ክብረቶም ትሕልወሎም ዲኻ፧
ብትውልዲ ኣፍሪቃውያን ዝዀኑ ሰባት ከም እንስሳታት ተዀብኵቦም: ኣብ ክእመን ዘይከኣል ጽያፍን ርስሓትን ተጸፍጺፎም ልክዕ ከም ኣቕሓ ተጻዒኖም ናብ ኣመሪካ ግዒዞም ኢዮም። እንተወሓደ ፍርቆም ኣብቲ ዝዓርፍሉ ቦታ ቅድሚ ምብጽሖም እውን ክሞቱ ተቐቢጾም ኢዮም። ኣባላት ስድራቤት እንደገና ንሓድሕዶም ፈጺሞም ንኸይረኣኣዩ ብጭከና ተፈላልዮም ነበሩ። ናይ ባርያ ንግዲ ካብ መንጎ እቲ ሰብ ንብጻዩ ዝገበሮ ጭከና ዘሎዎ ኣተሓሕዛ ዝገልጽ ናይ ሰብ ክፉእ ፍጻመታት ሓደ ኢዩ ነይሩ። ሓያላት ወረርቲ ነቶም ክከላኸሉ ዘይክእሉ ደቀባት ብጭከና ምስ ገዝእዎም ከምዚ ዝኣመሰለ ካልእ ፍጻመታት እውን ኣጋጢሙ ኢዩ።
ንሓደ ሰብ ክብረቱ ምግፋፍ ኣካላዊ ጕድኣት ካብ ምውራድ ንላዕሊ ጭከና ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ነቲ ናይ ሰብ መንፈስ ዘዕኑ ኢዩ። ባርነት ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ጠፊኡ እኳ እንተዀነ: እቲ ናይ ሰብ ክብረት ዘይምሕላው ግን ምናልባት ኣዝዩ ብዝረቐቐ መልክዓት ቀጺሉ ኢዩ።
በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቲ የሱስ ክርስቶስ ‘ንብጻዮም ከም ነፍሶም ከፍቅሩ’ ዝሃቦም ማዕዳ ከቕልብሉ ይጽዕሩ ኢዮም። ስለዚ ኸአ: ‘ንኻልኦት ብሕታዊ ክብረቶም እሕልወሎም ድየ፧’ ብምባል ገዛእ ርእሶም ይሓቱ ኢዮም።—ሉቃስ 10:27
ክብረት ብኣብነት ተራእዩ ኢዩ
ብመሰረት ሓደ መዝገበ-ቓላት ክብረት: ዋጋን እተኸብረ ግምትን ዘሎዎ ናይ ምዃን ባህርይ ወይ ኵነታት ኢያ። እዝስ ንዅነታት ናይቲ ኣድማሳዊ ልዑል ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዝሰማማዕ መግለጺ ኰን ኢዩ! ብሓቂ ክርአ ኸሎ: ቅዱሳት ጽሑፋት ንየሆዋን ልዕልንኡን ብተደጋጋሚ ግዜ ምስ ክብረት የዛምዶ ኢዩ። ሙሴ: ኢሳይያስ: ህዝቅኤል: ዳንኤል: ሃዋርያ ዮሃንስን ካልኦትን ብዛዕባ እቲ ልዑልን ሰማያዊ መንበሪኡን መንፈሳዊ ራእያት ናይ ምርኣይ ፍሉይ መሰል ረኺቦም ኢዮም: እቲ መግለጺታቶም ድማ ብዝሰማማዕ መገዲ ሓለፍ ዝበለ ግርማን ክብረትን ዝገልጽ ኢዩ። (ዘጸኣት 24:9-11፣ ኢሳይያስ 6:1፣ ህዝቅኤል 1:26-28፣ ዳንኤል 7:9፣ ራእይ 4:1-3) ንጉስ ዳዊት ናይ ውዳሴ ጸሎት ከቕርብ ከሎ “ጐይታየ: ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዘበለ ዅሉ ናትካ እዩ እሞ: ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ” በለ። (1 ዜና መዋእል 29:11) ብሓቂ: ካብ የሆዋ ኣምላኽ ንላዕሊ ክብርን ግምትን ዝግብኦ ዋላ ሓደ የለን።
የሆዋ ንሰብ ብመልክዑን ምስሉን ክፈጥሮ ኸሎ: ንሰባት ብእተወሰነ ደረጃ ዋጋ ዘሎካ ምዃንን ግምትን ክብረትን ሂብዎም ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:26) ስለዚ እምበኣር: ምስ ካልኦት ኣብ እንገብሮ ርክባት: ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝግብኦ ክብርን ኣኽብሮትን ክንህቦ ከድልየና ኢዩ። ከምዚ ክንገብር ከሎና: ብተመሳሳሊ ነቲ ምንጪ ሰብኣዊ ክብረት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኢና ኣፍልጦ እንህብ ዘሎና።—መዝሙር 8:4-9
ክብረት ኣብ ናይ ስድራቤት ርክባት
እቲ በዓል ሓዳር ዝነበረ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመንፈስ ተመሪሑ ንክርስትያን ምርዑዋት ሰብኡት ‘ከም ንተሰባሪ ኣቕሓ’ ዝሕዝዎ ገይሮም ኣንስቶም ከኽብሩ ምዒድዎም ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 3:7 NW ፣ ማቴዎስ 8:14) ሃዋርያ ጳውሎስ “እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሀዮ [“ዓሚቝ ክብሪ ይሃልዋ:” NW ]” ብምባል ይመክር። (ኤፌሶን 5:33) ስለዚ እምበኣር: ኣብ ሓዳር ንሓደ ናይ መርዓ ብጻይ ብሕታዊ ክብረቱ ኽትሕልወሉን ግምት ክትህቦን መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝሓቶ ብቕዓታት ኢዩ። እዚ ነገራት እዚ ብኸመይ ዝበሉ መገድታት ኢዩ ክርአ ዝከኣል፧
ከምቲ ማይ ንሓደ ዝዓቢ ተኽሊ ህይወት ዝህቦ: ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ቅድሚ ሰባት ይኹን ኣብ በይኖም ጥዑም ኣዘራርባን ሕያውነት ዘሎዎ ምርድዳእን ምስ ዝህሉ ነቲ ዘሎዎም ጥብቂ ርክብ ከዕብዮ ይኽእል ኢዩ። እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ናይ ቴለቪዥን መዘናግዒ መደባት ዝስማዕ ኣንጻርነት: ጭከና: ዘዋርድ ናይ ቃል ዘለፋ ወይ ድማ ድርቅና: ናይ ሽምጠጣ ኣዘራርባ ኣዕናዊ ኢዩ። እዚ ንዋጋ ዘይብልካ ምዃንን ጭንቀትን ምረትን መለዓዓሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ አረ ብቐሊሉ ዘይሓዊ ስምዒታዊ ቍስሊ እውን ከይተረፈ ከስዕብ ይኽእል ኢዩ።
ናይ ካልኦት ሰባት ብሕታዊ ክብረት ምሕላው ክበሃል ከሎ እውን ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ክኸውን ምጽባይ ወይ ድማ ምስ ካልኦት ሰባት ዘይግባእ ምውድዳር ምግባር ዘይኰነስ ከምታ ዘለውዋ ምቕባል ማለት ኢዩ። እዚ ብፍላይ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ኣድላዪ ኢዩ። ርክብን መግለጺታትን ብናጻን ደስ ብዘብል መገድን ምስ ዝወጽእ ዋላ ሓደ ድማ ክንቀፍ ወይ ከኣ ክውቀስ ኢየ ኢሉ ምስ ዘይፈርሕ ምቅርራብ ይስስን። ሓደ ሰብ ኣብ ሓዳር ምቕሉል ወይ ምቕልልቲ ምስ ዝኸውን ወይ ምስ እትኸውን: እታ ገዛ ካብቲ ካብ ዓለም ዝመጽእ ጭከናን ሕሰምን ብሓቂ ቦታ ዕቝባ ትኸውን።
ቈልዑ ንወለዶም ከኽብሩን ክእዘዙን ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ ኣለዎም። ጥበበኛታትን ፈቃራትን ወለዲ ድማ ብግዲኦም ነቲ ናይ ደቆም ክብረት ኣፍልጦ ምስ ዝህብሉ ሰናይ ይገብሩ። ጽቡቕ ጠባይ ምስ ዝርአ ምዉቕ ናእዳ ምሃብ: ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ኸኣ ብትዕግስቲ ምቕጻዕ: ነቲ ‘ናይ ጐይታ . . . ምዕዶ’ ኣብ ምሕያል ሰናይ ይገብር። ዘየቋርጽ ነቐፋ: ምጭዳር ከምኡውን ከም እኒ “ሃላይ” ወይ ድማ “ዓሻ” ዝኣመሰሉ ዘዋርድ ናይ ኣጸዋውዓ ስያመታት ምጥቃም ነቶም ቈልዑ ከም ዝቝጥዑ ጥራይ ኢዩ ዝገብር።—ኤፌሶን 6:4
ሓደ ሰለስተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ዘዕቢ ዘሎ ክርስትያን ሽማግለን ኣቦን “ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ: ብእተኻእለ መጠን ህድእ ኢልና ኣድላዪ መቕጻዕቲ ንህብ። መብዛሕትኡ ግዜ ብኢድ ብምትንካፍ ወይ ድማ ብገጽካ ምግናሕ እኹል ኢዩ። ተወሳኺ ከቢድ መቕጻዕቲ እንተድኣ ኣድልዩ ድማ: ኣብ ቤትና ብሕት ኢልናን ካብቶም ካልኦት ቈልዑ ኣርሒቕናን ንቐጽዕ። ሕጂ እቶም ቈልዑ ስለ ዝዓበዩ: እቲ እንህቦም ተግሳጽ ብመሰረት ብሕታዊ ድሌታቶም ኰይኑ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመርኰሰ ፍቕራውን ጥበባውን ምኽሪ ዝሓዘ ኢዩ። ነቲ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ዘሎዎ ምስጢርን ክብረትን ናይ ምሕላው መሰሉ ብምኽባር: ንብሕታዊ ጕዳያት ዝምልከት ምስጢር ክንዕቅብ ንፍትን ኢና።”
ኣብ ውሽጢ እታ ስድራቤት ብቓልን ብተግባርን ጽቡቕ ጠባይ ምርኣይ ኣድላዪ ምዃኑ ሸለል ክበሃል የብሉን። ጽቡቕ ገይርና ስለ እንፋለጥ ከም እኒ “በጃኻ”: “አመስግነካ”: “ይቕረታ”: ከምኡውን “ኣይትሓዘለይ” ዝኣመሰሉ ቃላት ዕሽሽ ከም እንብል ክገብረና የብሉን። ጽቡቕ ጠባይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ክብረት ኣብ ምዕቃብን ናይ ካልኦት ሰባት ክብረት ድማ ኣብ ምሕላውን መሰረታዊ ነገር ኢዩ።
ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ
የሱስ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” ብምባል ተዛረበ። (ማቴዎስ 11:28) ኵሎም እቶም ግፉዓት: እተጨነቑ: ቈልዑ እውን ከይተረፉ ከይተኸልከሉ ናብ የሱስ መጺኦም ኢዮም። በቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ትዕቢተኛታትን ርእሶም ዘጽድቑን ካህናትን መራሕትን ተናዒቖም ነበሩ። ይኹን እምበር የሱስ እቲ ዝግብኦም ክብረት ዝሕልወሎም ሰብ ኰይኑ ኢዮም ረኺቦሞ።
ንሕናውን ንየሱስ ብምምሳል: ነቶም ኣመንቲ ብጾትና ምንጪ ምጽንናዕ ክንከውን ከድልየና ኢዩ። እዚ ድማ ብኣዘራርባናን ተግባርናን ንምህናጾም ኣጋጣሚታት ምድላይ ማለት ኢዩ። ኣብ ዝርርብና ርእይቶ ብምሃብ ኵሉ ግዜ ሕያውነት ዘለዎን ኣወንታውን ልባዊ ልግሲ ከነርኢ ግቡእ ኢዩ። (ሮሜ 1:11, 12፣ 1 ተሰሎንቄ 5:11) እንታይ ከም እንዛረብን ብኸመይ ከም እንብሎን ጥንቁቓት ብምዃን ንናይ ካልኦት ሰባት ስምዒታት ከም እንግደስ ነርኢ። (ቈሎሴ 4:6) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ግቡእ ኣከዳድናን ጠባይን ምርኣይ እውን ነቲ ናይ ኣምላኽናን ኣምልኾኡን ናይ ኣምለኽቲ ብጾትናን ግርማ ዓሚቝ ክብሪ ከም ዘሎና ዘንጸባርቕ ኢዩ።
የሱስ ንሰባት ከገልግሎም ከሎ እውን ከይተረፈ ክብረቶም ሓልይሎም ኢዩ። ብናይ ካልኦት ወጽዓ ወይ ድማ ንዕኦም ብምውራድ ገዛእ ርእሱ ፈጺሙ ክብ ኣየበለን። ሓደ ለምጻም ሰብኣይ ክሓዊ ደልዩ ናብኡ ምስ መጸ: የሱስ እቲ ሰብኣይ ርኹስን ዘይክቡርን ብምዃኑ ኣይሰጐጎን ወይ ድማ ኣቓልቦ ሰባት ናብ ገዛእ ርእሱ ንምስሓብ ኢሉ ነቲ ሰብኣይ መሳሓቒ ኣይገበሮን። ኣብ ክንድኡስ: እቲ ለምጻም ንየሱስ “ጐይታይ: እንተ ትፈቱስ: ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ምስ ለመኖ: “ፈትየ አሎኹ” ብምባል ነቲ ለምጻም ኣኽቢርዎ ኢዩ። (ሉቃስ 5:12, 13) ነቶም ዘድልዮም ምሕጋዝ ጥራይ ዘይኰነስ ከም ዝድለዩን ከም ዝፍቀሩን ድኣምበር ጾር ከም ዘይኰኑ ከነረጋግጸሎምስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ! መብዛሕትኡ ግዜ ሓፋራትን ጭኑቓትን ስንኩላንን ኣብ ዓለም ይንዓቑ: ይፍንፈኑ: ከምኡውን ይዋረዱ ኢዮም። ኣብ መንጎ ክርስትያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ክዀኑ ኸለዉ ግን ናይ ሓቂ ብጻይነትን ተቐባልነትን ክረኽቡ ኣለዎም። ከምዚ ዓይነት መንፈስ ንኸነርኢ ብወገንና ክንዓዪ ኣሎና።
የሱስ እቲ ዝነበሮም ጕድለታትን ብሕታዊ ፍሉይ ጠባያቶምን ብዘየገድስ ንደቀ መዛሙርቱ “ከም ገዛእ ርእሱ” ገይሩን ‘ክሳዕ መወዳእታን’ ኣፍቂርዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 13:1 NW ) ጽሩይ ልብን ንኣቡኡ ድማ ምሉእ ተወፋይነትን ከም ዘለዎም ርእይሎም ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ንነገራት ከምቲ ንሕና እንደልዮ ብዘይ ምግባሮም ወይ ድማ ልምድታቶም ወይ ከኣ ኵነታቶም ከቘጥዓና ስለ ዝኽእል ጥራይ ኣምለኽቲ ብጾትና ክፉእ ድራኸታት ኣለዎም ኢልና ከነላግበሎም ፈጺምና የብልናን። ንኣሕዋትና ክብረቶም ምስ እንሕልወሎም ብጽሩይ ድራኸታት ንየሆዋ የፍቅርዎን የገልግልዎን ከም ዘለዉ ብምእማን: ከነፍቅሮምን ከምታ ዘለውዋ ክንቅበሎምን ከለዓዕለና ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 4:8-10
ብፍላይ ሽማግለታት ነቶም ኣብኣቶም ተወኪሎም ዘለዉ ሰባት ዘየድሊ ጭንቀት ከይፈጥሩሎም ጥንቁቓት ክዀኑ ኣሎዎም። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ምስ ሓደ ኣብ ሓጢኣት ዝወደቐ ኣባል ጉባኤ ክራኸቡ ኸለዉ: ሽማግለታት ንቓላቶም ብሕያውነትን ብሓልዮትን ገይሮም ከፍኵስዎ ከምኡውን ዘየድሊ ጭንቀት ዝፈጥሩ ሕቶታት ካብ ምሕታት ክቑጠቡ ሰናይ ኢዩ። (ገላትያ 6:1) ከቢድ መግናሕትን መቕጻዕትን ንምሃብ ምድላው ምስ ዝግበር እውን ከይተረፈ: እቲ ጌጋ ዝገበረ ሰብ ግቡእ ሰብኣዊ ክብሩ ብቐጻሊ ይሕልውሉ ኢዮም።—1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2
ብሕታዊ ክብረት ምዕቃብ
ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና: ክብረቱን ነቲ ዘደንቕ ባህርያት ኣምላኽን ብዝከኣለና መጠን ኣብ መዓልታዊ ናብራና ከነንጸባርቖ ይግባእ። (ዘፍጥረት 1:26) ብተመሳሳሊ: ኣብቲ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዝብል ትእዛዝ: ሚዛናዊ ዝዀነ ብሕታዊ ክብረትካ ናይ ምሕላው ኣድላይነት እውን ተጠቓሊሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 22:39) ካልኦት ሰባት ክብረትና ክሕልዉልናን ከኽብሩናን ንደሊ እንተድኣ ኴንና እምበኣር ክብረት ከም ዝግብኣና ከነርኢ ኣሎና ዝብል ኢዩ።
ብሕታዊ ክብረት ኣብ ምዕቃብ እቲ ኣድላዪ ረቛሒ ጽጹይ ሕልና ምሓዝ ኢዩ። እተበላሸወ ሕልናን ገበን ብምግባርካ ዝመጽእ ቃንዛን ብቐሊሉ ናብ ዋጋ ዘይብልካ ናይ ምዃን ስምዒትን ተስፋ ምቝራጽን ጭንቀትን ኢዩ ዝመርሕ። ስለዚ እምበኣር: ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት እንተድኣ ፈጺሙ: “ካብ ገጽ እግዚኣብሄር . . . ዘመን ዕረፍቲ” ምእንቲ ከስተማቕር ንኽናሳሕን ካብ ሽማግለታት ድማ መንፈሳዊ ሓገዝ ንኽረክብን ቅልጡፍ ስጕምቲ ክወስድ ኣሎዎ። ኣብቲ ዕረፍቲ ተጠቓሊሉ ዘሎ ነገር ድማ እቲ ሰብ እንደገና ብሕታዊ ኽብርን ግምትን ምርካቡ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19
ገና ግን ዝዀነ ይኹን ነገር ክብክለና ወይ ድማ ከድክመና ብዘይ ምፍቃድ: ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተለማመደ ሕልናና ንምሕላው ዘየቋርጽ ጻዕሪ ክንገብር ዝበለጸ ኢዩ። ኣብ ኵሉ መዳያት መዓልታዊ ህይወትና—ኣብ ምብላዕ: ምስታይ: ንግዲ: ምዝንጋዕ: ምስ ኣንጻር ጾታ ኣብ እንገብሮ ርክባት—ርእሰ-ግትኣት ምዝውታር ጽጹይ ሕልና ንኽንሕዝ ክሕግዘናን ኣብ ናብራና ኣምላኻዊ ክብርን ግምትን ከነንጸባርቕ ከኽእለናን ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 10:31
በቲ ዝገበርናዮ ጌጋታት እቲ ናይ ገበን ስምዒት ምህሳስ ምስ ዝኣቢኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ወይ ድማ ናይቲ ዘጋጠመና ምዕማጽ ተዘክሮታት ዘሳቒ ዀይኑ እንተ ቐጸለኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ እዚ ስምዒታት እዚ ንብሕታዊ ክብረትና ከጥፍኦን ዓሚቝ ጭንቀት ከስዕብን ይኽእል ኢዩ። እተን ኣብ መዝሙር 34:18 ዝርከባ ቃላት ዳዊት “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” ብምባል እተዛረበን ቃላት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየን ዘጸናንዓ! ኣገልገልቱ ንጭንቀትን ናይ ዘይምኽባር ስምዒትን ክዋጽእሉ ኸለዉ: የሆዋ ንኽሕግዞም ቅሩብን ፍቓደኛን ኢዩ። ናይቶም ብመንፈስ ብቑዓት ዝዀኑ ሰባት: ከም እኒ ክርስትያን ወለዲ: ሽማግለታት ከምኡውን ኣብታ ጉባኤ ካብ ዘለዉ ብሱላት ሰባት ሓገዝ እናደለኻ ንዕኡ ምልማን: ብሕታዊ ክብርኻን ግምትካን ንኽምለስ ዝሕግዝ ጠቓሚ መገዲ ኢዩ።—ያእቆብ 5:13-15
በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ: ብሕታዊ ክብረትን ትዕቢትን ሕደ ገይርና ከይንርእዮ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ቅዱስ ጽሑፍ “ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዐደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ: ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር: ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ [ኸይሓስብ]” ዝብል ምኽሪ ኢዩ ዝህብ። (ሮሜ 12:3) ክብሪ ርእስኻ ምዅስኳስ ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: ነቲ ናይ ገዛእ ርእስና ግምት ከነጋንኖ ወይ ድማ ንሰብኣዊ ክብረት ምስቲ ገለ ሰባት ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ዝገብርዎ ርእሶም ካብ ውርደት ንምሕላው ሕሉፍን ስስዐ ዝመልኦን ጻዕርታት ክንሓዋውሶ የብልናን።
እወ: ናይ ካልኦት ሰባት ክብረት ምሕላው ክርስትያናዊ ብቕዓት ኢዩ። ኵሎም ኣባላት ስድራቤትናን ክርስትያን ብጾትናን ክብርን ዋጋን ግምትን ክንህቦም ዝበቕዑን ዝግብኦምን ኢዩ። የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ከነስተብህለሉን ክንዕቅቦን ዘሎና ብእተወሰነ ደረጃ ክብረትን ግምትን ሂቡና ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን: ነቲ ዝበለጸ ክብረትን ግርማን ናይቲ ሰማያዊ ኣቦና: የሆዋ ኣምላኽ: ዓሚቝ ክብሪ ናይ ምርኣይ ባህሪ ከነማዕብል ኣሎና።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
መንእሰያት ነቶም ስንኩላን ዝዀኑ ሰባት ክብሪ ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም