ነቶም “ውህበት ሰብኡት” ምምሳው
‘ነቶም ኣባኻትኩም ዝጽዕሩ ፍለጥዎም ስለቲ ዕዮኦም ድማ ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኣኽብርዎም።’—1 ተሰሎንቄ 5:12, 13
1. ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 20:35 ምሃብ ከመይ ዝበለ ሓይሊ ኢዩ ዘለዎ፧ ብምሳሌ ግለጾ።
“ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ [“የሐጕስ።” NW ]” (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ንሓቅነት እዘን ቃላት የሱስ: ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ህይወትካ እተመኰርካሉ ግዜ ክትዝክሮዶ ምኸኣልካ፧ ምናልባት ንሓደ ብሓቂ እተፍቅሮ ሰብ ዝሃብካዮ ህያብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ እተፍቅሮ ሰብ ምእንቲ ክሕጐስ ብጥንቃቐ ኢኻ መሪጽካዮ። እቲ ኣብ ገጹ ዝንበብ ሓጐስ ድማ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ንልብኻ ባህ ዘብሎ! ምሃብ ካብ ቅኑዕ ድራኸ እተለዓዓለ ምስ ዝኸውን መግለጺ ፍቕሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ፍቕሪ ምንጽብራቕ ከኣ ሓጐስ ንኸምጽኣልና ሓይሊ ኣለዎ።
2, 3. (ሀ) ካብ የሆዋ ንላዕሊ ሕጉስ ዋላ ሓደ የለን ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ: እቲ “ውህበት ሰብኡት” ንምሃብ ዝገበሮ ምድላውከ ንልቡ ምንጪ ሓጐስ ክዀኖ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝረኸብናዮ ውህበት እንታይ ኢና ክንገብር ዘይንደሊ፧
2 ካብቲ ወሃቢ ‘ጽቡቕ ውህበት’ ዝዀነ የሆዋ ንላዕሊ መን ሕጉስ ክህሉ ይኽእል፧ (ያእቆብ 1:17፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW ) ንዅሉ ውህበት ብፍቕሪ ተደሪኹ ኢዩ ዝህብ። (1 ዮሃንስ 4:8) እዚ ድማ ኣብቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ ነታ ጉባኤ ዝሃባ “ውህበት ሰብኡት” ዝውዕል ኢዩ። (ኤፌሶን 4:8 NW ) ሽማግለታት ነቲ መጓሰ ንኽጓስዩ እተገብረ ምድላው: መግለጺ ናይቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ኢዩ። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ብጥንቃቐ እተመርጹ ኢዮም: ንቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ድማ ከማልኡ ይግባእ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7፣ ቲቶስ 1:5-9) ‘ነቲ መጓሰ ብለውሃት ክሕዙ’ ከም ዘለዎም ይፈልጡ ኢዮም: ከምኡ ምስ ዝገብሩ ኸኣ እተን ኣባጊዕ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ፈቃራት ጓሶት ዘመስግናሉ ምኽንያት ይህልወን። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29፣ መዝሙር 100:3) የሆዋ: ኣልባብ ህዝቡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ምስጋና ከም ዝመልአ ምስ ዝርኢ: ልቡ እውን ከም ዝሕጐስ ፍሉጥ ኢዩ!—ምሳሌ 27:11
3 ካብ ኣምላኽ ንዝመጸና ህያብ ኣቕሊልና ክንርእዮ ከም ዘይንደሊ እተረጋገጸ ኢዩ፣ ብዛዕባ ህያባቱ ዘይመማሰውቲ ክንከውን እውን ኣይንደልን ኢና። ስለዚ እምበኣር ከምዚ ዝብል ክልተ ሕቶታት ይለዓል:- ሽማግለታት ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘለዎም ግደ ብኸመይ ኢዮም ክርእይዎ ዘለዎም፧ እቶም ካልኦት ክፍሊ እቲ መጓሰኸ ነቶም “ውህበት ሰብኡት” ከም ዘማስዉሎም ብኸመይ ከርእዩ ይኽእሉ፧
‘ደገፍትኹም ኢና’
4, 5. (ሀ) ጳውሎስ ነታ ጉባኤ ምስ ምንታይ ኢዩ ኣመሳሲልዋ ዘሎ: እዝኸ ብቝዕ ምሳሌ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ኣብ ንሓድሕድና ክህሉ ዘለዎ ኣመለኻኽታን ኣቀራርባን ጳውሎስ ዝሃቦ ምሳሌ እንታይ ኢዩ ዝሕብር፧
4 የሆዋ ነቶም “ውህበት ሰብኡት” ኣብታ ጉባኤ እተወሰነ ሓላፍነት ብሕድሪ ሂብዎም ኣሎ። ርግጽ ኢዩ ሽማግለታት ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ክጥቀምሉ ኣይደልዩን ኢዮም: ይኹን እምበር ዘይፍጹማት ሰባት ብምዃኖም ከምኡ ክገብሩ ብቐሊሉ ከም ዝድረኹ ይፈልጡ ኢዮም። ምስቶም መጓሰ ብዛዕባ ዘለዎም ርክብ እምበኣር ንገዛእ ርእሶም ብኸመይ ኢዮም ክርእይዋ ዝግባእ፧ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ እተጠቕመሉ ምሳሌ ንመርምሮ። “ውህበት ሰብኡት” እተዳለውሉ ምኽንያት ድሕሪ ምግላጹ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብፍቕሪ . . . ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ። ብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን: ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ: ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባዩ ዚረክብ።” (ኤፌሶን 4:15, 16) ስለዚ ጳውሎስ ነታ ሽማግለታትን ካልኦት ኣባላትን ዝሓዘት ጉባኤ ምስ ኣካላት ሰብ ኣመሳሲልዋ ኣሎ። እዚ ብቝዕ ምሳሌ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ኣካል ሰብ ሓደ ርእሲ ጥራይ ዘለዎ ኰይኑ ብብዙሕ እተፈላለየ ኣካላት ዝቘመ ኢዩ። ይኹን እምበር ካብቲ ኣካል ዋላ ሓደ እውን ይኹን—ጭዋዳታት: መትንታት: ሻምብቆ ደም እውን እንተዀነ—ዘይጠቅም የልቦን። ነፍሲ ወከፍ ኣካል ጠቓሚ ኢዩ: ንጥዕናን ጽባቐን ናይቲ ኣካል ብምሉኡ ኸኣ ገለ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ እታ ጉባኤ ብብዙሕ እተፈላለየ ኣካላት ዝቘመት ኢያ: ነፍሲ ወከፍ ኣካል ግን—ንእሽቶ ይኹን ዓቢ: ድልዱል ይኹን ድኹም—ንመንፈሳዊ ጥዕናን ጽባቐን ምልእቲ እታ ጉባኤ ገለ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 12:14-26) ሓደ እኳ ይኹን ዘይጠቅም ኰይኑ ክስምዖ ኣየድልን ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ክርአ ኸሎ ድማ ሓደ እኳ ይኹን ጸብለል ዝበለ ኰይኑ ክስምዖ የብሉን ከመይሲ ኵልና—ጓሶትን ኣባጊዕ መሰልን —ክፍሊ ናይቲ ኣካል ኢና: ሓደ ርእሲ—ክርስቶስ —ጥራይ ከኣ ኢዩ ዘሎ። በዚ ኸምዚ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ንሓድሕድና ክህልወና ዝግባእ ፍቕሪ: ሓልዮት: ከምኡውን ኣኽብሮት ውዕዉዕ መግለጺ ይህበና። ሽማግለታት እዚ ምስ ዝግንዘቡ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ጉባኤ ዘለዎም ግደ ትሑትን ሚዛናውን ኣመለኻኽታ ክህልዎም ይኽእል።
6. ጳውሎስ ሃዋርያዊ ስልጣን እኳ እንተ ነበሮ ትሑት መንፈስ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
6 እዞም “ውህበት ሰብኡት” እዚኣቶም: ንህይወት ወይ እምነት ናይቶም ብጾቶም ኣምለኽቲ ክቈጻጸርዎ ኣይደልዩን ኢዮም። ጳውሎስ ሽሕኳ ሃዋርያዊ ስልጣን እንተ ነበሮ: ንሰብ ቈረንቶስ ብትሕትና ከምዚ ብምባል ነገሮም:- “ብእምነት ቌምኩም አሎኹም እሞ: ደገፍቲ ሓጐስኩም ደኣ ኢና እምበር: ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኰንናን።” (2 ቈረንቶስ 1:24) ጳውሎስ ነቲ ናይ ኣሕዋቱ እምነትን ህይወትን ክቈጻጸሮ ኣይደለየን። ብርግጽ እውን ከምኡ ዘግብሮ ምኽንያት ዘሎ ዀይኑ ኣይተራእዮን: ከመይሲ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ምዃኖም: ኣብ ማሕበር የሆዋ ዘለዉ ድማ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ድሌት ስለ ዘለዎም ምዃኑ እምንቶ ከም ዘለዎ ገሊጹ ኢዩ። ስለዚ ድማ ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ብዛዕባ እቲ መጋይሽቱ ዝዀነ ብጻዩ ጢሞቴዎስን ክዛረብ ከሎ ብኻልእ ኣበሃህላ ከምዚ ኢዩ ዝብል ነይሩ:- ‘ንኣምላኽ ብሓጐስ ኣብ ምግልጋል ምሳኻትኩም ኴንና ክንዓዪ ስራሕና ኢዩ።’ (2 ቈረንቶስ 1:1) እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ መንፈስ ትሕትና ኰን ኢዩ!
7. ትሑታት ሽማግለታት ብዛዕባ ኣብታ ጉባኤ ዘለዎም ግደ እንታይ ኢዮም ዝግንዘቡ: ኣብቶም መተዓይይቶምከ ከመይ ዝበለ እምንቶ ኢዩ ዘለዎም፧
7 ሎሚ እውን “ውህበት ሰብኡት” ተመሳሳሊ ስራሕ ኢዩ ዘለዎም። ‘ደገፍቲ ሓጐስና’ ኢዮም። ትሑታት ሽማግለታት ካልኦት ንኣምላኽ ኣብ ዝገብርዎ ኣገልግሎት ክንደይ ዝኣክል ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ምውሳን ናታቶም ከም ዘይኰነ ይግንዘቡ ኢዮም። ካልኦት ኣገልግሎቶም ከስፍሑ ወይ ከመሓይሹ ከተባብዕዎም እኳ እንተለዎም: ንኣምላኽ ምግልጋል ካብ ወለንታዊ ልቢ ክነቅል ከም ዘለዎ ይፈልጡ ኢዮም። (ምስ 2 ቈረንቶስ 9:7 ኣረኣእዮ።) እቶም መተዓይይቶም ሕጕሳት እንተድኣ ዀይኖም ዝከኣሎም ዘበለ ከም ዝገብሩ እምንቶ ኣለዎም። ኣሕዋቶም ‘ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ክግዝእዎ’ ንኽሕግዝዎም ልባዊ ባህጎም ኢዩ።—መዝሙር 100:2
ንዅላቶም ብሓጐስ ከገልግሉ ምሕጋዞም
8. ሽማግለታት: ኣሕዋቶም ንየሆዋ ብሓጐስ ምእንቲ ከገልግልዎ ዝሕግዝሉ ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧
8 ሽማግለታት: ኣሕዋትኩም ብሓጐስ ንኸገልግሉ ብኸመይ ክትሕግዝዎም ምኸኣልኩም፧ ኣብነት ብምዃን ከተተባብዕዎም ትኽእሉ ኢኹም። (1 ጴጥሮስ 5:3) ኣብ ኣገልግሎት ቅንእን ሓጐስን ከም ዘሎኩም ኣርእዩ: ካልኦት ከኣ ኣብነትኩም ንምቕዳሕ ክድረኹ ይኽእሉ ኢዮም። ንኻልኦት በቲ ብምሉእ ነፍሶም ዝገብርዎ ጻዕርታት ንኣድዎም። (ኤፌሶን 4:29) ምዉቕን ናይ ሓቅን ናእዳ ምሃብ ካልኦት ጠቐምትን ኣድለይትን ምዃኖም ከም ዝስምዖም ይገብር ኢዩ። ነተን ኣባጊዕ ድማ ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዝከኣለን ዘበለ ንምግባር ድሌት ከሕድራ የተባብዐን። ዘየድሊ ምውድዳር ኣወግድ። (ገላትያ 6:4) ከምዚ ዝኣመሰለ ምውድዳር ካልኦት ንኸመሓይሹ ኣብ ክንዲ ዘተባብዖም ተስፋ ዘቝርጽ ኰይኑ ኢዩ ዝርከብ። ብተወሳኺውን ኣባጊዕ የሆዋ እተፈላለየ ኵነታትን ክእለትን ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ኢዮም። ከም ጳውሎስ ኣብ ኣሕዋትኩም እምንቶ ከም ዘለኩም ግለጹ። ፍቕሪ “ኵሉ [ስለ] ትአምን” ኣሕዋትና ንኣምላኽ ከም ዘፍቅርዎን ከሐጕስዎ ከም ዝደልዩን ምስ እንኣምን ሰናይ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 13:7) ንኻልኦት ምስ ‘እተኽብርዎም’ ነቲ ኣባታቶም ዘሎ ብሉጽ ነገር ከም ዝገልጹ ኢኹም እትገብርዎም። (ሮሜ 12:10) እተን ኣባጊዕ ምትብባዕ ምስ ዝረኽባን መንፈሰን ምስ ዝሕደስን መብዛሕትአን ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዝከኣለን ከም ዝገብራ: ኣብቲ ኣገልግሎት ድማ ሓጐስ ከም ዝረኽባ ርግጸኛታት ኩኑ።—ማቴዎስ 11:28-30
9. ነፍሲ ወከፍ ሽማግለ ብዛዕባ ካልኦት ሽማግለታት ከመይ ዝበለ ርእይቶ ምሓዝ ኢዩ ብሓጐስ ንኸገልግል ክሕግዞ ዝኽእል፧
9 ንገዛእ ርእስኻ ከም ‘ደጋፊ’ ገይርካ ምምልካታ: ብሓጐስ ንኸተገልግልን ነቲ ናይ መሸማግልትኻ ፍሉይ ውህበት ድማ ንኸተማስወሉን ክሕግዘካ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሽማግለ ናይ ገዛእ ርእሱ ውህበትን ክእለትን ኢዩ ዘለዎ እዚ ድማ ንረብሓ እታ ጉባኤ ክጥቀመሉ ይኽእል ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 4:10) እቲ ሓደ ናይ ኣመሃህራ ክእለት ክህልዎ ይኽእል። ካልእ ኸኣ ስሉጥ ኣማሓዳሪ ክኸውን ይኽእል። ሓደ ኻልእ ድማ በቲ ምዉቕን ድንጋጽ ዝመልኦን ባህርያቱ ብፍላይ ተቐራቢ ክኸውን ይኽእል። ንዅሉ ውህበታት ብማዕረ ክበቕዖ ዝኽእል ሽማግለ ከም ዘየለ እተረጋገጸ ኢዩ። ሓደ ሽማግለ ፍሉይ ውህበት—ንኣብነት ናይ ኣመሃህራ ውህበት—ስለ ዘለዎ ካብቲ ኻልእ ጸብለል ከም ዝብል ክገብሮ ይኽእል ድዩ፧ ፈጺሙ ክገብሮ ኣይክእልን ኢዩ! (1 ቈረንቶስ 4:7) በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ: ሓደ ሽማግለ ብዘለዎ ውህበት ምቕናእ ወይ ከኣ ሓደ ኻልእ ሽማግለ በቲ ዘለዎ ክእለት ካልኦት ምስ ዝንእድዎ ጐደሎ ከም ዝዀንካ ክስምዓካ ኣየድልን ኢዩ። ንስኻውን የሆዋ ዝርእዮ ውህበታት ከም ዘሎካ ኣይትረስዕ። የሆዋ ድማ ነዚ ውህበታት እዚ ክትኵስኵሶን ንረብሓ ኣሕዋትካ ክትጥቀመሉን ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።—ፊልጲ 4:13
‘እዙዛትን ተገዛእትን ኩኑ’
10. ነቶም “ውህበት ሰብኡት” ሞሳና ክንገልጸሎም ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
10 ህያብ ክንቅበል ከሎና: ሞሳና ክንገልጽ ጥራይ ኢዩ ዘሎና። ቈሎሴ 3:15 “መማሰውቲ ኹኑ” ትብለና። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃበና ክቡር ህያብ ናይ ‘ውህበት ሰብኡትከ’ እንታይ ምበልና፧ ብቐዳምነት ነቲ ለጋስ ወሃቢ ዝዀነ የሆዋ ኢና እነመስግኖ። ነቶም ‘ውህበት ሰብኡትከ’ ድኣ፧ ከም እነማስወሎም ብኸመይ ከነርኢ ምኸኣልና፧
11. (ሀ) ነቶም “ውህበት ሰብኡት” ከም እነማስዎም ብኸመይ ክንገልጽ ምኸኣልና፧ (ለ) እተን ‘ተኣዘዝዎም’ ከምኡውን ‘ተገዝእዎም’ ዝብላ ቓላት እንታይ ትርጕም ኢየን ሒዘን ዘለዋ፧
11 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሮምን ውሳነታቶምን ቅልጡፋት ኴንና ብምስዓብ ነዞም “ውህበት ሰብኡት” እዚኣቶም ከም እነማስወሎም ከነርኢ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም: ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ: ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር: ብጓሂ እንተ ገበርዎ: እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ” ብምባል ይምዕደና። (እብራውያን 13:17) ነቶም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ‘ክንእዘዞም’ ጥራይ ዘይኰነስ ‘ክንግዝኦም’ እውን ከም ዘሎና ኣስተብህል። እታ ‘ተገዝእዎም’ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ “ኣብ ትሕቲኦም ልኡማት ኩኑ” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። ብዛዕባ እተን ‘ተኣዘዝዎም’ ከምኡውን ‘ተገዝእዎም’ ዝብላ ቓላት ርእይቶ ክህብ ከሎ: ምሁር ኣር. ሲ. ኤች. ሌንስኪ ከምዚ ይብል:- “ሓደ ሰብ ምስቲ ክገብሮ እተነግሮ እንተድኣ ተሰማሚዑ: ቅኑዕ ምዃኑን ረብሓ ከም ዘለዎን እንተድኣ ተረዲኡ ይእዘዞ፣ ኣንጻር ዝዀነ ርእይቶ እንተድኣ ኣልይዎ ድማ. . . ብልእመት ይቕበሎ።” እቶም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ንዝህብዎ መምርሒ ምስ እንርድኦን ምስ እንሰማምዓሉን ቀልጢፍና ንእዘዞ ንኸውን። እንተዀነ ግን: ሓደ ፍሉይ ውሳነ እተገብረሉ ምኽንያት ዘይተረዳእናዮ ምስ እንኸውንከ፧
12. ሓደ ፍሉይ ውሳነ እተገብረሉ ምኽንያት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዘይንርድኣሉ ግዜ እውን ከይተረፈ ተገዛእቲ: ወይ ከኣ ልኡማት ክንከውን ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
12 ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ከኣ ኢዩ ተገዛእቲ ወይ ልኡማት ክንከውን ዘድልየና። ስለምንታይ፧ ቀዳማይ ነገር እዞም መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት እዚኣቶም ካብ ልቦም ንረብሓታትና ከም ዝሓስቡ ክንኣምን ከድልየና ኢዩ። ድሓር ከኣ: ብዛዕባ እተን ክሓልዩለን ሕድሪ እተዋህብኦም ኣባጊዕ ንየሆዋ ጸብጻብ ከቕርቡሉ ከም ዝግብኦም ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም። (ያእቆብ 3:1) ብተወሳኺ: ነቲ ብሓበሬታ እተረጋገጸ ውሳነ ንምግባር ዝደረኾም ምስጢራዊ ጭብጥታት ብምሉኡ እንታይ ምዃኑ ክንፈልጦ ከም ዘይንኽእል ምስ እንዝክር ሰናይ ኢዩ።—ምሳሌ 18:13
13. ሽማግለታት ብዝገብርዎ ፍርዳዊ ውሳነታት ዝመጸ ተገዛእቲ ንምዃን ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧
13 ብፍርዳዊ ውሳነታት ዝመጸ ተገዛኢ ምዃንከ፧ እዚ ዅነታት እዚ ብፍላይ እኳ ሓደ እነፍቅሮ ሰብ: ዘመድ ወይ ናይ ቀረባ ዓርኪ: ንኽውገድ ውሳነ ምስ ዝግበር ቀሊል ክኸውን ከም ዘይክእል ፍሉጥ ኢዩ። ኣብዚውን እንተዀነ: እቶም “ውህበት ሰብኡት” ንዝገበርዎ ፍርዲ ልኡም ኴንካ ምቕባሉ ዝበለጸ ኢዩ። ካባና ንላዕሊ ብሓቅነት ምፍራድ ኣብ ዝኽእልሉ ሓላፍነት ኢዮም ዘለዉ: ብዛዕባ እቲ ጭብጥታት እውን ካባና ንላዕሊ ይፈልጡ ይዀኑ። እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም መብዛሕትኡ ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት ክገብሩ ኸለዉ ይሳቐዩ ኢዮም፣ ‘ናይ እግዚኣብሄር ክትፈርድ’ ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 19:6) ኣምላኽ ‘ንይቕረታ ድልው’ ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ: መሓርቲ ንምዃን ብዙሕ ኢዮም ዝጽዕሩ። (መዝሙር 86:5) ይኹን እምበር: ነታ ጉባኤ ጽፍፍቲ ገይሮም ክሕዝዋ እውን ይግብኦም ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ንዘይናስሑ በደለኛታት ክውግድዎም መምርሒ ይህቦም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 5:11-13) ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እቲ በዳሊ ባዕሉ ነቲ ውሳነ ይቕበሎ ኢዩ። እቲ ዝዋሃቦ ተግሳጽ ናብ ልቡ ክምለስ ዝሕግዞ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቶም ፍቑራቱ ዘበልና ምስቲ እተመሓላለፈ ውሳነ ንሰማማዕ እንተድኣ ዄንና: ካብቲ ተግሳጽ ምእንቲ ክጥቀም ሓገዝና ከነበርክት ንኽእል ኢና።—እብራውያን 12:11
‘ብዙሕ ብሉጽ ሓልዮት ኣርእይዎም’
14, 15. (ሀ) ብመሰረት 1 ተሰሎንቄ 5:12, 13 ንሽማግለታት ክንሓልየሎም ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሽማግለታት ‘ኣብ ማእከልና ይጽዕሩ ኣለዉ’ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
14 ነቶም “ውህበት ሰብኡት” ዘሎና ሞሳ ሓልዮትና ብምርኣይ እውን ክንገልጾ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ነታ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረት ጉባኤ ክጽሕፈላ ኸሎ ንኣባላታ በዚ መገዲ እዚ መዓዶም:- “ነቶም ኣባኻትኩም ዚጽዕሩን ብጐይታውን ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን [ፍለጥዎም]: . . . ስለቲ ዕዮኦም ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኣኽብርዎም [“ሓልዮትኩም ኣርእይዎም።” NW ]” (1 ተሰሎንቄ 5:12, 13) ‘ዝጽዕሩ’ ክበሃል ከሎ ነቶም ብዘይ ስስዐ ገዛእ ርእሶም ኣብ ክንዳና ዝህቡ ውፉያት ሽማግለታት ዝገልጾምዶ ኸይኰነ፧ ህድእ ኢልካ ብዛዕባ እቲ እዞም ክቡራት ኣሕዋት ዝጾርዎ ከቢድ ጾር እሞ ሕስብ ኣብል።
15 ኣብ መብዛሕትኦም ከም ዝርአ ንስድራቤቶም ክኣልዩ ዓለማዊ ስራሕ ክሰርሑ ዘለዎም ሰብ ስድራ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) እቲ ሽማግለ ውሉዳት ዘለዉዎ እንተድኣ ዀይኑ: እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ካብ ኣቡኦም ግዜን ቈላሕታን የድልዮም ኢዩ። ናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮታቶም ክሕግዞም: ከምኡውን ንግዜ ንእስነቶም ኣብ ጥዑይ ዝዀነ መዘናግዒታት ምእንቲ ከሕልፍዎ ገለ ግዜ ክምድበሎም የድልዮ ይኸውን። (መክብብ 3:1, 4) ብዝበለጸ ድማ: ንመንፈሳዊ ድሌት ስድራቤቱ ይሓሊ: ስርዓታዊ ዀይኑ ናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ: ሒዝዎም ኣገልግሎት ይኸይድ: ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ድማ ይወስዶም። (ዘዳግም 6:4-7፣ ኤፌሶን 6:4) ሽማግለታት ኣብ ርእሲ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ንመብዛሕትና ዘሎና ሓላፍነታት ካልእ ሓላፍነታት እውን ከም ዘለዎም ኣይንረስዕ። እዚ ድማ ኣብ ኣኼባታት ንዝቐርብ ክፍልታት ምድላው: ጕስነታዊ ምብጻሕ ምግባር: ንመንፈሳዊ ድሕንነት እታ ጉባኤ ምሕላይ: ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ኸኣ ናይ ፍርዲ ጕዳያት ምክያድ ዝኣመሰለ ኢዩ። ገሊኣቶም ከኣ ምስ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊታት: ኣውራጃዊ ኣኼባታት: ምህናጽ ኣደራሽ መንግስቲ: ከምኡውን ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተታት እተተሓሓዘ ተወሳኺ ሓላፍነታት ይስከሙ ኢዮም። ብሓቂ: እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ‘ይጽዕሩ’ ኢዮም ዘለዉ!
16. ንሽማግለታት ሓልዮትና ከነርእየሉ እንኽእል መገድታት ግለጾ።
16 ሓልዮትና ከነርእዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 15:23፣ 25:11) ስለዚ እምበኣር: ካብ ልቢ ዝነቐለ ሞሳን ምትብባዕን ምስ እንገልጸሎም ነቲ ዝገብርዎ ጻዕሪ ብኸምኡ ከም ዘይንርእዮ ከረጋግጸሎም ይኽእል ኢዩ። ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ካባታቶም እንጽበዮ ነገር ምኽንያታውያን ክንከውን ይግብኣና። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ሓገዝ ደሊና ንኽንቀርቦም ናጽነት ክስምዓና ኣለዎ። ‘ልብና ዝጭነቐሉ’ ግዜያት ክህሉ ስለ ዝኽእል ካብቶም ቃል ኣምላኽ ‘ንምስትምሃር ብቝዓት’ ዝዀኑ ቅዱስ ጽሑፋዊ መተባብዒ: መምርሒ: ወይ ምኽሪ የድልየና ኢዩ። (መዝሙር 55:4፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:2) ምስናይዚ እውን: ሓደ ሽማግለ ክህበና ዝኽእል ግዜ ውሱን ምዃኑ ክንዝክር ከድልየና ኢዩ: ከመይሲ ንስድራቤቱ ወይ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ዘድልዮም ነገራት ዕሽሽ ክብሎ ኣይክእልን ኢዩ። ነዞም ጻዕረኛታት ኣሕዋት እዚኣቶም ምስ ‘እንድንግጸሎም:’ ምኽንያታዊ ብዘይኰነ መገዲ ትጽቢት ክንገብረሎም ኣይንደልን ኢና። (1 ጴጥሮስ 3:8) ኣብ ክንድኡ ግን: ነቲ ምኽንያታውያን ኰይኖም ዝውፍዩልና ግዜን ቈላሕታን ነማስወሉ።—ፊልጲ 4:5
17, 18. እተን ሰብኡተን ሽማግለታት ዝዀኑ ብዙሓት ኣንስቲ እንታይ መስዋእትታት ኢየን ዝገብራ: ነዘን እሙናት ኣሓት እዚኣተን ብኸምኡ ከም ዘይንርእየንከ ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል፧
17 ብዛዕባ ኣንስቲ እቶም ሽማግለታትከ፧ ሓልዮትና ከነርእየን ዝበቕዓዶ ኸይኰና፧ ንሰብኡተን ብመጠኑ ነታ ጉባኤ ወፍየንኦም ኢየን። እዚ ብወገነን መስዋእትታት ምግባር ዝሓተን ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ: ሽማግለታት ምስ ስድራቤቶም ኰይኖም ከሕልፍዎ ዝኽእሉ ናይ ምሸት እዋናት ናይ ጉባኤ ዕዮታት ንምዕያይ ዝግደድሉ ግዜያት ኣሎ። ኣብ ብዙሓት ጉባኤታት እሙናት ክርስትያን ኣንስቲ: ሰብኡተን ንኣባጊዕ የሆዋ ምእንቲ ክሓልዩ ብፍታው ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ይገብራ።—ምስ 2 ቈረንቶስ 12:15 ኣረኣእዮ።
18 ነዘን እሙናት ክርስትያን ኣሓት እዚኣተን ብኸምኡ ከም ዘይንምልከተን ብኸመይ ከነርኢ ምኸኣልና፧ ካብ ሰብኡተን ዘይምኽንያታዊ ትጽቢት ብዘይምግባር ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሒደት ናይ ምምሳው ቃላት ምዝራብውን ሓይሊ ከም ዘለዎ ኣይንረስዕ። ምሳሌ 16:24 “ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ: ንነፍሲ ጥዑም: ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ” ትብለና። ሓደ ተመክሮ ንርአ። ሰብኣይን ሰበይትን ደድሕሪ ክርስትያናዊ ኣኼባ ብዛዕባ ኮተቴ ወዶም ክዛረብዎ ናብ ሓደ ሽማግለ ቐረቡ። እቲ ሽማግለ ምስቶም ሰብኣይን ሰበይትን ክዘራረብ ከሎ ሰበይቱ ብትዕግስቲ ትጽበ ነበረት። ድሕሪኡ እታ ኣደ ናብ ሰበይቲ እቲ ሽማግለ ቀሪባ “ሰብኣይኪ ንስድራቤተይ ክድግፍ ዘሕለፎ ግዜ ከየመስገንኩኺ ክሓልፍ ኣይደልን” በለታ። እዚ ባህ ዘብል ሒደት ናይ ምምሳው ቃላት: ንሰበይቲ እቲ ሽማግለ ብሓቂ ልባ ተንኪፍዋ ኢዩ።
19. (ሀ) ሽማግለታት: ከም ጕጅለ መጠን እንታይ ዕላማታት ኢዮም ብተኣማንነት ዝፍጽሙ፧ (ለ) ኵላትና እንታይ ንምግባር ኢና ቈራጽነት ክንገብር ዘሎና፧
19 ሽማግለታት ነተን ኣባጊዕ ክጓስዩ እተገብረ ምድላው: ሓደ ካብቲ ‘ጽቡቕ ውህበት’ የሆዋ ኢዩ። (ያእቆብ 1:17) እወ: እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ፍጹማት ኣይኰኑን፣ ልክዕ ከማና ይጋገዩ ኢዮም። (1 ነገስት 8:46) ገና ግን: ከም ጕጅለ መጠን: እቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ጉባኤታት ዘለዉ ሽማግለታት ነቲ የሆዋ ብኣታቶም ክግበር ዝደልዮ ዕላማታት ብተኣማንነት ይፍጽምዎ ኣለዉ: እዚ ድማ ነቲ መጓሰ ከቕንዑ: ክሃንጹ: ከሕብሩ: ከምኡውን ከዕቝቡ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሽማግለ ንኣባጊዕ የሆዋ ብለውሃት ምሕላይ ክቕጽል ዝጽዕር ይግበሮ: በዚ ኸምዚ ድማ ነሕዋቱ ውህበት ወይ በረኸት ምዃኑ የረጋግጽ። ኵላትና ነዞም “ውህበት ሰብኡት” እዚኣቶም እዙዛትን ተገዛእትን ብምዃን: ነቲ ዝገብርዎ ጻዕሪ ድማ ሓልዮትና ብምግላጽ ሞሳና ከነርእዮም ቈራጽነት ንግበር። የሆዋ ብፍቕሪ ተለዓዒሉ ነቶም ብተግባራቶም ገይሮም ንኣባጊዑ ‘ንኣምላኽ ብሓጐስ ኣብ ምግልጋል ክንሕግዘኩም ስራሕና ኢዩ’ ዝብሉ ሰብኡት ስለ ዝሃበና ኣየ ክንደይ ከነመስግን ኢዩ ዝግብኣና!
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ እታ ጉባኤ ምስ ሓደ ኣካል ሰብ ብልክዕ ክትመሳሰል እትኽእል ስለምንታይ ኢያ፧
◻ ሽማግለታት: ኣሕዋቶም ንየሆዋ ብሓጐስ ምእንቲ ኸገልግልዎ ብኸመይ ክሕግዝዎም ምኸኣሉ፧
◻ ነቶም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ክንእዘዞም ጥራይ ዘይኰነስ ክንግዝኦም እውን ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ንሽማግለታት ከም እንሓልየሎም ከነርኢ እንኽእል በየናይ መገድታት ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ሽማግለታት: ንኻልኦት በቲ ብምሉእ ልቦም ዝገብርዎ ጻዕርታት ንኣድዎም
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ሽማግለታት በቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘርእይዎ ቅንኢ ዝመልኦ ኣብነቶም: ንኣባላት ስድራቤቶምን ካልኦትን ብሓጐስ ንኸገልግሉ ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእልታት]
ነቶም ዝጽዕሩ ሽማግለታትና ሞሳና ንገልጽ ኢና!