ቲቶስ “ንረብሓኹም ዝሰርሕ መዓይይቲ”
ኣብታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓድሓደ ግዜ ግድል ይለዓል ነይሩ ኢዩ። እዚ ግድል እዚ ግን ክፍታሕ ነበሮ: ንኽፍታሕ ከኣ ትብዓትን ተኣዛዝነትን ኣድለየ። ከምዚ ንዝኣመሰለ ብድሆ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ብዓወት እተጋጠሞ ሰብ ቲቶስ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ዕዮ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ብምክፋሉ: ካልኦት ንነገራት ብመገዲ የሆዋ ክገብርዎ ኣብ ምሕጋዝ ልባዊ ጻዕሪ ገበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት: ቲቶስ ‘ንረብሓኦም ዝሰርሕ መዓይይቲ’ ከም ዝነበረ ነገሮም።—2 ቈረንቶስ 8:23 NW
ቲቶስ መን ኢዩ ነይሩ፧ ግድል ኣብ ምፍታሕ ከመይ ዝበለ ግደ ኢዩ ነይርዎ፧ ንባህሪኡ ብምምርማርከ ብኸመይ ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧
ንግዝረት ዝምልከት ክርክር
ቲቶስ ዘይተገዝረ ግሪኻዊ ኢዩ ነይሩ። (ገላትያ 2:3)a ጳውሎስ ንቲቶስ “ብሕብረት እምነት ናይ ሓቂ ወደይ” ኢሉ ስለ ዝጽውዖ: ሓደ ካብቶም መንፈሳውያን ውሉዳት እቲ ሃዋርያ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ቲቶስ 1:4፣ ምስ 1 ጢሞቴዎስ 1:2 ኣረኣእዮ።) ጳውሎስ: በርናባስ: ከምኡውን ካብ ኣንጾክያን ሶርያን ዝመጹ ካልኦት ንግዝረት ዝምልከት ሕቶ ንምምይያጥ ዳርጋ ብ49 ከ.ኣ.ዘ. ናብ የሩሳሌም ክኸዱ ኸለዉ ምስኣቶም ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:1, 2፣ ገላትያ 2:1
ኣብ የሩሳሌም እቲ ምልዋጥ ናይቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ምይይጥ ይግበረሉ ስለ ዝነበረ: ኣይሁድን ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባትን ግዙራት ይኹኑ ዘይግዙራት ብዘየገድስ ስምረት ኣምላኽ ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ ንኽገልጽ ንቲቶስ ከም ዝወሰድዎ ሓሳብ ተዋሂቡ ኢዩ። ገለ ካብቶም ክርስትና ቅድሚ ምቕባሎም ፈሪሳውያን ዝነበሩ ኣባላት እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ: ብዛዕባ እቶም ካብ ኣህዛብ እተቐየሩ ሰባት ክግዘሩን ነቲ ሕጊ ክሕልውዎን ግዴታ ኣለዎም ብምባል ተኻትዑ: እዚ ኽትዕ እዚ ግን ተቐባልነት ኣይረኸበን። ንቲቶስን ካልኦት ኣህዛብን ክግዘሩ ምግዳድ: ድሕነት ንሕጊ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዘይኰነስ ኣብቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት የሆዋን ኣብ የሱስ ክርስቶስ ምእማንን ዝምርኰስ ምዃኑ ምኽሓድ ማለት ኢዩ ነይሩ። ነቲ ኣህዛብ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ተቐቢሎም ከም ዝነበሩ ዝገልጽ መርትዖ እውን ምንጻግ ማለት ምዀነ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:5-12
ናብ ቈረንቶስ ተላእከ
እቲ ንግዝረት ዝምልከት ክርክር ምስ ደቀሰ: ጳውሎስን በርናባስን ንኣህዛብ ክሰብኩሎም ምሉእ ሓላፍነት ተዋህቦም። ምስናይዚውን: ነቶም ድኻታት ክዝክርዎም ጸዓሩ። (ገላትያ 2:9, 10) ቲቶስ ዳርጋ ሽዱሽተ ዓመት ጸኒሑ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ እንደገና ክጥቀስ ከሎ: ከም ናይ ጳውሎስ ልኡኽ ኰይኑ ነቶም ቅዱሳት ዝኸውን ምእካብ ገንዘብ ንኸማሓድር ኣብ ቈረንቶስ ከም ዝነበረ ግሁድ ኢዩ። ነዚ ዕዮ እዚ ንኽፍጽም ምስ ከደ ግን ወጥሪ ዝመልኦ ካልእ ኵነታት ጸንሖ።
እታ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኸሎም ቀዳመይቲ መልእኽቲ: ‘ምስ ኣመንዝራታት ከይጽምበሩ’ ከም ዝጸሓፈሎም ትገልጽ ኢያ። ንዘይናሳሕ ኣመንዝራ ካብ ማእከሎም ንኸውጽእዎ ነገሮም። እወ: ‘ብዙሕ እናነብዐ’ ሓያል መልእኽቲ ጸሓፈሎም። (1 ቈረንቶስ 5:9-13፣ 2 ቈረንቶስ 2:4) ኣብዚ ግዜ እዚ: ቲቶስ ምእንቲ እቶም እተሸገሩ ኣይሁድ ክርስትያናት ኣብ ቈረንቶስ ዝግበር ዝነበረ ምእካብ ገንዘብ ንኽሕግዝ ናብኡ ተላኢኹ ነበረ። እቶም ሰብ ቈረንቶስ ነቲ ናይ ጳውሎስ መልእኽቲ ዘርእይዎ ምላሽ ንኽዕዘብ እውን ተላኢኹ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 8:1-6
ሰብ ቈረንቶስ ነቲ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ብኸመይ ይምልሽሉ ይዀኑ፧ ጳውሎስ ንኽፈልጥ ኣዝዩ ብሂጉ ስለ ዝነበረ: ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ጸብጻብ ከምጽኣሉ ንቲቶስ መምርሒ ብምሃብ ብባሕሪ ኢጅያን ኣቢሉ ካብ ኤፌሶን ናብ ቈረንቶስ ክኸይድ ልኢኽዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ተልእኾ እዚ እቲ ናይ መራኽብ ጕዕዞ ብምኽንያት ክረምቲ (ኣብ መፋርቕ ሕዳር) ደው ቅድሚ ምባሉ ተወዲኡ እንተድኣ ነይሩ: ቲቶስ ብመርከብ ወይ ብመገዲ ሄለስፖንት በቲ ዝነውሐ ናይ እግሪ ጕዕዞ ኣቢሉ ናብ ጥሮኣስ ክኸይድ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እቲ በቶም ኣንጠረኛታት እተላዕለ እምባጋሮ ንጳውሎስ ኣብ ዘይሓሰቦ ግዜ ካብ ኤፌሶን ከም ዝወጽእ ስለ ዝገበሮ: ኣብቲ ክራኸቡ ተሰማሚዖሙሉ ዝነበሩ ጥሮኣስ ቅድም ኢሉ በጺሑ ክኸውን ኣለዎ። ጳውሎስ ኣብ ጥሮኣስ እናተጨነቐ ድሕሪ ምጽባይ: ቲቶስ ብባሕሪ ገይሩ ከም ዘይመጽእ ተገንዘበ። ስለዚ ኸኣ: ኣብ መገዲ ክረኽቦ ተስፋ ብምግባር ተሃንጥዩ ናይ እግሪ ጕዕዞ ክገብር ተበገሰ። ጳውሎስ ኣብ ምድሪ ኣውሮጳ ምስ በጽሐ ብመገዲ ኤግናሽያ ኣቢሉ ክኸይድ ነበሮ: መወዳእትኡ ድማ ምስ ቲቶስ ኣብ መቄዶንያ ተራኸበ። እቲ ካብ ቈረንቶስ ዝመጸ ብስራት ሰናይ ስለ ዝነበረ: ንጳውሎስ ዓቢ ቅሳነትን ብዙሕ ሓጐስን ኣምጽኣሉ። እታ ጉባኤ ንምኽሪ ናይቲ ሃዋርያ ተሓጒሳ ኣብ ግብሪ ኣውዒላቶ ነበረት።—2 ቈረንቶስ 2:12, 13፣ 7:5-7
ጳውሎስ ነቲ ልኡኹ ከመይ ገይሮም ክቕበልዎ ኢዮም ኢሉ ተጨኒቑ እኳ እንተ ነበረ: ኣምላኽ ግን መዝነቱ ክፍጽም ንቲቶስ ሓጊዝዎ ኢዩ። ንቲቶስ “ብፍርሃትን ራዕራዕ ብምባልን” ተቐቢሎሞ ነበሩ። (2 ቈረንቶስ 7:8-15) ነቲ ወሃቢ ርእይቶ ዝዀነ ዳብሊው. ዲ. ቶማስ ዝበሎ ሓሳብ ንርኣዮ:- “[ቲቶስ] ነቲ ናይ ጳውሎስ ወቐሳ ኣቕሊሉ ከይተመልከተ: ሰብ ቈረንቶስ ኣብ ግብሪ ንኸውዕልዎ ብኽእለትን ብሜላን ከም እተማሕጸኖም: ኣብ ኣእምሮ ጳውሎስ ድማ መንፈሳዊ ጥዕንኦም ጥራይ ምንባሩ ከም ዘረጋገጸሎም ክንግምት ንኽእል ኢና።” ብተወሳኺውን: እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት እዙዝ መንፈስ ስለ ዝነበሮምን ኣወንታዊ ለውጢ ስለ ዝገበሩን: ቲቶስ ኣፍቂርዎም ኢዩ። እቲ ዝነኣድ ኣረኣእያኦም ድማ ምንጪ ምትብባዕ ኰይንዎ ነበረ።
ቲቶስ ናብ ቈረንቶስ ዝኸደሉ ናይ ተልእኾኡ ካልእ መዳይ: እዚ ድማ ምእንቲ እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ቅዱሳት ዝግበር ዝነበረ ምእካብ ገንዘብ ብዛዕባ ምምሕዳርከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ብመሰረት እቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ ዘሎ ሓበሬታ ብዛዕባ እዚውን ይዓዪ ከም ዝነበረ ኣብ መደምደምታ ክብጻሕ ይከኣል ኢዩ። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ቲቶስን ጳውሎስን ምስ ተራኸቡ ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ ቀውዒ ናይ 55 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ መቄዶንያ ተጻሒፋ ክትከውን ትኽእል ኢያ። ጳውሎስ: እቲ ነቲ ምእካብ ገንዘብ ጀሚርዎ ዝነበረ ቲቶስ ነቲ ተልእኾ ምእንቲ ክውድኦ ሕጂ ምስ ክልተ ኣስማቶም ዘይተገልጹ ሓገዝቲ ዀይኑ መሊሱ ይለኣኽ ከም ዘሎ ጸሓፈ። ቲቶስ ብዛዕባ ሰብ ቈረንቶስ ካብ ልቢ ይግደስ ስለ ዝነበረ: ንኽምለስ ምሉእ ብምሉእ ፍቓደኛ ነበረ። ናብ ቈረንቶስ ክምለስ ከሎ ድማ ነታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ እተጻሕፈት መንፈስ ዝነፈሳ ኻልኣይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ተማሊእዋ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 8:6, 17, 18, 22
ቲቶስ ንፉዕ ኣመሓዳሪ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኣሸጋሪ ዅነታት ኣጸጋሚ መዝነታት ንምፍጻም ሕድሪ ክዋሃቦ ዝከኣል ሰብ እውን ኢዩ ነይሩ። ተባዕን ብሱልን ጽኑዕን ነበረ። ጳውሎስ: ነቲ ካብቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ “ብሉጻት ሃዋርያት” ዝመጽእ ዝነበረ ቀጻሊ ዝዀነ ብድሆታት ቲቶስ ክፈትሖ ይኽእል ኢዩ ኢሉ ከም ዝሓሰበ ርዱእ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 11:5) እዚ ብዛዕባ ቲቶስ እተዋህበ ሓሳብ እዚ በቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ቀጺሉ ተጠቒሱ ዘሎ ክገብሮ እተሓተተ ካልእ መዝነት ተረጋጊጹ ኢዩ።
ኣብ ደሴት ቅሬጥስ
ጳውሎስ ነቲ ሽዑ ኣብ ሜዲተራንያን ኣብ እትርከብ ደሴት ቅሬጥስ ዘገልግል ዝነበረ ቲቶስ ካብ 61 ክሳዕ 64 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዘሎ ግዝያት ደብዳበ ኢዩ ጽሒፉሉ። ጳውሎስ ‘ዝተረፈ ምእንቲ ክሰርዕ: ኣብ ከከተማኡውን ሽማግለታት ክሸይም’ ኢሉ ንቲቶስ ኣብኡ ገዲፍዎ ነበረ። ብሓፈሻ: ሰብ ቅሬጥስ “ሓሰውቲ: እኩያት ኣራዊት: ሀካያት ኣኽብዲ” ዝብል ስም ኢዩ ነይሩዎም። በዚ ምኽንያት እዚ: ቲቶስ እንደገና ኣብ ቅሬጥስ ብትብዓትን ጽንዓትን ምዕያይ ሓቲትዎ ነይሩ ይኸውን። (ቲቶስ 1:5, 10-12) እዚ ከቢድ ሓላፍነት ዘምጽእ ዕማም ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ መጻኢ ክርስትና ናይታ ደሴት እቲኣ ከመይ ከም ዝኸውን ክውስን ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ጳውሎስ ብመንፈስ ተመሪሑ ካብቶም ንመጻኢ ተዓዘብቲ ዝዀኑ እንታይ ብቕዓት ከም ዝጽበ ንጹር ገይሩ ብምግላጽ ንቲቶስ ሓገዞ። እዚ ብቕዓታት እዚ ገና ክርስትያን ሽማግለታት ንምሻም ብዝምልከት ኣብ ግምት ዝኣቱ ኢዩ።
ቅዱሳት ጽሑፋት ቲቶስ ካብ ቅሬጥስ ዝወጸሉ ግዜ ኣይነግርን ኢዩ። ጳውሎስ ነቶም ዝጓዓዙ ዝነበሩ እሞ ንገለ ብንጹር ዘይተገልጸ ግዜ ናብኡ ኣላጊሶም ዝነበሩ ዜናስን ኣጵሎስን ዘድልዮም ነገራት ንኽህቦም ሓቲትዎ ስለ ዝነበረ ኣብኡ ንገለ ግዜ ጸኒሑ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር ቲቶስ ኣብታ ደሴት እቲኣ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ኣይጸንሐን። ጳውሎስ ንኣርጤማስ ወይ ንጥኪቆስ ናብታ ደሴት ክልእኽ: ብድሕሪኡ ድማ ምስ ቲቶስ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ግሪኽ እትርከብ ፍልጥቲ ኸተማ ነይራ ኽትከውን እትኽእል ኒቆጶሊስ ክራኸብ መዲቡ ነበረ።—ቲቶስ 3:12, 13
ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንቲቶስ ዝጠቕሰሉ ናይ መወዳእታ ሓጺር ሓበሬታ: ጳውሎስ ዳርጋ ኣብ 65 ከ.ኣ.ዘ. ካልእ መዝነት ንኽፍጽም ልኢኽዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ንፈልጥ። ናብ ደልማጥያ: ናብዛ ናይ ሎሚ ክሮኤሽያ ብምብራቕ ናይ ባሕሪ ኣድሪያቲክ እትርከብ ኣውራጃ ኢዩ ኸይዱ። (2 ጢሞቴዎስ 4:10) ቲቶስ ኣብኡ እንታይ ይገብር ከም ዝነበረ ኣይተሓበረናን። ይኹን እምበር ናይ ጉባኤ ጕዳያት ክዕዘብን ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ክካፈልን ይልኣኽ ከም ዝነበረ ሓሳብ ተዋሂቡ ኣሎ። ከምኡ እንተድኣ ነይሩ: ቲቶስ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቅሬጥስ ከሎ ዘገልገሎ ገይሩ ብዓወት ክዓዪ ነበሮ።
ከም ቲቶስ ዝኣመሰሉ ብሱላት ክርስትያን ተዓዘብቲ ስለ ዘለዉናስ ክንደይ ኰን መመስገንቲ ኢና! እቲ ብዛዕባ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ዘለዎም ንጹር ምርዳእን ንዕኡ ድማ ብትብዓት ኣብ ግብሪ ምውዓሎምን ንናይ ጉባኤ መንፈሳውነት ንምሕላው ይሕግዝ ኢዩ። ንእምነቶም ንቕድሓዮ: ንመንፈሳዊ ረብሓታት ናይ ኣመንቲ ብጾትና ብምድንፋዕ ድማ ከም ቲቶስ ምዃንና ነረጋግጽ።—እብራውያን 13:7
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገላትያ 2:3 ንቲቶስ ግሪኻዊ (ሄልʹለን ) ምዃኑ ኢያ እትገልጾ። እዚ ድማ ብትውልዱ ግሪኻዊ ነይሩ ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ገለ ግሪኻውያን ጸሓፍቲ: ናይ ግሪኽ ቋንቋን ባህልን ንዘለዎም ግሪኻውያን ዘይኰኑ ሰባት ከመልክቱ ኸለዉ ነታ ንብዙሕ እትገልጽ ግሪኻውያን ዝብል ትርጕም ዘለዋ (ሄልʹ·ለንስ ) እትብል ቃል ከም እተጠቕሙ ሓሳብ ተዋሂቡ ኢዩ። ስለዚ ቲቶስ ግሪኻዊ ዝዀነ ብመሰረት እዚ ትርጕም እዚውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ቲቶስ ንረብሓታት እቶም ኣብ ቈረንቶስን ኣብ ካልእ ቦታን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝሰርሕ ተባዕ መዓይይቲ ኢዩ ነይሩ