መተዓይይቲ ጳውሎስ እንታዎት ኢዮም ነይሮም
ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ዝዀነት ግብሪ ሃዋርያትን ኣብተን ጳውሎስ ዝጸሓፈን መልእኽትታትን: ገለ ሚእቲ ዝዀኑ ምስቲ “ነህዛብ ሃዋርያኦም” ዝዀነ ጳውሎስ ርክብ ዝነበሮም ኣባላት ናይታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ተጠቒሶም ኣለዉ። (ሮሜ 11:13) ብዛዕባ መብዛሕትኦም ሓያለይ ነገራት ተገሊጹ ኣሎ። ነቲ ኣጵሎስ: በርናባስ: ከምኡውን ሲላስ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዕዮታት ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ብዛዕባ ኣርኪጶስ: ቅላውድያ: ደማሪስ: ሊኖስ: ጰርሲስ: ጱደንስ: ከምኡውን ሶጳጥሮስ ብዙሕ ኣይትፈልጥን ትኸውን።
ኣብ እተፈላለየ እዋናትን ኵነታትን ንጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ንምድጋፍ ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ኣገዳሲ ግደ ነይርዎም ኢዩ። ከም እኒ ኣርስጣርኮስ: ሉቃስ: ከምኡውን ጢሞቴዎስ ዝኣመሰሉ ካብ ጐኒ ጳውሎስ ከይተፈለዩ ንብዙሕ ዓመታት ኣገልጊሎም ኢዮም። ገሊኦም መተኣስርቱ ክዀኑ ከለዉ ገሊኦም ከኣ መጋይሽቱ ወይ ድማ ከም ተቐበልቲ ኣጋይሽ ኰይኖም ኣገልጊሎም ኢዮም። እቲ ዘሕዝን ግን ከም እኒ እስክንድሮስ: ዴማስ: ህርሞጌኔስ: ከምኡውን ፍጌሎስ ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ክርስትያናዊ እምነቶም ኣይጸንዑን።
ከም በዓል ኣሰንቅሪጦስ: ሄርማስ: ዩልያ: ወይ ፊሎሎጎስ ዝኣመሰሉ ካልኦት ብዙሓት ኣዕሩኽ ጳውሎስ ግን ኣስማቶም ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ ብዛዕብኦም ብዙሕ እንፈልጦ ነገር የለን። ብዛዕባ ሓብቲ ኔርዮስ: ኣደ ሩፎስ: ወይ ሰብ ቤት ቀሎኤ ግን ኣስማቶም እውን ኣይንፈልጦምን ኢና። (ሮሜ 16:13-15፣ 1 ቈረንቶስ 1:11) ይኹን እምበር: ነቲ ብዛዕባ እዞም ሚእቲ ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ዝረኸብናዮ ውሑድ ሓበሬታ ብምምርማር ሃዋርያ ጳውሎስ ብኸመይ ይዓዪ ከም ዝነበረ ክበርሃልና ይኽእል ኢዩ። ምስ ብዙሓት ኣመንቲ ብጾት ርክብ ምግባርን ምስኦም ጠቢቕካ ምዕያይን እንታይ ረብሓታት ከም ዘለዎ እውን ይምህረና ኢዩ።
መጋይሽቲ ከምኡውን ተቐበልቲ ኣጋይሽ ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዙሕ ግዜ ይገይሽ ነበረ። ሓደ ጸሓፊ ነቲ ኣብ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ጸብጻብ ጥራይ ተጠቒሱ ዘሎ ጳውሎስ ብምድርን ብባሕርን ዝገበሮ ጕዕዞ ብምድማር ንውሓቱ 16,000 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ከም ዝኸውን ገለጸ። ናይ ሽዑ መገሻ ኣድካሚ ጥራይ ዘይኰነስ ሓደገኛ እውን ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ዘጋጠሞ እተፈላለየ ሓደጋታት: ምስባር መርከብ: ኣብ ርባታትን በረኻን ባሕርን ዘጋጥም ሓደጋ: ከምኡውን ከተርቲ ይርከብዎ። (2 ቈረንቶስ 11:25, 26) እዚ ዅሉ ሓደጋታት ስለ ዝነበረ: ጳውሎስ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐስ ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ በይኑ ኣይገይሽን ኢዩ ነይሩ።
እቶም መጋይሽቱ ኣብ ኣገልግሎት ብጾት ይዀንዎ: የተባብዕዎ: ከምኡውን ይሕግዝዎ ነይሮም ኢዮም። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ: ነቶም ሓደስቲ ኣመንቲ ብመንፈስ ዘድልዮም ምእንቲ ክሓልዩሎም ኢሉ ኣብ ገለ ቦታታት ገዲፍዎም ይኸይድ ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:14፣ ቲቶስ 1:5) ኣብ መገሻኡ ምስኡ ሰብ ክህሉ ግን ድሕንነት ንኽረክብ ከምኡውን ነቲ ኣብ ጕዕዞ ዘጋጥሞ ጽንኩር ኵነታት ምእንቲ ክዋጽኣሉ ንኽሕግዝዎ ኣድላዪ ነበረ። ስለዚ ከም እኒ ሶጳጥሮስ: ሴኮንዶስ: ጋይዮስ: ከምኡውን ጥሮፊሞስ ዝኣመሰሉ መጋይሽቱ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ኣብ ኣገልግሎቱ ዕዉት ንኽኸውን ኣገዳሲ ግደ ፈጺሞም ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 20:4
እቶም ተቐበልቲ ኣጋይሽ ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን ዝገበሩሉ ሓገዝ እውን ዝነኣድ ኢዩ። ጳውሎስ ናብ ሓንቲ ከተማ ከይዱ ክሰብኽ ወይ ሓንቲ ለይቲ ጥራይ ሓዲሩ ክኸይድ እንተ ደልዩ: ብቐዳምነት ዘድልዮ ነገር ዝሓድረሉ ቦታ ምርካብ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ከም ጳውሎስ ብተደጋጋሚ ዝገይሽ ሰብ ቃል ብቓሉ ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ዓራት ክድቅስ ኣለዎ። ጳውሎስ ኣብ መዕረፍ ኣጋይሽ ክሓድር ይኽእል ነይሩ ኢዩ: እንተዀነ ግን ጸሓፍቲ ታሪኽ ከም ዝገልጽዎ እቲ ሽዑ ዝነበረ መዕረፍ ኣጋይሽ “ሓደገኛን ሕማቕን ቦታታት” ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ብእተኻእሎ መጠን ምስ ኣመንቲ ብጾቱ ኢዩ ዝሓድር ነይሩ ዝኸውን።
ገለ ካብቶም ጳውሎስ ገይሹ ክኸዶም ከሎ ዝቕበልዎ ዝነበሩ ከም እኒ ኣኪላስን ጵርስኪላን: ጋይዮስ: ያሶን: ልድያ: ምናሶን: ፊልሞን: ከምኡውን ፊልጶስ ይርከብዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 16:14, 15፣ 17:7፣ 18:2, 3፣ 21:8, 16፣ ሮሜ 16:23፣ ፊልሞን 1, 22) ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ: ተሰሎንቄ: ከምኡውን ቈረንቶስ ክዓርፈሉ ዝኽእል ቦታ ብምርካቡ: ሚስዮናዊ ኣገልግሎቱ ብእተመሓደረ መገዲ ንኸካይድ ሓጊዝዎ ኢዩ። ኣብ ቈረንቶስ ዝቕመጥ ዝነበረ ቲትዮስ ዮስጦስ ዝበሃል ከኣ ጳውሎስ ስብከቱ ምእንቲ ኸካይድ ኣብ ገዝኡ ተቐበሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 18:7
ብዙሓት ኣዕሩኽ
እቶም ምስ ጳውሎስ ሌላ ዝነበሮም ሰባት ብእተፈላለየ መገዲ ይዝከሩ ምንባሮም እተረጋገጸ ኢዩ። ከመይሲ ኣብ ትሕቲ እተፈላለየ ኵነታት ኢዩ ዝረኽቦም ነይሩ። ንኣብነት ከም እኒ ማርያም: ጰርሲስ: ፌቤን: ጥሬፌና: ከምኡውን ጥሬፎሳ ዝኣመሰላ ኣመንቲ ብጾት ትጉሃትን ጻዕራማትን ብምንባረን ተናኢደን ኢየን። (ሮሜ 16:1, 2, 6, 12) ጳውሎስ ንክሪስጶስ: ንጋይዮስ: ከምኡውን ንስድራቤት እስጢፋኖስ ኣጠሚቕዎም ኢዩ። ድዮኒስዮስን ደማሪስን ከኣ ነቲ መልእኽቲ ሓቂ ኣብ ኣቴና ካብ ጳውሎስ ኢዮም ሰሚዖምዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:34፣ 1 ቈረንቶስ 1:14, 16) እቶም “ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት” ዝነበሩ: ቅድሚ ጳውሎስ ከኣ ክርስትና እተቐበሉ ኣንድሮኒቆስን ዩንያን ኣብ ገለ እዋን ምስኡ ተኣሲሮም ነይሮም ክዀኑ ስለ ዝኽእሉ: “ምሳይውን እተኣስሩ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ። ልክዕ ከም ሄሮድዮን: ያሶን: ሉክዮስ: ከምኡውን ሶሲጳጥሮስ ነዚኣቶም ንኽልቲኦም እውን “ኣዝማደይ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኢዩ። (ሮሜ 16:7, 11, 21) እታ ኣብዚ እተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ቃል “ደቂ ሓደ ዓዲ” ዝብል ትርጕም ክህልዋ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: እቲ ቀንዲ ትርጕማ ግን “ኣብ ሓደ ወለዶ ዝርከቡ ናይ ደም ዝምድና ዘለዎም” ዝብል ኢዩ።
ብዙሓት ኣዕሩኽ ጳውሎስ ነቲ ብስራት ምእንቲ ከብጽሑ ተጓዒዞም ኢዮም። ነቶም ፍሉጣት መጋይሽቲ ጳውሎስ ገዲፍካ: ኣካይቆስ: ፈርጡናጦስ: ከምኡውን እስጢፋኖስ ዝበሃሉ ሰባት ብዛዕባ መንፈሳዊ ኵነታት ጉባኤኦም ምስ ጳውሎስ ንኽመያየጡ ካብ ቈረንቶስ ናብ ኤፌሶን ተጓዒዞም ኢዮም። ኣርጤማስን ጥኪቆስን ከኣ ናብቲ ኣብ ቅሬጥስ ዘገልግል ዝነበረ ቲቶስ ክኸዱ ድሉዋት ኢዮም ነይሮም። ዜናስ እውን ምስ ኣጵሎስ ንጕዕዞ ተዳልዩ ነበረ።—1 ቈረንቶስ 16:17፣ ቲቶስ 3:12, 13
ጳውሎስ ብዛዕባ ገሊኣቶም ሓጺርን ዝምስጥን ዝርዝር ጸብጻብ ሂቡ ኢዩ። ንኣብነት: ኤጴኔጦስ “በዅሪ እስያ” ምንባሩ: ኤራስጦስ ‘ተሓዝ ገንዘብ ከተማ’ ቈረንቶስ ምንባሩ: ሉቃስ ሓኪም ምንባሩ: ልድያ ሸያጢት ቀይሕ ሃሪ ምንባራ: ጠርጥዮስ ከኣ እቲ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ መልእኽቲ ንምጽሓፍ እተጠቕመሉ ምንባሩ ንፈልጥ ኢና። (ሮሜ 16:5, 22, 23፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:14፣ ቈሎሴ 4:14) ብዛዕባ እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ዝያዳ ክፈልጥ ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ: እቲ ተጻሒፉ ዘሎ ሓጸርቲ ዝርዝር ሓበሬታ ንጹር ብምዃኑ ይምሰጥ ኢዩ።
ካልኦት ብጾት ጳውሎስ ዝነበሩ ኸኣ ሕጂ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ንብሕቶም ዝምልከት መልእኽቲ ተቐቢሎም ኢዮም። ንኣብነት: ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈሎሴ ዝሰደዳ መልእኽቲ ንኣርኪጶስ “ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ” ብምባል ምዒድዎ ኢዩ። (ቈሎሴ 4:17) ኤዎድያን ስንጥኬን እውን ኣብ መንጎአን ክፍታሕ ዝግባእ ግጭት ነይርወን ኢዩ። ስለዚ: ጳውሎስ ብሓደ ኣብ ፊልጲ ዝነበረ ስሙ ዘይተጠቕሰ ‘መተዓይይቲ’ ኣቢሉ “ሓሳበን ብጐይታ ሓንቲ ኽትከውን” መዓደን። (ፊልጲ 4:2, 3) እዚ ምኽሪ እዚ ንዅላትና ከም ዝጠቅም እተረጋገጸ ኢዩ።
ተኣሲሩ ኸሎ ብተኣማንነት እተገብረሉ ሓገዝ
ጳውሎስ ብዙሕ ግዜ ተኣሲሩ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 11:23) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ኣብቲ ከባቢ ክርስትያናት ምስ ዝህልዉ: ነቲ ኵነታት ክጻወሮ ምእንቲ ክኽእል ዝከኣሎም ደገፍ ገይሮምሉ ክዀኑ ኣለዎም። ኣብ ሮሜ ንመጀመርታ ግዜ ክእሰር ከሎ ንኽልተ ዓመት ገዛ ክካረ ምስ ተፈቕደሉ ብጾቱ ክበጽሕዎ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 28:30) ኣብቲ እዋን እቲ ናብተን ኣብ ኤፌሶን: ፊልጲ: ቈሎሴ ዝርከባ ጉባኤታትን ናብ ፊልሞንን መልእኽትታት ጸሓፈ። እዚ ምንጭታት እዚ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜ ማእሰርቱ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ዝነበሮም ሰባት ብዙሕ ሓበሬታ ይህበና ኢዩ።
ንኣብነት: እቲ ባርያ ፊልሞን ዝነበረ እሞ ዝሃደመ ኦኔሲሞስን ጥኪቆስን ንጳውሎስ ኣብ ሮሜ ከም ዝረኸብዎ: ጥኪቆስ ድማ ንኦኔሲሞስ ናብ ጐይትኡ ሒዝዎ ከም ዝኸደ ክንርዳእ ንኽእል። (ቈሎሴ 4:7-9) ኤጳፍሮዲጦስ እውን ኣብ ፊልጲ ካብ ዝነበረት ጉባኤኡ ህያብ ሒዙ ነዊሕ ተጓዒዙ ናብ ጳውሎስ ምምጽኡ: ድሓር ከኣ ከም ዝሓመመ ክንፈልጥ ንኽእል። (ፊልጲ 2:25፣ 4:18) ኣርስጠርኮስ: ማርቆስ: ከምኡውን እቲ ዮስጦስ ዝበሃል የሱስ ኣብ ሮሜ ምስ ጳውሎስ ሓቢሮም የገልግሉ ምንባሮም: ብዛዕባኦም ክዛረብ ከሎ ኸኣ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሳይ ዜገልግሉ ንምጽንናዕውን ዚዀኑኒ ዘለዉ ሰብ ግዝረት: እዚኣቶም ጥራይ እዮም” ምባሉ ክንርዳእ ንኽእል። (ቈሎሴ 4:10, 11) ኣብ ልዕሊ እዞም ኵሎም እሙናት ጢሞቴዎስ: ሉቃስ: ከምኡውን እቲ ድሓር ንዓለም ዝፈተወ ዴማስ ዝበሃሉ ፍሉጣት ሰባት ነይሮም ኢዮም።—ቈሎሴ 1:1፣ 4:14፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:10፣ ፊልሞን 24
እዚኣቶም ኵሎም ኣብ ሮሜ እኳ እንተ ዘይነበሩ ኣብ ጐኒ ጳውሎስ ምንባሮም ግን ግሁድ ኢዩ። ምናልባት ገሊኣቶም ብፍላይ ኣብ ግዜ ማእሰርቱ ክሕግዝዎ ኢሎም ከይዶም ይዀኑ። ገሊኦም ይለኣኽዎ: ገሊኦም ናብ ርሑቕ ቦታ መልእኽቲ ይወስድሉ: ካልኦት ከኣ መልእኽታት ንምጽሓፍ ይጥቀመሎም ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እዝስ ኵሎም እዞም ሰባት እዚኣቶም ንጳውሎስን ዕዮ ኣምላኽን ክሳዕ ክንደይ እሙናት ምንባሮም ዘርኢ ከመይ ዝበለ ዓቢ መረጋገጺ ኰን ኢዩ!
ካብቲ ጳውሎስ ኣብ መደምደምታ መልእኽትታቱ ዝጽሕፎ ዝነበረ ነገራት: ምናልባት ካብቲ ንሕና እንፈልጦ ሒደት ኣስማት ንላዕሊ ብዙሓት ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ጐኑ ምንባሮም ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት “ምሳይ ዘለዉ ዅሎም ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ” ከምኡውን “ኵሎም እቶም ቅዱሳን . . . ሰላም ይብሉኹም አለዉ” ብምባል ጽሒፉ ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 13:12፣ ቲቶስ 3:15፣ ፊልጲ 4:22
ጳውሎስ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ሮሜ ኣብ እተኣስረሉ: ከም ሰማእት ኰይኑ ዝሞተሉ ግዜ ኸኣ ቀሪቡሉ ኣብ ዝነበረ ጽንኩር እዋን: ብዛዕባ እቶም መተዓይይቱ ብዙሕ ይሓስብ ነበረ። እንተ ወሓደ ንገለ ካብኣቶም ኣብ ምሕጋዝን ኣብ ምትሕብባርን ንጡፍ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቲቶስን ጥኪቆስን ተላኢኾም ከይዶም ነበሩ: ክሬስኬስ ናብ ገላትያ ከይዱ ነበረ: ኤራስጦስ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉ ነይሩ: ጥሮፊሞስ ስለ ዝሓመመ ኣብ መሊጦስ ተሪፉ ነበረ: ማርቆስን ጢሞቴዎስን ግን ናብኡ ክመጹ ነበሮም። ሉቃስ ግን ምስ ጳውሎስ ነበረ: ጳውሎስ ካልኣይ ግዜ ናብ ጢሞቴዎስ መልእኽቲ ክሰድድ ከሎ ኸኣ ንበዓል ኤውቡሎስ: ጱደንስ: ሊኖስ: ከምኡውን ቅላውድያ ወሲኽካ ካልኦት ብዙሓት ኣመንቲ ሰላምታ ክልእኹ ምስኡ ነይሮም ኢዮም። ንጳውሎስ ክሕግዙ ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ ምንባሮም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ጳውሎስ ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ንጵሪስኪላን ኣኪላስን ከምኡውን ንቤት ኦኔሲፎሮስ ሰላምታ ልኢኹ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ኣብቲ ጽንኩር እዋን እቲ ዴማስ ጠንጢንዎ ከደ: እስክንድሮስ ከኣ ብዙሕ ክፉእ ነገር ገበሮ።—2 ጢሞቴዎስ 4:9-21
“ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና”
ሳሕቲ ግዜ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት በይኑ ይኸውን ነበረ። ኢ. ኢርል ኢሊስ ዝበሃል ወሃብ ርእይቶ ከምዚ ይብል:- “እቲ ኣብ ኣእምሮኻ ዝመጸካ ሓሳባት ሓደ ሚስዮናዊ ምስ ብዙሓት ብጾቱ ከሎ ኢዩ። ጳውሎስ ብዘይ ብጾቱ ዝነበረለን እዋናት ሳሕቲ ከም ዝነበራ ርግጽ ኢዩ።” ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ብዙሓት ሰባት ከንቀሳቕስን ፍረ ዘለዎ ሚስዮናዊ ወፈራታት ከመሓድርን ክኢሉ ኢዩ። ብናይ ቀረባ መተዓይይቱ: ንግዜኡ ሓገዝ ዝገብሩሉ ብዝነበሩ ብጾቱ: ገለ ጽኑዓት ብዝነበሩ ሰባት: ከምኡውን ብብዙሓት ትሑታት ኣገልገልቲ ተኸቢቡ ነበረ። እዚኣቶም ግን መተዓይይቱ ጥራይ ኣይነበሩን። መጠን ናይቲ ምስኡ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዕዮ ወይ ምትሕብባር ብዘየገድስ: ማእሰር ክርስትያናዊ ፍቕሪ ከም ዝነበሮምን ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ምንባሮምን ኣየደናግርን ኢዩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ “ምሕዝነት ኣብ ምፍጣር ክኢላ” ተባሂሉ ኢዩ። ነቲ ብስራት ናብ ኣህዛብ ንኸብጽሕ ብዙሕ ጽዒሩ እኳ እንተዀነ: ነዚ ግን በይኑ ክገብሮ ኣይፈተነን። ምስታ እተመሓደረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ተሓባቢሩን ምሉእ ብምሉእ ተጠቒሙላን ኢዩ። በቲ እተረኽበ ፍረ ንገዛእ ርእሱ ክብ ከብል ኣይደለየን: የግዳስ ባርያ ምዃኑ: ኵሉ ክብሪ ኸኣ ነቲ ከብቍል ዝኽእል ኣምላኽ ዝግባእ ምዃኑ ኣፍልጦ ሃበ።—1 ቈረንቶስ 3:5-7፣ 9:16፣ ፊልጲ 1:1
ጳውሎስ ዝነበረሉ ግዜ ካብዚ ግዜና እተፈልየ ኢዩ: ይኹን እምበር ዋላ ሓደ ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ በይነይ ክነብር እኽእል ኢየ ወይ እደሊ ኢየ ኢሉ ክሓስብ ኣይግባእን። ኣብ ክንድኡስ ኵሉ ሳዕ ምስ ማሕበር ኣምላኽ: ምስ ጉባኤና: ከምኡውን ምስ ኣመንቲ ብጾትና ሓቢርና ክንዓዪ ኣሎና። ኣብ ግዜ ራህዋ ይኹን ሽግር ናይ ኣሕዋትና ሓገዝን ደገፍን ምጽንናዕን የድልየና ኢዩ። ክፍሊ ናይቶም ‘ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት’ ናይ ምዃን ክቡር መሰል ኢዩ ዘሎና። (1 ጴጥሮስ 5:9) ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ምስ ኵሎም ብምትሕብባር ብተኣማንነትን ብፍቕርን እንተድኣ ዓዪና ልክዕ ከም ጳውሎስ ንሕናውን “መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና” ክንብል ንኽእል ኢና።—1 ቈረንቶስ 3:9
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ኣጵሎስ
ኣርስጣርኮስ
በርናባስ
ልድያ
ኦኔሲፎሮስ
ጠርጥዮስ
ጥኪቆስ