ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
እቲ ታቦት ኪዳን ነተን ክልተ ጽላት እምኒ ጥራይ ድዩ ሒዙ ነይሩ ወይስ ካልእ ነገራት እውን ኣብኡ ነይሩ እዩ፧
እታ ሰሎሞን ዝሰርሓ ቤተ መቕደስ ብ1026 ቅ.ክ. ክትውፈ ኸላ: “ኣብቲ ታቦት ብዘይ እተን ሙሴ ኣብ ሆሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ጽላት ገለ ኻልእ ኣይነበረን: እዚ በቲ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል: ንሳቶም ካብ ግብጺ ምስ ወጹ: ኪዳን ዝአተወሉ ጊዜ ዀነ።” (2 ዜና መዋእል 5:10) እዚ ማለት ግን እቲ ታቦት ኵሉ ግዜ ኸምዚ እዩ ነይሩ ማለት ኣይኰነን።
“ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ” ናብ በረኻ ሲና መጹ። (ዘጸኣት 19:1, 2) ብድሕርዚ: ሙሴ ናብ ከረን ሲና ደይቡ ነተን ክልተ ጽላት ሕጊ ተቐበለ። “ተመሊሰ ኸኣ ካብቲ ኸረን ወረድኩ: ነተን ጽላት ድማ ኣብቲ ዝገበርክዎ ታቦት ኣንበርክወን። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዘኒ ኸኣ ኣብኡ ተነብራ” በለ። (ዘዳግም 10:5) እዚ ታቦት እዚ እቲ የሆዋ ንሙሴ ነተን ጽላት ሕጊ ኣብኡ ንኬቐምጦ ኢሉ ኺሰርሖ ዝኣዘዞ ግዜያዊ ታቦት ወይ መቐመጢ እዩ ነይሩ። (ዘዳግም 10:1) እቲ ታቦት ኪዳን ግን ክሳዕ መወዳእታ 1513 ቅ.ክ. ኣይተዳለወን ነይሩ።
እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ኻብ ዚወጹ ብዙሕ ከይጸንሑ ንምግቢ ብዚምልከት ኬጕረምርሙ ጀመሩ። ስለዚ: የሆዋ ማና ሃቦም። (ዘጸኣት 12:17, 18፣ 16:1-5) ሽዑ ሙሴ ንኣሮን “ኣቕሓ ኣምጺእካ ናብኡ ሓደ ጎመር ምሉእ ማና ኣእቱ: ንውሉድ ወለዶኹም ኪዕቈር ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንብሮ” ብምባል ኣዘዞ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “ኣሮን ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ: ኪዕቈር ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር [ኣድለይቲ ሰነዳት ዚቕመጠሉ መዝገብ] ኣንበሮ” ይብል። (ዘጸኣት 16:33, 34) ዋላኳ ኣሮን ኣብቲ ፍዮ እተወሰነ ማና እንተ ኣቐመጠ: ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ንምቕማጡ ግን ሙሴ ነቲ ታቦት ክሳዕ ዚሰርሖን ነተን ጽላት ኣብኡ ኽሳዕ ዜቐምጠንን ኪጸንሕ ነበሮ።
ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ: እቲ ታቦት ኪዳን ኣብ መወዳእታ 1513 ቅ.ክ. እዩ ተሰሪሑ። ጸኒሕካ ድማ ቆራሕን ካልኦትን ድሕሪ ምዕላዎም: በትሪ ኣሮን ኣብቲ ታቦት ከም እትቕመጥ ተገብረት። ሃዋርያ ጳውሎስ “ማና ዝሐዘት ፍዮ ወርቅን ዝጠጥዔት ዘንጊ ኣሮንን ጽላት ኪዳንን” ዝሓዘ “ታቦት ኪዳን” ከም ዝነበረ ጠቂሱ ኣሎ።—እብራውያን 9:4
እቲ ማና: እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ን40 ዓመት ይጐዓዙ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣምላኽ ዝገበረሎም ምድላው እዩ ነይሩ። ብድሕርዚ “እኽሊ እታ ምድሪ [ተስፋ]” ኺበልዑ ምስ ጀመሩ እዚ ምድላው እዚ ኣቋረጸ። (እያሱ 5:11, 12) በትሪ ኣሮን ኣብቲ ታቦት ኪዳን እተቐመጠት ነቶም ዓመጸኛታት ወለዶ ኸም ምስክር ወይ ከኣ ከም መርትዖ ንኽትከውን እዩ ነይሩ። እዚ ድማ እታ በትሪ ኽሳዕ መወዳእታ እቲ ናይ በረኻ ጕዕዞ ተቐሚጣ ኸም ዝነበረት ዚሕብር እዩ። እምበኣር: እስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ ድሕሪ ምእታዎምን ቅድሚ ሰሎሞን ነታ ቤተ መቕደስ ምውፋዩን ኣብ ዝነበረ ግዜ: እታ ናይ ኣሮን በትርን እቲ ፍዮ ወርቅን ካብቲ ታቦት ኪዳን ከም ዘልገሰ ምድምዳም ርትዓዊ እዩ።