ንኣምላኽ ቅረቦ
‘ንገጽ የሆዋ ኣለውሀ’
ሓደ ነቲ ዝዓበየሉ መገዲ ኣምላኽ ሓዲጉ ዝነበረ ሰብ፡ ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ፡ “ዘይግብኣኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለ። ህይወቱ ንምቕያር ስጕምትታት ኪወስድ ምስ ጀመረ፡ ኣምላኽ ከቶ ይቕረ ኸም ዘይብሎ ዀይኑ ተሰምዖ። እዚ ኻብ ሓጢኣቱ እተነስሐ ሰብ እዚ ግን፡ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ 2 ዜና መዋእል 33:1-17 ዚርከብ ብዛዕባ ምናሴ ዚገልጽ ዛንታ ተስፋ ረኸበ። ንስኻ እውን ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበርካዮ ሓጢኣት ምሕረት ኣምላኽ ዘይግብኣካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ካብቲ ምናሴ ዘሕለፎ ተመክሮ መጸናንዒ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ምናሴ ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ዝነበራ ቤት እዩ ዓብዩ። ኣቦኡ ህዝቅያስ ሓደ ኻብቶም ብሉጻት ነገስታት ይሁዳ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ግዜ፡ ኣምላኽ ንህዝቅያስ ብተኣምራዊ መገዲ ዕድመ ወሰኸሉ፣ ምናሴ ድማ ካብቲ ግዜ እቲ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ጸኒሑ ተወልደ። (2 ነገስት 20:1-11) ህዝቅያስ ንወዱ ሳላ ምሕረት ኣምላኽ ከም ዝረኸቦ ውህበት ገይሩ ኸም ዝረኣዮን ፍቕሪ ናይ ንጹህ ኣምልኾ ኼሕድረሉ ኸም ዝጸዓረን ኣየጠራጥርን እዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ዚወልድዎም ውሉዳት ግን፡ ወትሩ ኣይኰኑን ኣሰር ወለዶም ዚስዕቡ። ምናሴ እውን ኣሰር ኣቦኡ ኣይሰዓበን።
ምናሴ፡ ኣቦኡ ኣብ ዚሞተሉ እዋን፡ ወዲ 12 ዓመት እዩ ነይሩ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።” (ቍጽሪ 1, 2) እዚ ንእሽቶ ዝነበረ ንጉስ፡ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ግዲ ብዘይብሎም ኣማኸርቲ ተጸልዩ ደዀን ይኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይገልጸልናን እዩ። ኣብ ጽዩፍ ኣምልኾ ጣኦትን ኣብ ናይ ጭካነ ተግባራትን ጥሒሉ ምንባሩ ግን ይነግረና እዩ። ምናሴ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ መሰውኢታት ኣቘመ፡ ንገዛእ ደቁ ሰውአ፡ ኣብ ሓተታ መናፍስቲ ተሳተፈ፡ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ከኣ ምስሊ ጣኦት ኣንበረ። ካብቲ ብተኣምሩ ኣቢሉ ንኺውለድ መገዲ ዝኸፈተሉ የሆዋ ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ዝመጾ መጠንቀቕታታት እውን ኣይሰምዐን።—ቍጽሪ 3-10።
ኣብ መወዳእታ፡ የሆዋ ንምናሴ ብሰንሰለት ተኣሲሩ ናብ ባቢሎን ከም ዚውሰድ ገበሮ። ምናሴ ድማ ተማሪኹ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዛዕባ መገዱ ንኺሓስብ ኣጋጣሚ ረኸበ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ልሙሳትን በድንታትን ጣኦታት ኸም ዘየዕቈብዎ ተረዲኢዎ ደዀን ይኸውን፧ እቲ ኻብቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኣቦኡ ብቝልዕነቱ እተማህሮ ትምህርቲ ተዘኪርዎ ደዀን ይኸውን፧ በዚ ይኹን በቲ፡ ልባዊ ለውጢ ገበረ። እቲ ጸብጻብ፡ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን ኣዝዩ ርእሱ ኣትሐተ። ናብኡ ኸአ ተማህለለ” ይብለና።a (ቍጽሪ 12, 13) እንተዀነ ግን፡ ክንድዚ ዚኣክል ከቢድ ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ኺረክብ ይኽእል ድዩ፧
የሆዋ በቲ ልባዊ ንስሓ ምናሴ ተተንከፈ። ነቲ ምሕረት ኪረክብ ዝገበሮ ልመና ሰምዖ፡ “ናብታ መንግስቱውን ናብ የሩሳሌም መለሶ።” (ቍጽሪ 13) ድሕርዚ፡ ምናሴ፡ ከም መርኣያ ንስሓኡ፡ ኣበሳኡ ንምእራም ዚከኣሎ ዘበለ ገበረ፣ ንጣኦታት ካብ ግዝኣቱ ኣጥፍአ፡ ንህዝቡ ኸኣ ‘ንየሆዋ ንኼገልግልዎ’ ኣዘዞም።—ቍጽሪ 15-17።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዝፈጸምካዮ ሓጢኣት ካብ ኣምላኽ ምሕረት ክትረክብ ዘይግብኣካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ በቲ ምናሴ ዘሕለፎ ተመክሮ ኽትተባባዕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ክፍሊ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ እዩ። (ሮሜ 15:4) የሆዋ፡ ንሱ “ንይቕሬታ ድልዊ” ምዃኑ ኽንፈልጥ ይደልየና እዩ። (መዝሙር 86:5) ኣብቲ ዚፍጸም ሓጢኣት ዘይኰነስ፡ ኣብ ኵነታት ልቢ እቲ ሓጢኣተኛ እዩ ዜተኵር። ብእተጸጸተ ልቢ ዚጽሊ፡ ሕማቕ መገዱ ዚሓድግ፡ ቅኑዕ ዘበለ እውን ኪገብር ዚጽዕር ሓጢኣተኛ፡ ከም ምናሴ፡ ‘ንገጽ የሆዋ ኼለውሆ’ ይኽእል እዩ።—ኢሳይያስ 1:18፣ 55:6, 7።
ንጥሪ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦
[እግረ-ጽሑፍ]
a ያንግስ ሊተራል ትራንስሌሽን ነዛ ሓረግ እዚኣ፡ “ንገጽ የሆዋ ኣምላኹ ኣለውሀ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።