ንኣምላኽ ቅረቦ
“ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ”
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ።” (ራእይ 4:8) መጽሓፍ ቅዱስ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ፡ ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ንጽህናን ጽሬትን ዜጠቓልል ቅድስና የሆዋ ይገልጾ። ኣምላኽ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ብሓጢኣት ኪረክስ ኣይክእልን እዩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ እቶም ዘይፍጹማት ሰባት ምስቲ ኣዝዩ ቕዱስ ዝዀነ ኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ርክብ ኪህልዎም ኣይክእልን እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ነቲ ኣብ ዘለዋውያን ምዕራፍ 19 ተገሊጹ ዘሎ ተስፋ ዝሓዘለ ቓላት እስከ ንመርምር።
የሆዋ ንሙሴ፡ “ንብዘለዉ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ተዛረብ” በሎ። እቲ ቐጺሉ እተዛረቦ ቓላት ነቲ ህዝቢ ብምሉኡ ዚምልከት እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሙሴ ብዛዕባ እንታይ እዩ ኺዛረቦም፧ ኣምላኽ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ኣነ [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳት ኩኑ” በለ። (ቍጽሪ 2) ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ቕዱስ ኪኸውን ነበሮ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ዘይኰነስ ትእዛዝ እያ እትህብ። ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ፈጺሙ ዘይከኣል ነገር ኪግበር ድዩ ዚሓትት ዘሎ፧
የሆዋ ብዛዕባ ቕድስናኡ ኺዛረብ ከሎ፡ ከም ኪብጻሕ ዘለዎ መለክዒ ዘይኰነስ፡ ከም ምኽንያት እቲ ትእዛዝ ገይሩ ኸም ዝጠቐሶ ኣስተብህል። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሆዋ ነቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ዘይፍጹማት ኣምለኽቱ ማዕሪኡ ቕዱሳት ኪዀኑ ኣይኰነን ነጊርዎም። ከምኡ ምግባር ፈጺምካ ዘይከኣል እዩ። ከመይሲ፡ እቲ “ቕዱስ” ዝዀነ የሆዋ፡ ብቕድስና ዝመጸ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ እዩ። (ምሳሌ 30:3) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ቕዱስ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ዘይፍጹማት ኣምለኽቱ እውን ክሳዕ ዚከኣሎም ቅዱሳት ኪዀኑ እዩ ዚደልዮም። በየናይ መዳያት እዮም ግን ቅዱሳት ኪዀኑ ዚኽእሉ፧
የሆዋ ንእስራኤላውያን ቅዱሳት ኪዀኑ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ንዅሉ መዳያት ህይወት ዚትንክፍ ብቕዓታት ብሙሴ ኣቢሉ ሃቦም። ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ንወለድን ንኣረጋውያንን ግቡእ ኣኽብሮት ኬርኢ፡ (ቍጽሪ 3, 32) ንጽሙምን ንዕዉርን ንድኻን ኪሓሊ፡ (ቍጽሪ 9, 10, 14) ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎ ርክብ እሙንን ዘየዳሉን ኪኸውን፡ (ቍጽሪ 11-13, 15, 35, 36) ከምኡውን ንብጻዩ ኸም ርእሱ ገይሩ ኺፈቱ (ቍጽሪ 18) ትጽቢት ይግበረሉ ነበረ። እስራኤላውያን ነዝን ነቲ እተዋህቦም ካልእ ስርዓታትን ብምሕላው፡ ‘ንኣምላኾም ቅዱሳት ኪዀኑ’ ይኽእሉ ነበሩ።—ዘሁልቍ 15:40።
እቲ ንቕድስና ዚምልከት ትእዛዝ፡ ንኣተሓሳስባን መገድታትን የሆዋ ኣምላኽ ከም እነስተውዕሎ ይገብረና። ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኪህልወና እንተ ደሊና፡ ምስቲ ቕዱስ ስርዓታቱ ተሰማሚዕና ንምምልላስ ዚከኣለና ኽንገብር ከም ዘለና ድማ ይምህረና። (1 ጴጥሮስ 1:15, 16) ነዚ ስርዓታት እዚ ምስ እንሕሉ፡ ዝበለጸ ህይወት ኪህልወና ይኽእል እዩ።—ኢሳይያስ 48:17።
እቲ ቕዱሳት ንኽንከውን እተዋህበና ትእዛዝ፡ የሆዋ ኣብ ኣምለኽቱ ምትእምማን ከም ዘለዎ እውን ዜርኢ እዩ። የሆዋ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ፈጺሙ ኣይጽበየናን እዩ። (መዝሙር 103:13, 14) ብመልክዑ እተፈጠርና ኸም ምዃንና መጠን፡ ብእተወሰነ ደረጃ ቕድስና ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ኸም ዘለና ይፈልጥ እዩ። (ዘፍጥረት 1:26) እሞኸ ናብቲ ቕዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብኸመይ ብዝያዳ ኽትቀርብ ከም እትኽእል ንኽትመሃር ተተባቢዕካዶ፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ቅድስና ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ኣለና