“ኣቱም ህዝቢ ንያህ ወድስዎ!
“ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ።”—መዝሙር 150:6
1, 2. (ሀ) ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ናይ ሓቂ ክርስትና ዓንቢቡ ዝነበረ፧ (ለ) ሃዋርያት እንታይ መጠንቀቕታ ኢዮም ኣቐዲሞም ዝሃቡ፧ (ሐ) ብኸመይ ኢዩ ክሕደት ዝማዕበለ፧
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝዓንበበት ናይ ክርስትያን ጉባኤ ገይሩ ኣመሓዲርዎም ኢዩ። ሽሕ’ኳ መሪር ሃይማኖታዊ ምጽራር እንተ ነበረ: እቲ ‘ወንጌል ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር ተሰቢኹ’ ኢዩ። (ቈሎሴ 1:23) ድሕሪ ሞት ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ ግን: ሰይጣን ሰላሕ ኢሉ ክሕደት ኣለዓዓለ።
2 እቶም ሃዋርያት ብዛዕባ እዚ ኣቐዲሞም መጠንቀቕታ ሂቦም ኢዮም። ንኣብነት: ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ኰይኑ ነቶም ሽማግለታት ከምዚ በሎም:- “ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ: መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሐልዉ። ኣነ ምስ ኣግለስኩ: ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚአትዉኹም: እፈልጥ አሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ: ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:28-30፣ ከምኡውን 2 ጴጥሮስ 2:1-3፣ 1 ዮሃንስ 2:18, 19 ርአ።) ስለዚ ኣብ መበል ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ናይ ክሕደት ክርስትና ምስ ግዝኣት ሮሜ ክደጋገፍ ጀመረ። ገለ ዘበናት ጸኒሑ እቲ ቅዱስ ናይ ሮሜ ግዝኣት ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ብምትእስሳር ኣብ ልዕሊ ዝበዝሐ ክፋል ደቅሰብ ክገዝእ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ: እቲ ናይ ፕሮተስታንት ተሃድሶ ኣንጻር እቲ ጠገለ ዝሰኣነ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን እከይ ዓለወ: ይኹን እምበር ሓቀኛ ክርስትና እንደገና ከቕውም ኣይከኣለን።
3. (ሀ) እቲ ወንጌል መዓስን ብኸመይን ኢዩ ንዅሉ ፍጥረት እተሰብከ፧ (ለ) እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትጽቢታት ኢዩ ብ1914 እተፈጸመ፧
3 እንተዀነ ግን: ኣብ ምውዳእ ናይ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ሓደ ቅኑዕ ጕጅለ: ‘ተስፋ ናይቲ ወንጌል ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር’ ኣብ ምስባኽን ምዝርጋሕን ትሑዝ ነበረ። ብመሰረት እቲ ካብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸቦ መጽናዕቲ: እዚ ጕጅለ እዚ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣቐዲሙ 1914 ናይቲ ኣብ 607 ቅ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝጀመረ “[“ምዱብ:” ትሓዓ ] ዘመናት ኣህዛብ”: ናይተን “ሾብዓተ ግዝያት”: ወይ ናይ 2,520 ዓመታት መወዳእታ ከም ዝዀነት ሓቢሩ ነበረ። (ሉቃስ 21:24፣ ዳንኤል 4:16) ልክዕ ከምቲ ትጽቢቶም: 1914 ናይቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጕዳያት ደቅሰብ ነጥበ-መቐይሮ ምዃና ኣረጋገጸት። ኣብ ሰማይ እውን ታሪኻውያን ፍጻመታት ተኻይዶም ኢዮም። እቲ ንጉስ ዘለኣለም ንዅሉ እከይ ካብ ገጽ ምድሪ ንምጽራግን ገነት እንደገና ንምምላስን ምድላው ምእንቲ ክገብር: ነቲ መናግስቱ ዝዀነ ንጉስ: የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ ዝፋን ዘቐመጦ ኣብዚ ግዜ እዚ ኢዩ።—መዝሙር 2:6, 8, 9፣ 110:1, 2, 5
ነቲ መሲሓዊ ንጉስ ኣስተብህሉሉ!
4. የሱስ ምስቲ ሚካኤል ዝብል ስሙ እተሰማምዐ ብኸመይ ኢዩ፧
4 ብ1914 እዚ መሲሓዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ: ስጕምቲ ክወስድ ጀመረ። ሉዓላውነት የሆዋ ንምርግጋጽ ህንጡይ ስለ ዝዀነ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሚካኤል: ትርጕሙ “መን ከም ኣምላኽ፧” እውን ተባሂሉ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ራእይ 12:7-12 ተመዝጊቡ ዘሎ: ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ክፍጸም ዘለዎ ብራእይ ከምዚ ብምባል ገለጾ:- “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፤ ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከኣ: ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ: ናብ ምድሪ ተደርበየ: መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።” ብርግጽ ዓብዪ ውድቀት ኢዩ!
5, 6. (ሀ) ድሕሪ 1914: እንታይ ዘሐጕስ ኣዋጅ ኢዩ ኣብ ሰማይ እተሰምዐ፧ (ለ) ማቴዎስ 24:3-13 ምስዚ እትተኣሳሰር ብኸመይ ኢዩ፧
5 ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ሓደ ብርቱዕ ድምጺ ከምዚ ብምባል ኣወጀ:- “እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ: ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ: ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ: . . ። ሳላ ደም እቲ ገንሸልን [የሱስ ክርስቶስ] ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ [እሙናት ክርስትያናት] ሰዐርዎ: ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን።” እዚ ነቶም ኣብቲ ክቡር በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ እምነት ብምርኣይ ንጽህናኦም ዝሓለዉ ሰባት ድሕነት ማለት ኢዩ።—ምሳሌ 10:2፣ 2 ጴጥሮስ 2:9
6 እዚ ኣብ ሰማይ እተሰምዐ ዓው ዝበለ ድምጺ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ስለዚ: ኣቱም ሰማያት: ኣባታቶም እትነብሩውን: ተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪድኩም አሎ እሞ: ወይለኹም።” እዚ ኣብቲ ንምድሪ ዝምልከት ኣቐዲሙ ተነጊሩ ዝነበረ ‘ወዮ:’ ኣብዚ ዘበን እዚ ንምድሪ ዘሳቕያ ዘሎ ናይ ዓለም ውግኣት: ጥሜት: ፌራ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ከምኡውን ዓመጻ ተራእዩ ኢዩ። ከምቲ ማቴዎስ 24:3-13 (ትሓዓ) ጸብጻብ ሂባትሉ ዘላ: የሱስ እዞም ነገራት እዚኣቶም ‘ናይዚ ኣገባብ እዚ ናይ መደምደምታ ምልክት’ ክፍሊ ክዀኑ ምዃኖም ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ድማ: ወድሰብ ካብ 1914 ኣትሒዙ ኣብ ብምሉኡ እዚ ዝሓለፈ ሰብኣዊ ታሪኽ መዳርግቲ ዘይርከቦ ወዮ ኣብ ምድሪ ኣሕሊፉ ኢዩ።
7. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብህጹጽ ዝሰብኩ ስለምንታይ ኢዮም፧
7 ኣብዚ ናይ ሰይጣን ወዮ ዘለዎ መዋእል: ወድሰብ ንመጻኢ ዝኸውን ተስፋ ክረክብ ይኽእልዶ፧ እወ: ከመይ ድኣ: ምኽንያቱ ማቴዎስ 12:21 ብዛዕባ የሱስ “ኣህዛብ ከኣ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም” ኢያ እትብል! እዚ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘሎ ዘሰንብድ ኵነታት ‘ናይዚ ኣገባብ እዚ ናይ መደምደምታ ምልክት’ ዝሕብር ጥራይ ዘይኰነስ: ናይታ መሲሓዊት መንግስቲ ሰማያዊ ንጉስ ብምዃኑ: ‘ምልክት ህላዌ የሱስ’ እውን ኢዩ። ነታ መንግስቲ እቲኣ ኣመልኪቱ የሱስ ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።” (ማቴዎስ 24:14) ሎሚ ብዛዕባ እቲ ዓቢ ተስፋ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰብኩ ዘለዉ ህዝቢ ኣየኖት ኢዮም፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም! ኣብ ቅድሚ ህዝብን ካብ ቤት ናብ ቤትን: እታ ናይ ጽድቅን ሰላምን ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ናይ ምድሪ ጕዳያት ክትርከቦ ምዃና ብህጹጽ ይእውጁ ኣለዉ። ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ትካፈልዶ ኣሎኻ፧ ካብዚ ዝዓቢ መሰል ክህልወካ ኣይክእልን ኢዩ!—2 ጢሞቴዎስ 4:2, 5
“መወዳእታ” ብኸመይ ኢዩ ዝመጽእ፧
8, 9. (ሀ) ፍርዲ “ኣብ ቤት ኣምላኽ” ዝጅምር ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ህዝበ-ክርስትያን ንቓል ኣምላኽ ዝጠሓሰቶ ብኸመይ ኢያ፧
8 ወድሰብ ኣብ ናይ ፍርዲ እዋን ኢዩ በጺሑ ዘሎ። ኣብ 1 ጴጥሮስ 4:17 እቲ ፍርዲ “ኣብ ቤት ኣምላኽ:” ማለት ኣብተን ካብቲ እዚ “ዳሕሮት መዓልትታት” በቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ካብ 1914-18 ዝነበረ ማሕረድቲ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዘን እተራእያ ኣምሰሉ ናይ ክርስትያን ማሕበራት ክጅምር ኢዩ። ህዝበ-ክርስትያን ነዚ ፍርዲ እዚ ብኸመይ ክትሓልፎ ኢያ፧ ነቲ ኣብያተ-ክርስትያናት ካብ 1914 ኣትሒዙ ንእተኻየደ ውግኣት ኣብ ምድጋፍ ዝነበረን መትከል ርአ። ኣቕሽሽቲ: ሰባት ናብ ዓውዲ ኲናት ንክኸዱ ብምስባኾም በቲ ‘ደም ናይቶም ንጹሃት ድኻታት [“ነፍሳት:” ትሓዓ ]’ ኣይጠልቀዩን ድዮም፧—ኤርምያስ 2:34
9 ብመሰረት ማቴዎስ 26:52: የሱስ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም” በለ። እዝስ በዚ ኣብዚ ዘበን እዚ እተራእየ ውግኣት ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኰን ኢዩ! መንእሰያት ንኸምኣቶም ካልኦት መንእሰያት ነቶም ደቂ ሃይማኖቶም ዝዀኑ እውን ከይተረፈ: ማለት ካቶሊክ ንካቶሊክ: ፕሮቴስታንት ንፕሮቴስታንት ክቐትሉ: ኣቕሽሽቲ ደፋፊኦምዎም ኢዮም። ሃገራውነት ልዕሊ ኣምላኽን ክርስቶስን ተወዲሱ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ: ኣብ ገሊአን ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ዓሌታዊ ምትእስሳር ልዕሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ተራእዩ ኢዩ። ኣብታ መብዛሕትኦም ተቐማጦኣ ካቶሊክ ዝዀኑ ሩዋንዳ: ብውሑዱ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብሰንኪ ዓሌታዊ ዓመጽ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ። እቲ ጳጳስ ኣብቲ ለኦሰርቫቶረ ሮማኖ (ጥልያን) ዝበሃል ናይ ካቶሊክ ጋዜጣ ከምዚ ብምባል ተኣመነ:- “እቲ ዘሕዝን: እዚ ኵነታት እዚ ኣመንቲ ካቶሊክ እውን ከይተረፈ ብሓላፍነት ዝሕተተሉ ምሉእ ብምሉእ ናይ ዓሌት ምጽናት ኢዩ።”—ምስ ኢሳይያስ 59:2, 3፣ ሚክያስ 4:3, 5
10. የሆዋ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ ፍርዲ ኢዩ ዘውርድ፧
10 እቲ ንጉስ ዘለኣለም ነተን ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ክቃተሉ ዘተባብዓ ወይ ድማ ኣባላተን ንኻልኦት ኣባላት ክቐትሉ ስቕ ኢለን ዝርእያ ሃይማኖታት ብኸመይ ኢዩ ዝርእየን፧ ራእይ 18:21, 24 ንባቢሎን: ነዛ ዓለምለኻዊት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣገባብ ኣመልኪታ ከምዚ ትብለና:- “ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዚኸውን እምኒ ኣልዒሉ ናብ ባሕሪ ደርበዮ: ከምዚ እናበለ: ባቢሎን: እታ ዓባይ ከተማ: ከምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ: ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ። ደም ነብያትን ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ: በለ።”
11. ብውሽጢ ህዝበ-ክርስትያን እንታይ ዘሰንብድ ነገራት ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፧
11 ንፍጻሜ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ውሽጢ ህዝበ-ክርስትያን ዘሰንብድ ነገራት ክፍጸም ጸኒሑ ኢዩ: ጌና ድማ ይፍጸም ኣሎ። (ምስ ኤርምያስ 5:30, 31፣ 23:14 ኣረኣእዮ።) ብዓብይኡ ብምኽንያት እቲ ኣቕሽሽቲ ብዛዕባ ስነ-ምግባር ዘለዎም ዘይጽኑዕ ኣረኣእያ: እተን መጓሰታቶም ዘይስነ-ምግባራዊ ኣብ ዝዀነ ነገራት ኢየን ተዋሒጠን ዘለዋ። ኣብታ ናይ ክርስትያን ሃገር እትበሃል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ዳርጋ ልዕሊ ፍርቂ ዝኸውን መርዓታት ብፍትሕ ኢዩ ዝዛዘም። ኣብ መንጎ እቶም ኣባላት ቤተ-ክርስትያን: ናይ ኰተቴ መንእሰያት ጥንስን ግብረ-ሰዶምን ካብ መጠን ዝሓለፈ ኢዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣቕሽሽቲ ንመንእሰያት ቈልዑ ብስጋዊ ርክብ ይዕምጹ። እታ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘላ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን: ነዚ ጕዳያት እዚ ዝምልከት ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነታት ንምድቃስ ኣብ ውሽጢ እዚ ዓሰርተ ዓመታት እዚ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከም እትኸፍል ተዘሪቡ ኣሎ። ህዝበ-ክርስትያን ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10 ዝርከብ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ መጠንቀቕታ ሸለል ኢላቶ ኢያ:- “ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፤ ኣመንዝራታት: ወይ መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሰዶም ዚገብሩ: ሰረቕቲ: ወይ ስሱዓት: ወይ ሰካራት: ወይ ተጻረፍቲ: ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።”
12. (ሀ) እቲ ንጉስ ዘለኣለም ኣንጻር ዓባይ ባቢሎን ስጕምቲ ዝወስድ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ምስ ህዝበ-ክርስትያን ብምንጽጻር: ህዝቢ ኣምላኽ ናይ “ሃሌሉያ” መዝሙራት ዝዝምሩ ብምንታይ ምኽንያት ኢዮም፧
12 ድሕሪ ሓጺር ግዜ: እቲ ንጉስ ዘለኣለም ዝዀነ የሆዋ በቲ ሰማያዊ ሓለቓ ሰራዊት: ክርስቶስ የሱስ ኣቢሉ ስጕምቲ ብምውሳድ ነቲ ዓቢ ጸበባ ክፍንዎ ኢዩ። መጀመርያ: ህዝበ-ክርስትያንን ኵለን እተን ናይ ዓባይ ባቢሎን ጨናፍርን ፍርዲ የሆዋ ክወርድ ከሎ ክጥዕማኦ ኢየን። (ራእይ 17:16, 17) ነቲ የሆዋ በቲ ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ገይሩ ዘዳለዎ ድሕነት ከም ዘይበቕዓ ኣርእየን ኢየን። ነቲ ቅዱስ ዝዀነ ስም ኣምላኽ ኣርኪሰናኦ ኢየን። (ምስ ህዝቅኤል 39:7 ኣረኣእዮ።) ኣብቲ ዘጌጸ ሃይማኖታዊ ህንጻታቶም ኰይኖም “ሃሌሉያ” ዝብል መዛሙራት ክዝምሩስ ከመይ ዝበለ ላግጺ ኰን ኢዩ! ነቲ ናይ የሆዋ ክቡር ስም ካብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱሳቶም ትርጕማት ሓኺኾምዎ ኢዮም: ግናኸ “ሃሌሉያ:” “ንያህ ወድስዎ” ማለት ከም ዝዀነ: “ያህ” ድማ ሓጺር ኣጸዋውዓ ናይ “የሆዋ” ምዃኑ ዝረስዕዎ ይመስሉ። ብልክዕ: ራእይ 19:1-6 እቲ “ሃሌሉያ” ዝብል መዝሙር ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብቲ ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ምስ ወረደ ዝህሉ በዓል ክዝመር ምዃኑ መዝጊባ ኣላ።
13, 14. (ሀ) እንታይ ኣገዳሲ ፍጻመታት ኢዩ ቀጺሉ ዝህሉ፧ (ለ) ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት እንታይ ዘሐጕስ ውጽኢት ኢዩ ዘጋጥሞም፧
13 ኣብቲ ናይ ፍጻመታት መስርዕ ቀጺሉ ዘሎ ድማ: ኣብ ልዕሊ ሃገራትን ህዝብታትን ፍርዲ ምእንቲ ክእውጅን ከውርድን ናይ የሱስ ‘ምምጻእ’ ኢዩ። የሱስ ባዕሉ ከምዚ ብምባል ተነበየ:- “ወዲ ሰብ [የሱስ ክርስቶስ] ብኽብሩ ምስ መጸ: ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ: ሽዑ ኣብ [ናይ ፍርዲ] ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም [ኣብ ምድሪ ዘለዉ] ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ: ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን: ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ: ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም: ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት: ንዑ: እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ።” (ማቴዎስ 25:31-34) ቍጽሪ 46 ቀጺላ ከምዚ ትብል:- “እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ [“ምቝራጽ:” ትሓዓ ]: ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።”
14 እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ዝዀነት ራእይ ዮሃንስ: እቲ ‘ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይተትን:’ ሰማያዊ ንጉስና: የሱስ ክርስቶስ ነቲ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ዝዀነ ፖለቲካውን ንግዳውን ክፍልታት ብምጥፋእ: ኣብቲ ግዜ እቲ ናብቲ ኣብ ኣርማጌዶን ዝግበር ውግእ ብኸመይ ከም ዝጋልብ ትገልጽ ኢያ። በዚ ኸምዚ ክርስቶስ ነቲ “ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ኣብ ብምሉኡ ናይ ሰይጣን ምድራዊ ግዝኣት ከፍስሶ ኢዩ። እዚ ‘ቐዳማይ’ ተባሂሉ ዘሎ ነገራት ‘ምስ ሓለፈ’ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ናብታ ኣምላኽ ‘ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዝደርዘላ’ ግርማዊት ሓዳስ ዓለም ክኣትዉ ኢዮም።—ራእይ 19:11-16፣ 21:3-5
ንያህ እንውድሰሉ ግዜ
15, 16. (ሀ) ነቲ ናይ የሆዋ ትንቢታዊ ቓላት ከነቕልበሉ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ነብያትን ሃዋርያትን: ምእንቲ ክንድሕን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኢዮም ዝሓበሩና: እዚኸ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት እንታይ ማለት ክኸውን ይኽእል፧
15 እታ ፍርዲ ዝወርደላ መዓልቲ ቀሪባ ኢያ! ስለዚ እምበኣር: ንትንቢታዊ ቃላት ናይቲ ንጉስ ዘለኣለም ከነቕልበሉ ሰናይ ኢዩ። ነቶም ጌና ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ትምህርትታትን ልምድታትን ተዋሒጦም ዘለዉ ሰባት: ሓደ ሰማያዊ ድምጺ ከምዚ ይብሎም:- “ኣቱም ህዝበይ: . . . ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ: ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ: ካብኣ ውጹ።” ይኹን እምበር እቶም ካብኣ ዝወጹ ናበይ ኢዮም ክኸዱ ዘለዎም፧ ሓንቲ ሓቂ ጥራይ ኢያ ክትህሉ እትኽእል: ስለዚ ኸኣ ሓንቲ ሓቀኛ ሃይማኖት ጥራይ ኢያ እትህሉ። (ራእይ 18:4፣ ዮሃንስ 8:31, 32፣ 14:6፣ 17:3) ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝህልወና ነታ ሃይማኖት እቲኣ ምስ እንረኽባን ነቲ ኣምላኻ ድማ ምስ እንእዘዞን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 83:18 ናብቲ ኣምላኽ እቲ ይመርሓና: ከምዚ ድማ ይንበብ:- “ንስኻ: በይንኻ የሆዋ ዝስምካ: ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ኢኻ።”—ኪንግ ጀምስ ቨርሽን (ብእንግሊዝኛ)።
16 ይኹን እምበር: ናይዚ ንጉስ ዘለኣለም ስም ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ክንገብር የድልየና። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዖ ብዛዕባ እቲ ዓበይቲ ዕላማታቱን ባህርያቱን ድማ ክንማሃር የድልየና። ቀጺልና ድማ ከምቲ ኣብ ሮሜ 10:9-13 ተሓቢሩ ዘሎ: ነዚ ዘሎናዮ ግዜ ዝኸውን ፍቓዱ ክንገብር የድልየና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም መንፈስ ኣምላኽ ዝነበሮም ነብያት ዝበልዎ ጠቒሱ “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ” ብምባል ደምደመ። (ዮኤል 2:32፣ ጸፎንያስ 3:9) ክድሕን ኢዩ፧ እወ: ከመይሲ እዞም ሎሚ ኣብቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ እተዳለወ ናይ የሆዋ በጅነት እምነት ዘርእዩ ብዙሓት ሰባት: ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን እዛ ብልሽውቲ ዓለሙን ፍርዲ ክወርድ ከሎ: ካብቲ ዝመጽእ ዓቢ ጸበባ ክድሕኑ ኢዮም።—ራእይ 7:9, 10, 14
17. መዝሙር ሙሴን ናይቲ ገንሸልን ኣብ ምዝማር ሕጂ ምእንቲ ክንሓብር ከለዓዕለና ዘለዎ ዓቢ ተስፋ እንታይ ኢዩ፧
17 እቶም ክድሕኑ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ዝገብርዎ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧ ነቲ ዝጓናጸፎ ዓወት ብተስፋ እናተጸበና ነቲ ንጉስ ዘለኣለም ብምውዳስ: ሕጂውን ከይተረፈ መዝሙር ሙሴን መዝሙር እቲ ገንሸልን ኣብ ምዝማር ምሕባር ኢዩ። ነዚ ድማ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ግርማዊ ዕላማታቱ ብምንጋር ኢና እንገብሮ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምርዳእ እናዓበየ ምስ ዝኸይድ: ነዚ ንጉስ ዘለኣለም ህይወትና ንውፊ። እዚ ድማ ኣብቲ እዚ ብርቱዕ ንጉስ ኣብ ኢሳይያስ 65:17, 18 ገሊጽዎ ዘሎ ምድላው: ንዘለኣለም ኣለም ከም እንነብር ዝገብር ኢዩ:- “እንሆ: ኣነ ሓድሽ ሰማይን [ናይ የሱስ መሲሓዊት መንግስቲ] ሓድሽ ምድርን [ጽድቂ ዘለዎ ሓድሽ ናይ ደቅሰብ ማሕበረሰብ] ክፈጥር እየ እሞ: እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ። ግናኸ . . . በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክትሕጐሱን ንዘለኣለም ደስ ኪብለኩምን እዩ።”
18, 19. (ሀ) እቲ ኣብ መዝሙር 145 ዘሎ ናይ ዳዊት ቃላት እንታይ ንምግባር ኢዩ ክድርኸና ዘለዎ፧ (ለ) ካብ ኢድ የሆዋ ርግጸኛታት ኴንና ክንጸበዮ እንኽእል እንታይ ኢዩ፧
18 ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነዚ ንጉስ ዘለኣለም በዚ ዝስዕብ ቃላት ገይሩ ገለጾ:- “እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ: ምስጋና ይግብኦ: ዕብየቱ ዘይተመርማሪ እዩ።” (መዝሙር 145:3) ዕብየቱ ልክዕ ከምቲ ናይ ጠፈርን ዘለኣለምን ደረት ክብጻሕ ዘይክኣል: ዘይተመርማሪ ኢዩ! (ሮሜ 11:33) ናይ ፈጣሪናን ናይቲ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝፍጸም ናይ በጅነት ምድላውን ፍልጠት ምውሳድ እናቐጸልና ምስ እንኸይድ: ነቲ ዘለኣለማዊ ንጉስና ዝያዳ ክንውድሶ ክንደሊ ኢና። ከምቲ ኣብ መዝሙር 145:11-13 ተገሊጹ ዘሎ ክንገብር ክንደሊ ኢና:- “ግብርታት ሓይልኻን ክቡር ግርማ መንግስትኻን ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኼፍልጡ: ክብሪ መንግስትኻ ኺዛረቡ: ስልጣንካውን ኪነግሩ እዮም። መንግስትኻ መንግስቲ ዘለኣለም እያ: ግዝኣትካ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።”
19 ኣምላኽና ነቲ “ኢድካ ትኸፍት እሞ: ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” ዝብል ከም ዝፍጽሞ ርግጸኛታት ኴንና ክንጽበ ንኽእል ኢና። ዳዊት “እግዚኣብሄር ንዜፍቅርዎ ዅሎም ይሕልዎም: ንዅሎም ረሲኣን ግና የጥፍኦም” ብምባል ስለ ዘረጋግጸልና: እዚ ንጉስ ዘለኣለም ክሳዕ መወዳእታ ናይዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብለውሃት ክመርሓና ኢዩ።—መዝሙር 145:16, 20
20. ኣብተን ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ መዝሙራት ተዘርዚሩ ከም ዘሎ: ንዕድመ ናይቲ ንጉስ ዘለኣለም ብኸመይ ኢኻ እትምልሸሉ፧
20 እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዋ ናይ መደምደምታ ሓሙሽተ መዝሙራት “ሃሌሉያ” ዝብል ዕድመ ብምቕራብ ኢየን ዝኸፍታን ዝዓጽዋን። ስለዚ: መዝሙር 146 ከምዚ ብምባል ትዕድመና:- “[“ኣቱም ህዝቢ ንያህ ወድስዎ!” ትሓዓ ] ነፍሰየ: ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዮ [“ወድስዮ:” ትሓዓ ]። ሃሌሉያ። ብህይወተይ ከሎኹ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ [“ክውድሶ:” ትሓዓ ] ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ክውድሶ እየ።” ነዚ ጻውዒት እዚ ክትምልሸሉ ዲኻ፧ ብርግጽ ንዕኡ ክትውድስ ክትደሊ ኣሎካ! ካብቶም ኣብ መዝሙር 148:12, 13 ተገሊጾም ዘለዉ ክትከውን ትኽእል ኢኻ:- “ኣጕባዝን ጐራዙትን: ዓበይቲ ምስ ናእሽቱ። ስሙ በይኑ ልዑል እዩ: ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ: ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ [“ይወድስዎ:” ትሓዓ ]።” ነቲ “ኣቱም ህዝቢ ንያህ ወድስዎ!” ዝብል ዕድመ ብምሉእ ልብና እንምልሰሉ ይግበረና። ብሓደ ድምጺ ሓቢርና ነቲ ንጉስ ዘለኣለም ንወድሶ!
እንታይ ሓሳብ ምሃብካ፧
◻ ሃዋርያት የሱስ ብዛዕባ እንታይ ኢዮም ኣቐዲሞም ዘጠንቀቑ፧
◻ ካብ 1914 ጀሚሩ: እንታይ ወሳኒ ስጕምታት ኢዩ ዝውሰድ ዘሎ፧
◻ የሆዋ እንታይ ዝዓይነቱ ፍርድታት ኢዩ ከውርድ፧
◻ እዚ ግዜ እዚ ነቲ ንጉስ ዘለኣለም ንምውዳስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ግዜ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን]
እዚ ህውከት ዝመልኦ ናይ መቕዘፍቲ መዋእል
ኣብ ምጅማር ናይዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን: ናይ ህውከት መዋእል ከም እተጀመረ ብዙሓት ሰባት ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኢዮም። ንኣብነት: ኣብታ ብ1993 እተሓትመት: ብዳንኤል ፓትሪክ ሞይኔሃን: ኣባል ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: እተጻሕፈት ፓንዳይሞኒዩም እተባህለት መጽሓፍ (ብእንግሊዝኛ): ኣብ መእተዊኣ “ነቲ ኣብ 1914 ዝነበረ መቕዘፍቲ” ኣመልኪቱ እተዋህበ ርእይቶ ከምዚ ይንበብ:- “ውግእ ጀመረ: ዓለም ድማ ምሉእ ብምሉእ ተለወጠት። ካብተን ኣብ 1914 ዝነበራን ናይ ምምሕዳረን ኣቃውማ ድማ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ብዓመጽ ዘይተቐየረ ሃገራት: ሎሚ ሸሞንተ ጥራይ ኣለዋ። . . . ካብተን ዝተረፋ 170 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀና ሃገራት: ገሊኣተን ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝቘማ ብምዃነን ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝነበረ ብዙሕ ህውከት ርእየናኦ ኢየን። ብሓቂ: እቲ ካብ 1914 ኣትሒዙ ዝነበረ ወለዶ ብዙሕ መቕዘፍቲ ርእዩ ኢዩ።”
ኣብ 1993 እተሓትመት ኣውት ኦቭ ኮንትሮል—ግሎባል ተርሞይል ኦን ዘ ኢቭ ኦቭ ዘ ትዌንቲ-ፈርስት ሴንቹሪ (ብእንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ እውን ኣላ። ደራሲኣ ዞቤግኔፍ ብራዚንስኪ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሃገራዊ ድሕንነት ቤት ምኽሪ ሓላፊ ዝነበረ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “ምጅማር ናይ መበል ዕስራ ክፍለ-ዘበን ናይ ሓቂ ምጅማር መዋእለ-ምኽንያት ተባሂሉ ብብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶ ተወዲሱ ኢዩ። . . . ብኣንጻር ናይቲ ተስፋ እተገብረሉ ግን: እዚ መበል ዕስራ ክፍለ-ዘበን ኣዝዩ ደማውን ጽልኢ ዝመልኦን ናይ ወድሰብ ዘበን ኢዩ ዀይኑ: ናይ ህውታተ ፖለቲካን ዘስካሕክሕ ቅትለትን እተኻየደሉ ዘበን ኢዩ ነይሩ። ጭከና እዚ ኢዩ ክበሃል ብዘይከኣል ደረጃ ተወዲቡ: ናይ ምቕታል ተኽእሎ ዘለዎም ነገራት ድማ ብብዝሒ ፈርዮም ኢዮም። ኣብ መንጎ እቲ ሰናይ ንምዕያይ ዘሎ ስነ-ፍልጠታዊ ዓቕምን ብሓቂ ፍኑው ዝዀነ ናይ ፖለቲካ እከይን ዘሎ ምንጽጻር ዘሰንብድ ኢዩ። ቅትለት ከም ሎሚ ገይሩ ብዓለምለኸ ደረጃ ኣብ ታሪኽ ፈጺሙ ገኒኑ ኣይፈልጥን። ከም ሎሚ ገይሩ ድማ ብዙሕ ህይወት ኣጥፊኡ ኣይፈልጥን: ከም ሎሚ ገይሩ እውን ኣብ ድንቁርና ዝመልኦ ዘይምኽንያታዊ ሸቶታት ንምብጻሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እተመስረተ ጽዑቕ ሰብኣዊ ህልቂት ተገይሩ ኣይፈልጥን ኢዩ።” ኣየ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኰን ኢዩ!
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
እታ መንግስቲ ብ1914 ምስ ቈመት ሚካኤል ንሰይጣንን ጭፍራታቱን ናብ ምድሪ ደርበዮም