ኣብ ቀረባ ግዜ ዚፍጸም ተኣምራት
ሓደ ሓኪም ከቢድ ዓይነት መጥባሕቲ ኺገብረልካ እንተ ዚምደብ እሞ፡ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ዓይነት መጥባሕቲ እዚ ገይሩ ኸም ዘይፈልጥ እንተ ትፈልጥ እንታይ ምተሰምዓካ፧ ከም ዜሻቕለካ ፍሉጥ እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ እዚ ሓኪም እዚ፡ ክኢላ ኸም ዝዀነን ከምቲ ናትካ ዓይነት ሕማም ንዘለዎም ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሰባት ዕዉት መጥባሕቲ ኸም ዝገበረሎምን እንተ ትፈልጥከ፧ ንዓኻ እውን ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ዝያዳ ምትእምማን ኣይመሕደርካንዶ፧
እዛ እንነብረላ ዘለና ሕምምቲ ዓለም፡ ከቢድ “መጥባሕቲ” እዩ ዜድልያ። የሆዋ ኣምላኽ ነዛ ምድሪ እዚኣ ናብ ገነት ከም ዚቕይራ፡ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ተመባጺዑ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:13) እዚ ንኺፍጸም ግና፡ እከይ ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍእ ኣለዎ። (መዝሙር 37:9-11፣ ምሳሌ 2:21, 22) ኵሉ እቲ ኣብ ከባቢና እንርእዮ ዘሎና ሕማቕ ኵነታት፡ ምድሪ ናብ ገነት ቅድሚ ምቕያራ ኺውገድ ኣለዎ። እዚ ንኺፍጸም ከኣ ተኣምራት ኪግበር የድሊ።—ራእይ 21:4, 5።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እዚ ዓበይቲ ለውጥታት እዚ፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸም ዚፍጸም ይኣምኑ እዮም። ከመይሲ፡ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዝፈጸሞ ተኣምራት፡ የሆዋ መብጽዓታቱ ንኺፍጽም ክእለት ከም ዘለዎ ዜረጋግጽ እዩ። ቀጺልካ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ንዘሎ ሽዱሽተ ተኣምራት፡ ምስቲ ብሕጂ ኺፍጸም መብጽዓ እተኣትወሉ ተኣምራት ኣነጻጽሮ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ንመጻኢና ዚምልከት መብጽዓታት ብቐጻሊ ተምሃር። እምነትካ እናደልደለት ብዝኸደት መጠን ከኣ፡ እቲ ኣብቲ የሆዋ ተኣምራት ዚፍጽመሉ እዋን ብህይወት ንኽትነብርን ካብቲ ተኣምራት እቲ ንኽትጥቀምን ዘሎካ ተስፋ እውን ኪድልድል እዩ።
[ኣብ ገጽ 9, 10 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]
ተኣምር፦
የሱስ ብሒደት እንጌራን ዓሳን ንኣሽሓት ሰባት መገበ።—ማቴዎስ 14:13-21፣ ማርቆስ 8:1-9፣ ዮሃንስ 6:1-14።
መብጽዓ፦
“ምድሪ ፍሬኣ ሂባ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ።”—መዝሙር 67:6።
ንዓና ዘለዎ ትርጕም፦
ደጊም ብጥሜት ዚሳቐ ኣይክህሉን እዩ።
ተኣምር፦
የሱስ ንዕዉራት ኣዒንቶም ከፈተሎም።—ማቴዎስ 9:27-31፣ ማርቆስ 8:22-26።
መብጽዓ፦
“ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ . . . እየን።”—ኢሳይያስ 35:5።
ንዓና ዘለዎ ትርጕም፦
ኵሎም ዕዉራት ኪርእዩ እዮም።
ተኣምር፦
የሱስ ንስንኩላን ኣሕወየ።—ማቴዎስ 11:5, 6፣ ዮሃንስ 5:3-9።
መብጽዓ፦
“ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር . . . እዩ።”—ኢሳይያስ 35:6።
ንዓና ዘለዎ ትርጕም፦
ኵሉ ዓይነት ስንክልና ኺሓዊ እዩ።
ተኣምር፦
የሱስ እተፈላለየ ሕማም ኣሕወየ።—ማርቆስ 1:32-34፣ ሉቃስ 4:40።
መብጽዓ፦
“‘ሓደ እኳ ሕሙም እየ’ ኣይኪብልን እዩ።” —ኢሳይያስ 33:24፡ ትርጕም 1990።
ንዓና ዘለዎ ትርጕም፦
ዜማስን ዘበለ ሕማም ኣይኪህሉን እዩ። ፍጹም ጥዕና ኺህልወና እዩ።
ተኣምር፦
የሱስ ንንፋስን ንማዕበልን ተቘጻጸሮ።—ማቴዎስ 8:23-27፣ ሉቃስ 8:22-25።
መብጽዓ፦
“ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን . . . እዮም።”—ኢሳይያስ 65:21, 23።
“እትፈርህዮ የብልክን እሞ፡ ካብ ግፍዒ ርሐቒ። ስምባድ እይኪቐርበክን እዩ እሞ፡ ካብኡ ርሐቒ።”—ኢሳይያስ 54:14።
ንዓና ዘለዎ ትርጕም፦
ባህርያዊ ሓደጋታት ኣይኪህሉን እዩ።
ተኣምር፦
የሱስ ምዉታት ኣተንስአ።—ማቴዎስ 9:18-26፣ ሉቃስ 7:11-17።
መብጽዓ፦
“ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም . . . ኺወጹ እዮም።”—ዮሃንስ 5:28, 29።
“ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ።”—ራእይ 20:13።
ንዓና ዘለዎ ትርጕም፦
ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና ኺትንስኡ እዮም።