ብስድራቤት መልክዕ ስርዓታውያን ኴንኩም ቃል ኣምላኽ ኣጽንዑ
ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን። ”—ማቴዎስ 4:4
1. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ርእሲ ስድራቤታት ንደቆም መገድታት የሆዋ ንምምሃር ዘለዎም ሓላፍነት እንታይ ይብል፧
የሆዋ ኣምላኽ ንርእሲ ስድራቤታት ብዛዕባ እቲ ደቆም ንምምሃር ዘለዎም ሓላፍነት ተደጋጋሚ መዘኻኸሪታት ሂብዎም ኢዩ። እዚ መምርሒ እዚ ነቶም ቈልዑ ነዚ ሕጂ ዘሎ ህይወት ከዕጥቖም: ነቲ ዝመጽእ ህይወት ድማ ንኽዳለዉ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ። ሓደ መልኣኽ ንኣምላኽ ወኪሉ: ስድራቤቱ ‘መገዲ እግዚኣብሄር’ ምእንቲ ክሕልዉ ንኽምህሮም ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንኣብርሃም ጠቐሰሉ። (ዘፍጥረት 18:19) እስራኤላውያን ወለዲ: ኣምላኽ ብኸመይ ካብ ግብጺ ከም ዘውጽኦምን ኣብ ከረን ሲና ኣብ ሆሬብ ብኸመይ ሕጉ ከም ዝሃቦምን ንደቆም ክገልጹሎም ተነጊሮም ነበሩ። (ዘጸኣት 13:8, 9፣ ዘዳግም 4:9, 10፣ 11:18-21) ክርስትያን ርእሲ ስድራቤታት ንደቆም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ከዕብይዎም ተማዒዶም ኢዮም። (ኤፌሶን 6:4) ካብቶም ወለዲ ንየሆዋ ዘገልግል ሓደ ጥራይ እውን ይኹን: ንደቁ መገድታት የሆዋ ክምህሮም ክጽዕር ኣለዎ።—2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ 3:14, 15
2. ኣብ ቤት ቈልዑ እንተድኣ ዘየልዮም: ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ምግባር የድሊ ድዩ፧ ግለጾ።
2 እዚ ክበሃል ከሎ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ቃል ኣምላኽ: ነተን ቈልዑ ዘለዉወን ስድራቤታት ጥራይ ኢዩ ዝምልከት ማለት ኣይኰነን። ሰብኣይን ሰበይትን ሽሕኳ ቈልዑ እንተ ዘይብሎም ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ምስ ዝገብሩ ንመንፈሳዊ ነገራት ሞሳ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ኢዩ።—ኤፌሶን 5:25, 26
3. ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
3 መምርሒ ጽቡቕ ውጽኢት ምእንቲ ክህልዎ: ስርዓታዊ ኴንካ ክወሃብ ኣለዎ። እዚ ድማ ምስቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ‘ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዝወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር: ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን’ ብምባል ኣብ በረኻ እተዛረቦም ቃላት ይሰማማዕ። (ዘዳግም 8:3) ገሊኣቶም ኣብ ኵነታት ናይታ ስድራቤት ብምምርኳስ: ናይ ስድራቤት መጽናዕቶም ኣብ ሰሰሙን ኢዮም ዝገብርዎ፣ ካልኦት ከኣ ብሕጽር ዝበለ መልክዕ መዓልቲ መዓልቲ ይገብርዎ። ዝዀነ ይኹን መደብ ምረጹ ብዘየገድስ እቲ መጽናዕቲ ኣጋጣሚ ኣብ እተረኽበ ጥራይ ክግበር ኣይትግደፍዎ። ‘ግዜ ዓድግሉ።’ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ኢልካ እቲ ዘድሊ ዋጋ ምኽፋል ውዒሉ ሓዲሩ ጠቓሚ ኢዩ። ህይወት ኣባላት ስድራቤትኩም ኣብ ሓደጋ ኢዩ ኣንጠልጢሉ ዘሎ።—ኤፌሶን 5:15-17፣ ፊልጲ 3:16
ኣብ እእምሮ ክተሓዝ ዘለዎ ሸቶታት
4, 5. (ሀ) የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝሰርዖ ወለዲ ንደቆም ክምህሩ ኸለዉ ክገብርዎ ዘለዎም ቀንዲ ሸቶ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እዚኸ ሎሚ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧
4 ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ክትመርሕ ከሎኻ: ንጹር ሸቶታት ኣብ ኣእምሮኻ እንተድኣ ሒዝካ ብዙሕ ጥቕሚ ከምጽእ ኢዩ። ገለ ካብቲ ሸቶታት እስከ ንርአ።
5 ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ: ፍቕሪ የሆዋ ኣምላኽ ክትሃንጸሎም ጽዓር። እስራኤላውያን ምድሪ ተስፋ ቅድሚ ምእታዎም ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ሰፊሮም ከለዉ: ሙሴ ናብታ የሱስ ክርስቶስ ዘበናት ጸኒሑ “እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ” ከም ዝዀነት ዝገለጻ መምርሒት ከም ዘተኵሩ ገበሮም። ንሳኸ እንታይ ኢያ፧ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ” እትብል ኢያ። (ማቴዎስ 22:36, 37፣ ዘዳግም 6:5) ሙሴ: ነዚ ትእዛዝ እዚ ኣብ ልቦም ከሕድርዎን ንደቆም ክምህርዎምን ንእስራኤላውያን ተላበዎም። እዚ ኸኣ ደጋጊምካ ምምሃር: ንየሆዋ ከተፍቅሮ ዝድርኽ ምኽንያታት ከም ዘተኵርሉ ምግባር: ምስቲ ነዛ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ንኸይተንጸባርቕ ዝገብር ኣመለኻኽታን ጠባያትን ምቅላስ: ኣብ ናብርኦም ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ከም ዝገልጹ ምግባር የጠቓልል። ደቅናኸ ከምዚ ዓይነት መምርሒ የድልዮም ድዩ፧ እወ የድልዮም ኢዩ! ንሳቶም እውን ‘ልቦም ክገዝሩ’ ማለት ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ክዓናቕፍ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ከልግስዎ ሓገዝ የድልዮም ኢዩ። (ዘዳግም 10:12, 16፣ ኤርምያስ 4:4) ገለ ካብዚ ዕንቅፋታት እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራትን ኣብ ንጥፈታታ ንኽትእለኽ ዝገብር ኣጋጣሚታትን ምብሃግ ክኸውን ይኽእል። (1 ዮሃንስ 2:15, 16) እቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ህያውን ዝርአን ኰይኑ ንሰማያዊ ኣቦና ከሐጕሶ ዝኽእል ነገራት ንምግባር ዝድርኸና ክኸውን ኣለዎ። (1 ዮሃንስ 5:3) ናይ ስድራቤትካ መጽናዕቲ ነባሪ ዝዀነ ጥቕሚ ምእንቲ ክህልዎ: እቲ መጽናዕቲ ኵሉ ግዜ ነዚ ፍቕሪ እዚ ከደልድል ብዝኽእል መገዲ ክምራሕ ኣለዎ።
6. (ሀ) ርጡብ ፍልጠት ንምትሕልላፍ ዘድሊ ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ቅዱሳት ጽሑፋት ኣድላይነት ናይ ርጡብ ፍልጠት ብኸመይ ኢዩ ዘጕልሖ፧
6 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ብቕዓታት ርጡብ ፍልጠት ኣተሓላልፈሎም። እዚ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧ ካብ መጽሔት ወይ ካብ መጽሓፍ እናንበብካ መልሲ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ዝሓትት ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ቀንዲ ቐንዲ ቃላትን ኣገዳሲ ሓሳባትን ብንጹር ከም እተረድእዎ ንምርግጋጽ ምምይያጥ ይሓትት። ነቲ ሓድሽ ሰብነት ንምልባስ: ኣብ ህይወት ዘጋጥመካ ግድላት ክትዋጽኣሉ ከሎኻ ኸኣ ኣብቲ ዝሓይሽ ንኸተተኵር: በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ብሓቂ ንኣምላኽ ዘሐጕሶ ነገር ንኽትገብር ዘድሊ ቀንዲ ነገር ርጡብ ፍልጠት ምጥራይ ኢዩ።—ፊልጲ 1:9-11፣ ቈሎሴ 1:9, 10፣ 3:10
7. (ሀ) እታ ስድራቤት ነቲ ዝጽናዕ ዘሎ ጽሑፍ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም እተውዕሎ ንኽትግንዘብ ክሕግዛ ዝኽእል ከመይ ዝበለ ሕቶታት ኢዩ፧ (ለ) ቅዱሳት ጽሑፋት እዚ ሸቶ እዚ ጠቓሚ ምዃኑ ብኸመይ ኢዩ ዘጕልሕ፧
7 ነቲ እተማሃርዎ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም ዘውዕልዎ ክግንዘቡ ሓግዞም። ነዚ ዕላማ እዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ከምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘እዚ ጽሑፍ እዚ ብኸመይ ንናብራና ክትንክፎ ይግባእ፧ ካብቲ ኣብዚ እዋን እዚ እንገብሮ ዘሎና ገለ ለውጢ ክንገብር ዝሓተና ድዩ፧ ምትዕርራይ ክንገብር ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና፧’ (ምሳሌ 2:10-15; 9:10፣ ኢሳይያስ 48:17, 18) ብዛዕባ እቲ እትማሃርዎ ነገራት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም እተውዕልዎ ንምዝርራብ ዘድሊ ቈላሕታ ምግባር ንመንፈሳዊ ዕቤት ኣባላት ስድራቤት ኣገዳሲ ረቛሒ ኢዩ።
ንምምሃር ዝሕግዝ መሳርሒታት ብጥበብ ተጠቐመሉ
8. እቲ ኽፍሊ ባርያ እንታይ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕግዝ ጽሑፋት ኢዩ ኣዳልዩ ዘሎ፧
8 እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ንመጽናዕቲ ክውዕል ዝኽእል ብዙሕ መሳርሒታት ኣዳልዩ ኣሎ። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እናተወከስካ ክትጥቀመሉ እተዳለወ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብ131 ቋንቋታት ይርከብ። ንጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕግዝ መጻሕፍቲ ብ153 ቋንቋታት: ብሮሹራት ብ284: ኣውድዮ ካሴታት ብ61: ቪድዮ ካሴታት ብ41: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምርምር ንምግባር ዝሕግዝ ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራም ከኣ ብ9 ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ!—ማቴዎስ 24:45-47
9. ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ክንወስድ ከሎና ነቲ ኣብዚ ቍጽሪ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ምኽሪ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ንኽእል፧
9 ብዙሓት ስድራቤታት ነቲ ንመጽናዕቲ ዝመደብኦ ግዜ ግምቢ ዘብዐኛ ንምድላው ይጥቀማሉ። እዝስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል! ግምቢ ዘብዐኛ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ንምህናጽ እተዳለወ ቀንዲ መንፈሳዊ መግቢ ኢዩ። ብስድራቤት ኴንኩም ግምቢ ዘብዐኛ ከተጽንዑ ከሎኹም: ነቲ ሕጡብ ጽሑፋት ካብ ምንባብን ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ሕቶታት ከኣ ካብ ምምላስን ንላዕሊ ክትገብሩ የድሊ። ንኽትርድእዎ ልባዊ ጻዕሪ ግበሩ። ግዜ ወሲድኩም ነቲ ተሓቢሩ ዘሎ ግን ሓሳባቱ ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት ገንጺልኩም ኣንብብዎ። እዚ ጥቕስታት እዚ ምስቲ ዝጽናዕ ዘሎ ሕጡብ ጽሑፍ ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ሓሳባት ክህብሉ ንኣባላት ስድራቤትካ ዓድሞም። ልባዊ ተሳትፎ ክገብሩ ሓግዞም።—ምሳሌ 4:7, 23፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:11
10. ቈልዑ ኣብቲ መጽናዕቲ ንኽሳተፉን ዘሐጕስ ግዜ ንኽዀነሎምን እንታይ ክግበር ምተኻእለ፧
10 ኣብ ስድራቤትካ ቈልዑ እንተድኣ ኣልዮም: መጽናዕትኹም ልምዳዊ ጥራይ ዘይኰነስ ዝሃንጽ: ዘሐጕስ: ከምኡውን ባህ ዘብል ግዜ ምእንቲ ክዀነልኩም እንታይ ክትገብር ምኸኣልካ፧ ኵሉ ሰብ ኣቓልቦኡ ኣብቲ ዝጽናዕ ዘሎ ጽሑፍ ምእንቲ ክገብር: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ባህ ኢልዎ ከም ዝሳተፍ ንምግባር ጽዓር። ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ: ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ መጽናዕቲ መጽሔትን ከም ዝህልዎ ግበር። ሓደ ወላዲ ነቲ የሱስ ዘንጸባረቖ ምዉቕ ኣቀራርባ ብምቕዳሕ ንሓደ ንእሽቶ ቈልዓ ምስኡ ኣጸጊዑ ኮፍ ከብሎ: ምናልባትውን ክሓቝፎ ይኽእል ኢዩ። (ምስ ማርቆስ 10:13-16 ኣረኣእዮ።) እቲ ርእሲ ስድራቤት ንሓደ ቘልዓ ኣብቲ ዝጽናዕ ጽሑፍ ቀሪቡ ዘሎ ስእሊ ከም ዝገልጽ ክገብሮ ይኽእል። ሓደ ንእሽቶ ቈልዓ ኸኣ ገለ ጥቕሲ ከንብብ ኣቐዲሙ ክምደብ ይከኣል። ሓደ ዕብይ ዝበለ ውሉድ ድማ ነቲ ዝጽናዕ ዘሎ ጽሑፍ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኡ ክገልጽ ክምደብ ይከኣል ኢዩ።
11. ከመይ ዝበለ ካልእ መምሃሪ መሳርሒታት ኢዩ ተዳልዩ ዘሎ: እዚ መሳርሒታት እዚ ብቛንቋና ዝርከብ እንተድኣ ዀይኑ ምስ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ብምትሕሓዝ ጠቓሚ ብዝዀነ መገዲ ክትግበር ዝኽእልከ ብኸመይ ኢዩ፧
11 ግምቢ ዘብዐኛ ናይ መጽናዕትኹም መሰረት ገይርኩም ትጥቀምሉ እኳ እንተዀንኩም: ነቲ ብብዙሕ ቋንቋታት ተዳልዩ ዘሎ ካልእ መሳርሒታት እውን ኣይትረስዕዎ። ብዛዕባ ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ዝርዝር ሓበሬታ ወይ ከኣ ተወሳኺ መግለጺ ክትረኽቡ እንተድኣ ደሊኹም: ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ኣሎ። ካልእ ሕቶታት ከኣ መወከሲ ጽሑፋት ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ወይ ከኣ ነቲ ብማሕበር እተዳለወ ናይ ኮምፒዩተር ናይ ምርምር ፕሮግራም ብምውካስ ክምለስ ይከኣል። ብቛንቋኹም ዝርከብ እንተድኣ ኰይኑ ነዚ መሳርሒታት እዚ ምዝውታሩ ጠቓሚ ክፍሊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቶም ንኣሽቱ ቈልዑ ተገዳስነቶም ንምልዕዓል: ገለ ካብቲ ንመጽናዕቲ ዝመደብኩምዎ ግዜኹም ክፋል ናይቲ ማሕበር ዘዳለወቶ ትምህርቲ ዝሓዘለ ቪድዮታት ክትርእዩ ወይ ከኣ ክፋል ናይቲ ኣብ ኣውድዮ ካሴታት እተቐርጸ ድራማ ክትሰምዑ እሞ ብድሕሪኡ ክትመያየጥሉ ክትምድቡ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ናይ መጽናዕቲ መሳርሒታት ብግቡእ ምስ እትጥቀምሉ ንናይ ስድራቤት መጽናዕትኹም ዘሐጕስን ንብምልእታ እታ ስድራቤት ዝጠቅምን ንኽትገብርዎ ክሕግዘኩም ይኽእል።
ምስቲ ንስድራቤትካ ዘድልያ ነገራት ኣሰማምዓዮ
12. ነቲ እታ ስድራቤት ዘጋጥማ ህጹጽ ኵነታት ንኽትዋጽኣሉ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ግደ ዘለዎ ብኸመይ ኢዩ፧
12 ስድራቤትካ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ዝውሰድ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኵሉ ግዜ ተጽንዕ ትኸውን። ይኹን እምበር: ንዅነታት እታ ስድራቤት ንቑሕ ኴንካ ኣስተብህለሉ። እታ ኣደ ካብ ገዛ ወጻኢ ዘይትሰርሕ እንተድኣ ዀይና: እቶም ቈልዑ ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተመልሱ መዓልቲ መዓልቲ ምስኣቶም ግዜ ከተሕልፍ ትኽእል ትኸውን። ገሊኡ ኵነታት ሽዑ ክፍታሕ ይከኣል ኢዩ። ገሊኡ ድማ ተወሳኺ ቈላሕታ የድልዮ ይኸውን። ነታ ስድራቤት ዘድልያ ህጹጽ ኵነታት ምስ ዝለዓል ዕሽሽ ኢልካ ኣይትሕለፎ። (ምሳሌ 27:12) እዚ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥም ግድላት ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ ኵነታት እውን ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዝሰማማዕ ጽሑፍ ምረጽ እሞ: ብዛዕብኡ ነታ ስድራቤት ኣቐዲምካ ኣፍልጣ።
13. ንድኽነት ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ከም ዘሎካ ናይ ስድራቤት ምምይያጥ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
13 ከም ኣብነት ንምውሳድ: ዝዓበየ ክፋል ምድሪ ኣብ ድኽነት ኢዩ ዘሎ፣ ስለዚ ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት ነዚ ብኸመይ ከም ዝዋጽእሉ ምምይያጥ የድልዮ ይኸውን። ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ህሉው ኵነታትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ስርዓትን ዘተኰረ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ምግባር ንስድራቤትካ ምጠቐማዶ፧—ምሳሌ 21:5፣ መክብብ 9:11፣ እብራውያን 13:5, 6, 18
14. እታ ስድራቤት ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ዓመጽን ውግእን ክርስትያናዊ ገለልትነትን ዘለዎ ኣረኣእያ ኣልዒላ ንኽትመያየጥ እዋናዊ ክገብሮ ዝኽእል ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዩ፧
14 ካልእ ምምይያጥ ዘድልዮ ኣርእስቲ ዓመጽ ኢዩ። ኵላትና ኣረኣእያ የሆዋ ኣብ ኣእምሮናን ኣልባብናን ከም ዝሰርጽ ክንገብር የድልየና። (ዘፍጥረት 6:13፣ መዝሙር 11:5) ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዝምልከት ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥም ላግጺ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ: ከም ካራተ ዝኣመሰለ ናይ ርእሰ-ምክልኻል ታዕሊም ምውሳድ የድሊ ድዩ ኣየድልን: ከምኡውን ብቑዕ ምዝንጋዕ ብኸመይ ከም እትመርጽ እትመያየጠሉ መድረኽ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዓመጽ ዝመልኦ ባእሲ ልሙድ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ፣ ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናይ ሓድሕድ ውግእ: ፖለቲካዊ ወይ ዓሌታዊ ምቅትታል: ወይ ከኣ ብጕጅለ ዝግበር ባእሲ ዝኣመሰለ መዓት ወሪድዋ ኢዩ ዘሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ስድራቤትካ ንሓድሕዶም ብዝባኣሱ ጕጅለታት ተኸቢባ ከላ ክርስትያናዊ ጠባይ ብኸመይ ከም እትዕቅብ ምምይያጥ የድልያ ይኸውን።—ኢሳይያስ 2:2-4፣ ዮሃንስ 17:16
15. ብዛዕባ ጾታን መርዓን ዝምልከት መምርሒ ንቘልዑ ክወሃብ ዝግባእ ብኸመይ ኢዩ፧
15 ቈልዑ እናዓበዩ ብዝኸዱ መጠን: ብዛዕባ ጾታን መርዓን ምስ ዕድሚኦም ዝሰማማዕ መምርሒ የድልዮም ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ባህልታት መብዛሕትኦም ወለዲ ብዛዕባ ጾታ ምስ ውሉዳቶም ፈጺሞም ኣይመያየጡን ኢዮም። ቈልዑ እዚ ሓበሬታ እዚ እንተድኣ ዘይተዋሂብዎም ካብ ካልኦት መንእሰያት ዘይጥዑይ ሓሳባት ክሰምዑ ይኽእሉ ኢዮም: ፍሪኡ ድማ ኣዕናዊ ክኸውን ይኽእል። ነቲ ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ቀጥታውን ላዛ ዘለዎን ምኽሪ ዝሃበና የሆዋ ክንቀድሖ ዝሓሸዶ ኸይኰነ፧ ኣምላኻዊ ምኽሪ ንደቅና ክብረቶም ክሕልዉን ንኣንጻር ጾታ ድማ ብኣኽብሮት ክርእይዎምን ይሕግዞም። (ምሳሌ 5:18-20፣ ቈሎሴ 3:5፣ 1 ተሰሎንቄ 4:3-8) ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ድሮ ተመያይጥኩምሉ እኳ እንተዀንኩም ደጊምኩም ንምምይያጥ ኣይትሰከፉ። ሓድሽ ኵነታት በብዝተላዕለሉ ግዜ ምድግጋም ኣድላዪ ኢዩ።
16. (ሀ) ኣብ እተፈላለየ ኣባይቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መዓስ ኢዩ ዝግበር፧ (ለ) ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ንኸይትገብር ዝዓናቕፍ ነገራት ብኸመይ ተዋጺእካሉ፧
16 ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መዓስ ኢዩ ክግበር ዝከኣል፧ ብዙሓት ስድራቤታት ነቲ ስድራ ቤትኤል ዝገብርዎ ኣብነት ብምቕዳሕ ናይ ስድራቤት መጽናዕተን ኵሉ ግዜ ሰኑይ ምሸት ኢየን ዝገብርኦ። ንኻልኦት ስድራቤታት ግን ኣብዚ ግዜ እዚ ኣይጥዕመንን ኢዩ። ኣብ ኣርጀንቲና ን9 ውሉዳት ሓዊስካ 11 ኣባላት ዘለዉዋ ስድራቤት: ናይ ስድራቤት መጽናዕቶም ክገብሩ ስርዓታውያን ኰይኖም ንግሆ ንግሆ ሰዓት ሓሙሽተ ይትስኡ። እተፈላለየ ናይ ስራሕ መደባት ስለ ዘለዎም ካልእ ግዜ ኣይጥዕሞምን ኢዩ። ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ ኣብ ኣእምሮን ልብን ናይቶም ቈልዑ ኣድላይነት ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ተኺሉሎም ኢዩ። ኣብ ፊሊፕንስ ሓደ ሽማግለ ምስ ሰበይቱን ምስቶም ሰለስተ ደቁን ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ነበሮ። ኣብ መንጎ ሰሙን ከኣ እቶም ወለዲ ደቆም ንሓቂ ናታቶም ምእንቲ ክገብርዋ ምስ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ይገብሩ ነበሩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓንቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ዘለዋ ሓብቲ ንግሆ ንግሆ ንደቃ ናብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣውቶቡስ ተሰንዮም። ኣውቶቡስ እናተጸበዩ ኸለዉ ንዓሰርተ ደቂቕ ዝኸውን ሓቢሮም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፍ ተጠቒሞም ይመያየጡ: ድሕሪኡ እታ ኣደ ደቃ ኣብ ኣውቶቡስ ቅድሚ ምስቃሎም ሓጺር ጸሎት ትገብረሎም። ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ: ንስድራቤቱ ጠንጢኑ ዝኸደ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ዝነበራ ሓንቲ ሓብቲ ብዙሕ ትምህርቲ ስለ ዘይብላ ኣብ መጽናዕቲ ኣበርቲዓ ክትጽዕር ኣድለያ። ዓቢ ወዳ ሰሙን ሰሙን ነታ ስድራቤት እናበጽሐ መሪሕነት ወሲዱ ምስ ኣዲኡን ምስቶም ንኣሽቱ ኣሕዋቱን ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ይገብር። እታ ኣደ ተጊሃ ብምድላው ሰናይ ኣብነት ትዀኖም። ኣብ ቤትካ ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ንኸይትገብር ዝዓናቕፍ ገለ ኵነታት ኣሎዶ፧ ኣይትተሓለል። ስርዓታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ንምግባር ኣብ እትገብሮ ጻዕርታት ተጊህካ በረኸት የሆዋ ድለ።—ማርቆስ 11:23, 24
ካብ ዘይምሕላል ዝርከብ ዓስቢ
17. (ሀ) ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ንምግባር ዘድሊ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብመገድታት የሆዋ ዝወሃብ ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ዘለዎ ጥቕሚ ዘጕልሓልና እንታይ ተመክሮ ኢዩ፧
17 ውጥን ምውጻእ ኣድላዪ ኢዩ። ዘይምሕላል እውን ይሓትት። ይኹን እምበር ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ብምግባር ዝርከብ ረብሓታት ብዙሕ ኢዩ። (ምሳሌ 22:6፣ 3 ዮሃንስ 4) ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ፍራንትስን ሂልዳን 11 ቈልዑ ኢዮም ኣዕብዮም። ዓመታት ጸኒሓ ጓሎም ማግዳሊና ከምዚ በለት:- “ሎሚ እቲ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኢዩ ኢለ ዝግምቶ ነገር: ገለ መንፈሳዊ መምርሒታት ከይተቐበልና ዝሓለፍናሉ ሓንቲ መዓልቲ እውን ዘይምንባራ ኢዩ።” ኣብቲ ውዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒት ዝነበረሉ ግዜ ኣዶልፍ ሂትለር: ኣቦ ማግዳሊና ነቲ ክመጽእ ይኽእል ኢዩ ዝበሎ ፈተናታት ንስድራቤቱ ምእንቲ ከዳልዎም መጽሓፍ ቅዱስ ይጥቀም ነበረ። ድሕሪ ገለ ግዜ እቶም ንኣሽቱ ኣባላት ስድራቤት ተታሕዙ እሞ ኣብ መአረሚ ቤት ትምህርቲ ተወስዱ። ካልኦት ኣባላት እታ ስድራቤት ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርትን መዳጎኒ ደምበታትን ኣተዉ። ገሊኣቶም ከኣ ተሳቐዩ። ኵላቶም ጽንዕቲ እምነት ነበረቶም: ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ድማ እምነቶም ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ስደት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት እውን ቀጺላ ኢያ።
18. ንጽል ወለዲ ዝገበርዎ ጻዕሪ ዓስቢ ዝረኸበ ብኸመይ ኢዩ፧
18 ብዙሓት ንጽል ወለድን እቶም ዘይኣመንቲ ብጾት ዘለዉዎምን ንደቆም ስርዓታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ይህብዎም ኢዮም። ሓንቲ ኣብ ህንዲ እትነብር ንጽል ኣደ: ንደቃ ፍቕሪ የሆዋ ምእንቲ ክትሃንጸሎም ኣበርቲዓ ትጽዕር ነበረት። ወዳ ምስ ህዝቢ የሆዋ ዝነበሮ ሕብረት ምስ ኣቋረጸ ግን ጐሃየት። ንወዳ ኣብ ምልምማድ ዘርኣየቶ ዝዀነ ይኹን ጕድለታት የሆዋ ይቕረ ክብለላ ሓተተቶ። ወዳ ግን ነቲ እተማሃሮ ፈጺሙ ኣይረስዖን። ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ጸኒሑ ናብ ቤት የሆዋ ተመልሰ እሞ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ገይሩ ናይ ጉባኤ ሽማግለ ዀነ። ሕጂ ንሱን ሰበይቱን ናይ ምሉእ ግዜ ፓይነራት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። እቶም ኣብ ውሽጢ ዓንኬል ስድራቤት ስርዓታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ክህቡ ካብ የሆዋን ማሕበሩን ንእተዋህቦም ምኽሪ ዘቕልብሉ ወለዲ ክንደይ መመስገንቲ ኰን ኢዮም! ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ቤትካ ብግብሪ ተርእዮዶ ኣሎኻ፧
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ሸቶና እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧
◻ እንታይ መምሃሪ መሳርሒታት ኢዩ ተዳልዩልና ዘሎ፧
◻ እቲ መጽናዕቲ ምስቲ ንስድራቤት ዘድልያ ነገር ኣሰማሚዕካ ክቐርብ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ንጹር ሸቶታት ምግባር ንናይ ስድራቤት መጽናዕትኹም ከም ዝምዕብል ክገብሮ ይኽእል ኢዩ