ካብ መላገጽቲ ተጠንቀቕ!
ሎሚ ትንቢታት በዚሑ: ብዛዕባ መጻኢ መጽናዕቲ ናይ ምክያድ ስራሕ ድማ እናተዋዓወዐ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ ለንደን ዝሕተም ዘ ደይሊ ቴሌግራፍ እተባህለ ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) “2000 ዓመተ-ምሕረት እናቐረበ ይመጸሉ ኣብ ዘሎ እዋን: ዘይልሙድ ፈጺሙ ድማ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ነገራት ይርአ ኣሎ። ኣብ ምሉእ ዓለም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዘይልሙድ ስምዒታት መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ንመጻኢ እዋን ዝምልከት ዘፍርህ ራእያት የጋጥሞም ኣሎ” ይብል። ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ እዚ ብዛዕባ መጻኢ ዝርአ ዘሎ ውዕዉዕ ተገዳስነት ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ተስፋ ተገይርሉ ከብቅዕ ዘይተፈጸመ ለውጥታት ድግማ ጥራይ ኢዩ።
ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ብኣፍራስ ዝሰሓባ ዓረብያታት ቍጽረን እናወሰኸ ምስ ከደ: ሓደ ሰብኣይ ከተማታት ኣውሮጳ መወዳእትኡ ብፋንድያ ኣፍራስ ዓቕለን ከም ዝጸበን ተነበየ። ናይዚ ሰብኣይ እዚ ትንቢት ሓቂ ዀይኑ ከም ዘይተረኽበ ፍሉጥ ኢዩ። በዚ ኸኣ ኢያ: ዘ ታይምስ እተባህለት ናይ ለንደን ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ነቲ ትንቢታት ብተደጋጋሚ ዝፈሽለሉ መገዲ ከተጋንኖ ኸላ “መጻኢ ግዜ ብፋንድያ ኣፍራስ ዝመልአ ክኸውን ኢዩ” ዝበለት።
ካልኦት ድማ ነቶም ኣብ መጻኢ ዘጋጥም ሓደጋ ርእዮም ዘጠንቅቑ የላግጹሎም። ንኣብነት: ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሕ.መ.ኣ. ሓደ ናይ ንግዲ ፕሮፌሰር ነቶም ናይ ኣከባቢ ምብልሻው ሒዝዎ ዘሎ ኣንፈት እናገደደ ክኸይድ ከም ዝዀነ ብምርግጋጽ ዝዛረቡ ሰባት ብድሆ ኣቕረበሎም። ኒው ሳይንቲስት ኣብ እተባህለ መጽሔት (እንግሊዝኛ) ጸብጻብ ተዋሂብሉ ከም ዘሎ “ዓይነት ናብራና እናተመሓየሸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ: ንሓዋሩ ድማ ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ኢዩ” ይብል።
ክኸውን ኢዩ: ኣይፋልን እባ ዝበሃል ዘረባታት ዝፈጥሮ ምድናጋር እናሃለወ: ብዙሓት ሰባት ኵሉ ነገር ብመሰረቱ ከይተለወጠ ከም ዝቕጽል ይኣምኑ። ኣብ ሰብኣዊ ጕዳያት መለኮታዊ ጣልቃ ምእታው ክህሉ ንዝበሃል ዝዀነ ይኹን ሓሳብ ብምልጋጽ: ልክዕ ኣመለኻኽታ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ መላገጽቲ ኢዮም ዘርእዩ።
ኵሉ ከምቲ ዝነበሮ ድዩ ዘሎ፧
እታ ብ64 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢላ እተጻሕፈት መንፈስ ዝነፈሳ ናይ ክርስትያን ሃዋርያ ጴጥሮስ ካልኣይቲ መልእኽቲ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ” ኣጠንቂቓ ነበረት።—2 ጴጥሮስ 3:3
መላገጽቲ ነቲ ዒላማ ላግጾም ዝገብርዎ ነገር መስሓቕ ኰይኑ ከም ዝርአ ክገብርዎ ኢዮም ዝጽዕሩ። እቲ መላገጺ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ርእይቶኡ ንምቕባል ጽን ኢሎም ዝሰምዕዎ ሰባት ስለ ዝደሊ: እቲ ኣደዳ ላግጺ ዝኸውን ሰብ ኣብ ስስዐ ዘለዎ መፈንጠራ ክወድቕ ይኽእል ኢዩ። ምናልባት ገለ ካብቶም ጴጥሮስ ኣንጻሮም መጠንቀቕታታት ዝህብ ዝነበረ መላገጽቲ ‘ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱ’ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኣንበብቱ ከጠንቅቖም ከሎ: ሓንቲ ንምጕላሕ እትኸውን መግለጺት ኢዩ ተጠቒሙ። ብዛዕባ ምምጻእ ‘መላገጽትን ላግጾምን ’ ድማ መጠንቀቕታ ሃበ።
እቶም ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን መላገጽቲ “ተስፋ ምጽኣቱ [“ህላወኡ: NW ] ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ: ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ብምባል: ንሓቅነት ‘ተስፋ ህላወ’ ክርስቶስ ኣብ ሕቶ ኣእተውዎ። (2 ጴጥሮስ 3:4) ንዓኣቶም ከምኡ መሲሉ ኢዩ ተራእይዎም። እንተዀነ ግን: ብ33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ከተማ የሩሳሌም ክትዓኑ ምዃና ተነብዩ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ጸላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ: ኪኸቡኺ: በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም። . . . ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኺ: እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሐድጉልክን እዮም።” እቶም ነቲ መጠንቀቕታ እቲ ዘላገጽሉ ሰባትስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ተጋግዮም ነይሮም! ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ከበብዋ: ንህይወት ናይቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ብዙሓት ተቐማጦ ብምቕንጻል ድማ ነታ ኸተማ ኣዕነዉዋ። ዝበዝሑ ተቐማጦ እታ ኸተማ ነዚ ጥፍኣት እዚ ድሉዋት ዘይነበሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ ምኽንያቱ ኣምላኽ ብወዱ የሱስ ኣቢሉ ከም እተዓዘቦም ኣየስተውዓሉን።—ሉቃስ 19:43, 44
ሃዋርያ ጴጥሮስ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ንዝገብሮ ጣልቃ ምእታው ኣመልኪቱ ተዛሪቡ ኢዩ። ጴጥሮስ “መዓልቲ ጐይታ . . . ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ” ብምባል የጠንቅቕ። (2 ጴጥሮስ 3:10) ኣብቲ ግዜ እቲ ኣምላኽ ነቶም ኣብኡ ዘይኣምኑ ሰባት ካብ ምልእቲ ምድሪ ክጸርጎም: ነቶም ጻድቃን ተባሂሎም እተፈርዱ ድማ ከናግፎም ኢዩ። ከምቲ እዚ መጽሔት እዚ ወትሩ ዝገልጾ: “ህላወ” ክርስቶስ የሱስ ብ1914 ጀሚሩ ኢዩ። ግናኸ ከም ናይ ኣምላኽ ፈጻም ፍርዲ መጠን እከይ ንምርሓቕ ስጕምቲ ዝወስደሉ ግዜ ገና ኣብ መጻኢ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እቲ ሃዋርያ ካብ መላገጽቲ ንኽንጥንቀቕ ዝሃቦ ስምዕታ ኣብዚ እዋን እዚ ዝያዳ ህጹጽ ኢዩ።
ኣብ ጕዳያት ሰብ መለኮታዊ ጣልቃ ምእታው ክፍጸም ድሮ ንነዊሕ እዋን እተጸበኻ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣደዳ መላገጽቲ ኸይኰንካ ብትዕግስቲ ምጽባይ ንኽትቅጽል ዝሕግዘካ እንታይ ኢዩ፧ በጃኻ ነዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ኣንብባ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
‘ጸላእትኺ ዝኸቡኺ መዓልቲ ክትመጽእ እያ: በዝን በትን ከኣ ከጽብቡልኪ ኢዮም። እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይክሓድጉልክን ኢዮም። ’ እዚ እተላግጸሉ መጠንቀቕታ ኣይነበረን። ሰራዊት ሮሜ ብዙሕ ህይወት ብምቕንጻል ነታ ኸተማ ኣዕንዮምዋ ኢዮም።