“ንቤት እስራኤል ዝሀነጻ” ዝጨነቐን ኣሓት
ወጋሕታ እናቐረበ ምስ ከደ: ልያ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸም እትቃላዕ ፈሊጣ ነበረት። እቲ ኣብ ሕቝፉ ደቂሳቶ ዝነበረ ያእቆብ: እታ ምንኣሳ ሓብታ ራሄል ዘይምዃና ኺፈልጥ እዩ። ኣቦኣ ብዝሃባ መምርሒ: ገጻ ሸፊና ለይቲ ምሉእ ኣብቲ ያእቆብን ራሄልን ምስ ተመርዓዉ ኪዀኖም እተዳለወ ዓራት ደቂሳ ኣሕለፈቶ።
ብርሃን ወጋሕታ ነቲ ሓቂ ምስ ኣውጽኦ: ያእቆብ ከመይ ከም እተሰምዖ እሞ ገምቶ! ንላባን ኣቦ ልያ ብቝጥዓ ተዛረቦ። ሽዑ ልያ ብዛዕባ እቲ ንሳ ኣብቲ ምትላል ዝነበራ ግደን ብዛዕባ እቲ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዜሕድረላ ጽልዋታትን ትሓስብ ነይራ ትኸውን። ታሪኽ ልያን ራሄልን ክፍሊ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ሓደ ንሓንቲ ምምርዓውን ኣብ ኪዳንካ እሙን ምዃንን ጥበባዊ ኸም ዝዀነ ድማ የረድኣና።
ናብቲ ዔላ ዝመጸ ጋሻ
ሸውዓተ ዓመት ኣቐዲሙ: ራሄል ኣብቲ ዔላ ዘመዳ ምዃኑ ዝነገራ ጋሻ ኸም ዘጓነፋ ንኣቦኣ ንምንጋር ናብ ቤታ እናጐየየት ከደት። እቲ ጋሻ ድማ እቲ ወዲ ኣሞኣን ኣምላኺ የሆዋን ዝዀነ ያእቆብ ነበረ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ: ያእቆብ ንራሄል ሰበይቱ ኽትኰኖ ምእንቲ ኽትወሃቦ: ንላባን ሸውዓተ ዓመት ኪግዝኦ ሓሳብ ኣቕረበ። ላባን: ወዲ ሓብቱ ኽሳዕ ክንደይ ጻዕራም ምዃኑ ስለ ዝረኣየ: ምስ ኣዝማድካ ምውሳብ እውን ልሙድ ስለ ዝነበረ: ነቲ ዝቐረበሉ ሓሳብ ተቐበሎ።—ዘፍጥረት 29:1-19
ያእቆብ ንራሄል ዝነበሮ ፍቕሪ ሓላፊ ስምዒት ኣይነበረን። እተን ንዓኣ ተሓጽዩ ዘሕለፈን ሸውዓተ ዓመት: “ንእኣ ብምፍታው . . . ከም ሒዶት መዓልቲ ዀይነን ተራእያኦ።” (ዘፍጥረት 29:20) ያእቆብ ክሳዕ ዚመውት ንራሄል የፍቅራ ምንባሩ: ንሳ ዚፍቶ ባህርያት ከም ዝነበራ ዚሕብር እዩ።
ልያኸ እሙን ኣምላኺ የሆዋ ኽትምርዖ ተስፋ ገይራ ነይራ ድያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣይሕብረናን እዩ። ላባን ብዛዕባ ንዓኣ ምምርዓው ዝነበሮ ሓሳባት ግን ብንጹር ተመዝጊቡልና ኣሎ። ኣብ መወዳእታ እቲ ራሄል ተሓጽያትሉ ዝነበረት እዋን: ላባን ምሳሕ ገበረ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ: ምሸት ምስ ኰነ ግን: ንልያ ናብ ያእቆብ “ኣእተዋ: ንሱ ኸኣ ናብኣ አተወ።”—ዘፍጥረት 29:23
ልያ ንያእቆብ ኣብ ምትላል ተሓባቢራ ድያ፧ ወይስ ንኣቦኣ ኽትእዘዝ ጥራይ እያ ተገዲዳ፧ ራሄልከ ኣበይ ነይራ፧ እንታይ ይግበር ከም ዝነበረ ትፈልጥዶ ነይራ፧ ትፈልጥ እንተ ነይራ: ከመይ ተሰሚዑዋ፧ ኣቦኣ ተሪር ብምንባሩ ኽትቃወሞ ዘይትኽእል ድያ ነይራ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኣይህብን እዩ። ራሄልን ልያን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዝነበረን ሓሳብ ብዘየገድስ: ጸኒሑ እቲ ተንኰል ንያእቆብ ኣቘጢዕዎ እዩ። ያእቆብ: “ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኰንኩን እተገዛእኩኻ፧ ስለምንታይ ደኣ ጠበርካኒ፧” ኢሉ ቝጥዓኡ ዝገለጸ ድማ ንላባን ደኣ እምበር: ንኣዋልዱ ኣይኰነን። ላባን እንታይ ኢሉ መለሰሉ፧ “ኣብ ሃገርና ንእሽቶ ቕድሚ እታ በዅሪ ምሃብ: ከምኡ ኣይግበርን እዩ። ናይ እዚኣ ሰሙን መልእ እሞ ስለ እቲ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ካልእ ሾብዓተ ዓመት እትግዝኦ መግዛእቲ: እቲኣ ድማ ንህበካ” በሎ። (ዘፍጥረት 29:25-27) በዚ ኸምዚ ያእቆብ ከይተፈለጦ ልዕሊ ሓንቲ ሰበይቲ ኣእተወ: እዚ ድማ ኣብ ስድራቤቱ መሪር ቅንኢ ኣሕደረ።
ሓጐስ ዘይብላ ስድራቤት
ያእቆብ ንራሄል ፈተዋ። ኣምላኽ ድማ ልያ ብተዛማዲ ኸም “እተጸልኤት” ምስ ረኣየ: ማሕጸና ኸፈተላ: ራሄል ከኣ ገና መኻን ነበረት። ልያ ግን ውሉድ ጥራይ ኣይኰነን ዜድልያ ዝነበረ: ይእቆብ ኪፈትዋ እያ እትደሊ ነይራ። ራሄል ዝያዳኣ ኸም እትፍቶ ስለ ዝረኣየት: ጨኒቕዋ ነበረ። ኰይኑ ግን: ንያእቆብ እቲ ሮቤል እተባህለ “ርአ: ወዲ!” ዝትርጕሙ ስም ዝወጸሉ በዅሪ ወዲ ስለ ዝወለደትሉ: ኪፈትዋ ትጽቢት ገበረት። ልያ ነዚ ስም እዚ ዘውጽኣትሉ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ: “እግዚኣብሄር መከራይ ርእዩ እዩ እሞ: ሕጅስ ሰብኣየይ ኪፈትወኒ እዩ” በለት። ያእቆብ ግን ኣብቲ ግዜ እቲ ዀነ ድሕሪኡ ኻልኣይ ወዲ ምስ ወለደትሉ ኣይፈተዋን። ልያ ነቲ ኻልኣይ ወዳ ስምኦን ኣውጽኣትሉ: ትርጕሙ ኸኣ “ሰምዐ” እዩ። “እግዚኣብሄር ከም እተጸላእኩ ሰሚዑ እዩ እሞ: እዚ ድማ ሀበኒ” ኸኣ በለት።—ዘፍጥረት 29:30-33
ኣምላኽ ንልያ ሰሚዑዋ ኺበሃል ከሎ: ንሳ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ጸልያ ነይራ ማለት እዩ። እምንቲ ሰበይቲ ዝነበረት እያ እትመስል። ኰይኑ ግን: ነቲ ሌዊ እተባህለ ሳልሳይ ወዳ ድሕሪ ምውላዳ እውን ስቓያ ኣይጠፍአን። ልያ ነቲ “ለገበ” ወይ “ሓበረ” ዚብል ትርጕም ስም ወዳ ኣብቲ: “ሰለስተ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞ: ሕጅስ ሰብኣየይ ኣባይ ኪለግብ እዩ” ዚብል ቃላታ ገሊጻቶ ኣላ። ያእቆብ ግን ናብኣ ዝቐረበ ዀይኑ ኸም ዘይተሰምዖ ርኡይ እዩ። ምናልባት ልያ ነቲ ራብዓይ ወዳ ምስ ወለደት: ምስ ያእቆብ ዝሓሸ ርክብ ኪህልዋ ዚእምት ስም ዘየውጽኣትሉ: ነቲ ዅነታት ናተይ ኢላ ስለ እተቐበለቶ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ኣብ ክንዳኡ: ይሁዳ ኢላ ምስማያ ንኣምላኽ ዘለዋ ምስጋና ዚገልጽ እዩ ነይሩ። “ይሁዳ” ዚብል ስም “እተመስገነ” ወይ “ምስጉን” ማለት እዩ። ልያ ብሓጺሩ: “ሕጂ ንእግዚኣብሄር ኤመስግኖ” በለት።—ዘፍጥረት 29:34, 35
ልያ ጨኒቕዋ እኳ እንተ ነበረ: ራሄል እውን ካብዚ ዚሓይሽ ስምዒት ኣይነበራን። ንያእቆብ: “ውሉድ ሀበኒ: እንተ ዘይኰነስ እመውት አሎኹ” በለቶ። (ዘፍጥረት 30:1) ራሄል ብያእቆብ እትፍቀር እኳ እንተ ነበረት: ውሉድ ግን ደለየት። ልያ ድማ ውሉዳት ነበርዋ: ፍቕሪ ግን ትደሊ ነበረት። ነፍሲ ወከፈን ነቲ እታ ኻልእ ዘለዋ ይደልያ ነበራ: ክልቲአን እውን ሕጉሳት ኣይነበራን። ክልቲእን ንያእቆብ የፍቅራኦ ነበራ: ውሉዳት ድማ ኪወልዳሉ ደለያ። ንሓድሕደን ይቀናንኣ ነበራ። ከመይ ዝበለት እተሕዝን ስድራቤት ኰን እያ ነይራ!
ራሄል ውሉዳት ረኺባዶ፧
ኣብቲ ግዜ እቲ ውሉድ ዘይምውላድ ከም ወጽዓ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ኣምላኽ ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን: ካብ ቤተሰቦም ንዅሎም ዓሌታት ምድሪ ዚባርኽ “ዘርኢ” ኼፍሪ ምዃኑ ነጊርዎም ነበረ። (ዘፍ. 26:4፣ 28:14) ራሄል ግን ገና ውሉድ ኣይነበራን። ያእቆብ ንራሄል ካብዚ በረኸት እዚ ተኻፋሊት ንኽትከውን ዜኽእላ ውሉዳት ኪህባ ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ተዛረባ። ኰይኑ ግን: ራሄል ትዕግስታ ተወዲኡ ነበረ። “እንሃ: ቢልሃ ግዝእተይ: ንሳ ኣብ ብርከይ ክትወልድ: ብእኣ ድማ ኣነ ኽፋረ: ናብኣ እቶ” በለቶ።—ዘፍጥረት 30:2, 3
ራሄል ዝገበረቶ ነገር ንምርዳኡ ዜጸግም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ኣብ ብምሉኡ ቐረባ ምብራቕ እተረኽበ ጥንታዊ ቓል ኪዳናት ከም ዚሕብሮ: ሓንቲ መኻን ሰበይቲ ወራሲ ምእንቲ ኽትረክብ ኢላ ንሰብኣያ ግዝእታ ምሃብ ልሙድ ነበረ።a (ዘፍጥረት 16:1-3) ኣብ ገሊኡ መዳያት: ደቂ እታ ግዝእቲ: ከም ደቂ እታ ሰበይቲ ጌርካ ይረኣዩ ነበሩ።
ቢልሃ ወዲ ምስ ወለደት: ራሄል ብታሕጓስ: “ኣምላኽ ፍትሒ ኣውጺኡለይ: ቃለይ ሰሚዑውን ወዲ ሂቡኒ” በለት። ስሙ ዳን ኣውጽኣትሉ: ትርጕሙ ድማ “ዳኛ” ማለት እዩ። ንሳ እውን ብዛዕባ ዅነታታ ጸልያ ነይራ። ቢልሃ ኻልኣይ ወዲ ምስ ወለደት: ራሄል ነቲ ወዲ ንፍታሌም ማለት “ቅልሰይ” ዚብል ስም ኣውጽኣትሉ። “ቅልስ ኣምላኽ ምስ ሓብተይ ተቓሊሰ ሐየልኩ” ድማ በለት። እቲ ዘውጽኣቶ ስማት ነቲ ኣብ መንጎ እዘን መወዳደርቲ ዝነበረ ቓልሲ ዚገልጽ እዩ።—ዘፍጥረት 30:5-8
ራሄል ንያእቆብ: ቢልሃ ሰበይቱ ኽትኰኖ ኽትህቦ ኸላ ምስ ጸሎታ ተሰማሚዓ እትዓዪ ዘላ ዀይኑ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ውሉዳት ዚህበሉ መገዲ ግን እዚ ኣይነበረን። ካብዚ እንረኽቦ ትምህርቲ ኣሎ። ንየሆዋ ኽንልምኖ ኸለና: ትዕግስትና ኽንውድእ የብልናን። ጸሎትና ብዘይ ተጸበናዮ መገዲ: ኣብ ዘይተጸበናዮ ግዜ ኺምልሰልና ይኽእል እዩ።
ልያ ምእንቲ ኸይትስነፍ ኢላ ዚልጳ ግዝእታ ንያእቆብ ሃበቶ። ንሳ ድማ ፈለማ ንጋድ: ድሕሪኡ ንኣሴር ወለደት።—ዘፍጥረት 30:9-13
ሮቤል ወዲ ልያ ምልዖ ምስ ረኸበ: ነቲ ኣብ መንጎ ራሄልን ልያን ዝነበረ ቓልሲ ዜጕልሕ ሓደ ኣጋጣሚ ተፈጥረ። እቲ ምልዖ ንጥንሲ ዚሕግዝ ጌርካ ይእመነሉ ነበረ። ራሄል ካብኡ እተወሰነ ኺወሃባ ምስ ሓተተት: ልያ ብምረት: “ሰብኣየይ ዝወሰድክለይዶ ንእሽቶ ነገር እዩ፧ ምልዖ ወደይ እንዶ ድማ ክትወስዲ፧” በለታ። ገሊኦም ሰባት እዚ ቓላት እዚ: ያእቆብ ካብ ምስ ልያ: ምስ ራሄል ዜሕልፎ ግዜ ይነውሕ ከም ዝነበረ ዚሕብር ገይሮም እዮም ዚወስድዎ። ምናልባት ራሄል ነቲ ልያ ዘማረረትሉ ዅነታት ስለ እተረድአት: “እሞ ኣብ ክንዲ ምልዖ ወድኺ እዛ ለይቲ እዚኣ ምሳኺ ይደቅስ” ኢላ መለሰትላ። ስለዚ: ያእቆብ በታ ምሸት እቲኣ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ: ልያ: “ብምልዖ ወደይ ዐዲገካ እየ እሞ: ናባይ ኢኻ እትአቱ” በለቶ።—ዘፍጥረት 30:15, 16
ልያ: ይሳኮርን ዛብሎንን እተባህሉ ሓምሻይን ሻድሻይን ኣወዳት ወለደት። ድሕሪኡ: “ሕጂ ሹድሽተ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞ ደጊም ሰብኣየይ ምሳይ ኪነብር እዩ” በለት።b—ዘፍጥረት 30:17-20
እቲ ምልዖ ንራሄል ኣይጠቐማን። ራሄል ንሽዱሽተ ዓመት ተመርዕያ ድሕሪ ምጽናሓ ጠኒሳ ንዮሴፍ ክትወልድ ዝኸኣለት: የሆዋ ስለ ‘ዝዘከራን’ ማሕጸና ስለ ዝኸፈተላን እዩ። ሽዑ ኸኣ እያ ራሄል: “ኣምላኽ ሕስራነይ ኣርሐቐ” ኽትብል ዝኸኣለት።—ዘፍጥረት 30:22-24
ሞትን ውርሻን
ራሄል ነቲ ብንያም እተሰምየ ኻልኣይ ወዳ ኽትወልድ ከላ ሞተት። ያእቆብ ንራሄል ብሓቂ የፍቅራ ነበረ: ነቶም ክልተ ደቃ ድማ ኣብሊጹ ይፈትዎም ነበረ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ሞቱ ምስ ቀረበ: እታ ዜፍቅራ ራሄል ከም ዝሞተቶ ዘከረ። (ዘፍጥረት 30:1፣ 35:16-19፣ 48:7) ብዛዕባ ሞት ልያ ግን: ያእቆብ ኣብታ ንሱ እውን ኪቕበረላ ዚደልያ በዓቲ ኸም ዝቐበራ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ እንፈልጦ ነገር የልቦን።—ዘፍጥረት 49:29-32
ያእቆብ ምስ ኣረገ: ምሉእ ህይወቱ: እንተላይ ንቤቱ ዚምልከት ጕዳያት ጭንቂ ዝመልኦ ምንባሩ ገለጸ። (ዘፍጥረት 47:9) ንልያን ራሄልን ህይወት ጨኒቕወን ምንባሩ እውን ዜጠራጥር ኣይኰነን። እምበኣር እቲ ተመክሮታትን: ነቲ ኻብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ምእታው ዜምጽኦ ዜሕዝን ሳዕቤን ዜጕልሕ: የሆዋ ንሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ኽትህልዎ ዝገበረሉ ምኽንያት ከኣ ዜብርህ እዩ። (ማቴዎስ 19:4-8፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:2, 12) ሓደ ሰብኣይ ወይ ሓንቲ ሰበይቲ ንጾታዊ ተገዳስነቶም ኣብ ሓደ ሰብ: ማለት ኣብ መጻምድቶም ጥራይ እንተ ዘይገይሮምዎ: ቅንኢ እዩ ዚለዓል። ኣምላኽ ምንዝርን ዝሙትን ዝኸልከለሉ ሓደ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ።—1 ቈረንቶስ 6:18፣ እብራውያን 13:4
ዝዀነ ዀይኑ: ኣምላኽ ብዘይፍጹማት ሰብኡትን ኣንስትን ተጠቒሙ ዕላማኡ ምፍጻም ቀጸለ: ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ። እተን ክልተ ኣሓት ድኽመታት ነበረን: ንሕና እውን ኣሎና። የሆዋ ግን በዘን ኣንስቲ እዚኣትን ኣቢሉ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ዕላማ ኺፍጽም ጀሚሩ ነበረ። ብሓቂ እምበኣር ራሄልን ልያን “ንቤት እስራኤል ዝሀነጻ” ኺበሃላ ይግብአን እዩ።—ሩት 4:11
[እግረ-ጽሑፋት]
a ሓደ ኣብ ኑዚ: ዒራቕ: እተረኽበ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቓል ኪዳን ከምዚ ይንበብ:- “ከሊም-ኒኑ ንሸኒማ ሰበይቱ ኽትኰኖ ተዋህበቶ። . . . ከሊም-ኒኑ እንተ ዘይወሊዳ: ካብ ሃገር ሉሉ ንሸኒማ ሰበይቲ [ግዝእቲ] ኸተምጽኣሉ እያ።”
b ካብ ኣዋልድ ያእቆብ ብስማ እንፈልጣ ዲና ጥራይ እያ።—ዘፍጥረት 30:21፣ 46:7
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ልያን ራሄልን: ነፍሲ ወከፈን ነቲ እታ ኻልእ ዘለዋ ይደልያ ነበራ: ክልቲአን እውን ሕጉሳት ኣይነበራን
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ህዝቢ እስራኤል ካብቶም 12 ደቂ ያእቆብ ወጹ