መመስገንቲ ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ሃርሊ ብምኽንያት ናይ ዓንዲ ሕቖ መጥባሕቲ: ሞያኡ ካብ መካኒክ ናብ ጸሓፋይ ክቕይር ተገደደ። ብዛዕባ እዚ ለውጢ እዚ እንታይ ከም ዝስምዖ ምስ ተሓተ: ሃርሊ “ናይ መካይን ዕዮ እናፍቖ ኢየ። ሓቂ ይሓይሽ ግን ካብቲ ናይ ቅድም ስርሐይ እዚ ናይ ሕጂ ዕዮይ የሐጕሰኒ” በለ።
ስለምንታይ ዕግበት ከም እተሰምዖ ክገልጽ ከሎ: ሃርሊ ከምዚ ይብል:- “ኵነታት ናይቶም ምሳይ ዝሰርሑ ሰባት ኢዩ። እዚ ናይ ሕጂ ሓለቓይን መሳርሕተይን ብዝገብሮ ነገራት መማሰውቲ ብምዃኖም ካብቶም ኣብ ናይ ቅድም ስርሐይ ዝነበሩ ሰባት እተፈለዩ ኢዮም: ናእዳ ካብ ምሃብ ከኣ ኣይቍጠቡን ኢዮም። እዚ ዓቢ ፍልልይ ኢዩ ዘለዎ።” ሃርሊ ጠቓምን ዝድለን ሰብ ኰይኑ ስለ ዝስምዖ ሕጂ ሕጕስ ሰራሕተኛ ኢዩ።
ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ናይ ናእዳ ወይ ናይ ምስጋና ቃላት ምውሳእ ብሓቂ ልቢ ዘምውቕ ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ሳዕቤን ናይ ዘይምምስጋን ከምቲ ሼክስፒር “ኣታ ንፋስ ቀውዒ ዝነፈስካ እኳ እንተ ነፈስካ: ማዕረ ዘይምምስጋን ባህሪ ወድሰብ ኣይኰነን ጭካነኻ” ብምባል ዝገለጾ: ዕንቅፋት ናይ ሓጐስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ድማ ብዙሓት ከምዚ ዝኣመሰለ ጭከና ኣጋጢምዎም ኢዩ።
ካብ ዘይምምስጋን ተሓሎ
ኣብዛ ናይ ሕጂ ዓለም ልባዊ መግለጺ ምስጋና ይጠፍእ ኣሎ። ንኣብነት ሓደ ደራሲ ከምዚ ብምባል ሕቶ ኣልዓለ:- “መርዓት 200 ናይ መርዓ ዕድመ ክትዕድል ካብ ከኣለት: ንእተቐበለቶ 163 ህያባት ናይ ምስጋና ደብዳበታት ክትልእኽ ዘይትኽእለሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧” መብዛሕትኡ ግዜ እታ “አመስግነካ” እትብል ቃል እኳ ከይተረፈት ኣይትስማዕን ኢያ። ምስጋና ብቐጻሊ ብናይ ንዓይ ንዓይ ኣመለኻኽታ ኢዩ ዝትካእ ዘሎ። እዚ ኣመለኻኽታ እዚ ሓደ ካብቲ መለለዪ ናይ ዳሕሮት መዓልትታት ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት እዋኑ ሓደጋ ዝመልኦ ከም ዝኸውን ክትግንዘብ ይግብኣካ። ሽዑ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ፈተውቲ ርእሶም ክዀኑ ኢዮም። . . . ምሉእ ብምሉእ ምስጋና ዝጐደሎም ሰባት ክዀኑ ኢዮም” በለ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2 ፊሊፕስ
ብኻልእ ወገን ክርአ ኸሎ ድማ ምስጋና ብውዳሰ-ከንቱ ተተኪኡ ኣሎ። ናይ ምስጋና መግለጺታት ብሕታዊ ረብሓ ክረክብ ኢየ ዝብል ሓሳብ ከይሓዝካ ካብ ልቢ ዝምንጭ ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይልባውን ናይ ምግናንን ዝዀነ ውዳሰ-ከንቱ ዕቤት ንምርካብ ወይ ከኣ ገለ ብሕታዊ ረብሓታት ንምርካብ ካብ ዝብል ሕቡእ ድራኸ ኢዩ ዝብገስ። (ይሁዳ 16) እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥዑም ዘረባ ነቲ ተቐባሊ ኣብ ርእሲ ምትላሉ ናይ ኵርዓትን ትዕቢትን ፍረ ኢዩ። ከምዚ ካብ ኰነ እምበኣር ግዳይ ናይ ዘይቅኑዕ ውዳሰ-ከንቱ ክኸውን ዝደሊ መን ኢዩ፧ ልባዊ ምስጋና ግን ብሓቂ ዘሐድስ ኢዩ።
ሓደ ምስጋንኡ ዝገልጽ ሰብ ከምኡ ብምግባሩ ይጥቀም ኢዩ። ብልቡ መመስገኒ ብምዃኑ ዝሓድሮ ምዉቕ ስምዒት ንሓጐሱን ሰላሙን ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። (ምስ ምሳሌ 15:13, 15 ኣረኣእዮ) ምስጋና ኣወንታዊ ባህሪ ብምዃኑ ድማ: ካብ ከም እኒ ቍጥዓ: ቅንኢ: ከምኡውን ቂም ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ስምዒታት የዕቍቦ ኢዩ።
“መማሰውቲ ኹኑ”
መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምስጋን ወይ ናይ ምምሳው መንፈስ ከነማዕብል ይላበወና ኢዩ። ጳውሎስ “እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ: ብዅሉ ኣመስግኑ” ብምባል ጸሓፈ። (1 ተሰሎንቄ 5:18) ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ እውን “ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ: . . . እሞ መማሰውቲ ኹኑ” ብምባል መኸሮም። (ቈሎሴ 3:15) መብዛሕትኡ መዛሙራት ናይ ምስጋና መግለጺታት ሒዙ ኣሎ: እዚ ድማ ልባዊ ምስጋና ኣምላኻዊ ባህሪ ምዃኑ ኢዩ ዘመልክት። (መዝሙር 27:4፣ 75:1) ኣብ መዓልታዊ ጕዳያት ናብራና ሞሳና ክንገልጽ ከሎና የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝሕጐስ ንጹር ኢዩ።
ግናኸ ኣብዛ ዘይተማሱ ዓለም እዚኣ ናይ ምምስጋን መንፈስ ንኸነማዕብል ኣጸጋሚ ዝገብሮ ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ናይ ምምሳው ኣመላኻኽታ ከነንጸባርቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጠሉ ኢና።