‘ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ርእስኹም ሓልዉ’
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን፡ ንሱ ድማ ግብዝና፡ ርእስኹም ሐልዉ” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ሉቃ. 12:1) ብመሰረት እቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዘሎ ተመሳሳሊ ጸብጻብ፡ የሱስ ን“ትምህርቲ” ፈሪሳውያን እዩ ዚዅንኖ ነይሩ።—ማቴ. 16:12።
ሓድሓደ ግዜ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ን“ማይ ብሑቝ” ከም ምልክት ብልሽውና ገይሩ እዩ ዚጠቕሶ። ትምህርትታትን ኣረኣእያን ፈሪሳውያን እውን እንተ ዀነ፡ ነቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት የበላሽዎም ነይሩ እዩ። ትምህርትታት ፈሪሳውያን ሓደገኛ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
1 ፈሪሳውያን ይመጻደቑን ንተራ ሰባት ይንዕቅዎምን ነበሩ።
የሱስ ሓደ እዋን ብዛዕባ ምምጽዳቕ ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ ኣዘንትዩ ነበረ። ከምዚ ድማ በለ፦ “እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፤ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ አሎኹ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፤ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤመስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፤ ኣምላኸይ፡ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን።”—ሉቃ. 18:11-13።
የሱስ ነቲ እቲ ተጋዊ ወይ ኣካብ ቀረጽ ዘርኣዮ ትሕትና ብምንኣድ፡ “ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ [እቲ ኣካብ ቀረጽ] ሓለፋ እቲ [ፈሪሳዊ] ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም አሎኹ” በለ። (ሉቃ. 18:14) ኣከብቲ ቐረጽ ቀጠፍቲ እኳ እንተ ነበሩ፡ የሱስ ግና ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ኣከብቲ ቐረጽ ኪሕግዞም ይጽዕር ነበረ። እንተ ወሓደ ኽልተ ኣከብቲ ቐረጽ፡ ማለት ማቴዎስን ዘኬዎስን ሰዓብቱ ዀይኖም እዮም።
በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኽእለት ወይ ፍሉይ መሰል ወይ ከኣ ካልኦት ስለ ዝወደቑን ስለ ዝደኸሙን፡ ካብኦም እንበልጽ ኰይኑ ዚስምዓና እንተ ዀይኑ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ንኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ቐልጢፍና ኸነወግዶ ኣሎና፣ ከመይሲ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሐፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን” እዩ ዚብል።—1 ቈረ. 13:4-6።
ከም ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ። ንሱ፡ ‘ክርስቶስ የሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን መጸ’ በለ።—1 ጢሞ. 1:15።
ንምስትንታን ዚኸውን ሕቶታት፦
ሓጥእ ምዃነይን ድሕነተይ ኣብ ጸጋ የሆዋ ኸም ዚምርኰስን እግንዘብ ድየ፡ ወይስ በቲ ንነዊሕ እዋን ብተኣማንነት ዝገበርክዎ ኣገልግሎት፡ በቲ ኣብ ውድብ ኣምላኽ ዘሎኒ ፍሉይ መሰል፡ ወይ ከኣ በቲ ዘሎኒ ተውህቦ እጀሃር እየ፧
2 ፈሪሳውያን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኰይኖም ብዚገብርዎ ነገራት ንሰባት ኪምስጥዎም ይጽዕሩ ነበሩ። ተፈላጥነትን ማዕርግን ከኣ ይፈትዉ ነበሩ።
ይኹን እምበር፡ የሱስ፡ “ኵሉ ግብሮም፡ ሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩ። ክታባውቶም የግፍሑ፡ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ። ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ። ኣብ ዕዳጋ ኺሳለምዎም፡ ብሰብውን መምህራን ኪብሀሉ ይፈትዉ” ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 23:5-7) ነቲ ፈሪሳውያን ዝነበሮም ኣረኣእያ እሞ ምስ ናይ የሱስ ኣነጻጽሮ። የሱስ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ እኳ እንተ ነበረ፡ ትሑት እዩ ነይሩ። ሓደ ሰብኣይ፡ “ሄር” ወይ ሕያዋይ ኢሉ ምስ ጸውዖ፡ “ንምንታይ ሄር ትብለኒ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽ ሄር [ሕያዋይ] የልቦን” ኢሉ መለሰሉ። (ማር. 10:18) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ሓጸበ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንሰዓብቱ ንትሕትና ብዚምልከት ኣርኣያ ዀኖም።—ዮሃ. 13:1-15።
ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኼገልግሎም ኣለዎ። (ገላ. 5:13) ብፍላይ እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓለውቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ዚደልዩ ኸምኡ ኺገብሩ ኣለዎም። ሓላዊ ንምዃን ምምጥጣር ግቡእ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ሸቶ እዚ ግና፡ ንኻልኦት ክትሕግዝ ካብ ምድላይ ዝምንጭው ኪኸውን ኣለዎ። ሓላዊ ምዃን ከም መዓርግ ወይ ከም ስልጣን ጌርካ ኺርአ የብሉን። እቶም ሓለውቲ ዀይኖም ዜገልግሉ፡ ልክዕ ከም የሱስ ‘ትሑታት’ ኪዀኑ ኣለዎም።—1 ጢሞ. 3:1, 6፣ ማቴ. 11:29።
ንምስትንታን ዚኸውን ሕቶታት፦
ምናልባት ተፈላጥነት ወይ ተወሳኺ ፍሉይ መሰል ምእንቲ ኽረክብ ኢለ፡ ነቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ኣዕዚዘ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ኣሎኒ ድዩ፧ ኣብቲ ህቡብነት ወይ ውዳሰ ኽረኽበሉ ዝኽእል መዳይ ኣገልግሎት ኣምላኽ ድየ ዘተኵር፧ ካብ ካልኦት ጸብለል ክብል ድየ ዝጽዕር ዘለኹ፧
3 ሕግታትን ወግዕታትን ፈሪሳውያን፡ እቶም ተራ ሰባት ንሕጊ ሙሴ ምኽባር ከም ዚኸብዶም ገበረ።
እቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዜቕርብዎ ዝነበሩ ኣምልኾ፡ ብሓፈሻኡ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተመስረተ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ዝርዝር ነገራት ኣይገልጽን እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ሕጊ ብሰንበት ምዕያይ ይኽልክል እኳ እንተ ነበረ፡ ኣየናይ ኪዕየ፡ ኣየናይ ከኣ ኪዕየ ኸም ዘይብሉ ኣይገልጽን እዩ። (ዘጸ. 20:10) ፈሪሳውያን ግና፡ እቲ ሕጊ ጐደሎ ዘለዎ ዀይኑ ስለ እተሰምዖም፡ ብሕግታቶምን ብመግለጺታቶምን ብወግዕታቶምን ገይሮም ነቲ ዝጐደለ ኺምልእዎ ጸዓሩ። የሱስ ነቲ ፈሪሳውያን ዝወሰኽዎ ኸቢድ ስርዓታት ሓዲጉ፡ ንሕጊ ሙሴ የኽብሮ ነበረ። (ማቴ. 5:17, 18፣ 23:23) ኣብ መንፈስ እቲ ሕጊ የተኵር፡ ምሕረትን ርሕራሐን ከም ዜገድስ ድማ ይግንዘብ ነበረ። ዋላ እኳ ሰዓብቱ እንተ ኣጕሃይዎ፡ ሚዛናዊ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብታ እተታሕዘላ ምሸት ንሰለስተ ሃዋርያቱ ኺነቕሑ እኳ እንተ ተማሕጸኖም፡ ብተደጋጋሚ ደቂሶም ጸንሕዎ። ይኹን እምበር፡ ብሕያውነት፡ “መንፈስሲ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በለ።—ማር. 14:34-42።
ንምስትንታን ዚኸውን ሕቶታት፦
ንኻልኦት ሰባት፡ ነቲ ዘውጻእክዎ ጥብቂ ስርዓታት ወይ ከኣ ንኣረኣእያይ ንኪቕበልዎ አገድዶም ድየ፧ ኣብቲ ኻብ ካልኦት ዝጽበዮ ነገራት ሚዛናዊ ድየ፧
ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ትምህርትታት የሱስን ፈሪሳውያንን ዘሎ ፍልልይ ሕሰብ። ከተመሓይሾ ዘሎካ ነጥቢ ረኺብካዶ፧ እንተ ረኺብካ፡ ንምንታይ ንምምሕያሽ ዘይትጽዕር፧
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ፈሪሳውያን ክታባውቲ ይገብሩ ነበሩ።—ማቴ. 23:2, 5
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ትሑታት ክርስትያን ሽማግለታት ከም ፈሪሳውያን ስለ ዘይኰኑ፡ ንኻልኦት የገልግልዎም እዮም
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]
ንስኻኸ ኸም የሱስ ኣብቲ ኻብ ካልኦት እትጽበዮ ነገራት ሚዛናዊ ዲኻ፧