ኣብ ትንሳኤ ዘሎካ እምነት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ጽኑዕ፧
“ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ።”—ዮሃንስ 11:25
1, 2. ሓደ ንየሆዋ ዘምልኽ ሰብ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ እምንቶ ክህልዎ ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧
ኣብ ትንሳኤ ዘሎካ እምነት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ጽኑዕ፧ ካብቲ ከይመውት ዝብል ፍርሒ ይከላኸለልካን እተፍቅሮም ሰባት ብሞት ምስ እትስእን ድማ የጸናንዓካን ድዩ፧ (ማቴዎስ 10:28፣ 1 ተሰሎንቄ 4:13) ከምቶም መግረፍቲ: ልግጫ: ስቓይ: ከምኡውን መቝሕ ማእሰርቲ እተጸመሙ: በቲ ኣብ ትንሳኤ ዝነበሮም እምነት ድማ እተጸናንዑ ብዙሓት ናይ ጥንቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዲኻ፧—እብራውያን 11:35-38
2 እወ: ንየሆዋ ብቕንዕና ዘምልኾ ሰብ ትንሳኤ ከም ዘሎ ፈጺሙ ክጠራጠር ኣይግብኦን ኢዩ: እቲ ዘለዎ እምንቶ ድማ ንኣነባብርኡ ክጸልዎ ኣለዎ። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ባሕሪ: ሞት: ከምኡውን ሃደስ ምዉታቶም ከወፍዩ: እቶም ዝተንስኡ ሰባት ድማ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ክህልዎም ምዃኑ ክትዝክር ብሓቂ ዘደንቕ ኢዩ።—ራእይ 20:13፣ 21:4, 5
ብዛዕባ መጻኢ ህይወት ዘሎ ምጥርጣራት
3, 4. ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ብዙሓት ሰባት ገና እንታይ እምነት ኢዩ ዘለዎም፧
3 ህዝበ-ክርስትያን ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ሞት ህይወት ከም ዘሎ ምሂራ ኢያ። ዩ.ኤስ . ካቶሊክ ኣብ እተባህለ መጽሔት (እንግሊዝኛ) ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ ከምዚ በለት:- “ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ክርስትያናት ንሓደ ሰላምን ዕግበትን: ምልኣትን ሓጐስን ዝርከቦ ካልእ ዓይነት ህይወት ኣማዕድዮም ብምጥማት: ኣብዚ ህይወት እዚ ንዘጋጥም ተስፋ ምቝራጽን ስቓይን ምእንቲ ክዋጽእሉ ዝከኣሎም ጽዒሮም ኢዮም።” ኣብተን ህዝበ-ክርስትያን ዘስፋሕፋሓትለን ሓያለይ ሃገራት ሰባት ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ዘጥቅዖምን ብሃይማኖት ዝመጸ ድማ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎምን እኳ እንተዀኑ: ብዙሓት ገና ድሕሪ ሞትሲ ገለ ዓይነት ህይወት ክህሉ ኣለዎ ዝብል ስምዒት ኣለዎም። ርግጸኛታት ዘይኰንሉ ብዙሕ ነገራት ግን ኣሎ።
4 ኣብ መጽሔት ታይም (እንግሊዝኛ) ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ ከምዚ በለት:- “ሰባት ገና [ድሕሪ ሞት ኣብ ዘሎ ህይወት] ይኣምኑ ኢዮም:- ብዛዕባ ልክዕነት እንታይነቱ ዘለዎም ምርዳእ እተደናገረ ኢዩ: ካብ ኣቕሽሽቶም ብዛዕብኡ ዝሰምዑ ድማ ከምቲ ቐደም ኣይኰነን።” ሃይማኖታውያን ኣገልገልቲ ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ኵነታት ከም ቀደሞም ዘይዛረቡ ስለምንታይ ኢዮም፧ ጀፍሪ በርተን ራስል እተባህለ ናይ ሃይማኖት ምሁር ከምዚ ይብል:- “ከም ዝመስለኒ [ኣቕሽሽቲ] ነቲ ኣርእስቲ ክጐስይዎ ዝደለይሉ ምኽንያት ነቲ ኣብ ሰባት ዘሎ ናይ ምጥርጣር ሓጹር ንኸወግዱ ኢሎም ኢዮም።”
5. ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ ሲኦል ሓዊ ሰረተ-እምነት ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ፧
5 ኣብ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያን: እቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ኵነታት ሰማይን ሲኦል ሓውን ዘጠቓልል ኢዩ። ኣቕሽሽቲ ብዛዕባ ሰማይ ምዝራብ ዘጠራጥሮም እንተድኣ ዀይኑ: ብዛዕባ ሲኦል ሓዊ ንምዝራብ ድማ ዝያዳ ኢዩ ዘጠራጥሮም። ሓንቲ ናይ ጋዜጣ ዓንቀጽ ከምዚ ትብል:- “ኣብዚ ግዜ እዚ እተን ቃል ብቓሉ ኣብ ሲኦል ሓዊ ዘለኣለማዊ መቕጻዕቲ ኣሎ ኢለን ዝኣምና ዝነበራ ኣብያተ-ክርስትያን እውን ከይተረፋ . . . ነቲ ትምህርቲ እቲ ትሑት ግምት ኢየን ዝህብኦ።” ብርግጽ: መብዛሕትኦም ዘመናውያን ናይ ሃይማኖት ምሁራት ከምቲ ኣብ ማእከላይ መዋእል ዝእመነሉ ዝነበረ: ሲኦል ሓዊ ቃል ብቓሉ መሳቐዪ ቦታ ከም ዝዀነ ገይሮም ፈጺሞም ኣይኣምንሉን ኢዮም። ኣብ ክንድኡ: ዝያዳ “ሰብኣዊ ስምዒት” ዝንጸባረቐሉ ትርጕም ናይ ሲኦል ሓዊ መረጹ። ብመሰረት ብዙሓት ዘመናውያን ሰባት: ኣብ ሲኦል ሓዊ ዘለዉ ሓጢኣተኛታት ቃል ብቓሉ ኣይሳቐዩን ኢዮም: ኣብ ክንድኡ “ብመንፈሳዊ መገዲ ካብ ኣምላኽ ብምፍላዮም” ኢዮም ዝሳቐዩ።
6. ገሊኦም ሰባት ሕማቕ ኵነታት ከጋጥሞም ከሎ እምነቶም ጐደሎ ዀይና ዝረኽብዋ ብኸመይ ኢዮም፧
6 ዘመናዊ ስምዒታት ንምሕላው ተባሂሉ ንሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን ምድኻም ንገሊኣቶም ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ንምርካብ ይሕግዞም ይኸውን: ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ቅኑዓት ቤተ-ክርስትያን ዝመላለሱ ግን እንታይ ከም ዝኣምኑ ዘደናግሮም ኢዩ። ስለዚ: ምስ ሞት ገጽ ንገጽ ክጋጠሙ ኸለዉ መብዛሕትኡ ግዜ እምነቶም ጐደሎ ኰይና ትርከብ። ኣመለኻኽትኦም ከምቲ ናይታ ሓያለይ ኣባላት ስድራቤታ ብዘሕዝን መገዲ ዝሞትዋ ሰበይቲ ኢዩ። ሃይማኖታ ኣጸናኒዕዋ እንተ ዀይኑን ዘይኰይኑን ምስ ተሓተት: ብምጥርጣር “ይመስለኒ” ብምባል መለሰት። ሃይማኖታ ከም ዝሓገዛ ብምትእምማን እንተ ትምልስ እውን ነይራ: እምነታ ርጡብ መሰረት ዘይብሉ እንተድኣ ዀይኑ እንታይ ነባሪ ረብሓ ኢዩ ዝህልዎ፧ እዚ ኣገዳሲ ጕዳይ ኢዩ: ምኽንያቱ ብሓቂ ክርአ ኸሎ: መብዛሕትአን ኣብያተ-ክርስትያን ብዛዕባ መጻኢ ህይወት ዝምህርኦ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ።
ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ህዝበ-ክርስትያን ዘለዋ ኣረኣእያ
7. (ሀ) መብዛሕትአን ኣብያተ-ክርስትያን እንታይ ናይ ሓባር እምነት ኢዩ ዘለወን፧ (ለ) ሓደ ናይ ሃይማኖት ምሁር ነቲ ናይ ዘይትመውት ነፍሲ ሰረተ-እምነት ብኸመይ ኢዩ ዝገለጾ፧
7 ሽሕኳ ፍልልይ ዘለወን እንተዀና: ዳርጋ ኵለን ኣንቈራታት ህዝበ-ክርስትያን ሰባት እቲ ስጋ ምስ ሞተ ምንባር እትቕጽል ዘይትመውት ነፍሲ ከም ዘላቶም ይሰማምዓ ኢየን። መብዛሕትአን ሓደ ሰብ ምስ ሞተ: ነፍሱ ንሰማይ ከም እትኸይድ ኢየን ዝኣምና። ገሊኦም ነፍሶም ናብ ሲኦል ሓዊ ወይ መንጽሂ ቦታ ከይትኸይድ ይፈርሁ። እቲ ናይ ዘይትመውት ነፍሲ ሓሳብ ሕምብርቲ ናይቲ ብዛዕባ መጻኢ ህይወት ዘለዎም ኣረኣእያ ኢዩ። ኦስካር ኩልማን እተባህለ ናይ ሃይማኖት ምሁር: ኣብታ ኢሞርታሊቲ ኤንድ ሪዘረክሽን እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ዝወጸ ሓደ ቴማ ነዚ ዝምልከት ሓሳብ ሂቡ ነበረ። ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ሎሚ ንሓደ ተራ ክርስትያን . . . ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሞት ንሰብ ዘጋጥሞ ዕድሎት ሓድሽ ኪዳን እንታይ ኢሉ ከም ዝምህር ዘለዎ ምርዳእ ክገልጽ እንተ ንሓቶ: ብዘይካ ሒደት ሰባት ‘ናይ ነፍሲ ዘይሙማት’ ዝብል መልሲ ኢና እንረክብ።” ኩልማን ወሲኹ: ይኹን እምበር “እዚ ሰፊሕ ተቐባልነት ዝረኸበ ሓሳብ ሓደ ካብቲ ኣብ ክርስትና ዘሎ ዝዓበየ ግጉይ ምርዳእ ኢዩ” በለ። ኩልማን ንመጀመርታ ግዜ ከምዚ ክብል ከሎ: ናይ ህዝቢ ቍጥዓ ኣስዒቡ ምንባሩ ይጠቅስ። እንተዀነ ግን: ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ።
8. የሆዋ ኣብ ቅድሚ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘንበረ፧
8 የሆዋ ኣምላኽ ሰባት ምስ ሞቱ ንሰማይ ክኸዱ ኣይኰነን ፈጢርዎም። ብመጀመርትኡ እውን እንተዀነ ክሞቱ ዝብል ዕላማ ኣይነበሮን። ኣዳምን ሄዋንን ፍጹማት ኰይኖም ኢዮም ተፈጢሮም ንምድሪ ድማ ብጻድቃን ውሉዳት ክመልእዋ ኣጋጣሚ ተዋሂብዎም ነበረ። (ዘፍጥረት 1:28፣ ዘዳግም 32:4) ናይ መጀመርታ ወለድና ንኣምላኽ እንተ ዘይተኣዚዞም ጥራይ ከም ዝሞቱ ኢዮም ተነጊሮም። (ዘፍጥረት 2:17) ንሰማያዊ ኣቡኦም እዙዛት ኰይኖም እንተ ዝቕጽሉ: ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ምቐጸሉ ነይሮም።
9. (ሀ) ብዛዕባ ናይ ሰብ ነፍሲ ዘሎ ሓቂ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ነፍሲ ምስ ሞተት እንታይ ኢዩ ዘጋጥማ፧
9 እቲ ዘሕዝን ግን: ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ካብ ምእዛዝ ሰነፉ። (ዘፍጥረት 3:6, 7) እቲ ዘሕዝን ውጽኢት ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ:- “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ።” (ሮሜ 5:12) ኣዳምን ሄዋንን ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ኣብ ክንዲ ዝነብሩ ሞቱ። ድሕሪኡኸ እንታይ ኣጋጠሞም፧ ብምኽንያት እቲ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ናብ ሲኦል ሓዊ ዝኸዳ ዘይሞታ ነፍሳት ነይረንኦም ድየን፧ ብኣንጻሩ ግን መጽሓፍ ቅዱስ: ኣዳም መጀመርታ ክፍጠር ከሎ “ህያው ነፍሲ ዀነ” ኢዩ ዝብል። (ዘፍጥረት 2:7) ሰብ ነፍሲ ኣይተዋህበቶን፣ ንርእሱ ነፍሲ: ህያው ሰብ ኢዩ ዀይኑ። (1 ቈረንቶስ 15:45) አረ: ኣብቲ ዘፍጥረት እተጻሕፈትሉ ቋንቋ እብራይስጢ ተገሊጹ ከም ዘሎስ ‘ህያው ነፍሲ ዝዀነ’ ኣዳም ጥራይ ዘይኰነስ: እቶም ካብ ሰብ ዝተሓቱ እንስሳታት እውን “ህያው ነፍሲ” ኢዮም ነይሮም! (ዘፍጥረት 1:24) ኣብ ግዜ ሞት ናይ ኣዳምን ሄዋንን ነፍሳቶም ሞይተን ኢየን። ኣብ መወዳእታ ድማ: ከምቲ የሆዋ ንኣዳም ዝበሎ ተፈጸመ:- “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ: እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ።”—ዘፍጥረት 3:19
10, 11. ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ናይ ነፍሲ ትምህርቲ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝእመን: እዚኸ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ዝመሳሰል ብኸመይ ኢዩ፧
10 ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ኣብቲ መሰረታዊ ነገር ምስዚ ይሰማማዕ ኢዩ። ኣብታ “ነፍሲ (ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ)” ዘርእስታ ዓንቀጹ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ብሉይ ኪዳን [ወይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ] ኣብ መንጎ ኣካልን ነፍስን ዳይኮቶሚ [ኣብ ክልተ ኽፍልታት ምኽፋል] የለን።” ወሲኹ ድማ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል “ነፍሲ ካብ ኣካል ወይ ካብቲ ውልቀ-ሰብ እተፈልየት ኢያ ማለት ፈጺማ ኣይኰነትን” ይብል። ብርግጽ: ነፍሲ ክበሃል ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ “እንስሳታት ይኹኑ ሰባት እቲ ውልቃዊ ስጋ ንባዕሉ ማለት ኢዩ።” ከምዚ ዝበለ ንጹር መግለጺ መንፈስካ ዘሐድስ ኢዩ: ሓደ ሰብ ግን ቤተ-ክርስትያን ዝመላለሱ ሰባት ብሓፈሻ ነዚ ሓቅታት እዚ ስለምንታይ ከም ዘይተገንዘብዎ ክገርሞ ከም ዝኽእል ፍሉጥ ኢዩ።
11 ቤተ-ክርስትያን ዝመላለሱ ሰባት ነቲ “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” ድኣ እምበር ኣብ ሲኦል ሓዊ ኣይትሳቐን ኢያ ዝብል ንጹር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እንተ ዝፈልጥዎ: ካብ ክንደይ ሻቕሎትን ፍርህን ኰን ምደሓኑ ነይሮም! (ህዝቅኤል 18:4) እዚ ካብቲ ህዝበ-ክርስትያን እትምህሮ ኣዝዩ እተፈልየ እኳ እንተዀነ: ምስቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ዝነበረ ሰሎሞን ብመንፈስ ተደሪኹ ዝበሎ ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ ኢዩ:- “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ እሞ: ድሕርዚ [ኣብዚ ህይወት እዚ] ከቶ ረብሓ የብሎምን። ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ [ተራ መቓብር ደቅሰብ] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ: ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ።”—መክብብ 9:5, 10
12. ህዝበ-ክርስትያን ነቲ ናይ ዘይትመውት ነፍሲ ትምህርታ ካበይ ኢያ ረኺባቶ፧
12 ህዝበ-ክርስትያን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ኣዝዩ እተፈልየ ነገር እትምህር ስለምንታይ ኢያ፧ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ኣብታ “ነፍሲ: ሰብ: ናይ ነፍሲ ዘይሙማት:” ዘርእስታ ዓንቀጹ: እቶም ቀዳሞት ኣበው ቤተ-ክርስትያን ሓንቲ ዘይትመውት ነፍሲ ከም ዘላ ንምእማን ዝኸውን መሰረት ዝረኸቡ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነስ “ኣብ ገጠምትን ፈላስፋታትን ከምኡውን ኣብ ናይ ግሪኽ ሓሳባት እተመርኰሰ ሓፈሻዊ ልምድን ኢዮም። . . . ጸኒሖም: ምሁራት ነቲ ናይ ፕላቶ ወይ ካብ ኣሪስቶትል እተረኽበ መሰረታዊ ስርዓታት ክጥቀሙ መረጹ” ብምባል ይዛረብ። ነቲ ዘይትመውት ነፍሲ ዝብል እምነት ሓዊስካ: “ናይ ፕላቶን ነቲ ናይ ፕላቶ ብምትዕርራይ ዝቐረበ ሓሳባትን ዝነበሮ ጽልዋ” መወዳእትኡ “ቀንዲ መሰረታዊ ክፍሊ ብምዃን ናብ ትምህርቲ ሃይማኖት ክርስትና ኣተወ” ብምባል ትገልጽ።
13, 14. ናይ ግሪኽ ኣረማውያን ፈላስፋታት ክገልጹልካ ኢልካ ተስፋ ምግባር ምኽንያታዊ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
13 ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ሰባት ብዛዕባ ከም ተስፋ ናይቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገር ንምምሃር ናብ ኣረማውያን ናይ ግሪኽ ፈላስፋታት ክጥምቱ ይግብኦምዶ ነይሩ፧ ኣይፋሎምን። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ: ግሪኽ: ዝነበሩ ክርስትያናት ክጽሕፈሎም ከሎ “ነቶም ጥበበኛታት ብጕርሖም ይሕዞም እዩ: ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ: ከም ብሓድሽ፤ እግዚኣብሄር ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ: ዚብል ጽሑፍ አሎ። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ” ኢሉ ነበረ። (1 ቈረንቶስ 3:19, 20) ናይ ጥንቲ ግሪኻውያን መምለኽቲ ጣኦት ኢዮም ነይሮም። ከመይ ኢሎም ድኣ ኢዮም እሞ ምንጪ ሓቂ ክዀኑ ዝኽእሉ፧ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ‘ከምቲ ኣምላኽ፤ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ: ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ: ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም ዝበሎ ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧’ ብምባል ሓተቶም።—2 ቈረንቶስ 6:16
14 ናይ ቅዱስ ሓቅታት ራእይ ኣብ ፈለማ ብህዝቢ እስራኤል ኣቢሉ ተዋህበ። (ሮሜ 3:1, 2) ድሕሪ 33 ከ.ኣ.ዘ. በታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ናይ ቅቡኣት ክርስትያናት ጉባኤ ኣቢሉ ተዋህበ። ጳውሎስ: ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ክዛረብ ከሎ “ንኣና ኣምላኽ [ነቲ ነቶም ዘፍቅርዎ ክኸውን ኢሉ ዘዳለዎ ነገራት] ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና” በለ። (1 ቈረንቶስ 2:10፣ ራእይ 1:1, 2 እውን ርአ።) እቲ ህዝበ-ክርስትያን እትምህሮ ናይ ዘይትመውት ነፍሲ ሰረተ-እምነት ካብ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ዝመጸ ኢዩ። በቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ወይ ድማ ነታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ናይ ቅቡኣት ክርስትያናት ጉባኤ ኣቢሉ ዝሃቦ ራእያት እተገልጸ ኣይነበረን።
ምዉታት ዘለዎም ናይ ሓቂ ተስፋ
15. ብመሰረት የሱስ: ንምዉታት ተነቢሩሎም ዘሎ ናይ ሓቂ ተስፋ እንታይ ኢዩ፧
15 ዘይትመውት ነፍሲ ዘየላ እንተድኣ ዀይና: ንምዉታት ተነቢሩሎም ዘሎ ናይ ሓቂ ተስፋ እንታይ ኢዩ፧ ብርግጽ: እቲ ሕምብርቲ ሰረተ-እምነት መጽሓፍ ቅዱስን ብሓቂ ዘደንቕ መለኮታዊ ተስፋን ዝዀነ ትንሳኤ ኢዩ። የሱስ ነታ ናይ ቀረባ ፈታዊቱ ዝነበረት ማርታ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት: ኪነብር እዩ” ክብላ ኸሎ: ተስፋ ትንሳኤ ናይ ሓቂ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ። (ዮሃንስ 11:25) ኣብ የሱስ ምእማን ክበሃል ከሎ: ዘይትመውት ነፍሲ ከም ዘላ ዘይኰነስ ኣብ ትንሳኤ ምእማን ማለት ኢዩ።
16. ኣብ ትንሳኤ ምእማን ምኽንያታዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
16 የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ንገለ ኣይሁድ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ . . . ኺወጹ እዮም እሞ: በዚ ኣይትደነቑ” ክብሎም ከሎ ብዛዕባ ትንሳኤ ተዛሪቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) እቲ የሱስ ኣብዚ ዝገልጾ ዘሎ ነገር: ካብቲ ኣካል ክመውት ከሎ ዘይትመውት ነፍሲ ቀጥታ ናብ ሰማይ ብምኻድ ምንባር ትቕጽል ኢያ ዝብል ሓሳብ ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ። እዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዝፍጸም ‘ምውጻእ’ ናይቶም መብዛሕትኦም ንዘበናት ወይ ንኣሽሓት ዓመታት እውን ከይተረፈ ኣብ መቓብር ዝነበሩ ሰባት ኢዩ። ናይ ዝሞታ ነፍሳት እንደገና ናብ ህይወት ምምላስ ኢዩ። እዝስ ዘይከኣል ነገር ድዩ፧ ነቲ “ንምዉታት ዜተንስኦም: ነቲ ዘየሎውን ከም ህልዊ ገይሩ ዚጽውዖ” ኣምላኽ ይከኣል ኢዩ። (ሮሜ 4:17) ተጠራጠርቲ ነቲ ሰባት ካብ ምዉታት ክትንስኡ ኢዮም ዝብል ሓሳብ የላግጽሉ ይዀኑ: ምስቲ “ኣምላኽ ፍቕሪ” ከምኡውን ‘ነቶም ዝደልይዎ ዓስቢ ዝህቦም’ ምዃኑ ዘሎ ሓቂ ግን ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ ኢዩ።—1 ዮሃንስ 4:16፣ እብራውያን 11:6
17. ኣምላኽ ብትንሳኤ ገይሩ እንታይ ኢዩ ክፍጽም፧
17 ኣምላኽ ነቶም ‘ክሳዕ ሞት እሙናት’ ዝዀኑ ሰባት እንደገና ናብ ህይወት እንተድኣ ዘየምጺእዎም ድኣ እሞ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዓስቦም ክህቦም ዝኽእል፧ (ራእይ 2:10) ኣምላኽ ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ “ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ” ብምባል እተዛረበሉ ክፍጽሞ ዝኽእል እውን ብትንሳኤ ኣቢሉ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 3:8) ንድሕሪት ምልስ ኢልና ኣብ ገነት ኤድን: ሰይጣን ነቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ናብ ሓጢኣትን ሞትን ምስ መርሖም ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ዓሌት ቀታሊ ኰነ። (ዘፍጥረት 3:1-6፣ ዮሃንስ 8:44) የሱስ ደቅሰብ ካብቲ ኣዳም ደይመደይ ኢሉ ብዘይ ምእዛዙ ዘውረሶም ባርነት ሓጢኣት ሓራ ዘውጽኦም መገዲ ክኸፍት ኢሉ ፍጽምቲ ህይወቱ ተመዓራራዪ በጅነት ክትከውን ምስ ሃበ ንግብሪ ሰይጣን ከፍርሶ ጀመረ። (ሮሜ 5:18) ትንሳኤ ናይቶም ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም ዝሞቱ ሰባት ድማ ንግብርታት ድያብሎስ ወሲኹ ከፍርሶ ኢዩ።
ኣካልን ነፍስን
18. ገሊኦም ናይ ግሪኽ ፈላስፋታት ነቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ዝሃቦ ሓሳብ ብኸመይ መለስሉ: ስለምንታይከ፧
18 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ኸሎ: ንሓደ ናይ ግሪኽ ፈላስፋታት ዝርከብዎ ጕጅለ ብስራት ሰቢኹሎም ነበረ። ነቲ ብዛዕባ ሓደ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝሃቦ ዝርርብን ክናስሑ ዘቕረቦ ጻውዒትን ጽን ኢሎም ሰምዕዎ። ቀጺሉኸ እንታይ ኣጋጠመ፧ ጳውሎስ “[ኣምላኽ] በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዅሉ እምነት እናሀበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ [ኣሎ]” ብምባል ዘረብኡ ደምደመ። እዘን ቃላት እዚኣተን ናዕቢ ኣልዒለን ነበራ። “ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ ግና: ገሊኦም ኣላገጹሉ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:22-32) እቲ ናይ ሃይማኖት ምሁር ዝዀነ ኦስካር ኩልማን ከምዚ ይብል:- “ነቶም ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ኢሎም ዝኣምኑ ግሪኻውያን ነቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝገልጽ ናይ ክርስትያን ትምህርቲ ክቕበልዎ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ጸጊምዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። . . . ትምህርቲ ናይቶም ዓበይቲ ፈላስፋታት ዝነበሩ ሶቅራጦስን ፕላቶን ምስቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘሎ ሓሳብ ፈጺሙ ክሳነ [ክሰማማዕ] ኣይክእልን ኢዩ።”
19. ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዉ ናይ ሃይማኖት ምሁራት ነቲ ናይ ትንሳኤ ትምህርቲ ምስቲ ናይ ዘይትመውት ነፍሲ ሰረተ-እምነት ከሰማምዕዎ ዝፍትኑ ስለምንታይ ኢዮም፧
19 ከምኡ ዀይኑ ከብቅዕ: ደድሕሪ እቲ ሃዋርያት ምስ ሞቱ ስዒቡ ዝመጸ ዓቢ ክሕደት: ናይ ሃይማኖት ምሁራት ነቲ ናይ ትንሳኤ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ምስቲ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላ ዝብል ናይ ፕላቶ እምነት ከሰማምዕዎ ጽዒሮም ኢዮም። ድሕሪ ገለ ግዜ: ገሊኣቶም ኣብ ሓደ ዘስደምም ፍታሕ ተሰማምዑ:- ኣብ ግዜ ሞት: እታ ነፍሲ ካብቲ ኣካል ትፈላለ (ከም ኣገላልጻ ገለ ሰባት “ሓራ ትወጽእ”)። ድሕርዚ: ብመሰረት ኣውትላይንስ ኦቭ ዘ ዶክትሪን ኦቭ ዘ ሪዘረክሽን እተባህለት ናይ ኣር. ጀይ. ኩክ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ መዓልቲ ፍርዲ “ነፍሲ ወከፍ ኣካል እንደገና ምስ ናይ ገዛእ ርእሱ ነፍሲ ይሓብር: ኵለን ነፍሳት ድማ ምስ ነናይ ገዛእ ርእሰን ኣካላት ይሓብራ።” እቲ ኣብ መጻኢ ዝፍጸም ናይ ኣካልን ዘይትመውት ነፍስን ሕብረት ትንሳኤ ተባሂሉ ይጽዋዕ በሃልቲ ኢዮም።
20, 21. ነቲ ንትንሳኤ ዝምልከት ሓቂ ብዘይምቍራጽ ዝምህሩ መን ኢዮም: እዚኸ ንዓኣቶም ዝጠቕሞም ብኸመይ ኢዩ፧
20 እዚ ክልሰ-ሓሳባት እዚ ገና ወግዓዊ ሰረተ-እምነት ናይተን ፍሉጣት ኣብያተ-ክርስትያን ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ኣምር ንሓደ ናይ ሃይማኖት ምሁር ሓቂ መሲሉ ክርኣዮ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: መብዛሕትኦም ቤተ-ክርስትያን ዝመላለሱ ሰባት ግን ኣይርድኦምን ኢዩ። ምስ ሞቱ ብቐጥታ ናብ ሰማይ ከም ዝኸዱ ጥራይ ኢዮም ዝኣምኑ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢዩ: ጆን ጋርቪ እተባህለ ጸሓፊ ኣብታ 5 ግንቦት 1995 ዝወጸት ናይ ኮመንዊል ሕታም (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ክሲ ዘቕረበ:- “እቲ [ድሕሪ ሞት ንዘሎ ህይወት ዝምልከት] እምነት ናይ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ካብ ምስቲ ናይ ሓቂ ክርስትና ምስቲ ምትዕርራይ እተገብረሉ ናይ ፕላቶ ሓሳባት ዝያዳ ምቅርራብ ዘለዎ ይመስል: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ደገፍ ድማ የብሉን።” ብርግጽ: ንመጽሓፍ ቅዱስ በቲ ናይ ፕላቶ ትምህርቲ ብምቕያር: ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ንመጓሰኦም እቲ ናይ ትንሳኤ ተስፋ ኣጥፍኡሎም።
21 በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣረማዊ ፍልስፍና ነጺጎም ነቲ ንትንሳኤ ዝምልከት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ዝስዕቡ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ድማ ባህ ዘብልን ዘዕግብን ዘጸናንዕን ኰይኑ ኢዮም ዝረኽብዎ። ኣብዘን ዝስዕባ ዓንቀጻት: እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ትንሳኤ ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎምን ነቶም ናብ ሰማያዊ ህይወት ክትንስኡ ዝጽበዩን ክሳዕ ክንደይ ድልዱል መሰረት ዘለዎን ናይ ሓቅን ምዃኑ ክንርኢ ኢና። ነዘን ዓንቀጻት ንምምርማረን ከም ምድላው ምእንቲ ክዀነካ: ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ እተጻሕፈት ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዘላ ምዕራፍ 15 ተጠንቂቕካ ከተንብባ ንላበወካ።
ትዝክሮዶ፧
◻ ኣብ ትንሳኤ ጽኑዕ እምንቶ ከነሕድር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
◻ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣዳምን ሄዋንን እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘንበረ፧
◻ ኣብቲ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ሓቂ ክትረክብ ኢልካ ሃለው ምባል ትርጕም ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ትንሳኤ ምኽንያታዊ ተስፋ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ምስ ሓጥኡ: ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣጥፍኡ
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ኣብያተ-ክርስትያን ምሁራት በቲ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላ ዝብል ናይ ፕላቶ እምነት ተጸልዉ
[ምንጪ ስእሊ]
Musei Capitolini, Roma