ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ዓወት ይቐርብ ኣሎ
“እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኺነግስ እዩ። ”—ዘካርያስ 14:9
1. ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ተመክሮ ከመይ ነበረ: እዚኸ ኣቐዲሙ እተነግረ ብኸመይ ኢዩ፧
ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ እቶም ዝዋግኡ ዝነበሩ ሃገራት ኰይኖም ብዙሕ መከራን ማእሰርትን ኣሕሊፎም ኢዮም። እቲ ንየሆዋ ዘቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእቲ ውዳሰ ብጽኑዕ ተኸልኪሉ ነበረ: ብመንፈሳዊ መገዲ ድማ ኣብ ናይ ባርነት ኵነታት ወደቑ። እዚ ዅሉ ድማ ኣብቲ ንየሩሳሌም ኣህጉራዊ መጥቃዕቲ ክወርዳ ምዃኑ ዝዛረብ ዘካርያስ 14:2 ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። ኣብዚ ትንቢት እዚ ዘላ ከተማ: እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እተመልክት “ሰማያዊት የሩሳሌም:” “ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን” ድማ ዝርከበሉ ቦታ ኢያ። (እብራውያን 12:22, 28፣ 13:14፣ ራእይ 22:3) እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ነታ ከተማ ይውክሉ። እቶም ካብ መንጎኦም እሙናት ኰይኖም እተረኽቡ “ካብታ ኸተማ” ንባርነት ክኸዱ ዝኣበዩ: ካብቲ መጥቃዕቲ ብህይወት ተረፉ።a
2, 3. (ሀ) ኣምልኾ የሆዋ ካብ 1919 ኣትሒዙ እተዓወተ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ካብ 1935 ኣትሒዙ እንታይ ምዕባለታ ኢዩ እተገብረ፧
2 ብ1919 እቶም እሙናት ቅቡኣት ካብቲ ናይ ባርነት ኵነታት ናጻ ወጹ: ነቲ ድሕሪ’ቲ ውግእ ዝነበረ ናይ ሰላም እዋናት ድማ ቀልጢፎም ተጠቕምሉ። ከም ናይታ ሰማያዊት የሩሳሌም ኣምባሳደራት መጠን ከኣ: ነቲ ዝነበረ ዓቢ ኣጋጣሚ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽሰብኩን ነቶም ናይ መወዳእታ ኣባላት ናይ 144,000 ኣብ ምእካብ ክሕግዙን ተጠቐምሉ። (ማቴዎስ 24:14፣ 2 ቈረንቶስ 5:20) ብ1931 እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ንዕኦም ዝበቅዕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስም ሓዙ።—ኢሳይያስ 43:10, 12
3 ካብ ሽዑ ጀሚሮም ናይ ኣምላኽ ቅቡኣት መሰኻኽር ፈጺሞም ንድሕሪት ጠሚቶም ኣይፈልጡን ኢዮም። ሂትለር ምስቲ ፖለቲካውን ወትሃደራውን ናይ ናዚ ውድቡውን ከይተረፈ ኣፎም ከትሕዞም ኣይከኣለን። ሽሕ’ኳ ዓለምለኻዊ መስጐጕቲ እንተነበረ: ዕዮኦም ኣብ ኵላ ምድሪ ክፈሪ ክኢሉ ኢዩ። ካብ 1935 ብፍላይ እቶም ኣብ መጽሓፍ ራእይ ኣቐዲሙ ተዘሪቡሎም ዝነበረ ብኣህጉር ደረጃ ዝመጹ “ዓቢ ጭፍራ” ሓቢሮምዎም ኢዮም። እዚኣቶም እውን ህይወቶም ዝወፈዩ: እተጠምቁ ክርስትያናት: ከምኡውን ‘ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል:’ የሱስ ክርስቶስ: ‘ሓጺቦም ኣጻዕድዮም ኢዮም።’ (ራእይ 7:9, 14: ትሓዓ ) ይኹን እምበር: እዞም ዓቢ ጭፍራ ሰማያዊ ህይወት ክረኽቡ ተስፋ ዘለዎም ቅቡኣት ኣይኰኑን። እዚኣቶም ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ዘጥፍእዎ ማለት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ንምውራስ ዝብል ተስፋ ኢዩ ዘለዎም። (መዝሙር 37:29፣ ማቴዎስ 25:34) ሎሚ: እቶም ዓቢ ጭፍራ ቍጽሮም ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ኰይኑ ኣሎ። እቲ ሓቀኛ ኣምልኾ የሆዋ ይዕወት ኣሎ: ናይ መወዳእታ ዓወቱ ግን ጌና ክመጽእ ኢዩ።
ኣብታ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ ኣምላኽ ዘለዉ መጻእተኛታት
4, 5. (ሀ) እቶም ዓቢ ጭፍራ ኣበይ ኢዮም ንየሆዋ ዘምልኽዎ፧ (ለ) እንታይ መሰላት ኢዮም ዘስተማቕሩ: ንፍጻሜ ኣየናይ ትንቢትከ፧
4 ከምቲ ኣቐዲሙ ብትንቢት እተነግረ: እቶም ዓቢ ጭፍራ “ኣብታ መቕደሱ ለይትን መዓልትን [ንኣምላኽ] የምልኽዎ” ኣለዉ። (ራእይ 7:15: እግረ-ጽሑፍ ትሓዓ) ንሳቶም መንፈሳውያን: ንክህነት እተመደቡ እስራኤላውያን: ስለ ዘይኰኑ ዮሃንስ ኣብቲ ኣብ ወጻኢ እቲ ቤተ-መቕደስ ዝነበረ ናይ ኣህዛብ ኣጸድ ደው ኢሎም ርእይዎም ክኸውን ኣለዎ። (1 ጴጥሮስ 2:5) እታ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ የሆዋ: እቲ ቀጽራ በቶም ምስ ተረፍ ናይ መንፈሳውያን እስራኤል ኰይኖም ንየሆዋ ዝውድሱ ዓቢ ጭፍራ ብምምልኡ: ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢያ ግርማዊት ኰይና ዘላ!
5 እቶም ዓቢ ጭፍራ በቲ ውሽጣዊ ናይ ክህነት ኣጸድ ተገሊጹ ዘሎ ኵነታት ኣይኰኑን ንኣምላኽ ዘገልግልዎ። ፍሉይ ውልድነት እተዋህቦም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ንክዀኑ ኣይኰነን ጻድቃን ተባሂሎም ዘለዉ። (ሮሜ 8:1, 15) ይኹን እምበር: ኣብ በጅነት የሱስ እምነት ብምርኣዮም: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽሩይ ኣቕዋም ኣለዎም። ፈተውቱ ንክዀኑ ኢዮም ጻድቃን ተባሂሎም ዘለዉ። (ምስ ያእቆብ 2:21, 23 ኣረኣእዮ።) ንሳቶምውን ኣብቲ ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊ መሰውኢ ቅቡል ዝዀነ መስዋእቲ ከቕርቡ መሰል ረኺቦም ኢዮም። ስለዚ ድማ ነዞም ዓቢ ጭፍራ ብዝምልከት እቲ ኣብ ኢሳይያስ 56:6, 7 ዘሎ ትንቢት ግርማዊ ዝዀነ ፍጻሜኡ ይረክብ ኣሎ ማለት ኢዩ። ከምዚ ይብል:- “ነቶም ምእንቲ ኼገልግልዎ: ንስም እግዚኣብሄር ኬፍቅሩ: . . . ምስ እግዚኣብሄር ዝሐብሩ መጻእተኛታት: . . . ቤተይሲ ንዅሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ እሞ: ንኣታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም: ኣብ ቤት ጸሎተይ ከኣ ከሐጕሶም እየ: ዚሐርር መስዋእትታቶምን መስዋእትታት ሕሩዶምን ኣብ መሰውእየይ ቅቡል ኪኸውን እዩ።”
6. (ሀ) እቶም መጻእተኛታት እንታይ ዓይነት መስዋእቲ ኢዮም ዘምጽኡ፧ (ለ) እቲ ኣብቲ ናይ ክህነት ኣጸድ ዝነበረ ናይ ማይ መትሓዚ ንምንታይ ኢዩ ዘዘኻኽሮም፧
6 ካብ መንጎ እቲ እዞም መጻእተኛታት ዘቕርብዎ መስዋእትታት “ንስሙ [ናይ ኣምላኽ] ዚእመና ፍረ ኸናፍር [ከምቲ ካብ ድኹም ሓርጭ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ]” ከምኡውን “[“ንኻልኦት:” ትሓዓ ] ሰናይ ምግባርን ምምቓልን” ኢዩ። (እብራውያን 13:15, 16) እቶም ኻህናት ንገዛእ ርእሶም ንምሕጻብ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ዓቢ ናይ ማይ መትሓዚ እውን ነዞም መጻእተኛታት እዚኣቶም ኣገዳሲ መዘኻኸሪ ኢዩ። ንሳቶም እውን ቃል ኣምላኽ ብቐጻሊ ግልጺ እናዀነሎም ክኸይድ ከሎ መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን ምጽራይ ንኽገብሩ ፍቓደኛታት ክዀኑ ኣለዎም።
እታ ቅድስቲ ክፍልን ሒዛቶ ዝነበረት ኣቑሑን
7. (ሀ) እቶም ዓቢ ጭፍራ ንናይ ቅዱስ ክህነት መሰላት ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ፧ (ለ) ገለ መጻእተኛታት እንታይ ተወሳኺ መሰላት ኢዮም ዝረኸቡ፧
7 እታ ቅድስቲ ክፍልን ሒዛቶ ዝነበረት ኣቑሑን ነዞም መጻእተኛታት ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራ ትርጕም ኣለዎዶ ኢዩ፧ ልክዕ ኢዩ ኣብ ከምቲ በታ ቅድስቲ ክፍሊ ተገሊጹ ዘሎ ኵነታት ክዀኑ ፈጺሞም ኣይክእሉን ኢዮም። ሰማያዊ ዜግነት ዘለዎም መንፈሳውያን ውሉዳት ኰይኖም እንደገና ኣይተወልዱን። እዚ ግን የቕንኦምዶ ኢዩ፧ ኣይፋሉን: ኣየቕንኦምን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: ነቶም ናይ 144,000 ተረፍ ንምድጋፍ ዝረኸብዎ መሰል ይሕጐስሉ ኢዮም: ከምኡውን ነቲ ደቅሰብ ናብ ፍጽምና ንምብጻሕ ኣብ ዝግበር ዕዮ ምስ ክርስቶስ ዝካፈሉ መንፈሳውያን ውሉዳት ፍሉይ ውልድነት ንኽቕበሉ ኣምላኽ ዝገበሮ ዕላማ ዓሚቝ ሞሳ ኢዮም ዘርእዩ። ብተወሳኺ እዞም መጻእተኛታት ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራ እዚኣቶም: ነቲ ኣምላኽ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ምድሪ ብምሃብ ዘርኣዮም ዘይበቕዕዎ ሕያውነት: ብኽብሪ ኢዮም ዝርእይዎ። ገለ ካብዞም መጻእተኛታት እዚኣቶም: ልክዕ ከምቶም ናይ ጥንቲ ነትኒም: ነቶም ናይ ቅዱስ ክህነት ኣባላት ኣብ ምዕዛብ ክሕግዝዎም መሰል ተዋሂብዎም ኢዩ።b (ኢሳይያስ 61:5) ካብዚኣቶም የሱስ ‘ኣብ ብዘላ ምድሪ መሳፍንቲ ክዀኑ’ መዚዙ ኢዩ።—መዝሙር 45:16
8, 9. እቶም ዓቢ ጭፍራ ነቲ ኣብታ ቅድስቲ ክፍሊ ዝነበረ ነገራት ብምምርማር እንታይ ረብሓታት ኢዮም ዝረኽቡ፧
8 ዋላ እኳ ኣብታ ምሳልያዊት ቅድስቲ ክፍሊ ፈጺሞም ዘይኣትዉ እንተዀኑ: እቶም መጻእተኛታት ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራ ካብቲ ሒዛቶ ዝነበረት ኣቓሑ ክቡር ዝዀነ ትምህርቲ ይረኽቡ ኢዮም። ልክዕ ከምቲ ቀዋሚ ቀንዴል ብቐጻሊ ዘይቲ ክግበሮ ዘድልዮ ዝነበረ: እዞም መጻእተኛታት ድማ ነቲ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ ዝመጽእ እናወሰኸ ዝኸይድ ሓቂ ናይ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ክርድእዎ መንፈስ ቅዱስ የድልዮም ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45-47: ትሓዓ) ብተወሳኺ መንፈስ ኣምላኽ ነቲ “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን [እቶም ቅቡኣት ተረፍ]፤ ንዓ: ይብሉ አለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፤ ንዓ ይበል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ: ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዝብል ዕድመ ንኽምልስሉ ሓጊዝዎም ኢዩ። (ራእይ 22:17) ስለዚ እቲ ቀዋሚ ቀንዴል ነቶም ዓቢ ጭፍራ ነቲ ከም ክርስትያናት መጠን ንኸብርሁ ዘለዎም ግዴታ ከምኡውን ብኣረኣእያ: ኣተሓሳስባ: ቃል: ወይ ተግባር ብዝዀነ ይኹን ንመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ከጕሂ ዝኽእል ነገራት ከይገብሩ ዘዘኻኽሮም ኢዩ።—ኤፌሶን 4:30
9 እቲ ናይ እንጌራ ምርኣይ ሰደቓ ድማ እቶም ዓቢ ጭፍራ ብመንፈሳዊ ጥዑያት ኰይኖም ክቕጽሉ እንተድኣ ኰይኖም ስርዓታውያን ኰይኖም ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ካብቲ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዘውጽኦ ጽሑፋትን መንፈሳዊ መግቢ ክወስዱ ከም ዘለዎም ዘዘኻኽሮም ኢዩ። (ማቴዎስ 4:4) እቲ መሰውኢ ዕጣን ድማ ንጽህናኦም ንኽሕልዉ ሓገዝ ደልዮም ብትግሃት ናብ ኣምላኽ ናይ ምጽላይ ኣድላይነት ዘዘኻኽሮም ኢዩ። (ሉቃስ 21:36) ጸሎቶም ልባዊ ዝዀነ ናይ ውዳሰን ምስጋናን መግለጺታት ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ። (መዝሙር 106:1) እቲ መሰውኢ ዕጣን ብኸም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ናይ መንግስቲ መዝሙር ብምሉእ ልቢ ምዝማር: ከምኡውን ነቲ ‘ንድሕነት ዝኸውን ብግልጺ ምእማን’ ስሉጥ ንምግባሩ ብግቡእ ምድላው ዝኣመሰለ ካልእ መገድታት ንኣምላኽ ናይ ምውዳስ ኣድላይነት እውን የዘኻኽሮም ኢዩ።—ሮሜ 10:10 ትሓዓ
ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ምሉእ ዓወት
10. (ሀ) ነየናይ ዓቢ ተስፋ ኢና ኣማዕዲና እንጥምት፧ (ለ) እንታይ ምዕባላታት ኢዩ መጀመርያ ክፍጸም ዘለዎ፧
10 ሎሚ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝመጹ “ብዙሓት ህዝብታት” ናብታ ናይ የሆዋ ናይ ኣምልኾ ቤት ይውሕዙ ኣለዉ። (ኢሳይያስ 2:2, 3) ነዚ ብምርግጋጽ ራእይ 15:4 ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ንሳኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ: ዎ እግዚኣብሄር: ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ: ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም።” ዘካርያስ ምዕራፍ 14 ነቲ ስዒቡ ዝዀነ ነገራት ትገልጽ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ: እቲ ሕማቕ ኣረኣእያ ናይ መብዛሕትኦም ህዝብታት ምድሪ: ኣንጻር የሩሳሌም—ኣብ ምድሪ ዘለዉ ወከልቲ ናይታ ሰማያዊት የሩሳሌም—ክዋግኡ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ተኣከቡ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ኢዩ። ሽዑ የሆዋ ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ። ከም ተዋጋኢ ኣምላኽ መጠን “ኪወጽእ” ነቶም ኣንጻር የሩሳሌም መጥቃዕቲ ኪገብሩ ዝሓሰቡ “ኣህዛብ ኪዋግኦም እዩ።”—ዘካርያስ 14:2, 3
11, 12. (ሀ) የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ቤተ-መቕደሱ ዘለዉ ኣምለኽቱ ዝወርድ ዓለምለኻዊ መጥቃዕቲ ብኸመይ ኢዩ ክምልሰሉ፧ (ለ) ውጽኢት ናይቲ ኣምላኽ ዝገብሮ ውግእ እንታይ ክኸውን ኢዩ፧
11 “እዚ ኸኣ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ንየሩሳሌም ዝወግእዋ ዅላቶም ህዝብታት ዝወቕዓሉ መዓት እዩ: በእጋሮም ደው ኢሎም ከለዉ ስጋኦም ኪምሽምሽ እዩ: ኣዒንቶም ኣብ ጕድጓደን ኪምሽምሻ እየን: ልሳኖም ድማ ኣብ ኣፎም ክትምሽምሽ እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኺኸውን እዩ: እግዚኣብሄር ዓብዪ ዕግርግር ኬተንስኣሎም እዩ። ንሳቶም ድማ ኢድ ሓድሕዶም ኪተሓሐዙ: ነፍሲ ወከፎም ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ብጻዩ ኼልዕል እዩ።”—ዘካርያስ 14:12, 13
12 እዚ መዓት እዚ ቃል ብቓሉ ይኹን ወይስ ምሳልያዊ: ፍጻሜኡ ንመጻኢ እንርእዮ ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር: ርግጽ ዝዀነ ሓደ ነገር ኣሎ። ጸላእቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ የሆዋ ጠቕላላዊ መጥቃዕቲ ክገብሩ ክንቀሳቐሱ ከለዉ: በቲ ፍሉይ መግለጺ ሓይሊ ኣምላኽ ክኽልከሉ ኢዮም። ኣፎም ክሕተም ኢዩ። ናይ እምቢታ መልሓሶም ልክዕ ከም ዝመሽመሸ ነገር ክኸውን ኢዩ። ልክዕ ኣዒንቶም ከም ዝመሽመሸ ድማ እቲ ሓባራዊ ሸቶኦም ጽልግልግ ክብል ኢዩ። እቲ መጥቃዕቲ ንኽገብሩ ዘተባብዖም ኣካላዊ ሓይሎም: ክበንን ኢዩ። ሕንፍሽፍሽ ስለ ዝኣትዎም ድማ ንሓድሕዶም ክተሓራረዱ ኢዮም። ስለዚ ድማ ኵሎም ምድራውያን ጸላእቲ ኣምልኾ ኣምላኽ ክጽረጉ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ: ኵሎም ህዝብታት ናይ የሆዋ ጠቕላላዊ ሉዓላውነት ኣፍልጦ ክህብሉ ክግደዱ ኢዮም። እቲ “እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኺነግስ እዩ” ዝብል ትንቢት ኪፍጸም ኢዩ። (ዘካርያስ 14:9) ብድሕሪኡ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ንደቅሰብ ዝኸውን ዓበይቲ በረኸት ሒዙ ክጅምር ከሎ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ክእሰሩ ኢዮም።—ራእይ 20:1, 2፣ 21:3, 4
ምድራዊ ትንሳኤ
13. እቶም ‘ካብ ኵሎም ህዝብታት ዝተረፉ’ ተባሂሎም ዘለዉ ሰባት መን ኢዮም፧
13 ናይ ዘካርያስ ትንቢት ኣብ ምዕራፍ 14 ቍጽሪ 16 ከምዚ ኢሉ ይቕጽል:- “ኪኸውን ድማ እዩ: ካብቶም ኣንጻር የሩሳሌም መጺኦም ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብ ዝተረፉ ዘበሉ ዅላቶም ንንጉስ: ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪሰግዱን በዓል ዳስ ኬብዕሉን ኣብ ዐዓመት ኪድይቡ እዮም።” ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ኵሎም እቶም ክሳዕ መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ብህይወት ዝጸንሑ: ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ጸላእቲ ምዃኖም ድማ እተፈርዱ ብህይወት ዘለዉ ሰባት: “ብመቕጻዕቲ: ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት” ክሓልፉ ኢዮም። (2 ተሰሎንቄ 1:7-9፣ ብተወሳኺ ማቴዎስ 25:31-33, 46 ርአ።) ትንሳኤ ኣይክህልዎምን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር እቶም “ዝተረፉ” ተባሂሎም ዘለዉ ነቶም ቅድሚ እቲ ናይ መወዳእታ ኲናት ኣምላኽ ምምጽኡ ዝሞቱ ናይ ህዝብታት ኣባላት: ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ ትንሳኤ ዘለዎም ዘመልክት ኢዩ። የሱስ “ኣብ [“ናይ ዝኽሪ:” ትሓዓ ] መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት: እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም” ኢሉ ተመባጽዐ።—ዮሃንስ 5:28, 29
14. (ሀ) እቶም ዝትንስኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽረኽቡ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም፧ (ለ) ህይወቱ ንየሆዋ ብምውፋይ ሓቀኛ ኣምልኾ ምዝውታር ንዝኣቢ ዝዀነ ይኹን ሰብ እንታይ ክወርዶ ኢዩ፧
14 ኵሎም እዞም ዝትንስኡ ትንሳኤኦም ንሕማቕ ፍርዲ ዘይኰነስ ንህይወት ምእንቲ ክኸውን ገለ ነገር ክገብሩ ኣለዎም። ናብቲ ምድራዊ ኣጸድ ናይ ቤተ-መቕደስ የሆዋ ክመጹን ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ድማ ህይወቶም ንኣምላኽ ብምዉፋይ ክሰግዱን ይግብኦም። ካብቶም ዝተንስኡ ነዚ ምግባር ዝኣቢ ዝዀነ ይኹን ሰብ: ልክዕ እቲ ነዞም ሕጂ ዘለዎ ኣህዛብ ዝወርዶም መዓት ክወርዶ ኢዩ። (ዘካርያስ 14:18) እቶም ዓቢ ጭፍራ ነቲ ምሳልያዊ በዓል ዳስ ከብዕሉ ከለዉ ካብቶም ዝትንስኡ ሰባት ክንደይ ዝዀኑ ከም ዝሓብርዎም መን ኢዩ እሞ ዝፈልጥ፧ ብዘይ ጥርጥር ብዙሓት ክዀኑ ኢዮም: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ የሆዋ ዝያዳ ግርማዊት ክትከውን ኢያ!
ምሳልያዊ በዓል ዳስ
15. (ሀ) ገለ ካብቲ እቶም ጥንታውያን እስራኤላውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ በዓል ዳስ ጕሉሕ መዳያቱ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ እዋን እቲ በዓል 70 ዝራብዓት ዝስውኡ ዝነበሩ ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ናይ ጥንቲ እስራኤላውያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት በዓል ዳስ ከብዕሉ ይድለዮም ነበረ። እዚ እቶቶም ምስ ታሕሰሱ ዝጅምር ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ በዓል ነበረ። ምስጋና ዝህብሉ ናይ ሓጐስ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ኣብታ ሰሙን እቲኣ: ኣብ ግዝያዊ ዝዀነ በቝጽልቲ ናይ ኣእዋም ብፍላይ ድማ ብናይ ስየ ጨናፍር እተኸድነ ኣባይቲ ክቕመጡ ነበሮም። እዚ በዓል እዚ ንእስራኤላውያ ኣምላኽ ነቦታቶም ካብ ግብጺ ብኸመይ ከም ዘድሓኖም: ከምኡውን ክሳዕ ኣብ ምድሪ ተስፋ ዝበጽሑ ኣብ ዳስ እናነበሩ ን40 ዓመታት ኣብ በረኻ ኰለል ክብሉ ከለዉ ብኸመይ ይሓልየሎም ከም ዝነበረ ዘዘኻኽሮም በዓል ኢዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 23:39-43) ኣብ ግዜ እቲ በዓል ኣብቲ ናይ ቤተ-መቕደስ መሰውኢ 70 ዝራብዓት ይስውኡ ነበሩ። ብመሰረት እቲ መርትዖታት: እዚ መዳይ ናይቲ በዓል ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ እተገብረ ምሉእን ፍጹምን ዝዀነ ህይወት ዘድሕን ዕዮ ዘርኢ ትንቢታዊ ነገር ኢዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ: ናይቲ በጅነታዊ መስዋእቱ ረብሓታት ናብቶም ካብ 70 ስድራቤታት ዘርኢ ኖህ ዝመጹ እዚ ዘይብሃሉ ሰባት ክውሕዝ ክጅምር ኢዩ።—ዘፍጥረት 10:1-29፣ ዘሁልቍ 29:12-34፣ ማቴዎስ 20:28
16, 17. (ሀ) እቲ ምሳልያዊ በዓል ዳስ ካብ መዓስ ኢዩ ክፍጸም ዝጀመረ: ብኸመይከ ኢዩ ዝቐጸለ፧ (ለ) እቶም ዓቢ ጭፍራ ኣብቲ በዓል ብኸመይ ኢዮም እተኻፈሉ፧
16 ስለዚ እቲ ናይ ጥንቲ በዓል ዳስ: ነቲ እቶም እተበጀዉ ሓጢኣተኛታት ናብታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ ኣምላኽ ክመጹ እተገብረ ሓጐስ ዘለዎ ምእካብ ዘመልክት ኢዩ። ፍጻሜ ናይዚ በዓል እዚ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ናይ ጴንጠቆስጠ ጀመረ: እዚ ድማ እቶም መንፈሳውያን እስራኤላውያን ናብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓጐስ ዘለዎ ምእካብ ምስ ገበሩ ኢዩ ጀሚሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:41, 46, 47) እዞም ቅቡኣት እዚኣቶም እቲ ናይ ሓቂ ‘ሃገሮም [“ዜግነቶም:” ትሓዓ ] ኣብ ሰማያት’ ምዃኑ ስለ ዝግንዘቡ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ‘ስደተኛታት’ ምዃኖም ኣማስዮምሉ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:11፣ ፊልጲ 3:20) እዚ ናይ ሓጐስ በዓል እዚ በቲ ህዝበ-ክርስትያን ክትቀውም ከላ ዝመጸ ክሕደት ንግዜኡ ተዓብሊሉ ነይሩ ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 2:1-3) ይኹን እምበር: እቲ በዓል በቲ ብ1919 እተገብረ ሓጐስ ዘለዎ ምእካብ ናይቶም መወዳእታ ኣባላት 144,000 መንፈሳውያን እስራኤል: ድሓር ድማ ብምእካብ ናይቶም ኣብ ራእይ 7:9 ዘለዉ ብኣህጉራዊ ደረጃ ዝመጹ ዓቢ ጭፍራ እንደገና ተጀመረ።
17 እቶም ዓቢ ጭፍራ ኣብ ኣእዳዎም ጨናፍር ስየ ሒዞም ከም ዘለዉ ተራእዮም ኢዮም: እዚ ድማ ንሳቶም እውን ነቲ ምሳልያዊ በዓል ዳስ ብሓጐስ ዘብዕልዎ ምዃኖም ዘርኢ ኢዩ። ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ከም ምዃኖም መጠን: ኣብቲ ብዙሓት ኣምለኽቲ ኣብ ቤተ-መቕደስ የሆዋ ከም ዝእከቡ ዝገብር ዕዮ ብሓጐስ ኢዮም ዝካፈሉ። ብተወሳኺ: ሓጢኣተኛታት ከም ምዃኖም መጠን ኣብ ምድሪ ንሓዋሩ ዝዀነ መንበሪ ፍቓድ ከም ዘይብሎም ይግንዘብዎ ኢዮም። ንሳቶም: ምስቶም ንመጻኢ ካብ ምዉታት ዝትንስኡ ሰባት ኰይኖም: ክሳዕ እቲ ኣብ መወዳእታ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ኣብ ፍጽምና ዝበጽሑ ኣብቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ እምነት ምርኣይ ክቕጽሉ ኣለዎም።—ራእይ 20:5
18. (ሀ) ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ እንታይ ከጋጥም ኢዩ፧ (ለ) ሓቀኛ ኣምልኾ የሆዋ ኣብ መወዳእታ ዝዕወት ብኸመይ ኢዩ፧
18 ብድሕሪኡ: እቶም ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ኣምለኽቲ ኣምላኽ ብዘይ ሰማያዊ ክህነት ሰብኣዊ ፍጽምና ሒዞም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቘሙ ኢዮም። የሱስ ክርስቶስ ‘ነታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ዝውፍየላ’ ግዜ ክትመጽእ ኢያ። (1 ቈረንቶስ 15:24) ሰይጣን ነቶም ፍጹማት ዝዀኑ ሰባት ንምፍታን “ንቕሩብ ጊዜ” ክፍታሕ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ዘይእሙን ኰይኑ እተረኽበ ድማ ምስ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንዘለኣለም ክጠፍእ ኢዩ። እቶም እሙናት ኰይኖም እተረኽቡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወሃቦም ኢዩ። ኣብታ ምድራዊት ገነት ንሓዋሩ ዝቕመጡ ሰባት ክዀኑ ኢዮም። ስለዚ ድማ እቲ ምሳልያዊ በዓል ዳስ ናብቲ ግርማውን ዕዉትን መደምደምታኡ ይበጽሕ። ሓቀኛ ኣምልኾ ንየሆዋ ነባሪ ክብሪ: ንደቅሰብ ድማ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ንምምጻእ ክዕወት ኢዩ።—ራእይ 20:3, 7-10, 14, 15
[እግረ-ጽሑፋት]
a ናይ ዘካርያስ ምዕራፍ 14 ቍጽሪ ብቝጽሪ ምይይጥ ንምርካብ: ነታ ብ1972 ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እተሓትመት ብቲኦክራሲ—ገነት ንደቅሰብ ትምለሰሎም እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ምዕራፍ 21 ከምኡውን 22 ርአ።
b ብዛዕባ እዞም ዘመናውያን ነትኒም ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ናይ 15/4/92 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16 ርአ።
ናይ ድግማ ሕቶታት
◻ ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም “የሩሳሌም” ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ዝነበረት ብኸመይ ኢያ፧—ዘካርያስ 14:2
◻ ካብ 1919 ኣትሒዙ ንህዝቢ ኣምላኽ እንታይ የጋጥሞም ኣሎ፧
◻ ሎሚ ነቲ ምሳልያዊ በዓል ዳስ ኣብ ምብዓል ዝካፈሉ ዘለዉ መን ኢዮም፧
◻ ሓቀኛ ኣምልኾ ምሉእ ብምሉእ ዝዕወት ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ጨናፍር ስየ በዓል ዳስ ኣብ ምብዓል ይጠቅም ነበረ