ነቶም ናይ ሓቂ ልኡኻት ምልላዮም
“ንቓል ባርያኡ ዜጽንዖ: ንምኽሪ ልኡኻቱ ዚፍጽሞ . . . ኣነ . . . እየ።” —ኢሳይያስ 44:26, 28
1. የሆዋ እቶም ናይ ሓቂ ልኡኻት ከም ዝልለዩ ዝገብር ብኸመይ ኢዩ: ነቶም ናይ ሓሶት ዝቃልዖምከ ብኸመይ ኢዩ፧
የሆዋ ኣምላኽ እቶም ናይ ሓቂ ልኡኻቱ ከም ዝልለዩ ዝገብር ዝዓበየ ኣካል ኢዩ። ነቲ ብእኦም ኣቢሉ ዝነገሮ መልእኽቲ ብምፍጻም ኢዩ ከም ዝልለዩ ዝገብሮም። የሆዋ ነቶም ናይ ሓሶት ልኡኻት ብምቅላዕ እውን ዝዓበየ ኣካል ኢዩ። ብኸመይከ ኢዩ ዘቃልዖም፧ ነቲ ምልክታቶምን ትንቢታቶምን ከም ዘይፍጸም ብምግባር ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ ኸኣ እቲ መልእኽትታቶም ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣተሓሳስባ—እወ ካብቲ ዕሽነት ዝመልኦ ስጋዊ ኣተሓሳስብኦም—ዝመጸ: ባዕሎም እተመዘዙ ነብያት ምዃኖም የርኢ!
2. ኣብ ግዜ እስራኤል ኣብ መንጎ ልኡኻት እንታይ ምግርጫው ኢዩ ዘጋጠመ፧
2 ክልቲኦም ኢሳይያስን ህዝቅኤልን ልኡኻት ኣምላኽ ምዃኖም ተዛሪቦም ኢዮም። ልኡኻት ኣምላኽ ድዮምከ ነይሮም፧ እንተድኣ ነይሮም እስከ ንርአ። ኢሳይያስ ዳርጋ ካብ 778 ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ እቲ ድሕሪ 732 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ግዜ ኣብ የሩሳሌም ኰይኑ ይንበ ነበረ። ህዝቅኤል ከኣ ብ617 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ ባቢሎን ተማረኸ። ኣብኡ ኸኣ ነቶም ኣይሁዳውያን ኣሕዋቱ ተነበየሎም። ክልቲኦም ነብያት የሩሳሌም ክትጠፍእ ምዃና ብትብዓት ኣዊጆም ኢዮም። ካልኦት ነብያት ከኣ እዚ ክኸውን ኣምላኽ ኣይፈቅድን ኢዩ በሉ። ናይ ሓቂ ልኡኻት ምዃኖም ዘረጋገጹ መኖም ኢዮም ነይሮም፧
የሆዋ ነቶም ናይ ሓሶት ነብያት የቃልዖም
3, 4. (ሀ) ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ እስራኤላውያን እንታይ ክልተ ኣንጻር ዝዀነ መልእኽትታት ኢዩ እተነግሮም: የሆዋኸ ንሓደ ሓሳዊ ልኡኽ ብኸመይ ኣቃልዖ፧ (ለ) የሆዋ ናይ ሓሶት ነብያት እንታይ ክዀኑ ኢዮም በለ፧
3 ህዝቅኤል ኣብ ባቢሎን ከሎ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዝግበር ዝነበረ ነገራት ትርኢት ረኣየ። ኣብቲ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ ናይ ቤት መቕደስ 25 ሰብኡት ነበሩ። ኣብ ማእከሎም ያኣዛንያ ከምኡውን ፈላጥያ ዝበሃሉ ክልተ መሳፍንቲ ነበሩ። የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮም ነይሩ፧ ህዝቅኤል 11:2, 3 ከምዚ ብምባል መልሲ ትህበና:- “ኣታ ወዲ ሰብ: እዚኣቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ሕሰም ዚጠልፉ: እኩይ ዚመኽሩ ሰባት እዮም። ንሳቶም ድማ: ኣይቀረበን: ኣባይቲ ንስራሕ [“ምስራሕ ኣባይትና ቀሪቡዶ ኸይኰነ፧” NW ]: . . . ይብሉ አለዉ።” እዞም ደረቐኛታት ልኡኻት ሰላም ‘ኣብ የሩሳሌም ሓደጋ የለን ኣብኣ ኼይድና ብቕልጡፍ ብዙሕ ኣባይቲ ክንሰርሕ ኢና!’ ኢዮም ዝብሉ ነይሮም። ስለዚ ኣምላኽ ንህዝቅኤል ኣንጻር እዞም ሓሰውቲ ነብያት እዚኣቶም ክንበ ነገሮ። ህዝቅኤል ንሓደ ካብኣቶም እንታይ ከም ዘጋጠሞ ኣብ ቍጽሪ 13 ናይ ምዕራፍ 11 “ኰነ ኸኣ: ኣነ ኽንበ ኸሎኹ: ፈላጥያ ወዲ በናያ ሞተ” ብምባል ይነግረና። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ፈላጥያ እቲ ዝያዳ ፍሉጥን ጽልዋ ዘለዎ መስፍንን ቀንዲ መምለኽ ጣኦትን ስለ ዝነበረ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ሃንደበታዊ ሞቱ ኸኣ ናይ ሓሶት ነብዪ ከም ዝነበረ ኣረጋገጸ!
4 የሆዋ ንፈላጥያ ምቕታሉ እቶም ካልኦት ናይ ሓሶት ነብያት ብስም ኣምላኽ ምሕሳው ከም ዝገድፍዎ ኣይገበሮምን። እዞም መታለልቲ እዚኣቶም ነቲ ኣንጻር ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዕቡድ ናይ ምንባይ ስርሖም ቀጸልዎ። ስለዚ የሆዋ ኣምላኽ ንህዝቅኤል “ነቶም ገለ ኸይርእዩስ [“ከይረኣዩስ:” NW ] ንመንፈስ ርእሶም ዚስዕቡ ዓያሱ ነብያት ወይለኦም” ብምባል ነገሮ። ከም ፈላጥያ ንሳቶም እውን ንየሩሳሌም “ሰላም [ዜልቦስ] ራእይ ሰላም” ይርእዩላ ስለ ዝነበሩ ‘ክህልዉ’ ኣይነበሮምን።—ህዝቅኤል 13:3, 15, 16
5, 6. ኵሎም ናይ ሓሶት ልኡኻት እኳ እንተነበሩ: ኢሳይያስ ሓቀኛ ነብዪ ምንባሩ ብኸመይ ተረጋገጸሉ፧
5 ኵሉ እቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ የሩሳሌም እተዛረቦ መለኮታዊ መልእኽትታት ግን ተፈጺሙ ኢዩ። ኣብ ክረምቲ ናይ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎናውያን ነታ ከተማ ደምሰስዋ ነቶም ዝተረፉ ኣይሁዳውያን ከኣ ናብ ባቢሎን ማረኽዎም። (2 ዜና መዋእል 36:15-21፣ ህዝቅኤል 22:28፣ ዳንኤል 9:2) እዚ መዓታት እዚ እቶም ናይ ሓሶት ነብያት ንህዝቢ ኣምላኽ ብዘረባ ሃተውተው ካብ ምህዋኽ ከም ዘቋርጹ ገይርዎምዶ፧ ፈጺሙ ኣይገበሮምን: እቶም ሓሰውቲ ልኡኻትሲ ቀጸሉ ደኣ!
6 እዚ ከይኣክል ከኣ: እስራኤላውያን ነቶም ተጃሃርቲ ዝዀኑ ናይ ባቢሎን ጠንቆልትን ቈጸርቲ ከዋኽብትን ተቓሊዖም ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: የሆዋ ኵሎም እዞም ሓሰውቲ ልኡኻት እዚኣቶም ከንቱታት ዓያሹ: ኣንጻር እቲ ዝኸውን ዝንበዩ ምዃኖም ኣረጋጊጹ ኢዩ። ኣብ መወዳእትኡ ኢሳይያስን ህዝቅኤልን ናይ ሓቂ ልኡኻቱ ምንባሮም ኣርኣየ። የሆዋ ንዅሉ እቲ “ንትእምርቲ ሓሰውቲ ኸንቱ ዝገብሮ: ንጠንቈልቲ ዓያሱ ዝገብሮም: ንጥበበኛታት ድሕሪት ዝመልሶም: ንፍልጠቶም ከኣ ናብ ዕሽነት ዝልውጦ: ንቓል ባርያኡ ዜጽንዖ: ንምኽሪ ልኡኻቱ ዚፍጽሞ” ዝብል ብኣታቶም ኣቢሉ እተዛረቦ ቃላት ከምቲ እተመባጽዖ ገይሩ ፈጸሞ።—ኢሳይያስ 44:25, 26
ዘሰንብድ መልእኽቲ ብዛዕባ ባቢሎንን የሩሳሌምን
7, 8. ኢሳይያስ እንታይ ንባቢሎን ዝኸውን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መልእኽቲ ኢዩ ዝነበሮ: ቃላቱኸ እንታይ ማለት ኢዩ ነይሩ፧
7 ይሁዳን የሩሳሌምን ሰብ ዘይነብረለን ኰይነን ን70 ዓመት ክባድማ ነበረን። ይኹን እምበር: የሆዋ ብኢሳይያስን ህዝቅኤልን ኣቢሉ ልክዕ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝመደቦ ግዜ: እታ ኸተማ እንደገና ክትህነጽ እታ ሃገር እውን ሰብ ዝነብረላ ክትከውን ምዃና ኣወጀ! እዚ ዘገርም ትንቢት ኢዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ባቢሎን ነቶም ዝማረኸቶም ናብ ዓዶም ብዘይምስዳድ ፍልጥቲ ኢያ ነይራ። (ኢሳይያስ 14:4, 15-17) ስለዚ ነዞም ምሩኻት እዚኣቶም ሓራ ክገብሮም ዝኽእልሲ መን ኢዩ፧ ነታ ብርትዕቲ ባቢሎን ምስቲ ሰፊሕ ቀጽርታታን ምስቲ መከላኸሊኣ ዝነበረ ርባን መን ኢዩ ክስዕራ ዝኽእል፧ እቲ ዅሉ ዝኽእል የሆዋ ይኽእል ነይሩ ኢዩ! ክገብሮ ከም ዝዀነ ኸኣ ከምዚ በለ:- “ንመዓሙቝ ባሕሪ [ማለት ማያዊ መከላኸሊ ናይታ ኸተማ]: ንጸፍ: ንርባታትካውን: ኣነ ኸንጽፎም እየ: ዚብል: ብዛዕባ ቂሮስ: ንሱ ጓሳይ እዩ: ንፍቓደይ ዘበለ ዅሉውን ኪፍጽሞ እዩ: ብዛዕባ የሩሳሌም ድማ: ክትህነጽ: ብናይ ቤተ መቕደስውን: ክትስረት እያ: ዚብል ኣነ . . . እየ።”—ኢሳይያስ 44:27, 28
8 ሕስብ እሞ ኣብሎ! ርባ ኤፍራጥስ እቲ ንሰባት ዘይድፈር ሓጹር ዝነበረ ንየሆዋ ልክዕ ከም ኣብ ሓደ ኣጸቢቑ ዝረሰነ ነገር ዝወረደት ነጥቢ ማይ ኢዩ ነይሩ። ብቕጽበት እቲ ሓጹር ክሃፍፍ ነበሮ! ባቢሎን ክትወድቕ ነበራ። 150 ዓመት ቅድሚ ምውላድ ቂሮስ ፋርሳዊ እኳ እንተነበረ: የሆዋ እዚ ንጉስ እዚ ንባቢሎን ክሕዛ ምዃኑን ነቶም ኣይሁዳውያን ምሩኻት ከኣ ንየሩሳሌምን ቤት መቕደሳን እንደገና ክሃንጽዋ ትእዛዝ ብምትሕልላፍ ሓራ ከውጽኦም ምዃኑን ብኢሳይያስ ኣቢሉ ተነብዩ ነበረ።
9. ባቢሎን ንምቕጻዕ የሆዋ ከም ወኪሉ ገይሩ ዝጸውዖ ንመን ኢዩ፧
9 እዚ ትንቢት እዚ ኣብ ኢሳይያስ 45:1-3 ንረኽቦ: ከምዚ ኸኣ ይብል:- “እግዚኣብሄር ነቲ ቕቡኡ: ንቂሮስ: ህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸግዝኣሉ: . . . ደጌታት ከይዕጸዎ ድማ: መዓጹ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸርሕወሉ ኢለ ብየማነይቲ ኢዱ ዝሐዝክዎ ኸምዚ ይብሎ አሎ: ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ: ንድንጉር ከኣ ሰጥ ከብሎ: ንመዓጹ ኣስራዚ ሓሸምሸም ከብሎ: ንመሸጐሪ ሓጺን ድማ ክሰባብሮ እየ። ኣነ ብስምካ ዝጸዋዕኩኻ እግዚኣብሄር: ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ: መዝገብ ጸልማትን ኣብ ስዉር እተሐብኤ ሃብትን ክህበካ እየ።”
10. ቂሮስ ‘ቅቡእ’ ዝነበረ በየናይ መገዲ ኢዩ: የሆዋ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ቅድሚ ምውላዱ ክዛረቦ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧
10 የሆዋ ንቂሮስ ልክዕ ብህይወት ከም ዘሎ ገይሩ ከም እተዛረቦ ተመልከት። እዚ ምስቲ የሆዋ ‘ነቲ ዘየሎ ከም ህልዊ ገይሩ ይጽውዖ’ ዝብል ናይ ጳውሎስ ሓሳባት ዝሰማማዕ ኢዩ። (ሮሜ 4:17) ኣምላኽ ንቂሮስ ‘ቅቡአይ’ ኢሉውን ይጽውዖ ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ዝበሎ፧ ናይ የሆዋ ሊቀ ኻህናት እንተዀነውን ንቂሮስ ፈጺሙ ኣይቀብኦን። ሓቂ ኢዩ: እዚ ግን ትንቢታዊ ምቕባእ ኢዩ። ንሓደ ፍሉይ ስልጣን ምምዛዝ ከኣ የመልክት። ስለዚ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ንቂሮስ ምሻሙ: ምቕባእ ከም ዝዀነ ገይሩ ክዛረበሉ ይኽእል ኢዩ።—ምስ 1 ነገስት 19:15-17፣ 2 ነገስት 8:13 ኣረኣእዮ።
ኣምላኽ ቃላት ናይቶም ልኡኻቱ ይፍጽም
11. ተቐማጦ ባቢሎን ድሓን እተሰምዖም ስለምንታይ ኢዩ፧
11 ኣብቲ ቂሮስ ኣንጻር ባቢሎን እተላዕለሉ ግዜ ተቐማጦኣ ኣብ ደሓን ከም ዘለዉ ይስምዖም ነበረ። ከተምኦም ብናይ ርባ ኤፍራጥስ ዓሚቝን ሰፊሕን ቀጽረ-ማይ ኢያ ተኸቢባ ነይራ። ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ናይቲ ብማእከል እታ ከተማ ዝሓልፍ ርባ ተኸታታሊ ናይ መራኽብ መዕረፊ ነበረ። ነቡካድነጻር ካብቲ ከተማ ንኽፈልዮ ነቲ “ልክዕ ከም ከረን: ክነቓነቕ ዘይክእል ዓብዪ ቀጽሪ . . . ቁመቱ ክንዲ ጫፍ ከረን” ኢሉ ዝጽውዖ ቐጽሪ ሃነጸ።a እዚ ቐጽሪ እዚ ካብ ኣስራዚ እተሰርሐ ዓበይቲ ማዕጾታት ነበሮ። ሓደ ሰብ ናብኡ ንኽኣቱ በቲ ደንደስ ናይቲ ርባ ገይሩ ክሓኵር ኣለዎ። እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ እሱራት ድሕሪ ደጊም ናጻ ክወጹ ከም ዘይክእሉ እንተ ተሰምዖም ኣየገርምን ኢዩ!
12, 13. እቲ የሆዋ ብልኡኹ ኢሳይያስ ኣቢሉ እተዛረቦ ቃላት: ባቢሎን ኣብ ኢድ ቂሮስ ምስ ወደቐት እተፈጸመ ብኸመይ ኢዩ፧
12 እቶም ኣብ የሆዋ ዝኣምኑ ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ ምሩኻት ግን ከምኡ ኣይተሰምዖምን! ብሩህ ተስፋ ነበሮም። ብነብያቱ ኣቢሉ ኣምላኽ ሓራ ከም ዘውጽኦም ተመባጺዑ ነይሩ ኢዩ። ኣምላኽ መብጽዕኡ ብኸመይ ፈጸሞ፧ ቂሮስ ንሰራዊቱ ብሰሜን ባቢሎን ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ርሒቖም ንርባ ኤፍራጥስ ክኣልይዎ ኣዘዞም። በዚ ኸምዚ: እቲ ቐንዲ መከላኸሊ ናይታ ከተማ: ብተዛማዲ ናብ ዝነቐጸ መገዲ ውሕጅ ተቐየረ። ኣብታ ወሳኒት ለይቲ እቲኣ: እቶም ኣብቲ ቅጥዒ ዘይብሉ ድግስ ዝሰኽሩ ዝነበሩ ነቲ ኣብ ጎድኒ ርባ ኤፍራጥስ ዝነበረ ማዕጾ ኣርሕዮሞ ሓደሩ። የሆዋ ነቲ ካብ ኣስራዚ እተሰርሐ ማዕጾ ቃል ብቓሉ ኣይሰባበሮን: ወይ ከኣ ነቲ መዕጸዊኡ ዝነበረ ብሓጺን እተሰርሕ ተገዳም ኣይቈራረጾን: እቲ ንኽርሖን ተገዳም ንኸይግበረሉን ዝገበሮ ዘገርም ምቍጽጻር ግን ተመሳሳሊ ሳዕቤን ነበሮ። ቀጽርታት ባቢሎን ብላሽ ኰነ። ሰራዊት ቂሮስ ናብ ውሽጢ ንኽኣትዉ ብመሳልል ክሓዅሩ ኣየድለዮምን። የሆዋ ቀቅድሚ ቂሮስ እናኸደ “ንድንጉር” እወ: ንዅሉ ዕንቅፋታት ሰጥ ኣበሎ። ኢሳይያስ ናይ ሓቂ ልኡኽ ኣምላኽ ምንባሩ ተረጋገጸ።
13 ቂሮስ ነታ ከተማ ምሉእ ብምሉእ ምስ ተቘጻጸራ: ኵሉ መዛግብታ: እቲ ኣብ ጸልማት: ኣብ ስዉር ኣባይቲ እተሓብአ እውን ከይተረፈ ኣብ ኢዱ ኣተወ። የሆዋ ኣምላኽ ንቂሮስ እዚ ዅሉ ዝገበረሉ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ‘ብስሙ ዝጸውዖ’ የሆዋ: ናይ ሓቀኛ ትንቢት ኣምላኽ ምዃኑን ናይዚ ኣድማስ ሉዓላዊ ጐይታ ምዃኑን ምእንቲ ኸፍልጥ ኢዩ። ኣምላኽ ንህዝቡ እስራኤል ሓራ ምእንቲ ከውጽእ ኣብ ስልጣን ከም ዘደየቦ ክፈልጥ ነበሮ።
14, 15. ቂሮስ ንባቢሎን ዝሰዓራ ሳላ የሆዋ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧
14 እቲ የሆዋ ንቂሮስ ዝበሎ ቃላት ስምዓዮ: ከምዚ ይብል:- “ምእንቲ ያእቆብ ባርያይን እስራኤል ሕሩየይን: ብስምካ ጸዋዕኩኻ: ከይፈለጥካኒ እኳ ስም ክብረት ሀብኩኻ። እግዚኣብሄር ኣነ እየ: ካልእ የልቦን: ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን: ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ብጀካይ ካልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኺፈልጡስ: ከይፈለጥካኒ እኳ ኣዕጠቕኩኻ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ: ካልእውን ከቶ የልቦን። ብርሃን እገብር: ጸልማት ከኣ እፈጥር: ደሓን እገብር [እዚ ነቶም ምሩኻት ዝነበሩ ህዝቡ ኢዩ]: መዓት ድማ እፈጥር [ንባቢሎን]: እዚ ዅሉ ዝገብር ኣነ እግዚኣብሄር እየ።”—ኢሳይያስ 45:4-7
15 ቂሮስ ንባቢሎን ዝሰዓራ ሳላ የሆዋ ኢዩ: ከመይሲ እቲ ንየሆዋ ባህ ዘብል ክፍጽምን ንህዝቡ ድማ ሓራ ከውጽእን ኢሉ ኣንጻር እታ እክይቲ ከተማ ዘሐየሎ ንሱ ኢዩ። ነዚ ኣብ ምግባር: የሆዋ ንሰማያት ጽድቃዊ ጽልዋኡ ወይ ሓይሉ ከም ዘውርዱ ገበሮም። ምድሪ ኸኣ ከም እትኽፈት እሞ: ጽድቃዊ ፍጻመታትን ድሕነትን ነቶም እተማረኹ ህዝቡ ከም እትህብ ገበራ። እቶም ምሳልያውያን ሰማያትን ምድርን ከኣ ንትእዛዛቱ መለሱሉ። (ኢሳይያስ 45:8) ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ድሕሪ ሙማቱ: ኢሳይያስ ናይ ሓቂ ልኡኽ የሆዋ ምንባሩ ተራእየ!
ንጽዮን ዝኸውን ብስራት ናይቲ ልኡኽ!
16. ባቢሎን ምስ ተሳዕረት ኣብታ ዝባደመት ከተማ የሩሳሌም: እንታይ ብስራት ኢዩ ክእወጅ ዝኽእል ዝነበረ፧
16 ገና ግን ተወሳኺ ነገር ኣሎ። ኢሳይያስ 52:7 ብዛዕባ ንየሩሳሌም ዝኸውን ብስራት ከምዚ ብምባል ትነግር:- “እቲ ብስራት ዜበስር: ሰላም ዜውሪ: ሰናይ ዜበስር: ምድሓን ዜውሪ: ንጽዮን ከኣ፣ ኣምላኽኪ ይነግስ: ዚብል: ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን።” ሓደ ልኡኽ ካብቲ ኣኽራን ናብ የሩሳሌም ገጹ ክቐርብ ከሎ ምርኣይሲ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ምንባሩ እሞ ሕሰቦ! ዜና ነይርዎ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ዜናኸ እንታይ ኢዩ፧ ንጽዮን ዝኸውን ዘሐጕስ ዜና ኢዩ። ናይ ሰላም ዜና: ስምረት ኣምላኽ ዝሓዘ ዜና ኢዩ። የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን እንደገና ክህነጻ ኢየን! እቲ ልኡኽ ከኣ ብናይ ዓወት ስምዒት ‘ኣምላኽኪ ይነግስ’ ኢሉ ይእውጅ!
17, 18. ባቢሎን ብቂሮስ ምስዓራ ንስም የሆዋ ብኸመይ ይትንክፎ፧
17 የሆዋ ነቲ እቶም ኣብ መስመር ዳዊት ዝነግሱ ነገስታት ዝቕመጥዎ ዝነበሩ ምሳልያዊ ዝፋኑ ባቢሎናውያን ክግምጥልዎ ምስ ኣፍቀደ ድሕሪ ደጊም ንጉስ ከም ዘይኰነ መሰለ። ኣብ ክንድኡ: ማርዶክ እቲ ናይ ባቢሎን ቀንዲ ኣምላኽ ንጉስ ከም ዝዀነ መሰለ። ይኹን እምበር: እቲ ናይ ጽዮን ኣምላኽ ንባቢሎን ምስ ገምጠላ እቲ ዝዓበየ ንጉስ ምዃኑ: ኣድማሳዊ ሉዓላውነቱ ኣርኣየ። ነዚ ሓቂ እዚ ንምጕላሕ ከኣ የሩሳሌም “ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ” ምስታ ቤት መቕደስ እንደገና ክትህነጽ ነበራ። (ማቴዎስ 5:35) እቲ ከምዚ ዝበለ ብስራት ዘምጽእ ልኡኽ ኣእጋሩ ዶረና ዘለዎ: ረሳሕ: ከምኡውን ዝሰምበረ እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ኣዒንቲ ናይቶም ኣፍቀርቲ ጽዮንን ኣምላኻን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየን ጽቡቓት ዝነበራ!
18 ብትንቢታዊ ኣዘራርባ: ናይ ባቢሎን ምውዳቕ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምቛም ክኸውን ከሎ: እቲ ብስራት ዝሓዘ ሰብ ድማ: ናይዚ ሓቂ እዚ ኣዋጂ ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺ እዚ ኣቐዲሙ ብኢሳይያስ ተነጊሩሉ ዝነበረ ጥንታዊ መልእኽተኛ ጽላሎት ናይቲ ካብኡ ዝዓበየ ብስራት ዝሓዘ ልኡኽ ኢዩ—ዓቢ ዝብሃል ብምኽንያት እቲ ዓቢ ትሕዝቶኡን በታ ኣብ ኵሎም ናይ እምነት ሰባት ዘገርም ፍጻመ ዘለዋ መንግስትን ኢዩ።
19. የሆዋ ብህዝቅኤል ኣቢሉ ብዛዕባ ሃገር እስራኤል እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ዝሃበ፧
19 ህዝቅኤል እውን ንምምላስ ዝምልከት ውዕዉዕ ትንቢታት ተዋሂብዎ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ተነበየ:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፤ . . . ነተን ከተማታት ሰብ ከም ዚነብረን: እቲ ዑናታት ከኣ ከም ዚስራሕ ክገብር እየ። ሽዑ ኸኣ፤ እዛ ባዲማ ዝነበረት ምድሪ ኸም ገነት ኤድን ኰነት . . . ኪበሀል እዩ።”—ህዝቅኤል 36:33, 35
20. ኢሳይያስ ብዛዕባ የሩሳሌም እንታይ ዘሐጕስ ምትብባዕ ኢዩ ብትንቢት ዝሃበ፧
20 ኣብ ምርኮ ባቢሎን ከለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብጽዮን ይሓዝኑ ነይሮም ኢዮም። (መዝሙር 137:1) ሕጂ: ክሕጐሱ ይኽእሉ ኢዮም። ኢሳይያስ “ኣትን ዑናታት የሩሳሌም: እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዘጸናንዖ: ንየሩሳሌም ስለ እተበጀዋ: ብሓጐስ እልል በላ: ሐቢርክን ኣመስግና። እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዅሎም ኣህዛብ ነቲ ቅዱስ ቅልጽሙ ቐልዖ: ኵለን ወሰናት ምድሪ ኸኣ ምድሓን ኣምላኽና ኺርእያ እየን” ብምባል ኣተባብዐ።—ኢሳይያስ 52:9, 10
21. ብድሕሪ ስዕረት ባቢሎን ቃላት ናይ ኢሳይያስ 52:9, 10 ብኸመይ ተፈጸመ፧
21 እወ እቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ንኽሕጐሱ ብዙሕ ምኽንያት ነይርዎም ኢዩ። ሕጂ ነቲ ሓደ ግዜ ባዲሙ ዝነበረ ቦታታት ገነት ኤደን ከም ዝመስል ብምግባር ኣብኡ ክቕመጡ ኢዮም። የሆዋ ምእንትኦም ‘ነቲ ቅዱስ ቅልጽሙ ቀሊዑ ኢዩ።’ ናብታ ዝፈትውዋ ዓዶም ኣብ ምምላስ ንኽዓዪ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ እጅገኡ ሰብሲቡ ኢዩ። እዚ ኣብ ታሪኽ ዘጋጠመ ንእሽቶ: ዘይፍለጥ ነገር ኣይነበረን። ኵሎም እቶም ሽዑ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት እቲ ‘እተቐልዐ ቅልጽም’ ኣምላኽ ኣብ ሰብኣዊ ጕዳያት ሓይሉ ብምዝውታር ዘገርም ድሕነት ናይ ሓደ ህዝቢ ከም ዘምጽአ ርእዮሞ ኢዮም። ኢሳይያስን ህዝቅኤልን ሓቀኛታት ልኡኻት ኣምላኽ ከም ዝነበሩ እውን ጉድለት ዘይብሉ መረጋገጺ ረኸቡ። ኣብ ብዘላ ምድሪ እቲ እንኮ ህያውን ሓቀኛን ኣምላኽ: ናይ ጽዮን ኣምላኽ ምዃኑ ክጠራጠር ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ኣብ ኢሳይያስ 35:2 ከምዚ ነንብብ:- “ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንጌጽ ኣምላኽናን ኪርእዩ እዮም።” እቶም ነዚ መርትዖ ናይ የሆዋ ኣምላኽነት እተቐበሉ ሰባት ኣምለኽቱ ኰኑ።
22. (ሀ) ሎሚ መመስገንቲ ክንከውን እንኽእል ነየናይ ነገር ኢና፧ (ለ) የሆዋ ንሓሰውቲ ልኡኻት ስለ ዘቃልዖም ብፍላይ መማሰውቲ ክንከውን ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
22 የሆዋ ነቶም ሓቀኛታት ልኡኻቱ ከም ዝልለዩ ብምግባሩስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና መማሰውቲ ክንከውን ዝግብኣና! ብሓቂ ንሱ “ንቓል ባርያኡ ዜጽንዖ: ንምኽሪ ልኡኻቱ ዚፍጽሞ” ኢዩ። (ኢሳይያስ 44:26) እቲ ንኢሳይያስን ህዝቅኤልን ዝሃቦም ናይ ምምላስ ትንቢታት ነቲ ኣብ ኣገልገልቱ ዘርእዮ ዓቢ ፍቕሪ: ዘይንበቕዖ ሕያውነትን ምሕረትን ዘዕቢ ኢዩ። ብርግጽ: የሆዋ ከምዚ ብምግባሩ ኵሉ ውዳሰና ዝግብኦ ኢዩ! ብፍላይ ከኣ ንሕና ሎሚ ንሓሰውቲ ልኡኻት የቃልዖም ስለ ዘሎ ኣመስገንቲ ክንከውን ኢዩ ዝግብኣና። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ: ሎሚ ኣብ ዓለም ብዙሓት ሓሰውቲ ልኡኻት ኢዮም ዘለዉ። እቲ መልእኽትታቶም ከኣ ነቲ የሆዋ ዝኣወጆ ዕላማታት ዋጋ ዘይህቦ ኢዩ። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዞም ናይ ሓሶት ልኡኻት ንኸነለልዮም ክትሕግዘና ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ዘ ሞኑመንትስ ኤንድ ዘ ኦልድ ተስታመንት ብ1925 ብኢራ ማውሪስ ፕራይስ እተዳለወ።
ክትገልጾ ምኸኣልካዶ፧
◻ የሆዋ እቶም ናይ ሓቂ ልኡኻቱ ከም ዝልለዩ ዝገብር ብኸመይ ኢዩ፧
◻ የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ ባቢሎን ንምስዓር ከም ወኪሉ ዝጸውዖ ንመን ኢዩ፧
◻ እቲ ባቢሎን ክትሰዓር ምዃና ዝገልጽ ትንቢታት ናይ ኢሳይያስ ብኸመይ ተፈጸመ፧
◻ ስዕረት ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ስም የሆዋ እንታይ ጽቡቕ ውጽኢት ነበሮ፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ባቢሎን ነቶም ኣብ ግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ ህዝብታት ዘይትሰዓር ኰይና ኢያ ትርኣዮም ነይራ