ንዝናም ኣመስግነሉ
ዝናም እንተ ዘይህሉ እንታይ ምዀንና፧ ልክዕ እዩ፡ ዝናም ኣመና እንተ በዚሑ፡ ዕልቕልቕ እዩ ዚፈጥር። ቍርን ዝናምን ኣብ ዝበዝሖ ክሊማ ወይ ወቕትታት ዚነብሩ ሰባት እውን፡ ዝናም ዘይፈትዉሉ እዋናት ኪህሉ ይኽእል እዩ። (እዝራ 10:9) እቶም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሃሩርን ደረቕ ኵነታት ኣየርን ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ግን ከመይ እዩ ዚስምዖም፧ ኣብ መወዳእታ ዝናም ምስ መጸ፡ ብሓቂ እዩ ባህ ዚብሎም!
ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ሚስዮናዊ ዕዮኡ ዝዓየየሉ ኸም ውሽጣዊ ኽፋል ንእሽቶ እስያ ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት፡ ዝናም ይፍቶ ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ነቶም ጥንታውያን ሊቃኦንያውያን፡ “[ኣምላኽ] ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሐደገን” በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 14:17) ብዘይ ዝናም ዋላ ሓንቲ ኺበቍልን “ዘመን ፍርያት” ኪህሉን ስለ ዘይክእል፡ ጳውሎስ ፈለማ ንዝናም ምጥቃሱ ኣስተብህል።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዝናም ብዙሕ ይገልጽ እዩ። እተን ንዝናም ዜመልክታ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት፡ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሳዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ይርከባ። ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ውህበት ዝዀነ ዝናም ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ እግረ-መገድኻ እውን፡ ኣብ ስነ-ፍልጠታዊ ልክዕነት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ እምነት ከተደልድል ትደሊዶ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዝናም ዚገልጾ ነገር
የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ዝናም ንኺዘንም ዜድሊ ኣገዳሲ ነገር ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣቦኹም . . . ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ” በለ። (ማቴዎስ 5:45) ንዝናም ቅድሚ ምጥቃሱ፡ ንጸሓይ ከም ዝጠቐሰ ኣስተብሂልካሉዶ፧ ጸሓይ ንኣትክልቲ ዜድሊ ሓይሊ ኣብ ርእሲ ምሃባ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዑደት ማይ እውን ስለ እተንቀሳቕሶ፡ ከምኡ ምባሉ ሓቁ እዩ። እወ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዳርጋ 400,000 ኩቦ ኪሎ ሜተር ማይ ባሕሪ ናብ ጽሩይ ማይ ከም ዚሃፍፍ ዚገብር፡ እቲ ኻብ ጸሓይ ዚምንጭው ሙቐት እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ንጸሓይ ስለ ዝፈጠራ፡ ዝናም ንኼዝንም ኢሉ ንማይ ናብ ላዕሊ ኸም ዚስሕቦ ጌርካ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንዑደት ማይ ከምዚ ኢሉ ይጠቕሶ፦ “ኣምላኽ . . . ንነጥብታት ማይ ንላዕሊ ይስሕቦ፡ ካብ ግመ ኸኣ ዝናም ይዘንም። ደበናታት የንጠብጥቦ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ሰብውን የፍስሶ።” (እዮብ 36:26-28) እዚ ብስነ-ፍልጠት ልክዕ ዝዀነ ቓላት ካብ ዚጸሓፍ ኣትሒዙ ኣብ ዝነበረ ኣሽሓት ዓመታት፡ ሰብ ንዑደት ማይ ንኺርድኦ ብዙሕ ጽዒሩ እዩ። መምሃሪ መጽሓፍ 2003 ዝዀነት ዎተር ሳይንስ ኤንድ ኢንጅነሪንግ (ስነ-ፍልጠት ማይን ምህንድስናን) እትበሃል መጽሓፍ፡ “ኣብዚ እዋን እዚ፡ ንጣብ ማይ ብኸመይ ከም ዚቐውም ብርግጽ ኣይፍለጥን እዩ” በለት።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ክሳዕ ሕጂ ዝፈለጥዎ ነገር፡ ነጠብጣብ ማይ በቲ ኣብ ደበና ንዘሎ ግመ ዜቕውም ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ኪርአ ዚኽእል ነገር ዚስራሕ ምዃኑ እዩ። ነፍሲ ወከፍ እቲ ኣብ ግመ ዘሎ ደቀቕቲ ነጠብጣብ፡ ሓደ ሚልዮን ሳዕ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ብምዕባይ፡ ከም ዝናም ኰይኑ ዚወቅዕ ንጣብ ማይ ይኸውን። እዚ ድማ እተወሰነ ሰዓታት ኪወስድ ዚኽእል እተሓላለኸ መስርሕ እዩ። ስነ-ፍልጠታዊ መምሃሪ መጽሓፍ ዝዀነት ሃይድሮሎጂ ኢን ፕራክቲስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣብ ደመና ዘሎ ደቀቕቲ ነጠብጣብ ብኸመይ ናብቲ ዝናም ኰይኑ ዚወርድ ነጠብጣብ ከም ዚዓቢ እተፈላለየ ኽልሰ-ሓሳባት ኣሎ፡ ብዛዕባ እቲ ዚቐርብ ዝርዝር ሜላታት ዚግበር መጽናዕትታት እውን ኣቓልቦ ተመራመርቲ ይስሕብ ኣሎ” በለት።
እቲ ንመስርሕ ዝናም ዝገበረ ፈጣሪ ነቲ ኣገልጋሊኡ ዝነበረ እዮብ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣቕረበሉ፦ “ንዝናምዶ ኣቦ ኣልይዎ፧ ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶኸ መን እዩ፧ ንጥበብ ናብ ውሽጢ ዘንበራ መን እዩ፧ . . . ንደበናታት ብጥበብ ዚቘጽሮም መን እዩ፧ ነሕርብቲ ሰማይ ዜፍስሶምከ መን እዩ፧” (እዮብ 38:28, 36, 37) ድሕሪ 3,500 ዓመት፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ነዚ ኣጸጋሚ ሕቶታት እዚ መልሲ ንኺረኽቡሉ ገና ይቃለሱ እዮም ዘለዉ።
ዑደት ማይ ናበየናይ ኣንፈት እዩ ዚዘውር፧
ምንጪ ወሓዚ ማያት፡ ካብ ባሕሪ ብትሕቲ መሬት ኣቢሉ ናብ ርእሲ ኣኽራን ጽሩይ ኰይኑ ዚፍልፍል ማይ ደኣ እምበር፡ ዝናም ከም ዘይኰነ፡ ፈላስፋታት ግሪኽ ይምህሩ ነበሩ። ሓደ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ዚህብ ጽሑፍ፡ ሰሎሞን ከምኡ ዓይነት ሓሳብ ከም ዝነበሮ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ሰሎሞን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝጸሓፎ ቓላት ከምዚ ይብል፦ “ውሒዝ ዘበለ ዅሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ፡ ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልእን። ወሓይዝ ናብቲ ዚኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ።” (መክብብ 1:7) ሰሎሞን ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ማያት ባሕሪ ምንጪ ወሓይዝ ንምዃን ብትሕቲ ኣኽራን ኣቢሉ ይጐዓዝ ማለቱ ድዩ ነይሩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ደቂ ዓዱ ብዛዕባ ዑደት ማይ እንታይ ይኣምኑ ኸም ዝነበሩ እስከ ንርአ። ግጉይ ሓሳባት ድዩ ነይርዎም፧
ካብቲ ሰሎሞን ዝነበረሉ ሓደ ሚእቲ ኣብ ዘይመልእ ዓመታት፡ ኤልያስ ዚበሃል ነብዪ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዝናም ዚመጸሉ ኣንፈት ዘለዎ ፍልጠት ሓቢሩ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብታ ሃገር ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ብርቱዕ ድርቂ ዀይኑ ነበረ። (ያእቆብ 5:17) ህዝቢ ኣምላኽ ንየሆዋ ሓዲጎም፡ ነቲ ናይ ዝናም ኣምላኽ ዚብልዎ ከነኣናውያን ዜምልኽዎ ዝነበሩ በዓል ዚበሃል ጣኦት ኬምልኹ ስለ ዝጀመሩ፡ የሆዋ ነዚ መዓት እዚ ኣምጸኣሎም። ኤልያስ ግን ንእስራኤላውያን ንኺንስሑ ሓገዞም፡ ድሕሪኡ ድማ ዝናም ንኺዘንም ኪጽልየሎም ፍቓደኛ ዀነ። ኪጽሊ ኸሎ፡ ንጊልያኡ፡ “ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ” ኢሉ መምርሒ ሃቦ። እቲ ጊልያኡ፡ “ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደበና ኻብ ባሕሪ ትለዐል አላ” ምስ በሎ፡ ጸሎቱ ኸም እተመለሰ ፈለጠ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ “እቲ ሰማይ ብደበናን ብሸምቦባን ጸልመተ፡ ብርቱዕ ዝናም ከኣ ዀነ።” (1 ነገስት 18:43-45) ስለዚ፡ ኤልያስ ብዛዕባ ዑደት ማይ ይፈልጥ ምንባሩ ኣርኣየ። ደበናታት ካብ ባሕሪ ኸም ዚለዓልን ብንፋስ ተደፊኡ ንምብራቕ ገጹ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ዚመጽእን ይፈልጥ ነበረ። ክሳዕ ሎሚ፡ እታ ሃገር በዚ ኸምዚ እያ ዝናም እትረክብ።
ካብቲ ኤልያስ ዝናም ንኺዘንም ዝጸለየሉ ሓደ ሚእቲ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ኣሞጽ ዚበሃል ትሑት ሓረስታይ ብዛዕባ ምንጪ ዑደት ማይ ኣገዳሲ ዝርዝር ነገር ኣጕሊሑ ኣሎ። እስራኤላውያን ንድኻታት ይጭቍኑን ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ የምልኹን ስለ ዝነበሩ፡ ኣሞጽ ካብ ኣምላኽ ተላኢኹ ኣንጻሮም ተነበየ። ብኢድ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጠፍኡ፡ “ንእግዚኣብሄር ድለዩ፡ ብህይወት ድማ ክትነብሩ ኢኹም” ኢሉ ተማሕጸኖም። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ፡ ንሱ በይኑ ጥራይ ኪምለኽ ከም ዘለዎ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንማያት ባሕሪ ዚጽውዖ፡ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኽዕዎ” በለ። (ኣሞጽ 5:6, 8) ጸኒሑ ኣሞጽ ብዛዕባ ዑደት ማይን ኣንፈቱን ነዚ ዜደንቕ ሓቂ እዚ ደጊሙ ጠቒስዎ ኣሎ። (ኣሞጽ 9:6) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ውቅያኖሳት ቀንዲ ምንጪ ዝናም ምድሪ ምዃኑ ሓበረ።
ነዚ ሓቂ እዚ ብስነ-ፍልጠታዊ መገዲ ዘረጋገጾ፡ ኤድመንድ ሃሊ ብ1687 እዩ። ኰይኑ ግን፡ ካልኦት ነቲ ሃሊ ዘቕረቦ መርትዖ ንኪቕበልዎ ግዜ ወሲዱሎም እዩ። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኦንላይን፡ “ማያት ባሕሪ ናብ ርእሲ ኣኽራን ከይዱ ዚፍልፍለሉ ስርዓተ ዙረት ኣብ ውሽጢ ምድሪ ኸም ዘሎ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ክሳዕ መጀመርታ መበል 18 ዘመን ቀጺሉ እዩ” ይብል። ሎሚ፡ እዚ ብዛዕባ ኣንፈት ዑደት ማይ ዚገልጽ ሓቂ፡ ብብዙሓት ዚፍለጥ እዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ምንጪ ጽሑፍ፡ “ማያት ባሕሪ ይሃፍፍ፡ ኣብ ውሽጢ ሃዋህው ይድስክል፡ ዝናም ኰይኑ ናብ ምድሪ ይዘንም፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ባሕሪ ይውሕዝ” ኢሉ ይገልጽ። እምበኣር፡ እቲ ኣብ መክብብ 1:7 ተመዝጊቡ ዘሎ ሰሎሞን ብዛዕባ ዑደት ዝናም እተዛረቦ ቓላት፡ ነዚ ንደበናን ዝናምን ዜጠቓልል መስርሕ ከም ዜመልክት ንጹር እዩ።
እዚ እንታይ ንኽትገብር ኪድርኸካ ኣለዎ፧
እተፈላለዩ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዑደት ማይ ብልክዕ ኪገልጽዎ ምኽኣሎም፡ ሓደ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ፈጣሪ ደቂ ሰብ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ዚሕብር ሓያሎ ዜደንቕ መርትዖታት እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ሓቂ እዩ፡ ሰብ ንምድሪ ብግቡእ ዘይሕዛ ብምዃኑ፡ ኵነታት ኣየር ሚዛኑ ስሒቱ ኣሎ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ዕልቕልቕ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ድርቂ ይኸውን ኣሎ። ፈጣሪ እቲ ዑደት ማይ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ግን፡ ኣብ መወዳእታ ኢዱ ኸም ዜእቱን ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኸም ዜጥፍኦምን’ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ተመባጺዑ ነይሩ።—ራእይ 11:18።
ክሳዕ ሽዑ ግን፡ ነቲ ኸም ዝናም ዝኣመሰለ ውህበት ኣምላኽ ከመይ ጌርካ ሞሳኻ ኽትገልጽ ትኽእል፧ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን፡ ነዚ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ድሒንካ ናብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ንኽትኣቱ ተስፋ ኺህልወካ እዩ፣ ኣብኡ ድማ ንዅሉ ውህበት ኣምላኽ ንዘለኣለም ከተስተማቕሮ ኢኻ። እወ፡ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ካብቲ ምንጪ ዝናም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዩ።—ያእቆብ 1:17።
[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ዝናም
ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ማይ
ውሒዝ
ድስካለ
ካብ ኣትክልቲ ዚወጽእ ህፈት
ህፈት
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ኤልያስ ኪጽሊ ኸሎ፡ ጊልያኡ “ናብ ባሕሪ” ኣቢሉ ኣማዕደወ