማርኽ ኰነ።” ሽሕ’ኳ ፋርሳውያን ነቲ ናይ ከባቢ መንግስትን ሃይማኖትን ኣዝዮም ተጻወርቲ እንተ ነበሩ: ግብሪ ግን ከቢድ: ብኽቡር ማዕድናት ጥራይ ድማ ኢዩ ክኽፈል ዝኽእል ነይሩ።—ምስ ነህምያ 5:1-5, 15፣ 9:36, 37፣ 13:15, 16, 20 ኣረኣእዮ።
እተን ናይ ሃጸይ ፋርስ ናይ መወዳእታ ዓመታት: ብናይተን ኣውራጃታት ኣብያ እተፈለጣ: ኣዝየን ናይ ናዕቢ ዓመታት ኢየን ነይረን። ብዙሓት ኣይሁድ ኣብቲ ናይ ሜዲተራንያን ገማግም ዝነበረ ናይ እምቢታ ናዕቢ ተኻፈሉ: ስለዚ ኸኣ ክሳዕ ርሑቕ ሰሜን: ናብታ ኣብ ባሕሪ ካስፒያን ዘላ ሃይርካንያ ተጠሪዞም ኢዮም። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ምድሪ ይሁዳ በቲ ናይ ፋርስ መቕጻዕቲ እተተንከፈ ኣይመስልን ኢዩ ነይሩ።
ናይ ግሪኻውያን እዋን
ኣለክሳንደር ዓቢ ብ332 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ነብሪ ኽመስል ተቐልቀለ: ይኹን እምበር ናይ ግሪኽ ዝንባለታት ድሮ ቀዲምዎ ነበረ። (ዳንኤል 7:6) ናይ ግሪኽ ባህሊ ፖለቲካዊ ረብሓ ከም ዘለዎ ብምግንዛብ ነቲ ዝሰፍሕ ዝነበረ ግዝኣቱ ግሪኻዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝህልዎ ንምግባር ኰነ ኢሉ መደበ። ቋንቋ ግሪኽ ኣህጉራዊ ቋንቋ ኰነ። ናይ ኣለክሳንደር ሓጺር ግዝኣት ፍቕሪ ስነ-ምጉት: ንስፖርት ውዕዉዕ ስምዒት ምርኣይ: ከምኡውን ንስነ-ጽባቐ ምምጓስ: ኣታኣታትዩ ኢዩ። በብቑሩብ ናይ ኣይሁድ ቅርሲ እውን ንግሪኻዊ ኣተሓሳስባ ተምበርኪኹ ኢዩ።
ብ323 ቅ.ኣ.ዘ. ንሞት ኣለክሳንደር ስዒቡ: ኣብ ሶርያን ግብጽን ዝነበሩ ዝተክእዎ ነገስታት ናይቲ ነብዪ ዳንኤል “ንጉስ ሰሜን” ከምኡውን “ንጉስ ደቡብ” ኢሉ ዝጸውዖም ነገስታት ግደ ንምምላእ እቶም ናይ መጀመርታ ነበሩ። (ዳንኤል 11:1-19) ኣብ እዋን ግዝኣት ግብጻዊ “ንጉስ ደቡብ”: ፕቶለሚ ካልኣይ ፊላደልፈስ (285-246 ቅ.ኣ.ዘ.): ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ኮይን: ልሙድ ቋንቋ ግሪኽ: ክትርጐም ጀመረ። እዚ ትርጕም እዚ ሰፕቱዋጅንት (ሰብዓ-ሰገድ) ተባህለ። ናይዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሓት ጥቕስታት ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ተጠቒሶም ኣለዉ። ናይ ግሪኽ ቋንቋ ናብ ሓንቲ ብመንፈስ እተደናገረትን ዝጸልመተትን ዓለም ንጹር ትርጕም ንምምሕልላፍ ብሉጽ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ።
ኣንቲከስ ራብዓይ ኢፒፋነስ ናይ ሶርያ ንጉስን ናይ ጳለስጢና ገዛእን ድሕሪ ምዃኑ (175-164 ቅ.ኣ.ዘ.): ኣይሁድነት መንግስቲ ብዝደገፎ ስደት ዳርጋ ጠፊኡ ነይሩ ኢዩ። ኣይሁድ ኣብ ትሕቲ ናይ ሞት ምፍርራህ ንየሆዋ ክነጽግዎን ንናይ ግሪኽ ኣማልኽቲ ጥራይ ድማ ክስውኡን ተገዲዶም ኢዮም። ኣብ ታሕሳስ 168 ቅ.ኣ.ዘ.: ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ናይ የሆዋ ዓቢ መሰውኢ ናይ ኣረማውያን መሰውኢ ተሃነጸ: ከምኡውን ኣብኡ ነቲ ናይ ኦሎምፕያ ዙዩስ መስዋእትታት ይቐርብ ነበረ። ጠኒኖም ዝኣትዉ ግናኸ ተባዓት ናይቲ ከባቢ ሰባት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ጁደስ ማክቢስ ብምጥርናፍ ንየሩሳሌም ክሳዕ ዝሕዝዋ ብርቱዕ ኲናት ከፈቱ። እታ ቤት መቕደስ እንደገና ንየሆዋ ተወፈየት: ከምኡውን ካብቲ ዝረኸሰትሉ መዓልቲ ልክዕ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት: እቲ መዓልታዊ መስዋእትታት እንደገና ተጀመረ።
ኣብቲ ተሪፉ ዝነበረ ናይ ግሪኽ እዋን: እቶም ናይ ይሁዳ ማሕበረ ኮም ንግዝኣቶም ናብቲ ጥንታዊ ዶባቱ ብጐነጽ ከስፍሕዎ ደለዩ። ነቶም ኣረማውያን ጐረባብቶም ክሳዕ ብሴፍ ገይሮም ብምፍርራህ ንምልዋጥ ምእንቲ ኽግድድዎም: ነቲ ሓድሽ ዝረኸብዎ ወተሃደራዊ ክእለቶም ኣምላኻዊ ብዘይኰነ መገዲ ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ጌና ግን: ናይ ግሪኽ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ንዓበይትን ናእሽቱን ከተማታት ምዕብላል ቀጺሉ ኢዩ።
ኣብዚ እዋን እዚ: ንሊቀ ክህነት ዝወዳደሩ ዝነበሩ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብልሹዋት ኢዮም ነይሮም። ተንኰል: ቅትለት: ከምኡውን ፖለቲካዊ ውዲታት ነቲ ቦታኦም ኣራኺስዎ ኢዩ። እቲ ዘይኣምላኻዊ መንፈስ ኣብቶም ኣይሁድ እናዓበየ ብዝኸደ መጠን: ናይ ግሪኽ ስፖርትታት ድማ ተቐባልነት እናረኸበ ኸደ። ናእሽቱ ካህናት ኣብቲ ጸወታታት ምእንቲ ክሳተፉ ሓላፍነቶም ሸለል ክብሉ ክትርእስ ክሳዕ ክንደይ ዘገርም ኰን ኢዩ ነይሩ! ኣይሁዳውያን ስፖርተኛታት ምስቶም ኣረማውያን ጥርሖም ኰይኖም ክወዳደሩ ኸለዉ ምእንቲ ከይሓፍሩ ‘ዘይግዙራት’ ንክዀኑ ዘቐንዙ መጥባሕቲ ክገብሩ እውን ከይተረፈ ፍቓደኛታት ኰይኖም ኢዮም።—ምስ 1 ቈረንቶስ 7:18 ኣረኣእዮ።
ሃይማኖታዊ ለውጥታት
ኣብቲ ድሕሪ ምርኮ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ዓመታት: እሙናት ኣይሁድ ናይ ኣረማውያን ኣምራትን ፍልስፍናታትን ምስቲ ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት እተገልጸ ሓቀኛ ሃይማኖት ምትሕውዋስ ተቓዊሞምዎ ኢዮም። ድሕሪ እቲ ምስ ፋርስ ዝነበረ ናይ ልዕሊ 60 ዓመታት ዝጠበቐ ሕብረት ጸኒሓ እተጻሕፈት መጽሓፍ ኣስቴር: ዝዀነ ናይ ዞርኣስተር እምነት ኣሰር ኣይሓዘትን። ብተወሳኺ: ናይዚ ፋርሳዊ ሃይማኖት እዚ ጽልዋ ኣብተን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ እዝራ: ነህምያ: ወይ ሚልክያስ ኣይርከብን ኢዩ: ኵላተን ድማ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ክፋል እዋን ፋርስ (537–443 ቅ.ኣ.ዘ.) ኢየን ተጻሒፈን።
ይኹን እምበር: ምሁራት ኣብቲ ናይ እዋን ፋርስ ዳሕረዋይ ክፋል ብዙሓት ኣይሁድ ንገለ ካብቲ ኣምለኽቲ ኣሁረ ማዝደ: ቀንዲ ኣምላኽ ፋርስ: ዝነበሮም ኣረኣእያታት ክቕበልዎ ጀሚሮም ከም ዝነበሩ ይኣምኑ ኢዮም። እዚ ኣብቲ ፍሉጥ ማሪትን ናይ ኢሰን እምነታትን ይርአ ኢዩ። ንወኻሩን ካልኦት ኣብ ምድረ በዳ ዝርከቡ ፍጥረታትን ንናይ ለይቲ ኣዕዋፍን መጸውዒ ዝዀነ ልሙድ ናይ እብራይስጢ ቃላት: ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣእምሮ ምስቶም ናይ ባቢሎንን ናይ ፋርስን ናይ ጽውጽዋይ እኩያት መናፍስትን ናይ ለይቲ ዓርሞሸሽን ተተሓሓዙ።
ኣይሁድ ነቲ ኣረማዊ ሓሳባት ብእተፈልየ መዳይ ክርእይዎ ጀመሩ። ብዛዕባ ሰማይ: ሲኦል: ነፍሲ: ቃል (ሎጎስ): ከምኡውን ብዛዕባ ጥበብ ዝነበሩ ኣምራት ብምሉኣቶም ሓድሽ ትርጕም ተዋህቦም። ከምቲ ሽዑ ዝነበረ ትምህርቲ: ኣምላኽ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ስለ ዝሰፈረ ምስ ሰባት ዘይራኸብ እንተድኣ ዀይኑ መንጎኛታት የድልይዎ ኢዮም። ግሪኻውያን ነዞም መንጎኛታትን ሓለውትን መናፍስቲ እዚኣቶም ዲያሞነስ ኢሎም ጸውዕዎም። ነቲ ዲያሞነስ (ኣጋንንቲ) ጥዑያት ወይ ክፉኣት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ሓሳብ ብምቕባል: እቶም ኣይሁድ ግዳይ ናይ ጋኔናዊ ቍጽጽር ኰኑ።
ማዕባሊ ለውጢ ናይ ከባቢ ኣምልኾ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ጐረባብቲ ዝዀና ናይ ኣይሁድ ጉባኤታት ሃይማኖታዊ ትምህርትን ኣገልግሎትን ንምግባር ዝእከባለን ኣብያተ ጸሎት ክቕልቀላ ጀመራ። ናይ ኣይሁድ ኣብያተ ጸሎት ብልክዕ መዓስ: ኣበይ: ከምኡውን ብኸመይ ከም ዝጀመራ ፍሉጥ ኣይኰነን። እቶም ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዝነበሩ ኣይሁድ ናብቲ ቤት መቕደስ ክኸዱ ምስ ጸገሞም: ንኣምልኾ ዝነበሮም ድሌት ዘማልኣሎም ብምንባረን: ኣብያተ ጸሎት ኣብ ግዜ ምርኮ ወይ ድሕሪ ምርኮ ከም እተመስረታ ብሓፈሻ ዝእመን ኢዩ። እቲ ዘገድስ ከኣ: የሱስን ሃዋርያቱን ‘ደግነት እቲ [“ንሰባት:” ትሓዓ ] ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዖም ምእንቲ ኽነግሩ’ ጽቡቕ መጋባእያታት ብምዃን ኣገልጊለን ኢየን።—1 ጴጥሮስ 2:9
ኣይሁድነት እተፈላለየ ናይ ኣተሓሳስባ ትምህርትታት ሓቘፈ
ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. እተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ብዙሓት ጕጅለታት ክቕልቀሉ ጀሚሮም ኢዮም። እዚኣቶም እተፈልዩ ሃይማኖታውያን ማሕበራት ኣይነበሩን። ኣብ ክንድኡ: ኣይሁዳውያን ናይ ጸሓፍቲ: ፈላስፋታት: ከምኡውን ነቲ ህዝቢ ክጸልዉ ነታ ሃገር ድማ ክቘጻጸሩ ዝደልዩ ፖለቲካውያን ተንቀሳቐስቲ: ኵሎም ኣብ ትሕቲ ጕልባብ ኣይሁድነት ብምዃን ዝቘሙ ናእሽቱ ማሕበራት ኢዮም ነይሮም።
እቶም ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ሰዱቃውያን ካብቲ ኣብ መፋርቕ ናይ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ናይ ሃስሞንያን ምልዕዓል ኣትሒዞም: በቲ ጨለ ዲፕሎማሲኦም ፍሉጣት ዝዀኑ ቀንዲ ሃብታማት ምልከ-ልዑላን ኢዮም ነይሮም። ሽሕ’ኳ ገለ ካብኣቶም ነጋዶን ወነንቲ መሬትን እንተዀኑ: መብዛሕትኦም ካህናት ኢዮም ነይሮም። ኣብቲ የሱስ እተወለደሉ ግዜ: መብዛሕትኦም ሰዱቃውያን ዝያዳ ርጉእ ከምኡውን ነቲ ስርዓት ይዕቅቦ ኢዩ ኢሎም ብምሕሳብ ኣብ ጳለስጢና ናይ ሮማ ግዝኣት ክህሉ ኢዮም ዝድግፉ ነይሮም። (ምስ ዮሃንስ 11:47, 48 ኣረኣእዮ።) ሒደት (ሄሮዱሳውያን) ድማ ብስድራቤት ሄሮዱስ ምግዛእ: ነቲ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ብዝያዳ ዝሰማማዕ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። እቶም ሰዱቃውያን ብዝዀነ መገዲ እታ ሃገር ኣብ ኢድ እቶም ኣኽረርቲ ኣይሁዳውያን ክትወድቕ ወይ ነታ ቤት መቕደስ ብዘይካ ካህናት ካልእ ክቈጻጸራ ኣይደልዩን ኢዮም ነይሮም። ናይ ሰዱቃውያን እምነታት: መብዛሕትኡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ትርጕም ጽሑፋት ሙሴ እተመርኰሰ: ዓቃባዊ ከምኡውን ነቲ ናይ ፈሪሳውያን ሓያል ኣንቈራ ዘለዎም ተጻራርነት ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 23:6-8) ሰዱቃውያን ነቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ትንቢታት ከም ግምታት ብምውሳድ ነጺጎምዎ ኢዮም። ንሳቶም እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ናይ ታሪኽን ግጥምን ምስላን መልክዕ ዝሓዘ መጻሕፍቲ መንፈስ ዘይነፈሶን ዘየድልን ኢዩ ብምባል ምሂሮም ኢዮም።
ፈሪሳውያን ነቲ ጸረ-ኣይሁድ ዝነበረ ናይ ግሪኽ ኣተሓሳስባ ከም ብርቱዓት ተጻረርቲ ኰይኖም ኣብቲ ናይ ግሪኽ እዋን ዝጀመሩ ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ግዜ የሱስ ተረርቲ: ብልምዲ እተሓጽሩ: ኣጥበቕቲ ሕጊ: ዕቡያት: ከምኡውን ብትምህርቲ ቤት ጸሎት ገይሮም ነታ ሃገር ክቈጻጸርዋ ዝደልዩ ርእሶም ዘጽድቑን ናይ ካልኦት እምነት ዝቕይሩን መምህራን ኢዮም ነይሮም። ዝበዝሑ ካብቲ ማእከላይ ደርቢ ዝመጹን ነቲ ተራ ህዝቢ ድማ ዝንዕቁን ኢዮም ነይሮም። የሱስ ንመብዛሕትኦም ፈሪሳውያን ከም ናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕሚ ዝደልዩ ግብዝና ዘንጸባርቑ ምሕረት ዘይብሎም ኣፍቀርቲ ገንዘብ ገይሩ ኢዩ ርእይዎም። (ማቴዎስ ምዕራፍ 23) ነቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ብናይ ገዛእ ርእሶም መግለጺታት ገይሮም ኢዮም ተቐቢሎምዎ: ይኹን እምበር ነቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ቃል ልምድታት ድማ ማዕረ ወይ ዝያዳ ዋጋ ኢዮም ዝህብዎ ነይሮም። ልምድታቶም “ኣብ ዙርያ እቲ ሕጊ ዘሎ ሓጹር” ከም ዝዀነ ኢዮም ዝዛረብሉ። ይኹን እምበር: እቲ ልምድታቶም ሓጹር ኣብ ክንዲ ዝኸውን: ንቓል ኣምላኽ ዋጋ ዘይብሉ ዝገብርን ነቲ ህዝቢ ድማ ዘደናግርን ኢዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 23:2-4፣ ማርቆስ 7:1, 9-13
እቶም ኢሰን ዝበሃሉ ጕጅለ ኣብተን ግልል ዝበላ ሒደት ማሕበረ ኮማት ዝነብሩ ሕቡኣት ኢዮም ነይሮም። ነቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ነጺሆም ብምጽባይ: ንገዛእ ርእሶም ከም ናይ ሓቂ ተረፍ እስራኤል ኢዮም ዝቘጽርዋ ነይሮም። ኢሰን ሃይማኖታዊ ዕቱብነት ዘለዎ ናይ ምስትንታን ህይወት ኢዮም ዘሕልፉ ነይሮም: ካብ እምነታቶም መብዛሕትኡ ድማ ናይ ፋርሳውያንን ግሪኻውያንን ኣምራት ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ።
ብዙሓት እተፈላለዩ ብሃይማኖት እተለዓዓሉ: ኣኽራሪ ብዝዀነ ኣተሓሳስባ ፍቕሪ-ሃገር ዘለዎም ሕሉፋት ተኸተልቲ: ናጻ ዝዀነት መንግስቲ ኣይሁድ ንምቛም ዝዕንቅፍ ዝዀነ ሰብ ከም ጸላኢ መጠን ብህይወቱ ኢዮም ዝደልይዎ ነይሮም። ምስ ሃስሞናውያን ኢዮም ተመሳሲሎም: ብቐዳምነት ድማ ነቶም ብናትካ መትከል ምንባር ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዎም: ደፋራት ኣጓብዝ ኢዮም ማሪኾም። ከም ሽፍታ ወይ ናይ ተቓውሞ ተቓለስቲ ኰይኖም ነቲ ናይታ ሃገር መገድታትን ህዝባዊ ኣደባባያትን ሓደገኛ ዝገበሮ ናይ ደባይ ተዋጋእቲ ሜላታት ብምጥቃም ነቲ ዝነበረ ውጥረት ወሰኹሉ።
ኣብ ግብጺ: ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ኣብ መንጎ እቶም ናይ ኣለክሳንድርያ ኣይሁድ ዓንቢቡ ነበረ። ካብኡ ብምብጋስ ናብ ጳለስጢናን ናብቶም ኣብ ኵሉ ተበቲኖም ዝነበሩ ኣይሁድን ኣስፋሕፍሐ። እቶም ሓቅነቱ ዘጠራጥር መጻሕፍቲ ዝጸሓፉ ናይ ኣይሁድ ስነ-ሓሳባውያን: ነቲ ናይ ሙሴ ጽሑፋት ዘይንጹርን ሃሳስ ምሳልያዊ ዛንታታትን ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ገሊጾምዎ።
ናይ ሮማ መዋእል ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ: ናይ ግሪኽ ኣተሓሳስባ ብማሕበራዊ: ፖለቲካዊ: ከምኡውን ብፍልስፍናዊ መገዲ ንጳለስጢና ንሓዋሩ ቀይርዋ ነበረ። እቲ ናይ ኣይሁድ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሃይማኖት በቲ ምስ ገለ ገለ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓቅታት እተተትዐ: ባቢሎናዊ: ናይ ፋርስ: ከምኡውን ግሪኻዊ ኣምራት ሕውስዋስ ዝዀነ ኣይሁድነት ተተኪኡ ነበረ። ይኹን እምበር: ሰዱቃውያን: ፈሪሳውያን: ከምኡውን ኢሰን ኵሎም ብሓባር ትሕቲ 7 ሚእታዊት ናይቲ ህዝቢ ኢዮም ኣቚሞም። ኣብ ውሽጢ ማዕበል ናይዞም ዝጋራጨዉ ሓይልታት ተቐርቂሮም ዝነበሩ ድማ: እቶም “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ሓፋሽ ህዝቢ ኣይሁድ ኢዮም ነይሮም።—ማቴዎስ 9:36
ኣብታ ናይ ጸልማት ዓለም እቲኣ የሱስ ደበኽ በለ። እቲ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” ዝብል ዘተኣማምን ዕድመኡ ዘጸናንዕ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 11:28) “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” ኢሉ ክዛረብ ክትሰምዖስ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! (ዮሃንስ 8:12) ከምኡውን “እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር: ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ” ዝብል ልቢ ዘሐጕስ መብጽዓኡ ብርግጽ ባህ ዘብል ኢዩ።—ዮሃንስ 8:12
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ከም ዝነበሩ ኣርኣየ
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ኣንቲከስ ራብዓይ (ኢፒፋነስ) ምስሊ ዝሓዘ ሰልዲ
[ምንጪ ስእሊ]
Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.