ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
ኤልያስ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ልዕል የብሎ
ኣብ እስራኤል እቲ ቐንዲ ዝህደን ዝነበረ ሰብኣይ ኢዩ። እቲ ንጉስ እንተድኣ ረኺብዎ ከም ዝቕተል እተረጋገጸ ኢዩ ነይሩ። እዚ ዝህደን ዝነበረ ሰብኣይ መን ኢዩ፧ እቲ ናይ የሆዋ ነብዪ ዝነበረ ኤልያስ ኢዩ።
ንጉስ ኣከኣብን እታ ኣረማዊት ሰበይቱ ኢዛቤልን: ኣብ እስራኤል ኣምልኾ በዓል ከም ዝድንፍዕ ገይሮም ነበሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: የሆዋ ኣብታ ሃገር ድርቂ ኣውረደ: ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ ራብዓይ ዓመቱ ሒዙ ነበረ። እታ ተቘጢዓ ዝነበረት ኢዛቤል ንነብያት የሆዋ ኽትቀትሎም ሃቂና ነበረት: ኣከኣብ ግና ብፍላይ ንኤልያስ ኢዩ ደልዩ ነይሩ። ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ይገብር ኣቐዲሙ: ንኣከኣብ “በዘን ዓመታት እዚኣተን: ኣነ ኸይተዛረብኩ: ኣውሊ ዀነ ወይ ዝናም [ኣይከውንን]” ኢሉ እተዛረቦ ኤልያስ ኢዩ ነይሩ። (1 ነገስት 17:1) እቲ ከም ሳዕቤን ናይዚ ዘጋጠመ ድርቂ ድማ ገና ይቕጽል ነበረ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓደገኛ ኵነታት: የሆዋ ንኤልያስ ከምዚ በሎ:- “ኬድካ ንኣከኣብ ተርአዮ እሞ: ንምድሪ ዝናም ከዝንመላ እየ።” ኤልያስ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ትእዛዝ የሆዋ ኣኽበረ።—1 ነገስት 18:1, 2
ክልተ ተጻባእቲ ይራኸቡ
ኣከኣብ ንኤልያስ ምስ ረኣዮ “እቲ ንእስራኤል እተዕገርግር ንስኻ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኤልያስ ድማ ብትብዓት “ንስኻን ቤት ኣቦኻን ትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምሕዳግኩምን ደድሕሪ በዓል ብምስዓብካን እምበር: ኣነስ ንእስራኤል ኣየዕገርገርኩን” ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ኤልያስ ነቶም “ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነብያት በዓልን ኣርባዕተ ሚእቲ ነብያት ኣስታርተን” ሓዊስካ: ብዘሎ እስራኤል ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ክእከብ ኣዘዘ። ቀጺሉ ኤልያስ ነቶም እተኣከቡ ህዝቢ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፧a እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ: ደድሕሪኡ ስዐቡ: በዓል እንተ ደኣ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዐቡ” በሎም።—1 ነገስት 18:17-21
እቶም ህዝቢ ኸኣ ስቕ በሉ። ምናልባት እቲ ንየሆዋ ምሉእ ተወፋይነት ካብ ምሃብ ብምስናፎም ዝፈጸምዎ በደል ተፈሊጥዎም ይኸውን። (ዘጸኣት 20:4, 5) ወይውን ተኣማንነቶም ንየሆዋን ንበዓልን ምጕዛዮም ሓጢኣት ከም ዝዀነ ገይሮም ብዘይ ምውሳዶም ሕልንኦም ደንዚዙ ነይሩ ይኸውን። በዚ ይኹን በቲ: ኤልያስ ነቶም ህዝቢ ክልተ ዝራብዕ—ሓደ ንነብያት በዓል ሓደ ድማ ንዕኡ—ከምጽኡ ኣዘዞም። ክልቲኦም ዝራብዕ ንመስዋእቲ ክዳለዉ ነበሮም: ሓዊ ግን ክእጐድ ኣይነበሮን። ኤልያስ “ንስኻትኩም ብስም ኣምላኽኩም ተማህለሉ: ኣነ ኸኣ ብስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ክምህለል እየ። እቲ ብሓዊ ምላሽ ዚህብ ኣምላኽ ከኣ: ንሱ [“ሓቀኛ:” NW ] ኣምላኽ ይኹን” በሎም።—1 ነገስት 18:23, 24
የሆዋ ልዕል ይብል
ነብያት በዓል ‘ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ እናሰረሩ ክዘርዎ’ ጀመሩ። ካብ ብጊሓት ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ “ዎ በዓል: ምላሽ ሀበና” እናበሉ ጨደሩ። በዓል ግን ኣይመለሰን። (1 ነገስት 18:26) ድሕርዚ ኤልያስ “ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ: . . . ዓው ኢልኩም ደኣ ጨድሩ” ኢሉ ኸላግጸሎም ጀመረ። (1 ነገስት 18:27) ነብያት በዓል ንኣካላቶም በስያፍን ብዂናውትን እውን ከይተረፈ ክትፍትፍዎ ጀመሩ: እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣማልኽቶም ምእንቲ ኽድንግጹሎም ኢሎም ኣረማውያን ዘዘውትርዎ ተግባር ኢዩ ነይሩ።b—1 ነገስት 18:28
ሕጂ ፍርቂ መዓልቲ ሓለፈ: ኣምለኽቲ በዓል ድማ ‘ምንባይ [“ከም ነብያት ምምሳል:” NW ]’ ቀጸሉ: ኣብዚ ጥቕሲ እዚ: እታ ከም ነብያት ምምሳል እትብል ሓረግ ዓበድበድ እተሓወሶ: ቀልብኻ እተጥፍኣሉ ኣገባብ ዝብል ሓሳብ ዝሓዘት ኢያ። ድሕርዚ ኣጋ ምሸት ምስ ኰነ: ኤልያስ ኣብ መወዳእታ ንዅሎም እቶም ህዝቢ “ናባይ ቅረቡ” በሎም። ኤልያስ ንየሆዋ ዝኸውን መሰውኢ ክሰርሕ: ኣብ ጥቕኡ ጕድጓድ ክዅዕት: ነቲ ዝራብዕ ቈራሪጹ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝጸፈፍጸፎ ዕንጸይቲ ከንብሮ ኸሎ ኵሎም ኣተኲሮም ይዕዘብዎ ነበሩ። ድሕርዚ: ደርቂ እኳ እንተ ነበረ: (ብዘይጥርጥር በቲ ካብ ሜዲተራንያን ባሕሪ እተረኽበ ናይ ባሕሪ ማይ) እቲ መሰውኢ: ከምኡውን እቲ ዕንጸይቲ ብምሉኡ ብማይ ከም ዝጥልቂ: እቲ ጕድጓድ ድማ ማይ ከም ዝመልእ ተገብረ። ቀጺሉ ኤልያስ “ንስኻ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝዀንካ: ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይ: ነዚ ዅሉ ድማ ብትእዛዝካ ኸም ዝገበርክዎ: ሎሚ ኣፍልጥ። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከኣ ንስኻ እግዚኣብሄር [“ሓቀኛ:” NW ] ኣምላኽ ከም ዝዀንካ: ንልቦም ድማ ንስኻ ኸም ዝመለስካዮ ኺፈልጡስ: ምላሽ ሀበኒ” ብምባል ጸለየ።—1 ነገስት 18:29-37
ሃንደበት ድማ ካብ ሰማይ ሓዊ ወረደ “ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ነቲ ዕጨይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን ድማ በልዖ: ነቲ ኣብ ጕድጓድ ዝነበረ ማይውን ለሐሶ።” እቶም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ህዝቢ ድማ ብኡንብኡ “እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ: እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ” ብምባል ብገጾም ተደፍኡ። ብትእዛዝ ኤልያስ ድማ: ነብያት በዓል ተታሕዙ ናብ ለሰ ቂሶን ተወሲዶም ከኣ ኣብኡ ተሓርዱ።—1 ነገስት 18:38-40
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
ኤልያስ ልዕሊ ዓቕሚ ሰብ መሲሉ ክርአ ዝኽእል ትብዓት ኢዩ ኣርእዩ። ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ ግን “ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ [“ዝስሚዒቱ:” NW ] ሰብ” ምንባሩ የረጋግጸልና። (ያእቆብ 5:17) ፍርሕን ጭንቀትን ዘይስምዖ ዓይነት ሰብ ኣይነበረን። ንኣብነት: ጸኒሓ ኢዛቤል ሕነ ናይቶም እተቐትሉ ነብያት በዓል ክትፈዲ ምዃና ምስ ፈከረት: ኤልያስ ሃዲሙ ኢዩ: ድሕሪኡ ድማ ንየሆዋ ብጸሎት “ዎ እግዚኣብሄር: . . . ሕጂ ይአኽለኒ: ንነፍሰይ ውሰዳ” ኢሉ ለሚንዎ ኢዩ።—1 ነገስት 19:4
የሆዋ ንኤልያስ ከም ዝመውት ኣይገበሮን። ኣብ ክንድኡ: ምሕረት ብምርኣይ ሓገዝ ኣዳለወሉ። (1 ነገስት 19:5-8) ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን: ምናልባት ብምኽንያት ምጽራር ክኸውን ይኽእል: ብርቱዕ ጭንቀት ዘለዎ እዋናት ምስ ዘጋጥሞም የሆዋ ከምዚ ዝበለ ሓገዝ ከም ዝህቦም ርግጸኛታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። አረ: ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ እንተድኣ ጸልዮምሲ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ክህቦም ይኽእል ኢዩ: እዚ ድማ ‘ብዅሉ ወገን [እንተ] ተጸቕጡ’ እውን ከይተረፈ ‘ኣይክጸቦምን’ ኢዩ። ስለዚ: ልክዕ ከምቲ ናይ ኤልያስ: ንምጽማም ዘኽእሎም ሓገዝ ክወሃቦም ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 4:7, 8
[እግረ-ጽሑፋት]
a ገሊኦም ምሁራት ኤልያስ ከምዚ ክብል ከሎ ነቲ ናይ በዓል ኣምለኽቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጽምብላዊ ሳዕስዒት ኢዩ ዘመልክት ነይሩ ክኸውን ዝኽእል ዝብል ርእይቶ ይህቡ። ኣብ 1 ነገስት 18:26 ንሳዕስዒት ነብያት በዓል ንምግላጽ ‘ምስራር [“ምሕንካስ:” NW ]’ እትብል ተመሳሳሊት ቃል ተዘውቲራ ኣላ።
b ገሊኦም ሰባት ንኣካልካ ባዕልኻ ምቝራጽ: ምስቲ ሰብ ናይ ምስዋእ ተግባር ዝተሓሓዝ ኢዩ ነይሩ ይብሉ። ክልቲኡ ተግባራት ንኣካልካ ምጕዳእ ወይ ደም ከም ዝፈስስ ምግባር ስምረት ኣማልኽቲ ከውህብ ይኽእል ኢዩ ዝብል ትርጕም ነበሮ።