ንልዕሊ 50 ዓመታት እተገብረ ‘ምሕላፍ’
ብኢማንወል ፓተራኪስ እተዘንተወ
ሃዋርያ ጳውሎስ ዓሰርተ ትሽዓተ ክፍለ-ዘበናት ይገብር “ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና” ዝብል ሓድሽ ዕድመ ተቐበለ። ጳውሎስ ነዚ ‘ወንጌል ንምስባኽ’ ዝቐረበሉ ሓድሽ ኣጋጣሚ ብፍታው ተቐበሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:9, 10) እቲ እተቐበልክዎ ዕድመ ክሳዕ ክንድኡ ነዊሕ ዓመታት እኳ እንተዘይገበረ: ልዕሊ 50 ዓመታት ይገብር ምስቲ ኣብ ኢሳይያስ 6:8 ዘሎ “እኔኹ ልኣኸኒ” ዝብል መንፈስ ተለዓዒለ ናብ ሓድሽ ዞባታት ‘ክሓልፍ’ ተሰማማዕኩ። ብዙሕ ግዜ እገይሽ ብምንባረይ ዘለኣለማዊ ቱሪስት ዝብል ሳጓ ከውህበኒ ክኢሉ ኢዩ: ዕዮታተይ ግን ምስ ቱሪዝም ዘራኽብ ኣይነበሮን። ብዙሕ ግዜ ኣብታ ናይ ሆቴል ክፍለይ እትው ምስ በልኩ: የሆዋ ስለ ዘዕቆበኒ ተምበርኪኸ አመስግኖ ነበርኩ።
ካብቶም ኣዝዮም ሃይማኖተኛታት ዝዀኑ ናይ ኦርቶዶክስ ስድራቤት: ብ16 ጥሪ 1916 ኣብ ቅሬጥስ እትርከብ የራፔትራ እትበሃል ከተማ ተወለድኩ። ኣደይ ካብ ህጻንነተይ ጀሚራ ንዓይን ንሰለስተ ኣሓተይን ሰንበት ሰንበት ናብ ቤተ-ክርስትያን ትወስደና ነበረት። ኣቦይ ግን ኣብ ገዛ ኰይኑ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ይመርጽ ነበረ። ነቦይ—እሙንን ሕያዋይን መሓርን ብምንባሩ—አድንቖ ኢየ: ወዲ ትሽዓተ ዓመት ከሎኹ ብሙማቱ ድማ ስምዒተይ ኣዕሚቑ ተንኪፉኒ ኢዩ።
ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከሎኹ ኣብ ቤት ትምህርቲ “ኣብ ከባቢና ዘሎ ኵሉ ነገራት ህላወ ኣምላኽ ኢዩ ዝነግር” ዝብል ጥቕሲ ከንብብ ይዝከረኒ። እናዓበኹ ምስ ከድኩ ነዚ ጥቕሲ እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣመንኩሉ። ስለዚ ኸኣ ወዲ 11 ዓመት ምስ ኰንኩ “ዎ እግዚኣብሄር: ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ: ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ: ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ አላ” ዝብል ናይ መዝሙር 104:24 ጥቕሲ ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ብምጥቃም ቴማ ክጽሕፍ መረጽኩ። በቲ ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ ዘደንቕ ነገራት: እቶም ዝደቐቑ ኣዝርእቲ እውን ከይተረፈ ካብቲ ዝፈረይሉ ገረብ ርሒቖም ኣብ ካልእ ቦታ ምእንቲ ክባዝሑ ኣኽናፍ ዘይብሎም ክነሶም ብንፋስ ተጸይሮም ምኻዶም ከስተብህል ከሎኹ ኣዝየ ኢየ ዝማረኽ። ነታ ቴማ ምስ ኣረከብኩዋ ድሕሪ ሰሙን: መማህረይ ነቶም ክፍሊ ብምሉኦም ኣንበበሎም: ጸኒሑ ኸኣ ንምልእቲ እታ ቤት ትምህርቲ ኣንበበላ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እቶም መማህራን ኣንጻር ናይ ኮሚኒስት ሓሳባት ይቃለሱ ስለ ዝነበሩ ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ ዝገበርክዎ ምጥባቕ ክሰምዑ ሕጕሳት ኢዮም ነይሮም። ብወገነይ ግን ኣብ ፈጣሪ ዘሎኒ እምነት ክገልጽ ጥራይ ኢየ ሕጕስ ነይረ።
ናይ ሕቶታተይ መልሲ
እቲ ኣብቲ መጀመርታ ናይ 1930ታት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተራኸብኩሉ ግዜ ክሳዕ ሕጂ ኣጸቢቐ ኢየ ዝዝክሮ። ኢማንወል ሊኣኑዳኪስ ኣብ ቅሬጥስ ኣብ ዘሎ ኵሉ ከተማታትን ዓድታትን ይሰብኽ ነበረ። ብዙሕ ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ድማ ካብኡ ተቐበልኩ: እታ ብሓቂ ዝሰሓበትኒ ግን ምዉታት ኣበይ ኢዮም ዘለዉ፧ (እንግሊዝኛ) እትበሃል ኢያ። ብዛዕባ ሞት ዘሳቒ ፍርሂ ስለ ዝነበረኒ ኸኣ: ሕሉፍ ሓሊፈ ኣብታ ኣቦይ ዝሞተላ ክፍሊ ኣይኣቱን ነበርኩ። ነዛ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚኣ ደጋጊመ ምስ ኣንበብክዎ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኵነታት ናይ ምዉታት እንታይ ከም ዝምህር ክፈልጥ ከኣልኩ: እቲ ዝነበረኒ ማሪታዊ ፍርሂ ኸኣ እተቐንጠጠ ኰይኑ ተሰማዓኒ።
እቶም መሰኻኽር: ሓንሳእ ኣብ ዓመት ኣብ ግዜ ክረምቲ: ናብ ከተማና ክበጽሑ ይመጹ እሞ: ብዙሕ ዝንበብ ጽሑፋት ከኣ ይማልኡለይ ነበሩ። እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝነበረኒ ምርዳእ ከኣ በብቕሩብ እናዓበየ ኸደ: እንተዀነ ግን ኣብቲ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ምኻድ ኣየቋረጽኩን። እታ ድሕነት (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ግን ሓደ ዓቢ ለውጢ ኣምጽአት። ነቲ ኣብ መንጎ ማሕበር የሆዋን ማሕበር ሰይጣንን ዘሎ ፍልልይ ኣነጸረቶ። ካብቲ ግዜ’ቲ ጀሚረ: ንመጽሓፍ ቅዱስን ንዝዀነ ይኹን ክረኽቦ ዝኸኣልኩ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋትን ዝያዳ ስርዓታዊ ኰይነ ከጽንዕ ጀመርኩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ግሪኽ ትሕቲ እገዳ ስለ ዝነበሩ: ብምስጢር ለይቲ አጽንዕ ነበርኩ። እቲ ዝማሃሮ ዝነበርኩ ውዕዉዕ ስምዒት ስለ ዘሕደረለይ ግን: ንዝዀነ ይኹን ሰብ ብዛዕብኡ ካብ ምዝራብ ድሕር ክብል ኣይከኣልኩን። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ ፓሊስ ከተኵሩለይ ጀመሩ: ጽሑፋት ንኽረኽቡ ኸኣ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ይመጹኒ ነበሩ።
ብ1936 ካብ ገዛይ 75 ማይልስ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ኢራክሊዮን ከይደ ንመጀመርታ ግዜይ ኣኼባ ተኻፈልኩ። ነቶም መሰኻኽር ብምርካበይ ኣዝየ ተሐጐስኩ። ዝበዝሑ ካባታቶም ተራ ሰባት: መብዛሕትኦም ከኣ ሓረስቶት ኢዮም ነይሮም: ግናኸ እዚኣ እታ መገዲ ሓቂ ምዃና ንኽኣምን ሓጊዞምኒ ኢዮም። ብኡንብኡ ድማ ህይወተይ ንየሆዋ ወፈኹ።
ጥምቀተይ ኣብ ህይወተይ ፈጺመ ዘይርስዖ ፍጻመ ኢዩ። ብ1938 ሓደ ለይቲ: ሓው ሊዮኖዳኪስ ንዓይን ንኽልተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታተይን ብድቕድቕ ጸልማት ናብ ደንደስ ባሕሪ ወሰደና። ጸሎት ምስ ኣቕረበ: ኣብ ማይ ኣጥሓለና።
ኣብ ትሕቲ ቐይዲ
እታ ክሰብኽ ዝኸድኩላ ናይ መጀመርታ ግዜ ብዘይ ምግናን ፍጻመታት ዝመልኣ ኢያ ነይራ። ሓደ ቀሺ ዝዀነ ናይ ቅድም ወዲ ቤት ትምህርተይ ረኸብኩ: ጽቡቕ ምይይጥ ከኣ ገበርና። ብድሕርዚ ግን ትእዛዝ ጳጳስ ንምኽባር ከእስረኒ ምዃኑ ገለጸለይ። ካብታ ኣብ ጥቓና ዝነበረት ቍሸት ፖሊስ ክሳዕ ዝመጹ: ኣብ ቤት ጽሕፈት እቲ ከንቲባ ኴንና ክንጽበ ከሎና: ጭፍራ ሰባት ኣብቲ ደገ ተኣኪቦም ነበሩ። ስለዚ ድማ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ ናይ ግሪኽ ሓድሽ ኪዳን ወሲደ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 እተመስረተ ዝርርብ ክህቦም ጀመርኩ። ኣብ መጀመርታ እቶም ሰባት ክሰምዑ ኣይደለዩን: እቲ ቐሺ ግን ኣብ መንጎ ጣልቃ ኣትዩ: “ይዛረብ ሕደግዎ: ናትና መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ” በሎም። ንሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝኸውን ክዛረብ ክኢለ ኢየ። ስለዚ እምበኣር እታ ኣገልግሎት ዝጀመርኩላ መዓልቲ ናይ መጀመርታ ህዝባዊ ዝርርብ ዝሃብኩላ ኣጋጣሚ እውን ኢያ ነይራ። ምስ ወዳእኩ ድማ ፖሊስ ስለ ዘይመጹ እቲ ከንቲባን እቲ ቐሽን ብጕጅለ ሰባት ገይሮም ካብቲ ከተማ ደፊኦም ከውጽኡኒ ወሰኑ። ኣብቲ መገዲ ናይ መጀመርታ መጥወዪ ኵርናዕ ምስ ረኸብኩ: እቲ ዝድርብዩለይ ዝነበሩ ኣእማን ምእንቲ ከየርክበኒ ብናህሪ ጐየኹ።
ንጽባሒቱ ክልተ ፖሊስ ምስቲ ጳጳስ ኰይኖም ኣብ ስርሐይ መጺኦም ኣሰሩኒ። ኣብቲ መደበር ፖሊስ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክምስክረሎም ክኢለ ኢየ: እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋተይ ግን ብሕጊ ዝድለ ማሕተም ናይቲ ጳጳስ ስለ ዘይነበሮ: ኣብ እምነት ናይ ምቕያር ተግባር ተሳቲፍካ: ዘይሕጋዊ ጽሑፋት ከኣ ዘርጊሕካ ዝብል ክሲ ቀረበለይ። እቲ ፍርዲ ብውንዙፉ ብምጽናሕ ድማ ተፈታሕኩ።
ፍርደይ ሓደ ወርሒ ጸኒሑ ንውሳነ ቐረበ። ኣብ ናይ መከላኸሊ ቃለይ ከኣ ነቲ ክርስቶስ ክንሰብኽ ዝሃበና ትእዛዝ ካብ ምፍጻም ሓሊፈ ዝገበርክዎ ነገር ከም ዘየለ ገለጽኩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እቲ ዳኛ ብምሕጫጭ “ወደይ: እቲ ነዚ ትእዛዝ እዚ ዝሃበካ ተሰቒሉ ኢዩ: ሕጂ ከምኡ ዓይነት መቕጻዕቲ ከውርደልካ ስልጣን የብለይን” በለ። ይኹን እምበር ሓደ ዘይፈልጦ መንእሰይ ጠበቓ ተንሲኡ: ኣብ ክንዳይ ኰይኑ: ኣብዚ ኮሚኒዝምን ኣምላኽ የለን ዝብልን ኣተሓሳስባ ገኒኑሉ ዘሎ እዋን: ኣብ ክንዲ ቃል ኣምላኽ ክጣበቑ እተዳለዉ መንእሰያት ብምህላዎም እዚ ቤት ፍርዲ እዚ ክሕበን ይግብኦ በለ። ናባይ ቀሪቡ ኸኣ ብቕንዕና ተበጊሱ ነቲ ኣብ ፋይለይ ዝነበረ ብጽሑፍ ዘቕረብክዎ ናይ መከላኸሊ ቃለይ ኣመልኪቱ እንቋዕ ሓጐሰካ በለኒ። ኣዝየ ንእሽቶ ብምንባረይ ስለ እተገረመ ድማ: ብናጻ ተጣበቐለይ። ኣብ ክንዲ ናይ ሰለስተ ወርሒ ማእሰርቲ ድማ: ንዓሰርተ መዓልቲ ክእሰርን 300-ድራክማ ክኸፍልን ተፈረድኩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽራር ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋልን ንሓቂ ንምክልኻልን ዝገበርክዎ ውሳነ ኣጽንዓለይ።
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ምስ ተኣሰርኩ ኸኣ እቲ ዳኛ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ክጠቅስ ምኽኣለይ ኣስተብሃለ። ነቲ ጳጳስ “ንስኻ ስራሕካ ወዲእካ ኢኻ። ሕጂ ባዕለይ ክከታተሎ ኢየ” ብምባል ካብ ቤት ጽሕፈቱ ክወጽእ ሓተቶ። ሽዑ መጽሓፍ ቅዱሱ ኣውጽአ እሞ: ድሕሪ ቐትሪ ክሳዕ ዝመሲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክንዘራረብ ወዓልና። እዚ ኣጋጣሚታት እዚ ድማ ዋላ እኳ ጸገማት እንተሎ ንኽቕጽል ኣተባብዓኒ።
ናይ ሞት ፍርዲ
ብ1940 ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምስ ተጸዋዕኩ: ኣብኡ ምስታፍ ዘይሰማምዓሉ ምኽንያት ዝገልጽ ደብዳበ ጸሓፍኩ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ተኣሰርኩ: ፖሊስ ከኣ ብሕሱም ከትከቱኒ። ድሕሪኡ ኸኣ ናብቲ ኣብ ኣልባንያ ዝነበረ መዓስከር ተለኣኽኩ: ኣይዋጋእን ኢየ ስለ ዝበልኩ ድማ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ቐረብኩ። እቶም ወተሃደራዊ ሰበ-ስልጣናት ከኣ: እቲ ናተይ ኣብነት ኣብቶም ካልኦት ወተሃደራት ከሕድሮ ዝኽእል ጽልዋ ድኣ እምበር ቅኑዕ ምዃነይን ዘይምዃነይን ከም ዘየገድሶም ገለጹለይ። ንሞት ተፈረድኩ: ድሓር ግን ብምኽንያት ኣብቲ ሕጋዊ ሰነድ ዝነበረ ጕድለት: ናብ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ናይ መቕጻዕቲ ሸቕሊ ምቕያሩ ዓቢ ዕረፍቲ ኣምጽኣለይ። እተን ቀጺለን ዝነበራ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት-ማእስርቲ ግሪኽ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ከቢድ ኵነታት ኣሕለፍክዎ: ብሰንኩ ድማ ጌና ኣካላዊ ስቓይ ኣሎኒ።
ይኹን እምበር: ማእሰርቲ ካብ ምስባኽ ደው ኣየበለንን። እወ: ፈጺሙ ኣይቋረጸንን! ብዙሓት ሰባት ሓደ ሲቭል ስለምንታይ ኣብ ወተሃደራዊ ማእሰርቲ ተኣሲሩ ኢሎም ይግረሙ ስለ ዝነበሩ ዝርርብ ንምጅማር ቀሊል ኢዩ ነይሩ። ሓደ ካብዚ ምምይያጥ እዚ: ምስ ሓደ ቅኑዕ መንእሰይ ዝገበርክዎ ኰይኑ ኣብቲ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩሉ። ድሕሪ ሰላሳን ሾሞንተን ዓመታት ድማ እንደገና ኣብ ኣሰምብሊ ረኸብክዎ። ሓቂ ተቐቢሉ: ኣብ ደሴት ሌፍካስ ከም ናይ ጉባኤ ተዓዛቢ ኰይኑ የገልግል ነበረ።
ብ1941 ሂትለር ንዩጎዝላቭያ ምስ ወረራ: ናብቲ ብሸነኽ ደቡብ ዘሎ ኣብ ፕሪቬርዛ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተመሓላለፍና። ክንጓዓዝ ከሎና እቶም ዓጀብትና ብናይ ጀርመን ደብደብቲ ነፈርቲ ስለ እተጠቕዑ: ነቶም እሱራት መግቢ ኣይወሃበናን ነበረ። እቲ ዝነበረኒ ሒደት ባኒ ምስ ተወድአ: “ካብቲ ናይ ሞት ፍርዲ ምስ ኣድሓንካኒ ብጥሜት ክመውት ፍቓድካ እንተድኣ ኰይኑ: ይኹን” ብምባል ናብ ኣምላኽ ጸለኹ።
ንጽባሒቱ ሓደ በዓል-ስልጣን ኣብ እዋን ምጽዋዕ ኣስማት ንበይነይ ጸዋዓኒ እሞ: ዓደይ ኣበይ ምዃኑ: ወለደይ መን ምዃኖም: ስለምንታይ ከም እተኣሰርኩ ምስ ፈለጠ: ደድሕሪኡ ክኸይድ ነገረኒ። ኣብቲ ከተማ ናብቲ እቶም ሰበ-ስልጣናት ዝምስሕሉ ኣደራሽ ወሰደኒ: ናብቲ ባኒ: ፋርማጆ: ከምኡውን እተጠብሰ ስጋ ዕየት ዘለዎ ጣውላ መሪሑ ኸኣ ብላዕ በለኒ። ኣነ ግን እቶም ካልኦት 60 እሱራት ዋላ ሓንቲ ዝብላዕ ስለ ዘይብሎም ክበልዕ ሕልናይ ኣይፈቕደለይን ኢዩ በልክዎ። እቲ በዓል ስልጣን ከኣ “ንዅሉ ክምግብ ኣይክእል ኢየ! ኣቦኻ ብዙሕ ጽቡቕ ገይሩለይ ነይሩ ኢዩ። ንዓኻ ሰናይ ክገብረልካ ሕልናዊ ግዴታ ኣሎኒ: ነቶም ካልኦት ግን የብለይን” ኢሉ መለሰለይ። “ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ክምለስ ኢየ” በልክዎ። ቑሩብ ምስ ሓሰበ ኸኣ ክሳዕ ዝከኣለኒ ክመልእ ሓደ ዓቢ ከረጺት ሃበኒ።
ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተመለስኩ ነቲ ከረጺት ኣቐሚጠ “ብጾት እዚ ንዓኻትኩም ኢዩ” በልክዎም። ብኣጋጣሚ ድማ ኣብ ድሮ እታ ምሸት እቲኣ: ኣብቲ ናብ ድንግል ማርያም ዝገብርዎ ጸሎት ስለ ዘይሓብር በቲ ኣብቶም ካልኦት እሱራት ዝወረደ መዓት ተሓታቲ ምዃነይ ተወቒሰ ነበርኩ። ይኹን እምበር: ሓደ ኮሚኒስት ተኸላኸለለይ። ሕጂ ነቲ መግቢ ምስ ረኣዮ ነቶም ካልኦት “‘ድንግል ማርያምኩም ኣበይ ኣላ፧’ ብሰሪ እዚ ሰብኣይ እዚ ክንመውት ኢና ኢልኩም ነይርኩም: ግናኸ ንሱ ኢዩ መግቢ ኣምጺኡልና” በሎም። ሽዑ ናባይ ገጹ ገይሩ “ኢማንወል! ንዓ ባርኸልና” በለኒ።
ብድሕሪኡ ቑሩብ ጸኒሑ: ሰራዊት ጀርመን እናደፍአ ስለ ዝኸደ እቶም ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ነቶም እሱራት ፈንዮምዎም ክሃድሙ ተገደዱ። ኣብ መወዳእታ ግንቦት 1941 ናብ ኣቴንስ ቅድሚ ምኻደይ ካልኦት መሰኻኽር ምእንቲ ክረክብ ናብ ፓትራስ ከድኩ። ኣብኡ ኸኣ ገለ ክዳውንትን ጫማን ክረክብ ከምኡውን ድሕሪ ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ዝኸውን ንመጀመርታ ግዜይ ነብሰይ ክሕጸብ ከኣልኩ። ጀርመናውያን እቲ ጎበጣ ክሳዕ ዝውዳእ ኣብ ዝነበረ እዋናት: ክሰብኽ ከሎኹ ኵሉ ግዜ ደው ኣቢሎም ይሓቱኒ ነበሩ: ኣሲሮምኒ ግን ኣይፈልጡን ኢዮም። ሓደ ካባታቶም ከኣ “ኣብ ጀርመን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንቐትሎም ኢና። ኣብዚ ግን ወሸለ ኵሎም ጸላእትና ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተዝዀኑልና!” በለ።
ድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበረ ንጥፈታት
ግሪኽ ያኢ ብዙሕ ውግእ ከም ዘየሕለፈትሲ ካብ 1946 ክሳዕ 1949 ብውግእ ሓድሕድ ተናወጸት: እዚ ድማ ናይ ኣሽሓት ሰባት ሞት ኣስዓበ። ኣብቲ ኣኼባታት ምእካብ ናብ ማእሰርቲ ክመርሕ ዝኽእለሉ ዝነበረ እዋን እቶም ኣሕዋት ጽኑዓት ኰይኖም ክቕጽሉ ብዙሕ ምትብባዕ የድልዮም ነበረ። ብዙሓት ኣሕዋት ብዝወሰድዎ ናይ ገለልትነት ኣቕዋም ንሞት ተፈርዱ። ምስናይዚ ግን ሓያሎ ሰባት ንመልእኽቲ እታ መንግስቲ ምላሽ ሂቦምሉ ኢዮም: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ከኣ ሓደ ወይ ክልተ ሰባት ነጠምቕ ነበርና። ካብ 1947 ንነጀው ከኣ ቀትሪ ኣብቲ ኣብ ኣቴንስ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ክሰርሕ: ለይቲ ድማ ከም ገያሺ ተዓዛቢ ኰይነ ነተን ጉባኤት ክበጽሕ ጀመርኩ።
ብ1948: ኣብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክካፈል ንዝቐረበለይ ዕድመ ብሓጐስ ተቐበልክዎ። ግናኸ ሓደ ጸገም ነበረ። ብምኽንያት እቲ ቅድም ዝነበረኒ ክስታት ፓስፖርት ክረክብ ኣይከኣልኩን። ይኹን እምበር: ሓደ ካብቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታተይ ምስ ሓደ ጀነራል ጽቡቕ ምሕዝነታዊ ምቅርራብ ነበሮ። ሳላ እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓተይ ድማ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት: ፓስፓርት ረኸብኩ። ይኹን እምበር: ቅድሚ ምኻደይ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ብምዕዳለይ ስለ እተኣሰርኩ ተጨነቕኩ። ሓደ ፖሊስ ናብ ሓለቓ ናይቲ ኣብ ኣቴንስ ዘሎ ሃገራዊ ጸጥታ ፖሊስ ወሰደኒ። እቲ ሓለቓ ሓደ ካብ ጐረባብተይ ምዃኑ ኸኣ ኣዝዩ ደንጸወኒ! እቲ ፖሊስ ከኣ ስለምንታይ ከም እተኣሰርኩ ገሊጹ እቲ ጥማር መጽሔታት ኣቕረበሉ። እቲ ጐረቤተይ ሓደ ካብቲ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ወሰደ እሞ “ናይ ቀረባ ግዜ መጽሔት የብለይን። ሓንቲ ቅዳሕዶ ክወስድ” በለኒ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ኢድ የሆዋ ክትዓዪ ምርኣየይ ኣየ ክንደይ ኰን ኢዩ ቅሳነት እተሰማዓኒ!
እቲ ኣብ 1950 እተኻየደ ናይ ጊልዓድ መበል 16 ክፍሊ: ዘበልጽግ ተመክሮ ኢዩ ነይሩ። ምስ ተመረቕኩ ኸኣ ናብ ቆጵሮስ ተመደብኩ: ኣብኡ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግሪኽ ዝነበረ ምጽራር ሓያል ናይ ኣቕሽሽቲ ምጽራር ከም ዘሎ ቀልጢፈ ተዓዘብኩዎ። መብዛሕትኡ ግዜ በቶም ናይ ኦርቶዶክስ ኣቕሽሽቲ ብምልዕዓል ናይ ጽላለ ተግባር ዝገብሩ ሃይማኖታውያን መኽረርቲ ዝዀኑ ጭፍራ የጋጥሙና ነበሩ። ብ1953 እቲ ናይ ቆጵሮስ መእተዊ ፈቓድ ኣይተሓደሰን ነበረ እሞ: ናብ ኢስታንቡል: ቱርኪ ተመደብኩ። ኣብዚውን እንተዀነ ንሓጺር ግዜ ኢየ ጸኒሐ። ሽሕኳ እቲ ዕዮ ስብከት ጽቡቕ ፍረ እንተነበሮ ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጎ ቱርኪን ግሪኽን ዝነበረ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ናብ ካልእ መደብ ማለት ናብ ግብጺ ክኸይድ ነበረኒ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን: መዝሙር 55:6, 7 ኣብ ኣእምሮይ ትመጽእ ነበረት። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ: ዳዊት ናብ በረኻ ክሃድም ሃረር ይብል ከም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ። ሓደ መዓልቲ ኣብዚ ሕጂ ዘሎኹዎ ቦታ ክምደብ ኢየ ኢለ ፈጺመ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ብ1954 ብባቡርን ኣብ ፈለግ ናይል ከኣ ብጃልባን ዘድክም ጕዕዞ ምስ ተጓዓዝኩ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ እተመደብኩሉ ቦታ ማለት ኣብ ካርቱም: ሱዳን በጻሕኩ። ነብሰይ ተሓጺበ ክድቅስ ጥራይ ኢየ ዝደሊ ነይረ። ፍርቂ መዓልቲ ምዃኑ ግን ረሲዐዮ ነበርኩ። እቲ ኣብ ላዕሊ ዝነበረ ማይ ዘዕቍር ፊስቶ ስለ ዝረሰነ እቲ ካብኡ ዝወርድ ማይ መሽለቖኒ: ቆርበት ርእሰይ ክሳዕ ዝሓዊ ኸኣ ካብ ጸሓይ ዝከላኸል ቆብዕ ክገብር ተገደድኩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ዝቐረበ ጉባኤ ኣሽሓት ማይልስ ርሒቑ ዝርከብ ኣብ ማእከል ናይ ሰሃራ ምድረበዳ በይነይ ብምዃነይ ይጽምወኒ እኳ እንተ ነበረ: የሆዋ የናብረኒ: ንኽቕጽል ድማ ሓይሊ ይህበኒ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ምትብባዕ ካብ ዘይተጸብኽዎ ምንጭታት ይመጻኒ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ምስ ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ካርቱም ዘሎ ቤተ መዘክር ተራኸብኩ። ምቕሉል ኢዩ ነይሩ: ዘሐጐስ ምይይጥ ከኣ ገበርና። ወዲ ግሪኽ ምዃነይ ምስ ፈለጠ ኸኣ: ምስኡ ናብቲ ቤተ መዘክር ከይደ ገለ ካብቲ ኣብ ሻድሻይ ክፍለ-ዘበን ኣብ ዝነበረ ቤተ-ክርስትያን እተረኽበ ኣብ ኢደ-ስርሓት ዘሎ እተቐርጸ ጽሑፋት ብምትርጓም ክሕግዞ ሓተተኒ። ኣብቲ ትሕቲ መሬት እተሰርሐ ዓቕልኻ ዘጽብብ ዕቡጥ ቦታ ንሓሙሽተ ሰዓታት ድሕሪ ምጽንሐይ: ስም ኣምላኽ: ቴትራግራማተን: እተጻሕፎ ብያቲ ረኸብኩ። እተሰማዓኒ ሓጐስ እሞ ገምትዎ! ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያናት ስም ኣምላኽ ክትረክብ ዘይልሙድ ኣይኰነን: ኣብ ማእከል ሰሃራ ክርከብ ግን ፈጺምካ ዘይትጽበዮ ነገር ኢዩ!
ድሕሪ እቲ ኣብ 1958 እተገብረ ኣህጉራዊ ኣሰምብሊ: ኣብተን ኣብ ማእከላይን ቀረባን ምብራቕ ከምኡውን ከባቢ መዲተራንያን ዝርከባ 26 ሃገራት ዘለዉ ኣሕዋት ከም ናይ ዞን ተዓዛቢ ኰይነ ክበጽሖም ተመደብኩ። መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኣሸጋሪ ኵነታት ብኸመይ ክወጽእ ከም ዝኽእል ኣይፈልጥን ኢየ ነይረ: የሆዋ ግን ኵሉ ግዜ መውጽኢ ይገብረለይ ነበረ።
በቲ ማሕበር የሆዋ ነቶም ኣብ ገለ ሃገራት ተፈልዮም ዝነብሩ መሰኻኽር እትገብረሎም ሓልዮት ኵሉ ግዜ እግረም ነበርኩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ነዳዲ ኣብ ዝኰዓተሉ ቦታ ዝዓዪ ህንዳዊ ሓው ረኸብኩ። ኣብታ ሃገር ዘሎ ምስክር ንሱ ጥራይ ኢዩ ዝመስል። ኣብ ከብሑ ንመሳርሕቱ ዝህቦም ዝነበረ ብ18 እተፈላለየ ቋንቋታት እተዳለወ ጽሑፋት ነበሮ። ኣብዚ ኵሉ ናይ ወጻኢ ሃይማኖታት ብጽኑዕ እተኸልከለሉ ሃገር እውን እንተዀነ: እቲ ሓውና ነቲ ብስራት ናይ ምስባኽ ሓላፍነቱ ኣይረስዖን። መሳርሕቱ ድማ ነቲ ክበጽሖ ዝመጸ ናይ ሃይማኖቱ ወኪል ምስ ረኣይዎ ተመሰጡ።
ብ1959 ንእስጳኛን ፖርቱጋልን በጻሕኩወን። ኣብቲ ግዜ እቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምልኪ ኢየን ነይረን: ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ እገዳ ነበረ። ነቶም ኣሕዋት ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠሞም ከይሕለሉ እናኣተባባዕኩ ኣብ ሓደ ወርሒ ልዕሊ ሚእቲ ኣኼባታት ክመርሕ ክኢለ ኢየ።
ድሕሪ ደጊም በይነይ ኣይኰንኩን
ንልዕሊ 20 ዓመታት ንጽል ኰይነ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ኣገልጊለዮ ኢየ: ይኹን እምበር ብዘይ ቀዋሚ መዕረፊ ዘየቋርጽ መገሻታት ብምግባረይ ሃንደበት ተሓለልኩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣቢሉ ኸኣ ንኣኒ ቢያኑቺ ኣብ ቱኒዝያ እትነብር ፍልይቲ ፓይነር ረኸብኩዋ። ብ1963 ከኣ ተመርዓና። እቲ ንየሆዋን ንሓቅን ዘለዋ ፍቕሪ: ኣብ ኣገልግሎት ዘለዋ ተወፋይነት ምስቲ ክእለት ኣመሃህራኣ ተደሚሩ: ከምኡውን እቲ ናይ ቋንቋታት ፍልጠታ ኣብቲ ኣብ ሰሜናውን ምዕራባውን ኣፍሪቃ ከምኡውን ኣብ ኢጣልያ ዝገበርናዮ ናይ ሚስዮናዊ ይኹን ናይ ወረዳ ዕዮና ብሓቂ በረኸት ኣምጺኡልና ኢዩ።
ኣብ ነሓሰ 1965 ኣነን በዓልቲ ቤተይን ኣብ ዳካር: ሰኔጋል: ተመደብና: ነቲ ኣብኡ ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከመሓድር ከኣ መሰል ረኸብኩ። ሰኔጋል በቲ ንሃይማኖት ዘለዋ ተጻዋርነት ፍልጥቲ ኢያ: እዚ ድማ ብምኽንያት እቲ ናታ ፕረዚደንት: ላኦፖል ሴንጎር ኢዩ: ንሱ ሓደ ካብቶም ኣብ እዋን እቲ ብ1970ታት ኣብ ማላዊ ዝወርድ ዝነበረ ዘስካሕክሕ ስደት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምድጋፍ ነቲ ናይ ማላዊ ፕረዚደንት ባንዳ ዝጸሓፉሉ ሒደት ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ሃገራት ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኢዩ።
ሃብታም በረኸት የሆዋ
ኣብ 1950 ካብ ጊልዓድ ተመሪቐ ናብ ቆጵሮስ ክኸይድ ከለኹ: ሸውዓተ ባልጃታት ነበረኒ። ናብ ቱርኪ ክኸይድ ከሎኹ: ሓሙሽተ ጥራይ ተረፈኒ። ነዊሕ ክጓዓዝ ከሎኹ ግን: ነታ ምስ ወረቓቕተይን ምስታ ንእሽቶ ናይ ጽሕፈት ማኪናይን ሓሰዊስካ 20 ኪሎ ግራም እትምዝን ባልጃይ: ካባይ ኣይፈልያን ኢየ ነይረ። ሓደ መዓልቲ ነቲ ሽዑ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ ሓው ኖር: “ካብ ፍቕረ-ንዋይ ኣዕቚብካኒ ኢኻ። ብ20 ኪሎ ግራም ጥራይ ከም ዝነብር ገይርካኒ: ጽቡቕ ከኣ ኣሎኹ” በልክዎ። ካብ ብዙሕ ነገራት ከም እተጠለኹ ኰይኑ ፈጺሙ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን።
ክጓዓዝ ከሎኹ እቲ ቀንዲ ጸገማተይ ካብ ሓደ ሃገር ምውጻእን ምእታውን ኢዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ዕዮና እተኣገደሉ ሃገር: ሓደ ናይ ጕምሩክ በዓል ስልጣን ንወረቓቕተይ ክፈታትሾ ጀመረ። እዚ ድማ ነቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ መሰኻኽር ሓደጋ ዘምጽኣሎም ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ካብ ጁባይ ሓንቲ ካብ ሰበይተይ ዝመጸትኒ ደብዳበ ኣውጻእኩ እሞ ነቲ ናይ ግምሩክ በዓል-ስልጣን “ደብዳበ ምንባብ ትፈቱ ኢኻ ይመስለኒ። ነዛ ኣብዚ ፋይል ዘየላ ካብ ሰበይተይ ዝመጸት ደብዳበኸ ከተንብባ ምደለኻዶ፧” በልክዎ። ሓፈረ እሞ ይቕረታ ሓቲቱ ኣሕለፈኒ።
ካብ 1982 ጀሚርና ኣነን በዓልቲ ቤተይን ኣብ ደቡብ ፈረንሳ ኣብ እትርከብ ከተማ ኒስ ከም ሚስዮናውያን ኴንና ነገልግል ኣሎና። ጥዕና እናሰኣንኩ ስለ ዝኸድኩ ኸኣ: ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገብሮ ዝነበርኩ ገይረ ከገልግል ኣይከኣልኩን። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ሓጐስና ጠፊኡ ማለት ኣይኰነን። ‘ጻዕርና ንኸንቱ ከም ዘይኰነ’ ርኢናዮ ኢና። (1 ቈረንቶስ 15:58) ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እቶም ጽንዓት ክገብረሎም መሰል ዝረኸብኩ ብዙሓት ሰባት: ከምኡውን ነቶም ካብ 40 ንላዕሊ ዝዀኑ ኣባላት ስድራቤተይ ብተኣማንነት ንየሆዋ ከገልግሉ ብምርኣየይ እሕጐስ ኣሎኹ።
እቲ ናይ ‘ምሕላፍ’ ናብራይ ዘስዓቦ መስዋእትታት ፈጺመ ኣይጠዓሰሉን ኢየ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ካብቲ ዝገበርናዮ መስዋእትታት ምስቲ የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዝገበሩልና መስዋእትታት ዋላ ሓደ ዝወዳደር የለን። ሕጂ ናብቲ ሓቂ እተቐበልኩሉ እዋን 60 ዓመታት ንድሕሪት ምልስ ኢለ ክጥምት ከሎኹ: የሆዋ ኣብዚሑ ባሪኹኒ ኢዩ ክብል እኽእል ኢየ። ከምቲ ምሳሌ 10:22 ዝብሎ “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም” ኢዩ።
ብዘይ ጥርጥር: ናይ የሆዋ “ፍቕራዊ ሕያውነት ካብ ህይወት ይበልጽ” ኢዩ። (መዝሙር 63:3 NW) እቲ ኣብ እርጋን ዘጋጥም ጸገማት እናወሰኸ ክኸይድ ከሎ: እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበለን ቃላት ኣብ ጸሎተይ ወትሩ ኢየ ዝጠቕሰን:- “ዎ እግዚኣብሄር: ኣባኻ እውከል አሎኹ: ከቶ ኣይተሕፍረኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ተስፋይን ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ። ዎ ኣምላኽ: ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሀርካኒ: ክሳዕ ሕጂውን ተኣምራትካ ኣወጅኩ። ዎ ኣምላኽ: ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ።”—መዝሙር 71:1, 5, 17, 18
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ኣብዚ እዋን እዚ ምስ በዓልቲ ቤተይ ኣኒ