ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ ዝውሰድ ናይ መጀመርታ ስጕምትታት
“ንኣምላኽ ቅረብዎ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ”—ያእቆብ 4:8
1, 2. ንየሆዋ ምግልጋል ዝዓበየ መሰል ኢዩ ዝበሃል ስለምንታይ ኢዩ፧
እቲ ሰብኣይ ንዓመታት ዝኣክል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሳቐየ። ድሕርዚ ኣብ ቅድሚ ገዛኢ ናይታ ሃገር ክቐርብ ተጸውዐ። ኵነታት ቀልጢፉ ክቕየር ጀመረ። ብዘይተሓስበ ኸኣ እቲ እሱር ካብቶም ሽዑ ዝነብሩ ዝነበሩ ገዛእቲ ናይቲ ዝሓየለ ገዛኢ ኣገልጋሊ ኰነ። እቲ ቅድም እሱር ዝነበረ ሕጂ ኣብ ዓቢ ሓላፍነትን ክብርን ዘለዎ ቦታ ተቐመጠ። እቲ ሓደ ግዜ ኣእጋሩ ብመቑሕ ተኣሲሩ ዝነበረ ዮሴፍ ሕጂ ምስ ንጉስ ክመላለስ ጀመረ!—ዘፍጥረት 41:14, 39-43፣ መዝሙር 105:17, 18
2 ኣብዚ እዋን እዚ ሰባት ንሓደ ካብ ናይ ግብጺ ፈርኦን ኣጸቢቑ ዝዓቢ ኣካል ናይ ምግልጋል ኣጋጣሚ ኣለዎም። እቲ ናይ ኣድማስ ዝለዓለ ኣካል ከነገልግሎ ንዅላትና ይዕድመና ኣሎ። ከምዚ ክትገብር ከምኡውን ምስቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ: የሆዋ: ኸኣ ናይ ማሕርሮ ርክብ ክትፈጥር ከመይ ዝበለ ዓቢ መሰል ኰን ኢዩ! ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓይልን ክብርን ከምኡውን ሰላምን ጽባቐን ሓጐስን ምስኡ እተተሓሓዘ ኢዩ። (ህዝቅኤል 1:26-28፣ ራእይ 4:1-3) ኣብ ኵሉ ግብርታቱ ፍቕሪ ይንጸባረቕ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:8) ፈጺሙ ኣይሕሱን ኢዩ። (ዘሁልቍ 23:19) የሆዋ ነቶም እሙናቱ ፈጺሙ ኣየሕፍሮምን ኢዩ። (መዝሙር 18:25 NW ) ምስቲ ጻድቕ ሕግታቱ ብምስምማዕ ንመጻኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ እናተጸበና ሕጂ ሓጐስን ትርጕምን ዘለዎ ህይወት ከነስተማቕር ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 17:3) ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ በረኸታትን መሰላትን ዝወዳደር ነገራት ክገብር ዝኽእል ሰብኣዊ ገዛኢ ዋላ ሓደ የለን።
3. ኖህ ‘ምስ ኣምላኽ’ እተመላለሰ ብኸመይ ኢዩ፧
3 ነዊሕ ይገብር: እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ ኖህ ምስ ፍቓድን ዕላማታትን ኣምላኽ ተሰማሚዑ ክነብር ቈረጸ። ብዛዕብኡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኖህ ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ።” (ዘፍጥረት 6:9) ‘ንኣምላኽ ዝረኣዮ’ ዋላ ሓደ ሰብ ስለ ዘየለ: ኖህ ቃል ብቓሉ ምስ ኣምላኽ ብኣካል ከም ዘይተመላለሰ ርዱእ ኢዩ። (ዮሃንስ 1:18) ኣብ ክንድኡስ ኖህ ምስ ኣምላኽ እተመላለሰ ነቲ ዝኣዘዞ ብምግባር ኢዩ። ኖህ ህይወቱ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ስለ ዝወፈየ: ምስቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምዉቕን ናይ ማሕርሮን ርክብ ነበሮ። ኣብዚ እዋን እዚ እውን ልክዕ ከም ኖህ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምስቲ ናይ የሆዋ ምኽርን መምርሕን ተሰማሚዖም ብምኻድ ‘ምስ ኣምላኽ ይመላለሱ’ ኣለዉ። ሓደ ሰብ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ዝጅምሮ ብኸመይ ኢዩ፧
ርጡብ ፍልጠት ኣድላዪ ኢዩ
4. የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ኢዩ ዝምህሮም፧
4 ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ መጀመርታ ክንፈልጦ ኣሎና። ነብዪ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ነበረ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም: ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ድማ ልዕል ኪብል: ኵሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። ሕጊ ኻብ ጽዮን: ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ እሞ: ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ: ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር: ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ: ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና: ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና: ድማ ኪብሉ እዮም።” (ኢሳይያስ 2:2, 3) እወ: የሆዋ ንዅሎም እቶም ብመገድታቱ ክመላለሱ ዝደልዩ ከም ዝምህሮም እምንቶ ከነሕድር ንኽእል ኢና። የሆዋ ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ: ክንርድኦ ድማ ይሕግዘና ኢዩ። ከምዚ ዝገብረሉ ሓደ መገዲ ድማ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45-47) በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት: ክርስትያናዊ ኣኼባታት: ከምኡውን በቲ ብናጻ ዝግበር ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ መንፈሳዊ ትምህርቲ ንምሃብ ነቲ ‘እሙን ባርያ’ ኢዩ ዝጥቀም። ኣምላኽ ህዝቡ ንቓሉ ምእንቲ ክርድእዎ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ እውን ይሕግዞም ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 2:10-16
5. ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ነቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ገንዘብ ዘይንኸፍለሉ እኳ እንተዀንና: ኣዝዩ ክቡር ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ ከሎና ብዛዕባ ኣምላኽ ማለት ስሙ: ባህርያቱ: ዕላምኡ: ከምኡውን ምስ ሰባት ዘለዎ ርክብ ንማሃር። ነቲ ‘ስለምንታይ ኢና ኣብ ምድሪ እንነብር ዘሎና፧ ኣምላኽ ንስቓይ ዘፍቀዶ ስለምንታይ ኢዩ፧ መጻኢ ግዜ እንታይ ሒዙልና ኣሎ፧ ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧ ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎዶ ኢዩ፧’ ዝብል ናይ ህይወት መሰረታዊ ሕቶታት እውን ሓራ ዘውጽእ መልስታት ንረኽበሉ ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ ኣምላኽ ክንገብሮ ዝደልየና ነገራት እንታይ ምዃኑ: ማለት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ከነሐጕሶ ብኸመይ ክንመላለስ ከም ዘሎና ንማሃር። እቲ ካባና ዝደልዮ ብቕዓታት ምኽንያታዊ: ምስኡ ተሰማሚዕና ምስ እንነብር ድማ ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ ንማሃር። ብዘይ እቲ ኣምላኽ ዝህቦ መምርሒ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና።
6. ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ መገዲ ንምስዓብ ኢዩ ዘኽእለና፧
6 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ሓያልን ኣብ ህይወትና ለውጢ ንኽንገብር ዘለዓዕለናን ኢዩ። (እብራውያን 4:12) ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ፍልጠት ቅድሚ ምርካብና “ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ” ኢና እንመላለስ ነይርና። (ኤፌሶን 2:2) እቲ ካብ ቃል ኣምላኽ እንረኽቦ ርጡብ ፍልጠት ግን ‘ንዕኡ ባህ እነብል ብቑዓት ኴንና ንኽንመላለስ’ እተፈልየ መገዲ ኢዩ ዝሕንጽጸልና። (ቈሎሴ 1:10) ምስ እዚ ኣብ ምሉእ ኣድማስ ኣዝዩ ዝለዓለ ኣካል ንምምልላስ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ምውሳድሲ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ነገር ኰን ኢዩ!—ሉቃስ 11:28
ወፈያን ጥምቀትን—ክልተ ኣገደስቲ ስጕምትታት
7. ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ ከሎና: ብዛዕባ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ እንታይ ሓቂ ኢዩ ግልጺ ዝኸውን፧
7 ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍልጠት እናወሰኸ ክኸይድ ከሎ: ነቲ ናይ ሰባት ጕዳያትን ህይወትናን በቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ብርሃን ገይርና ክንምርምሮ ንጅምር። ስለዚ ድማ ሓደ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓቂ ይግለጽ። ነብዪ ኤርምያስ ነዊሕ ይገብር ነዚ ሓቂ እዚ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ብምጽሓፍ ገለጾ:- “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ከቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ።” (ኤርምያስ 10:23) ኵሉ ሰብ ኣምላኽ ዘውጽኦ መምርሒ የድልዮ ኢዩ።
8. (ሀ) ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ክውፉዩ ዘለዓዕሎም እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ክርስትያናዊ ወፈያ እንታይ ማለት ኢዩ፧
8 ነዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ ምርዳእ ካብ የሆዋ መምርሒ ንምድላይ ከለዓዕለና ኢዩ። እቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኸኣ ህይወትና ንዕኡ ክንውፊ ይድርኸና። ህይወትካ ንኣምላኽ ምውፋይ ማለት ብጸሎት ናብኡ ምቕራብ: ህይወትና ንዕኡ ንምግልጋል ከም እንጥቀመላን ብመገድታቱ ኸኣ ብተኣማንነት ከም እንመላለስን ምምብጻዕ ኢዩ። ከምዚ ብምግባር ኣብነት ናይቲ መለኮታዊ ፍቓድ ንምፍጻም ብቘራጽነት ገዛእ ርእሱ ናብ የሆዋ ዘቕረበ የሱስ ንስዕብ።—እብራውያን 10:7
9. ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ዝውፍዩ ስለምንታይ ኢዮም፧
9 የሆዋ ህይወትና ንዕኡ ንኽንውፊ ኢሉ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ጸቕጢ ኣይገብርን ወይ ኣይግድዶን ኢዩ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 9:7 ኣረኣእዮ።) ብተወሳኺ ኸኣ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብግዝያዊ ስምዒት ተለዓዒሉ ህይወቱ ክውፍየሉ ኣይጽበን ኢዩ። ሓደ ሰብ ቅድሚ ምጥማቑ ወደ መዝሙር ክኸውን ኣለዎ: እዚ ኸኣ ፍልጠት ንምርካብ ልባዊ ጻዕሪ ምግባር ዝሓትት ኢዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ጳውሎስ እቶም እተጠምቁ ክርስትያናት ‘ንስግኦም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ [“በቲ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ቅዱስ ኣገልግሎት ዝህብን:” NW ] ገይሮም ከቕርብዎ’ ተማሕጸኖም። (ሮሜ 12:1) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ህይወትና ንየሆዋ ኣምላኽ እንውፊ ነዚ ናይ ምስትውዓል ክእለትና ብምጥቃም ኢዩ። ከምዚ ምግባር እንታይ ከም ዘጠቓልል ምስ ተማሃርናን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ተጠንቂቕና ምስ ሓሰብናን: ብድሌትን ብሓጐስን ህይወትና ንኣምላኽ ንውፊ።—መዝሙር 110:3
10. ህይወትካ ምውፋይ ምስ ጥምቀት ዝዛመድ ብኸመይ ኢዩ፧
10 ብመገድታቱ ንምምልላስ ከም ዝቘረጽና ብብሕትና ብጸሎት ንኣምላኽ ምስ ነገርናዮ: እቲ ቀጺሉ ዘሎ ስጕምቲ ንወስድ። ብማይ ብምጥማቕ ህይወትና ከም ዝወፈና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንገልጽ። እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ቃል ከም ዝኣተና ዘርኢ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እንገብሮ ነገር ኢዩ። ዮሃንስ ንየሱስ ኣብ ምጅማር ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኣጠመቖ: በዚ ድማ ንዓና ዝኸውን ኣብነት ገደፈ። (ማቴዎስ 3:13-17) ድሕርዚ የሱስ ንሰዓብቱ ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩን ከጠምቑን ኣዘዞም። ስለዚ እምበኣር: ህይወትካ ምውፋይን ምጥማቕን ሓደ ምስ ኣምላኽ ክመላለስ ዝደሊ ሰብ ክወስዶ ዘለዎ ኣድላዪ ስጕምትታት ኢዩ።
11, 12. (ሀ) ጥምቀት ምስ መርዓ ዝመሳሰል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ መንጎ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብን ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ርክብን እንታይ ምምስሳል ኣሎ፧
11 ህይወቱ ዝወፈየን እተጠምቀን ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ምዃን ምስ ምምርዓው ዝመሳሰል ኢዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ቅድሚ መርዓ ዝግበር ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን ይራኸቡ: ንሓድሕዶም ይፋለጡ: ይፋቐሩ ኸኣ። ድሕርዚ ሕጸ ይመጽእ። ነቲ ሓዳር ገይሮም ከም ሰብኣይን ሰበይትን ኰይኖም ንምንባር ክልቲኣቶም ጥራይ ኣቐዲሞም ዝገበርዎ ውሳነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ መርዓ ብምግባር ይገልጽዎ። ምጅማር ናይዚ ፍሉይ ዝዀነ ርክብ ዝሕብር እቲ መርዓ ኢዩ። እታ ናይ መርዓ ዕለት ምጅማር ሓዳር እተመልክት ኢያ። ብተመሳሳሊ: ጥምቀት ከኣ መጀመርታ ናይቲ ህይወትካ ብምውፋይ ምስ የሆዋ ክትመላለስ ዝገብርካዮ ውሳነ ኢዩ።
12 ምስ እዚ ዝመሳሰል ካልእ ነገር እውን ርአ። ድሕሪ እታ ናይ መርዓ መዓልቲ: ኣብ መንጎ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍቕሪ ክዓሙቝን ክዓብን ኣለዎ። ንሓድሕዶም ኣጸቢቖም ምእንቲ ክቀራረቡ: ሓዳሮም ቀጻልን ድልዱልን ንምግባር ክልቲኣቶም ብዘይ ስስዐ ክጽዕሩ ኣለዎም። ምስ ኣምላኽ ኣብ ናይ ሓዳር ርክብ እኳ እንተ ዘይኣተና: ምስ ተጠመቕና ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ንምድልዳል ክንጽዕር ኣሎና። ነቲ ፍቓዱ ንምፍጻም እንገብሮ ጻዕሪ ይዕዘቦን የማስወሉን ኢዩ: ዝያዳ ኸኣ ይቐርበና። እቲ ወደ መዝሙር ያእቆብ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ።—ያእቆብ 4:8
ኣስኣሰር የሱስ ምምልላስ
13. ምስ ኣምላኽ ኣብ እንገብሮ ምምልላስ: ናይ መን ኣብነት ኢና ክንስዕብ ዝግብኣና፧
13 ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ ምስቲ የሱስ ክርስቶስ ዝገደፎ ኣብነት ክንሰማማዕ ኣሎና። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ: ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:21) የሱስ ፍጹም ንሕና ግና ዘይፍጹማት ብምዃንና: ብዘይ ገለ ኣበር ኣሰሩ ክንስዕብ ኣይንኽእልን ኢና። እንተዀነ ግን: የሆዋ ዝከኣለና ዅሉ ክንገብር ኢዩ ዝጽበየና። ካብቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ክቐድሕዎ ክጽዕሩ ዘለዎም ሓሙሽተ መዳያት ህይወት የሱስ እስከ ንርአ።
14. ቃል ኣምላኽ ምፍላጥ ክበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧
14 የሱስ ርጡብን ዓሚቝን ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ነበሮ። ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብተደጋጋሚ ይጠቅስ ነበረ። (ሉቃስ 4:4, 8) እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ እኩያት መራሕቲ ሃይማኖት እውን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ይጠቕሱ ምንባሮም ሓቂ ኢዩ። (ማቴዎስ 22:23, 24) እቲ ፍልልዮም ግን የሱስ ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ይብል ምህላዉ ይርድኦን ኣብ ግብሪ የውዕሎን ምንባሩ ኢዩ። ናይቲ ሕጊ ፊደላት ጥራይ ዘይኰነስ ንመንፈሱ እውን ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ። ንሕና እውን ኣብነት ክርስቶስ ክንስዕብ ከሎና: ቃል ኣምላኽ እንታይ ከም ዝብል: ትርጕሙ ወይ መንፈሱ ክንርዳእ ክንጽዕር ኣሎና። ከምዚ ብምግባርና ‘ንቓል ሓቂ ብቕንዕና እነማቕል’ መለኮታዊ ስምረት ዘሎና ዓየይቲ ክንከውን ንኽእል ኢና።—2 ጢሞቴዎስ 2:15
15. ብዛዕባ ኣምላኽ ብምዝራብ የሱስ ብኸመይ ኢዩ ኣብነት ዝገደፈ፧
15 የሱስ ክርስቶስ ንኻልኦት ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቡኡ ይዛረቦም ነይሩ። የሱስ ነቲ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ዝነበሮ ፍልጠት ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ሒዝዎ ስቕ ኣይበለን። ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ንሰባት ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ይነግሮም ስለ ዝነበረ: ጸላእቱ እውን ከይተረፉ “መምህር” ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ። (ማቴዎስ 12:38) የሱስ ኣብ ቤት መቕደስ: ቤት ጸሎት: ከተማታት: ዓድታት ብግልጺ ይሰብኽ ነበረ። (ማርቆስ 1:39፣ ሉቃስ 8:1፣ ዮሃንስ 18:20) ነቶም ዝሓገዞም ፍቕሪ ብምርኣይ ብድንጋጽን ብሕያውነትን ይምህር ነበረ። (ማቴዎስ 4:23) እቶም ንኣብነት የሱስ ዝስዕቡ እውን ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ድንቂ ዝዀነ ዕላማታቱን ንምምሃር ብዙሕ ቦታታትን መገድታትን ይረኽቡ ኢዮም።
16. የሱስ ምስቶም ካልኦት ኣምለኽቲ የሆዋ ከመይ ዝበለ ርክብ ነበሮ፧
16 የሱስ ምስቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ካልኦት ጥብቂ ርክብ ነበሮ። ሓደ ግዜ የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ ክዛረቦም ከሎ: ኣዲኡን እቶም ዘይኣመንቲ ኣሕዋቱን ክዛረብዎ መጹ። ብዛዕባ እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ሓደ ኸኣ፤ እንሆ: ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪዛረቡኻ ደልዮም: ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም አለዉ: በሎ። ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፤ ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይሲ እንመን እዮም፧ ኢሉ መለሰሉ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ: ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ: ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ: ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ: በለ።” (ማቴዎስ 12:47-50) እዚ ግን የሱስ ንስዳራቤቱ ነጺግዎም ማለት ኣይኰነን: ከመይሲ እቲ ቀጺሉ ዝነበረ ኵነታት ከም ዘይነጸጎም ዘረጋግጽ ኢዩ። (ዮሃንስ 19:25-27) እዚ ጸብጻብ እዚ እቲ የሱስ ንኣመንቲ ብጾቱ ዝነበሮ ፍቕሪ ዘጕልሕ ኢዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ብተመሳሳሊ እቶም ምስ ኣምላኽ ዝመላለሱ ሰባት ምሕዝነት ናይ ካልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽ የድልዮም ኢዩ: ካብ ግዜ ናብ ግዜ ድማ ኣጸቢቖም ከፍቅርዎም ኣለዎም።—1 ጴጥሮስ 4:8
17. የሱስ ፍቓድ ሰማያዊ ኣቡኡ ብዛዕባ ምግባር ከመይ ይስምዖ ነበረ: እዝኸ ንዓና ብኸመይ ክትንክፈና ኣለዎ፧
17 የሱስ መለኮታዊ ፍቓድ ብምግባር ንሰማያዊ ኣቡኡ ከም ዘፍ ቅሮ ኣርኣየ። የሱስ ብዅሉ ንየሆዋ ተኣዚዙ ኢዩ። “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” በለ። (ዮሃንስ 4:34) ክርስቶስ “ኵሉ ሳዕ [ንኣምላኽ] ባህ ዜብሎ እገብር እየ” እውን ኢሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 8:29) የሱስ ንሰማያዊ ኣቡኡ ኣዝዩ የፍቅሮ ብምንባሩ ‘ርእሱ ኽሳዕ ሞት ብምትሓት: ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል [“ኣብ ናይ ስቓይ ዕንጨይቲ:” NW ] ተኣዘዘ።’ (ፊልጲ 2:8) ኣምሳያኡ ኸኣ የሆዋ ኣብ ትሕቲኡ ዝለዓለ ስልጣንን ክብርን ብምሃብ ንየሱስ ባረኾ። (ፊልጲ 2:9-11) ንሕናውን ከም የሱስ ትእዛዛቱ ብምሕላውን ፍቓዱ ብምግባርን ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ነርኢ።—1 ዮሃንስ 5:3
18. ብጸሎት ዝመጸ የሱስ ኣብነት ዝገደፈ ብኸመይ ኢዩ፧
18 የሱስ ጸሎት ዘዘውትር ሰብ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ጸለየ። (ሉቃስ 3:21) ነቶም 12 ሃዋርያቱ ቅድሚ ምምራጹ: ምሉእ ለይቲ ክጽሊ ሓደረ። (ሉቃስ 6:12, 13) ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ክጽልዩ ከም ዘለዎም ማሃሮም። (ሉቃስ 11:1-4) ቀቅድሚ ሞቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ ኰይኑ ምእንትኦም ጸለየ። (ዮሃንስ 17:1-26) ኣብ ህይወት የሱስ ጸሎት ኣገዳሲ ቦታ ኢዩ ነይርዎ። ንሕናውን ሰዓብቱ ከም ምዃና መጠን ጸሎት ኣብ ህይወትና ኣገዳሲ ቦታ ክህልዎ ኣለዎ። ነቲ ናይ ኣድማስ ልዑል ብጸሎት ክትዛረቦስ ከመይ ዝበለ ክብሪ ኰን ኢዩ! ኣብ ርእሲ እዚ የሆዋ ንጸሎት መልሲ ይህበሉ ኢዩ: ከመይሲ ዮሃንስ ከምዚ ብምባል ጽሒፉ ኣሎ:- “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ: ይሰምዓና እዩ: እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ: እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ: ንፈልጥ ኢና።”—1 ዮሃንስ 5:14, 15
19. (ሀ) ነየናይ ናይ የሱስ ባህርያት ኢና ክንቀድሖ ዘሎና፧ (ለ) ናይ የሱስ ህይወትን ኣገልግሎትን ብምጽናዕ በየናይ መገድታት ኢና ረብሓ እንረክብ፧
19 ነቲ ምድራዊ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ክርስቶስ ኣጸቢቕና ብምምርማር ብዙሕ ነገራት ክንማሃር ንኽእል ኢና! ነቲ ንሱ ዘርእዮ ዝነበረ ባህርያት ማለት ፍቕሪ: ድንጋጽ: ሕያውነት: ብርታዐ: ሚዛናዊ ምዃን: ምኽንያታዊ ምዃን: ትሕትና: ትብዓት: ከምኡውን ዘይምስሳዕ ኣንጸባርቕ። ብዛዕባ የሱስ ዘሎና ፍልጠት እናዓሞቐ ክኸይድ ከሎ: እቲ እሙናት ሰዓብቱ ንምዃን ዘሎና ባህጊ ድማ ይዓቢ ኢዩ። ብዛዕባ የሱስ ምፍላጥ ናብ የሆዋ ዝያዳ ከም እንቐርብ እውን ይገብረና ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ የሱስ ፍጹም ዝዀነ ነጸብራቕ ሰማያዊ ኣቡኡ ኢዩ። ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ስለ ዝነበሮ “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ክብል ክኢሉ ኢዩ።—ዮሃንስ 14:9
ደገፍ ንምርካብ ኣብ ኣምላኽ ተወከል
20. ምስ ኣምላኽ ኣብ እንገብሮ ምምልላስ እምንቶ ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
20 ቈልዑ ታተ ምባል ክጅምሩ ኸለዉ: ኣብ ኣካይድኦም ሰንከልከል ኢዮም ዝብሉ። ደልዲልካ ምኻድ ዝማሃሩ ብኸመይ ኢዮም፧ ተስፋ ከይቈረጹ ምስ ዝለማመዱ ጥራይ ኢዩ። እቶም ምስ የሆዋ ዝመላለሱ ድማ ደልዲሎም: ከም ዓቕሞም ክንቀሳቐሱ ኢዮም ዝጽዕሩ። እዚ እውን ግዜን ዘይምሕላልን ዝሓትት ኢዩ። ምስ ኣምላኽ ኣብ ምምልላስ ዘይምሕላል ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ሓቢሩ ኣሎ:- “ብዝተረፈስ: ኣሕዋተየ: ብጐይታና የሱስ ኣየኖት ትእዛዛት ከም ዝሀብናኩም: ትፈልጡ ኢኹም እሞ: ከምቲ ኻባና እተቐበልኩምዎስ ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ንኣምላኽውን ከተሐጕሱ ኸም ዚግበኣኩም: ከምቲ እትመላለስዎውን ዘሎኹም ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ: ብጐይታና የሱስ ንልምነኩምን ንምዕደኩምን ኣሎና።”—1 ተሰሎንቄ 4:1
21. ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ከሎና እንታይ በረኸታት ኢና እነስተማቕር፧
21 ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ እተወፈና እንተድኣ ዄንና ምስኡ ምምልላስ ምእንቲ ኽንቅጽል ክሕግዘና ኢዩ። (ኢሳይያስ 40:29-31) ዝዀነ ይኹን ካብዛ ዓለም እዚኣ ክርከብ ዝከኣል ነገር ምስቲ ነቶም ብመገድታቱ ዝመላለሱ ዝህቦም በረኸታት ክወዳደር ኣይክእልን ኢዩ። የሆዋ ‘እቲ ዝጠቅም ዝምህረና: በታ እንኸደላ መገዲ ዝመርሓና ኢዩ። ትእዛዛቱ እንተ ሰሚዕና: ሰላምና ከም ወሓዚ: ጽድቅና ኸኣ ከም ማዕበል ክኸውን’ ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ነቲ ምስ ኣምላኽ ንኽንመላለስ ዝቐረበልና ዕድመ ብምቕባልን ብተኣማንነት ብምፍጻምን ኣብቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ሰላም ከነስተማቕር ንኽእል ኢና።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ምስቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ምምልላስ ክብረት ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ መጽናዕቲ: ህይወትካ ምውፋይ: ምጥማቕ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዝግበር ምምልላስ ናይ መጀመርታ ስጕምትታት ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
◻ የሆዋ ምስኡ ክንመላለስ ከሎና ከም ዝድግፈና ብኸመይ ንፈልጥ፧
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእልታት]
መጽናዕቲ: ህይወትካ ምውፋይ: ምጥማቕ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ እንገብሮ ምምልላስ ኣገዳሲ ስጕምትታት ኢዩ