ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ፈጺሙ ዘይህልወሉ ግዜ!
ሊቅ ኣልበርት ኤንስታይን ሓደ ግዜ: ኣብዛ ናይ ጓሂ ዓለም እዚኣ ንኣቶም ካብ ምፍንጫል ንኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ምልጋስ ይኸብድ በለ። ብተመሳሳሊ ኤድዋርድ ኣር. ሙሮው: ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ውሩይ ዝነበረ ጋዜጠኛ: ዳሕራይ ናይ ሕ.መ.ኣ. ናይ ሓበሬታ ኣገልግሎት ዳይረክተር ዝነበረ እውን “ንኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ መንቊሱ ከልግሶ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የሎን—ኣፍልጦ ክትህበሉ ጥራይ ኢኻ እትኽእል” በለ።
እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ምሉኣት ሓሳባትሲ ሓቂዶ ይመስላ፧ ኣድልዎን ዓሌትነትን መንቊስካ ከተልግሶ ዘይከኣል ድዩ፧ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ከመይ ኢዩ ዝስምዖ፧
ኣምላኽ መዳለዊ ኣይኰነን
መጽሓፍ ቅዱስ ኣንጻር ኣድልዎ ይዛረብ ኢዩ። (ምሳሌ 24:23፣ 28:21) “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ: ደሓርውን ሰላማዊት: ልእምቲ [“ምኽንያታዊት:” ትሓዓ ] ሰማዕ: ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት: ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ” ብምባል ይገልጽ። (ያእቆብ 3:17)ነቶም ጥንታውያን ፈረድቲ እስራኤል ከምዚ ዝኣመሰለት ጥበብ ከጥርዩ ብተደጋጋሚ ይንገሮም ነይሩ ኢዩ። “ብፍርዲ ኣይትዐምጹ፤ ንድኻ ገጹ ርኢኻ ኣይተዳልዎ: ነቲ ስልጡን ድማ ገጹ ርኢኻ ኣይተኽብሮ” ዝብል መምርሒ ተዋሂብዎም ነይሩ ኢዩ።—ዘሌዋውያን 19:15
ብዛዕባ ኣድልዎ ዝምልከት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ኣቕዋም: የሱስ ክርስቶስን ደቀ መዛሙርቱ ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣጕሊሖምዎ ኣለዉ። የሱስ ኣብቶም “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ሰባት ኣድልዎ ዘይብሉ ኣረኣእያ ኢዩ ነይርዎ። (ማቴዎስ 9:36) “ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር: ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ” ኢሉ ድማ ማሃሮም።—ዮሃንስ 7:24
ጴጥሮስን ጳውሎስን: የሆዋ ኣምላኽ መዳለዊ ከም ዘይኰነ ኣረጋጊጾምልና ኢዮም። ጴጥሮስ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሀልኩ” ብምባል ገለጸ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ “ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን” ብምባል ይነግረና።—ሮሜ 2:11
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽልዋ
መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ብእኡ ዝምርሑ ሰባት ጠባዮም ንኽቕይር ሓይሊ ኣለዎ። እብራውያን 4:12 “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ” ትብል። ሓደ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ዝንበለ ዘለዎ ሰብ ብሓገዝ የሆዋ ኣተሓሳስባኡ ክልውጥ: ከምኡውን ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘለዎ ርክብ ብዘይ ኣድልዎ ክመላለስ ይኽእል ኢዩ።
ናይ ሳውል በዓል ጠርሴስ ኣብነት ርአ። ብመሰረት ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ: ሳውል ነቲ ደረቕ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ባህሊ ይስዕብ ስለ ዝነበረ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጭከና ብዘለዎ መገዲ ይጻረራ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:1-3) በቲ ናይ ኣይሁድ ልምዲ ኵሎም ክርስትያናት ከሓድትን ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ጸላእትን ከም ዝዀኑ ገይሩ ምሉእ ብምሉእ ኣሚኑ ነበረ። እቲ ዝነበሮ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ድማ ንኻልኦት ክርስትያናት ንምቕታል ከም ዝድግፍ ገበሮ። መጽሓፍ ቅዱስ “ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ” ይብለና። (ግብሪ ሃዋርያት 9:1) ከምኡ ብምግባሩ: ንኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት የቕርብ ከም ዘሎ ኰይኑ ይስምዖ ነበረ።—ምስ ዮሃንስ 16:2 ኣረኣእዮ።
እንተዀነ ግን: ሳውል በዓል ጠርሴስ ነቲ ዝነበሮ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ሕሉፍ ኣረኣእያ ከወግዶ ክኢሉ ኢዩ። አረ ንገዛእ ርእሱ እውን ከይተረፈ ክርስትያን ኰይኑ ኢዩ! ዳሕራይ ከም ጳውሎስ: ከም ሃዋርያ ናይ የሱስ ክርስቶስ መጠን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጕን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ: ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበረክዎ: ምሕረት ረኸብኩ።”—1 ጢሞቴዎስ 1:13
ኣብ ኣተሓሳስባኡ ከምዚ ዝበለ ምሉእ ለውጢ ዝገበረ ጳውሎስ ጥራይ ኣይኰነን። ጳውሎስ ኣብታ ናብ መገላግልቱ ቲቶስ ዝጸሓፋ ደብዳበ: ነቶም ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ መዓዶም:- “ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ: [“ዝጐድእ ዘረባ ኸይዛረቡ:” ትሓዓ ] ተባኣስቲ ኸይኰኑ: ልኡማት [“ምኽንያታውያን:” ትሓዓ ]: ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም። ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ: ዘይእዙዛት: ግጉያት: ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና: ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት: ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና።”—ቲቶስ 3:2, 3
ነቲ ናይ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ሓጹራት ምፍራሱ
ሎሚ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ምኽሪ ክስዕቡ ይቃለሱ ኢዮም። ንሰባት በቲ ደጋዊ ትርኢቶም ጥራይ ምርኣይ ከወግዱ ኢዮም ዝደልዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ድማ ብዛዕባ ኻልኦት ‘ዝጐድእ ዘረባ ካብ ምዝራብ’ ይቝጥቦም። እቲ ንዅሉ ሃገራዊ ስምዒት: ቀቢላዊ: ከምኡውን ዓሌታዊ ዶባት ጥሒሱ ዝሓልፍ ኣህጉራዊ ሕውነት የስተማቕርዎ ኢዮም።
ናይ ሓደ ኤሪክ እተባህለ ጸሊም ብራዚላዊ ተመክሮ ርአ። ንገዛእ ርእሱ ናይ ዓሌታዊ ኣድልዎ ግዳይ ክነሱ: ኣብ ጻዓዱ ዓሚቝ ጽልኢ ኣሕደረ። ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ክልተ ጻዓዱ መሰኻኽር ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ክዛረቡ ናብ ገዛይ መጹ። ኣብቲ መጀመርያ ክሰምዖም ኣይደለኹን: ምኽንያቱ ንጻዓዱ ሰባት ኣይኣምኖምን ኢየ። መልእኽቶም ገለ ሓቅነት ከም ዘለዎ ግን ቀልጢፈ ክርዳእ ከኣልኩ። ስለዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ተሰማማዕኩ። እታ ናይ መጀመርያ ሕቶይ ‘ኣብ ቤተ-ክርስትያንኩም ብዙሓት ጸለምቲ ሰባት ኣለዉዶ፧’ እትብል ኢያ ነይራ። ንሳቶም ድማ ‘እወ’ ኢሎም መለሱ። ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ መጽሓፈይ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታትa ኣብ መወዳእታ ገጽ ዘሎ እተፈላለዩ ዓሌት ዘለዎም መንእሰያት ዘርኢ ስእሊ ኣርኣዩኒ። ምስኣቶም ሓደ ጸሊም ወዲ ኣሎ: እዚ ድማ ኣበራትዓኒ። ጸኒሐ: ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዳራሽ መንግስቲ በጻሕክዎ: ኣብኡ ድማ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ርአኹ። እዚ ድማ ንዓይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነበረ።”
ኤሪክ ሕጂ ከም ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ኣባል ናይቲ ሓቀኛ ክርስትያናዊ ሕውነት ብምዃኑ ተሓጒሱ ኢዩ። እቲ ክብሪ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ዘይወሃብ ይርዳእ ኢዩ። ከምዚ ይብል:- “ሕጂ ነቲ የሆዋን የሱስን ምእንታይ ክብሉ ዝገበርዎ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣመስጋኒ ኢየ። ምስቶም ካብ ኵሉ ዓሌት: ሕብሪ: ከምኡውን መበቈል መጺኦም ብሓደ ዕላማ ዝሓበሩ ሚልዮናት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኰይነ እዓዪ ኣሎኹ።”
ዳርዮ እውን ክዓቢ ኸሎ ኣትሒዙ ግዳይ ናይ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ዝዀነ ካልእ ሰብ ኢዩ። ወዲ 16 ዓመት ከሎ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ። ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ኣብ መንጎ እቶም መሰኻኽር ምንም ናይ ዓሌት ልዕልነት ዝስምዖ ኣይረኣኹን።” በቲ ሓቀኛ ፍቕሪ ዝነበሮ ሃዋሁ ተመሰጠ። ኣብታ ጉባኤ እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ኣብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ኰይኖም ከገልግሉ ብፍላይ ኣስተባህለ። ዳርዮ: ካብታ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ኣተሓሳስባ ወይ ኣድልዎ ከርእይዎ ከለዉ: የሆዋ ንዅሎም ኣህዛብ: ዓሌታት: ከምኡውን ቋንቋታት ከም ዘፍቅሮም ይዝክር።
ብኸመይ ከም እተሸንፎ
ኵላትና ክብረትን ግምትን ብዘለዎ ኣገባብ ክንተሓዝ ኢና እንደሊ። ስለዚ ድማ ኢዩ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ፈተና ክጋጠመካ ከሎ ንኽትጽመሞ ከቢድ ዝኸውን። እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናብቲ ናይዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ዝንባሌታት ንኸይንቃላዕ ክትከላኸለልና ኣይትኽእልን ኢያ። ሰይጣን ድያብሎስ ንናይዛ ዓለም እዚኣ ጉዳያት ክሳዕ እተቘጻጸሮ: ዘይፍትሓውነት ክህሉ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) ራእይ 12:12 ከምዚ ኢላ ተጠንቅቐና:- “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም።” ድሌቱ ቅሳነት ክኸልኣና ጥራይ ኣይኰነን። ምስ ሓደ ክውሕጥ ዝጻናቶ ዘሎ እንስሳ ኢዩ ተመሳሲሉ ዘሎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ድያብሎስ: እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ” ብምባል ይነግረና።—1 ጴጥሮስ 5:8
መጽሓፍ ቅዱስ “እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ” እውን ይብለና ኢዩ። (ያእቆብ 4:7) ንኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ኣተሓሳስባታት ክትዋጽኣሉ እቲ ዝበለጸ ሓገዝ: ከምቲ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ “ዎ ኣምላኸይ: ካብ ኢድ ረሲእ: ካብ ኢድ ዓመጸኛን ገፋዕን ኣናግፈኒ” ብምባል ዕቝባ ደሊና ናብ ኣምላኽ ብምጥማት ኢዩ። (መዝሙር 71:4) ከምቲ ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኵሉ መዓልቲ ሰልፈኛታት የጨንቑኒ: ኪውሕጡኒ ይደልዩ አለዉ እሞ: ዎ ኣምላኽ: ምሐረኒ” ብምባል እውን ከይተረፈ ክንጽሊ ንኽእል ኢና።—መዝሙር 56:1
ኣምላኽከ ንኸምዚ ዝበለ ጸሎት ብኸመይ ኢዩ ዝምልሰሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይምልስ:- “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ።” (መዝሙር 72:12, 13) የሆዋ: ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ነቶም ናይ ዘይፍትሓውነት ግዳያት ዝዀኑ ኵሎም ዕረፍቲ ከምጽኣሎም ምዃኑ ምፍላጥሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኰን ኢዩ!
‘ጕድኣት ዝገብር ኣይክህሉን ኢዩ’
ናይዛ ዓለም እዚኣ መንግስታት ንኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ በቲ ዘለወን ሕግታትን ፕሮግራማትን ገይረን ምቅላሰን ይቕጽላ ይዀና። ማዕርነትን ፍትሕን ክህሉ ቃል ምእታው ይቕጽላ ይዀና። ክዕወታ ግን ኣይክእላን ኢየን። (መዝሙር 146:3) ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ንዅሉ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ኣተሓሳስባታት መንቊሱ ከልግሶ ዝኽእል: ከልግሶ ድማ ኢዩ። ንደቅሰብ ናብ ሓደ ሕቡር ስድራቤት ክቕይሮ ኢዩ። “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ [“ዓቢ ጭፍራ:” ትሓዓ ]” ካብቲ መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ ክድሕኑን ብሰላም ምንባር ከስተማቕሩን ኢዮም።—ራእይ 7:9, 10
የሆዋ ነቲ ዓሌታውን ማሕበራውን ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ዘውረዶ ኵሉ ጕድኣት ከዐርዮ ኢዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ: ዋላ ሓደ እኳ ይኹን ብኣድልዎ ኣይክርአን ኢዩ! “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።” (ሚክያስ 4:4) ኢሳይያስ 11:9 ድማ ‘ጕድኣት ዚገብር ኣይኪህሉን ኢዩ’ ይብል።
ሕጂ ናይ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ግዳይ እንተድኣ ኴንካ: እዚ ንመጻኢ ግዜ ዝኸውን ድንቂ ተስፋ እዚ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ከሐይለልካ ኢዩ። ነቲ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ዘይፍትሓውነት ክትጻወሮ ከኽእለካ ኢዩ። ምስ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ክትጋጠም ከሎኻን ንመጻኢ ገጽካ ክትጥምት ከሎኻን ነዚ ጥበብ ዘለዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ስዓብ:- “ኣቱም ብእግዚኣብሄር ተስፋ እትገብሩ ዅሉኹም: በርትዑ: ልብኹምውን ይጽናዕ።”—መዝሙር 31:24
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
U.S. National Archives photo