መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
ሓደ ህይወቱ ኣብ ሞተር ብሽክለታን ሓሽሽን ስፖርትን ኣተኵሩ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኪኸውን ዝመረጸ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ብምጥላዕ ዚናበር ዝነበረ ሰብኣይ ካብ ወልፉ ናጻ ዀይኑ ጥዑይ ስራሕ እናሰርሐ ንስድራ ቤቱ ኺድግፎም ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ዝዓበየት ሰበይቲ፡ ንእተወሰነ እዋን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ኣቋሪጻ እኳ እንተ ነበረት፡ እንደገና ንህይወታ ኽትምርምር ዝደረኻ እንታይ እዩ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ።
ሓጺር ታሪኽ ህይወት
ስም፦ ቴረንስ ኦብራየን
ዕድመ፦ 57
መበቈል ሃገር፦ ኣውስትራልያ
ታሪኽ፦ ሓሽሽ ዚወስድን ሞተር ብሽክለታ ዚፈቱን
ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ኲንስላንድ ዝዀነት ዕምርቲ ኸተማ ብሪዝበን እየ ዓብየ። ስድራ ቤተይ ካቶሊክ እኳ እንተ ነበሩ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ምስ ኰንኩ ግን ናብ ቤተ-ክርስትያን ምኻድ ኰነ ብዛዕባ ሃይማኖት ምዝርራብ ሓደግናዮ። ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከለኹ፡ ስድራ ቤትና ናብታ ኣብ ኣውስትራልያ እትርከብ ጎልድ ኮስት ገዓዘት። ኣብ ገማግም ባሕሪ ንነብር ስለ ዝነበርና፡ ንቝልዕነተይ ብምሕምባስ እየ ኣሕሊፈዮ።
ይኹን እምበር፡ ቍልዕነተይ ዜሐጕስ ኣይነበረን። ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከለኹ፡ ኣቦይ ጠንጢኑና ኸደ። ኣደይ ድማ እንደገና ተመርዓወት፣ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኸኣ ካብ ገዛና ኣልኮላዊ መስተን ቈየቛን ተፈልዩ ኣይፈልጥን። ሓደ ምሸት፡ ወለደይ ድሕሪ ምቍያቖም፡ ኣብ ዓራተይ ኮፍ ኢለ፡ ‘እንተ ተመርዕየ ምስ ሰበይተይ ፈጺመ ኣይቋየቝን እየ’ ኢለ ቓል ኣተኹ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቤትና ጸገም እኳ እንተ ነበረ፡ እታ ንሽዱሽተ ቘልዑን ንኣደይን ንሰብኣይ ኣደይን እተጠቓልል ስድራ ቤትና ኣይተበታተነትን።
ኰተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ መብዛሕትኦም መዛኖይ ንሰበ-ስልጣን ኪቃወሙ ጀመሩ። ማሪዋናን ትምባኾን ሓሽሽን ይወስዱ፡ ኣልኮላዊ መስተ ድማ ብብዝሒ ይሰትዩ ነበሩ። ኣነ እውን ምስ ናይ መዛኖይ ዚመሳሰል ዓይነት ህይወት እነብር ነበርኩ። ሞተር ብሽክለታ ምዝዋር እውን እፈቱ ነይረ እየ። ብተደጋጋሚ ኸቢድ ሓደጋ እኳ እንተ ኣጋጠመኒ፡ ንሞተር ብሽክለታ ዝነበረኒ ፍቕሪ ግን ኣይነከየን፣ ንብምልእታ ኣውስትራልያ ብሞተር ብሽክለታ ኽዞራ ኸኣ ወሰንኩ።
ብዙሕ ናጽነት እናሃለወኒ ኽነሱ፡ ኵነታት ዓለምን መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ ጸገማት ደቂ ሰብ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይግደሱን ክርኢ ኸለኹ፡ ኣዝየ እጭነቕ ነበርኩ። ብዛዕባ ኣምላኽን ሃይማኖትን ኵነታት ዓለምን እቲ ሓቂ ኽፈልጥ ድማ እደሊ ነበርኩ። ንኽልተ ኻህናት ካቶሊክ ምስ ሓተትክዎም ግን በቲ ዝሃቡኒ መልሲ ኣዝየ ጐሃኹ። ነዚ ጕዳይ እዚ ምስ እተፈላለዩ ናይ ፕሮተስታንት ኣገልገልቲ እኳ እንተ ተዘራረብኩሉ፡ ንሳቶም ዝሃቡኒ መልሲ እውን ዜሕዝን እዩ ነይሩ። ሓደ ዓርከይ ግን ምስ ኤዲ ዝስሙ ናይ የሆዋ ምስክር ኣራኸበኒ። ምስ ኤዲ ኣርባዕተ ግዜ ተመያየጥና፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምይይጥ ከኣ ንሕቶታተይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መለሰለይ። ካብታ መጀመርታ እተመያየጥናላ እዋን ኣትሒዘ፡ ሓደ ፍሉይ ነገር ከም ዝረኸብኩ ኣስተውዓልኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ኣነባብራይ ክቕይር ዘሎኒ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን።
መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ንኣውስትራልያ ኽዞራ ኸለኹ፡ ምስ ሓደ ኣብ መገዲ ዝረኸብክዎ ኻልእ ናይ የሆዋ ምስክር ተመያየጥኩ። ናብ ኲንስላንድ ምስ ተመለስኩ ግን ንሽዱሽተ ወርሒ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይተራኸብኩን።
ሓደ መዓልቲ፡ ካብ ስራሕ ናብ ገዛይ ክምለስ ከለኹ፡ ቦርሳ ዝሓዙን ብግቡእ እተኸድኑን ክልተ ሰብኡት ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ ረኣኽዎም፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ዝዀኑ ኢለ ድማ ሓሰብኩ። ናብኦም ከይደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ኣረጋገጽኩ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑለይ ከኣ ሓተትክዎም። ብኡንብኡ ናብ ኣኼባታት ክኸይድ ጀመርኩ፣ ኣብቲ ብ1973 ኣብ ሲድኒ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ እውን ተኻፈልኩ። ስድራ ቤተይ፡ ብፍላይ ከኣ ኣደይ፡ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ ግን ኣዝዮም ጐሃዩ። በዝን ብኻልእ ምኽንያታትን ድማ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረኒ ርክብ ኣቋረጽክዎ። ንሓደ ዓመት ዚኸውን ከኣ ነቲ ኣዝየ ዝፈትዎ ክሪከት ዚበሃል ጸወታ እናተጻወትኩ ኣሕለፍክዎ።
ኣብ መወዳእታ ግን፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ከለኹ ጥራይ ሕጉስ ከም ዝኸውን ተገንዘብኩ። እንደገና ምስኦም ተራኺበ ድማ ኣብ ኣኼባታት ክካፈል ጀመርኩ። ምስቶም ሓሽሽ ዚወስዱ ኣዕሩኸይ ንዝነበረኒ ምሕዝነት ከኣ ኣቋረጽክዎ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ እዮብ ዚበሃል ሰብኣይ ምስ ተመሃርኩ፡ ለውጢ ኽገብር ተደረኽኩ። ሓደ ቢል ዝስሙ ብዕድመ ዝደፍአ ሕያዋይ ግን ከኣ ጽኑዕ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ወትሩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓለይ ነበረ። ብዛዕባ ዛንታ እዮብ ኣጽኒዕና ምስ ወዳእና፡ ንኣምላኽ ብፍርቂ ልቢ ኸም ዜገልግል ገይሩ ሰይጣን ዚኸሶ ኻልእ ሰብ እንተ ኣልዩ ሓተተኒ። (እዮብ 2:3-5) ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ክዝርዝረሉ ኸለኹ ድማ ብትዕግስቲ፡ “እወ ሓቅኻ፡ ንዕኦም እውን ከሲስዎም እዩ” ኢሉ ይምልሰለይ ነበረ። ቀጺሉ ግን ዓይኒ ዓይነይ እናጠመተ፡ “ሰይጣን ንዓኻ እውን ይኸሰካ እዩ” በለኒ። ከምኡ ምስ በለኒ፡ ኣዝየ ሰንበድኩ። ቅድሚኡ፡ እቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ሰረተ-እምነት ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ ነይረ እየ። ኣብታ እዋን እቲኣ ግን፡ ነቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ኸም ዘሎኒ ተረዳእኩ። ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።
ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይመሃር ነይረ፡ ህይወተይ እንታይ ክትመስል ከም እትኽእል ክሓስቦ ኸለኹ ስኽሕክሕ እዩ ዚብለኒ። ምናልባት ብህይወት ኣይምሃለኹን። መብዛሕትኦም ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ብሰንኪ ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን ሞይቶም እዮም። ብዘይካዚ፡ ሓዳሮም ንፋስ ኣትይዎ ነበረ። ህይወተይ እውን ከምኡ ምዀነት ነይራ።
ሕጂ ሓዳር ገይረ ኣለኹ፣ ኣነን ማርጋሬት ሰበይተይን ከኣ ኣብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነገልግል ኣለና። ካብ ኣባላት ስድራ ቤተይ ንየሆዋ ዜምልኽ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ኰይኑ ግን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣነን ማርጋሬትን ምስ ብዙሓት ውልቀ-ሰባትን ልክዕ ከማይ ህይወቶም ምስ ዝለወጡ ሰብ ሓዳርን መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕና ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰና። እግረ መገድና ኸኣ ብዙሓት ጥዑያት ኣዕሩኽ ኣጥረና። ኣብ ርእሲኡ ድማ እታ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ዝዓበየት ማርጋሬት፡ ነቲ ቕድሚ 40 ዓመት ዝኣተኽዎ ቓል ንኽሕሉ ሓጊዛትኒ እያ። ንልዕሊ 25 ዓመት ሕጉስ ሓዳር ኣሕሊፍና ኢና። ወትሩ ንሰማማዕ ኢና ማለት እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ተቛይቚና ግን ኣይንፈልጥን ኢና። ሳላ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኢና ኸምዚ ኽንከውን ክኢልና።
ሓጺር ታሪኽ ህይወት
ስም፦ ማሳሂሮ ኦካባያሺ
ዕድመ፦ 39
መበቈል ሃገር፦ ጃፓን
ታሪኽ፦ ተጣላዓይ
ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ኻብ ናጎያ ብባቡር መገዲ ሰዓት ርሒቓ እትርከብ ኢዋኩራ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ እየ ዓብየ። ኣቦይን ኣደይን ኣዝዮም ሕያዎት እዮም ነይሮም። ደሓር ግን፡ ኣቦይ ኣባል እቲ ያኩዛ ዚበሃል ጭፍራ ዓዋሉ ኸም ዝነበረ ፈለጥኩ፣ ንስድራ ቤትና ድማ እናሰረቐ ይድግፋ ነበረ። መዓልታዊ ብዙሕ ይሰቲ ብምንባሩ፡ ኣነ ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ብሕማም ፌጋቶ ሞተ።
ኣቦይ ኮርያዊ ብምንባሩ፡ እቲ ማሕበረሰብ ኣድልዎ የውርደልና ነበረ። እዝን ካልእ ሽግራትን ከኣ ንቝልዕነተይ ኣጸጋሚ ገበሮ። ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እኳ እንተ ኣተኹ፡ ሓድሓደ ግዜ ጥራይ እየ ዝመሃር ነይረ፣ ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ኣቋረጽክዎ። ብፖሊስ ከም ገበነኛ እፍለጥን ብኣቦይ ኮርያዊ ብምንባረይን፡ ብቐሊሉ ስራሕ ክረክብ ኣይከኣልኩን። ኣብ መወዳእታ ስራሕ እኳ እንተ ረኸብኩ፡ ኣብ ብርከይ ሓደጋ ስለ ዘጋጠመኒ፡ ናይ ጕልበት ስራሕ ክሰርሕ ኣይክእልን እየ ነይረ።
ፓቺንኮ ዚበሃል እናተጣላዕካ ዚጽወት ጸወታ ብምጽዋት ገንዘብ እረክብ ነበርኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ምስ ሓንቲ ጥዑይ ስራሕ ክሰርሕን ክምርዓዋን ዝደለየት ጓል እነብር ነበርኩ። ኰይኑ ግን ብምጥላዕ ብዙሕ ገንዘብ እረክብ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣነባብራይ ክቕይር ኣይደለኹን።
መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ገዛይ መጺኡ፡ ህይወት—ብኸመይ መጺኡ፧ ብፍልቀትዶ ብፍጥረት፧ (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ መጽሓፍ ሃበኒ። ነዛ ሕቶ እዚኣ ቕድሚኡ ሓሲበላ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ይኹን እምበር፡ ነታ መጽሓፍ ድሕሪ ምንባበይ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽመሃር ተሰማማዕኩ። ኵሉ ግዜ፡ ምስ ሞትና እንታይ ከም ዜጋጥመና ኽፈልጥ እደሊ ነበርኩ። ብዛዕባ እዝን ብዛዕባ ኻልእ ጕዳያትን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር መልሲ ምስ ረኸብኩ፡ ካብ ኣዒንተይ ከም ቅራፍ ዝበለ ነገር ዝወደቐ ዀይኑ ተሰምዓኒ።
ነቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ኸም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ስለዚ ድማ ንመርዓይ ሕጋዊ ገበርክዎ፡ ሽጋራ ምትካኽ ኣቋረጽኩ፡ ነቲ ሕብሪ ለኽየዮ ዝነበርኩ ጸጕረይ ቈሪጸ ኸኣ ትርኢተይ ኣጽፈፍኩ፣ ምጥላዕ እውን ገደፍክዎ።
ነዚ ለውጥታት እዚ ምግባር ቀሊል ኣይነበረን። ንኣብነት፡ ብኽእለተይ ትምባኾ ኸቋርጽ ፈጺመ ኣይምኸኣልኩን። ብልባዊ ጸሎትን ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ብምውካልን ግን ከቋርጾ ኸኣልኩ። ፓቺንኮ ምስ ኣቋረጽኩ ዝረኸብክዎ ናይ መጀመርታ ስራሕ ብሓቂ በዳሂ ዀይኑኒ ነበረ። እቲ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ገንዘብ ካብቲ ተጣሊዐ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ገንዘብ ፍርቂ ኣቢሉ እዩ ነይሩ፡ እቲ ስራሕ ኸኣ ኣድካምን ዘጨንቕን ነበረ። ኣብቲ ኣሸጋሪ ዅነታት ዝሓገዘትኒ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፊልጲ 4:6, 7 እያ ነይራ። ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” እዚ መብጽዓ እዚ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣባይ ተፈጺሙ እዩ።
ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ፡ ሰበይተይ ኣይተሓጐሰትን። ነቲ ኣብ ኣካይዳይ ዝገብሮ ዝነበርኩ ዓብዪ ለውጢ ምስ ረኣየት ግን፡ ምሳይ ሓቢራ ኸተጽንዕን ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ኣኼባታት ክትካፈልን ጀመረት። ሕጂ ኽልቴና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና። ሓቢርና ንኣምላኽ ከነገልግሎ ብምኽኣልና ኣዚና ተባሪኽና ኢና።
መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ቅድሚ ምጅማረይ፡ ሕጉስ ዝነበርኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ሕጂ ግን ናይ ሓቂ ሓጐስ እንታይ ማለት ምዃኑ እፈልጥ እየ። ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕካ ምንባር ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ምዃኑ ርግጸኛ እየ።
ሓጺር ታሪኽ ህይወት
ስም፦ ኤሊዛቤት ጀይን ስኮፊልድ
ዕድመ፦ 35
መበቈል ሃገር፦ ዩናይትድ ኪንግደም
ታሪኽ፦ ኣብ ምዝንጋዕ ብዙሕ ግዜ እተጥፍእ
ሕሉፍ ህይወተይ፦ ካብ ግላስኮ፡ ስኮትላንድ ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ ሃርድገይት እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ እየ ዓብየ። ጓል ሸውዓተ ዓመት ከለኹ፡ እታ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ኣደይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምህረኒ ጀመረት። ጓል 17 ዓመት ምስ ኰንኩ ግን ብዝያዳ ምስ መማህርተይ ግዜ ኸሕልፍ ባህ ይብለኒ ነበረ። እዚ ኸኣ ናብ ለይታዊ ትልሂት ምኻድ፡ ሄቪ ሜታል ዚበሃል ሙዚቃ ምስማዕ፡ ከምኡውን ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ዜጠቓልል ነበረ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ፈጺመ ኣይሓስብን እየ ነይረ። ብሓጺሩ፡ ኣብ ምዝንጋዕ ብዙሕ ግዜ አጥፍእ ነበርኩ። ጓል 21 ዓመት ምስ ኰንኩ ግን እዚ ዅሉ ተቐየረ።
ንገለ ኻብቶም ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣዝማደይ ክበጽሕ ከድኩ። ኣብኡ ኸኣ ፕሮተስታንት ዚገብርዎ ኦሬንጅ ዎክ ዚበሃል ሰልፊ ረኣኹ። እቲ ሽዑ ኣብ መንጎ ፕሮተስታንትን ካቶሊክን ዚርአ ዝነበረ ጽልእን ምትህልላኽን ኣሰንበደኒ። ከም ዘገናዝብ ከኣ ገበረኒ። ነቲ ኣደይ ዝመሃረትኒ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘከርኩ፡ ኣምላኽ ነቶም ንፍቕራዊ ስርዓታቱ ዕሽሽ ዝብሉ ሰባት ስምረቱ ኸም ዘይህቦም ከኣ ተገንዘብኩ። ደድሕሪ ተድላ ጥራይ እጐዪ ኸም ዝነበርኩን ከምቲ ኣምላኽ ዚደልዮ ኣነባብራ እነብር ከም ዘይነበርኩን ተሰቈረኒ። ናብ ስኮትላንድ ምስ ተመለስኩ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣርዚነ ኽምርምር ድማ ወሰንኩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ኣብ ዓደይ እንደገና ኣብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተኻፈልኩ፡ ኣብ ፈለማ ኣዝየ ተሸቝረርኩ። ኰይኑ ግን፡ ኵሎም ብጽቡቕ ተቐበሉኒ። ነቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ምስ ጀመርኩ፡ ሓንቲ ኣዝያ ሕያወይቲ ኣባል እታ ጉባኤ ፍሉይ ተገዳስነት ኣርኣየትኒ። እንደገና ኽፍሊ እታ ጉባኤ ኸም ዝዀንኩ ንኽስምዓኒ ብሓቂ ሓጊዛትኒ እያ። እቶም ናይ ቀደም ፈተወተይ ከም ቀደሞም ናብ ለይታዊ ትልሂት ክኸይድ ይጽውዑኒ እኳ እንተ ነበሩ፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዐ ኽነብር ከም ዝቘረጽኩ ነገርክዎም። ኣብ መወዳእታኡ፡ ምሳይ ዝነበሮም ርክብ ኣቋረጹ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓደ ሕግታት ጥራይ ዝመልኦ መጽሓፍ ገይረ እየ ዝርእዮ ነይረ። ሕጂ ግን ኣረኣእያይ ቀይረ እየ። እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ከማይ ስምዒትን ድኽመትን ከም ዝነበሮም ገይረ ኽርእዮም ጀመርኩ። ንሳቶም እውን ጌጋታት ይገብሩ ነይሮም እዮም፡ ካብ ልቦም ኪንስሑ ኸለዉ ግን የሆዋ ኣምላኽ ይቕረ ይብለሎም ነበረ። ንእሽቶ ኸለኹ ንኣምላኽ ዝባነይ እኳ እንተ ሃብክዎ፡ ከሐጕሶ እንተ ጽዒረ፡ ይቕረ ኸም ዝብለለይ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸምክዎ ጌጋታት ከኣ ከም ዚርስዖ ምትእምማን ኣሕደርኩ።
ኣካይዳ ኣደይ እውን ኣዝዩ ተንኪፉኒ እዩ። ኣነ ንኣምላኽ እኳ እንተ ሓደግክዎ፡ ንሳ ግን ኣይሓደገቶን። እቲ ብቐጻሊ ዘርኣየቶ ተኣማንነት፡ ንየሆዋ ምግልጋል ዓስቢ ዘለዎ ምዃኑ ንኽግንዘብ ሓጊዙኒ እዩ። ብንእሽቶይ ምስ ኣደይ ካብ ቤት ናብ ቤት ክኸይድ ከለኹ፡ ሕጕስቲ ኣይነበርኩን፣ ንሰባት ንሰዓታት ዝኣክል ክሰብከሎም ኢለ ኸኣ ሓሲበዮ እኳ ኣይፈልጥን። ሕጂ ግን ነቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 6:31-33 እተመባጽዖ መብጽዓ ኽፍትኖ ወሰንኩ። የሱስ ከምዚ በለ፦ “እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። . . . ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።” ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ኻብ ዝጥመቕ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሐይ ኣቋሪጸ፡ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ጀመርኩ፣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ከኣ ኰንኩ።
ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ንእሽቶ ኣብ ዝነበርኩሉን ኣብ ምዝንጋዕ ብዙሕ ግዜ ኣብ ዘጥፍኣሉን ዝነበርኩ እዋን፡ ዓጊበ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ህይወተይ ባዶ ነበረት። ኣብዚ ሕጂ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዘሕልፎ ዘለኹ እዋን ግን ዕግበት ኣሎኒ። ህይወተይ ትርጕምን ዕላማን ኣለዋ። ሕጂ ምርዕውቲ እየ፡ ምስ ሰብኣየይ ከኣ ኣብ ሰሰሙን እተፈላለያ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሳኻኽር እናበጻሕና ነተባብዕ ኣሎና። ነዚ ዕዮ እዚ ኣብ ህይወተይ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ። የሆዋ ኻልኣይ ኣጋጣሚ ስለ ዝሃበኒ ኸኣ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ካብታ መጀመርታ እተመያየጥናላ እዋን ኣትሒዘ፡ ሓደ ፍሉይ ነገር ከም ዝረኸብኩ ኣስተውዓልኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ኣነባብራይ ክቕይር ዘሎኒ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን።”
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ብኽእለተይ ትምባኾ ኸቋርጽ ፈጺመ ኣይምኸኣልኩን። ብልባዊ ጸሎትን ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ብምውካልን ግን ከቋርጾ ኸኣልኩ።”
ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓደ ሕግታት ጥራይ ዝመልኦ መጽሓፍ ገይረ እየ ዝርእዮ ነይረ። ሕጂ ግን ኣረኣእያይ ቀይረ እየ። እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ከማይ ስምዒትን ድኽመትን ከም ዝነበሮም ገይረ ኽርእዮም ጀመርኩ።”