ተቐያያሪ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት
ቀትሪ ምድሪ ፋኑስ ሒዙ ቕኑዕ ሰብ ንኺረክብ ኣናድዩ ኸም ዝሰኣነ ብኣፈ-ታሪኽ ይንገረሉ እዩ። ስሙ ድዮጀነስ ዚበሃል ኰይኑ: ኣብ ራብዓይ ዘመን ቅ.ክ. ኣብ ኣቴንስ ዚነብር ዝነበረ ፈላስፋ እዩ።
እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣፈ-ታሪኽ ሓቅነቱ ኺረጋገጽ ዚከኣል ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: ሎሚ ድዮጀነስ ብህይወት እንተ ዚነብር ነይሩ: ብስነ-ምግባር ዚመላለሱ ውልቀ-ሰባት ንምርካብ ዝያዳ እንተ ዘሸግሮ ኣይመገረመናን። ሰባት እተወሰነ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኪህልዎም ይግባእ ዚብል ሓሳብ ብሓያሎ ተቐባልነት ዚስእን ዘሎ እዩ ዚመስል። ኣብ ብሕታዊ ህይወት: ኣብ መንግስቲ: ኣብ ሞያ: ኣብ ስፖርት: ኣብ ማሕበረሰብ ንግዲ: ከምኡውን ኣብ ካልእ መዳያት ስነ-ምግባር ከም እተጣሕሰ ብተደጋጋሚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እንሰምዖ ነገር እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወለዶታት ኣኽቢርካ ዚርአ ዝነበረ ስርዓታት: ሕጂ ኣይክበርን እዩ። ቈይሙ ዝነበረ መለክዒታት እንደገና ይግምገምን መብዛሕትኡ ግዜ ይንጸግን ኣሎ። ገሊኡ ስርዓታት ከኣ ብኽልሰ-ሓሳብ እኳ ኣኽቢርካ ዚርአ እንተ ዀነ: ብግብሪ ግን ኣይዕየየሉን እዩ።
ኣላን ዎልፍ ዚበሃል ሃይማኖታዊ ስነ-ማሕበረኛ: “ሓባራዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዝነበረሉ እዋን ሓሊፉ እዩ” በለ። “ሰባት ነቲ ልምድታትን ማሕበራትን ብስነ-ምግባራዊ መዳይ ንኺመርሖም ዝነበሮም እምነት ከም ሎሚ ገይሮም ኣጥፊኦምዎ ኣይፈልጡን” ከም ዝበለ እውን ተጠቒሱ ኣሎ። ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ እትበሃል ጋዜጣ: ብዛዕባ ዝሓለፈ 100 ዓመት ሓሳብ ክትህብ ከላ: ጆናታን ግሎቨር ዚበሃል ፈላስፋ ኸም እተዓዘቦ: ሃይማኖትን ሓፈሻዊ ተቐባልነት ዘለዎ ስነ-ምግባራዊ ሕግታትን እናደኸመ ይኸይድ ምህላዉ: ዓለምለኻዊ ዓመጻ ንኼስፋሕፍሕ ዓብዪ ግደ ኣበርኪቱ እዩ።
ይኹን እምበር: ኣብቲ ሓፈሻዊ ተቐባልነት ዘለዎ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዚርአ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ: ንገሊኦም ሰባት ኪስዕብዎ ዚደልዩ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ካብ ምንዳይ ከም ዘቋርጹ ኣይገበሮምን። ቅድሚ ሒደት ዓመታት: ላዕለዋይ ሓላፊ ዩኔስኮ ዝነበረ ፈደሪኮ ማዮር: “ስነ-ምግባር ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣብ ዓለም ኣገዳሲ ዀይኑ” ኸም ዘሎ ገለጸ። እንተዀነ ግን: ዓለም ጽቡቕ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ክትቅበል ዘይምኽኣላ: ክንቅበሎ እንኽእልን ክንቅበሎ ዚግብኣናን ጥዑይ ስርዓታት የልቦን ማለት ኣይኰነን።
እሞ ደኣ ዅሎም ሰባት ኣየናይ መለክዒታት ከም ዚቕበሉ ኺሰማምዑ ይኽእሉ ድዮም፧ ከም ዘይክእሉ ርኡይ እዩ። ቅኑዕን ጌጋን እዚ እዩ ኢልና ንምልካዕ እንሰማምዓሉ ስርዓታት እንተ ዘየልዩ ደኣ እሞ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ንስርዓታት ብኸመይ ኪግምግሞ ይኽእል፧ ሎሚ ስነ-ምግባራዊ ተዛማድነት: ማለት ስነ-ምግባራዊ መለክዒ ኸከም ሰቡ ዚቀያየር ጌርካ ምርኣይ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ኰይኑ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ንስነ-ምግባር ብሓፈሻ ኸም ዘየመሓየሾ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ።
ፖል ጆንሰን ዚበሃል ብሪጣንያዊ ጸሓፍ ታሪኽ: እዚ ኣብ ተዛማድነት እተመርኰሰ ፍልስፍና: ነቲ ቕድሚ መበል 20 ዘመን ዝነበረ “ሰባት ብብሕቲ ዚስምዖም ዝነበረ ልዑል ሓላፍነት: ከምኡውን ነቲ ዝሰረተን ውድዓዊ ሓቅነት ዘለዎን ስነ-ምግባራዊ ሕግታት . . . ኣብ ምድኻም” ከም ዝሓገዘ ይኣምነሉ እዩ።
እሞ ደኣ “ውድዓዊ ሓቅነት ዘለዎ ስነ-ምግባራዊ ሕግታት” ወይ ብ“ሓፈሻዊ ተቐባልነት ዘለዎ ስነ-ምግባራዊ ሕግታት” ምርካብ ይከኣል ድዩ፧ ንህይወትና ዜረጋግእ: ንመጻኢ ኸኣ ተስፋ ዚዀነና ግዜ ዘይድርቶን ዘይቀያየርን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኪህበና ዚኽእል ስልጣን ኣሎ ድዩ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት ክትምልሶ እያ።