ንሓድሕድኩም ይቕረ ተባሃሃሉ
“ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ . . . ይቕረ ተባሃሀሉ።”—ቈሎ. 3:13።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ይቕረ በሃልቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
የሱስ ንሰማዕቱ ብዛዕባ ኣገዳስነት ይቅረ ምባል ንምምሃር እንታይ ምሳሌ እዩ ተጠቒሙ፧
ንሓድሕድና ይቕረ ንባሃሃል እንተ ዄንና፡ እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧
1, 2. ይቕረ ንምባል ፍቓደኛታት እንተ ዄንና ኽንምርምር ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧
እቲ ቓል የሆዋ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንሓጢኣት ብኸመይ ከም ዚርእዮን ክንሓጥእ ከለና እንታይ ምላሽ ከም ዚህብን ይገልጸልና እዩ። ብዛዕባ ይቕረ ምባል እውን ብዙሕ ይገልጽ እዩ። ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ፡ የሆዋ ነቲ ዳዊትን ምናሴን ዝነበሮም ኣረኣእያ ርእዩ ብኸመይ ይቕረ ኸም ዝበሎም ርኢና ኔርና። ዳዊትን ምናሴን በቲ ዝገበርዎ ተጣዒሶም ካብ ልቦም ብምጕሃይ ንሓጢኣቶም ተናዘዙሉ፣ ነቲ እኩይ ተግባራቶም ሓዲጎም ድማ ካብ ልቦም ተነስሑ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ሞገሱ ሃቦም።
2 ሕጂ እስከ ንሕና ንኻልኦት ይቕረ ንምባል ፍቓደኛታት እንተ ዄንና ንመርምር። ሓደ ኻብቶም ምናሴ ዝቐተሎም ንጹሃት ሰባት፡ ዘመድካ እንተ ዚኸውን እንታይ ምተሰምዓካ፧ ንምናሴ ይቕረ ምበልካሉዶ፧ ኣብዛ እክይትን ዓመጽ ዘስፋሕፍሓላን ስስዐ ዝመልኣን ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ሎሚ እታ ሕቶ ኣዝያ ኣገዳሲት እያ። ሓደ ክርስትያን ይቕረ በሃሊ ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ሕማቕ ወይ ዘይፍትሓዊ ነገራት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ስምዒትካ ተቘጻጺርካ ኸምቲ የሆዋ ዚደልዮ ዓይነት ምላሽ ንኽትህብን ይቕረ ንኽትብልን እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
ይቕረ በሃልቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
3-5. (ሀ) የሱስ ንሰማዕቱ ብዛዕባ ኣገዳስነት ይቅረ ምባል ንምምሃር እንታይ ምሳሌ እዩ ተጠቒሙ፧ (ለ) ካብቲ ኣብ ማቴዎስ 18:21-35 ዚርከብ ምሳሌ የሱስ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
3 ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ፡ ነቶም ዘጕሃዩና ሰባት ይቕረ ኽንብለሎም ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ምስ ኣባላት ስድራ ቤትናን ምስ ፈተውትናን ምስ ካልኦት ሰባትን ምስ የሆዋን ሰላማዊ ርክብ ይህልወና። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ካልኦት ሰባት ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ኣጕሃዩና፡ ይቕረ ምባል ክርስትያናዊ ብቕዓት ምዃኑ ይገልጽ እዩ። የሱስ፡ ከምኡ ምግባር ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኸም ዘይኰነ ዜብርህ ብዛዕባ ሓደ ብዓል ዕዳ ዝነበረ ባርያ ዚገልጽ ምሳሌ ጠቒሱ ነበረ።
4 እቲ ባርያ ንጐይታኡ ናይ 60,000,000 መዓልትታት መሃያ ዚኸውን ገንዘብ ኪኸፍሎ እኳ እንተ ነበሮ፡ ጐይታኡ ግና ዕዳኡ ሓደገሉ። ድሕሪኡ፡ እቲ ባርያ ኪኸይድ ከሎ፡ ምስ ሓደ ናይ 100 መዓልቲ መሃያ ጥራይ ዚእውዶ ብጻዩ ባርያ ተራኸበ። እቲ ተኣዋዲ ነቲ ኣዋዲ ንኺዕገሶ እኳ እንተ ለመኖ፡ እቲ ብዙሕ ዕዳ እተሓድገሉ ባርያ ግና ነቲ ብጻዩ ባርያ ኣእሰሮ። እዚ ተግባር እዚ ንጐይታኦም ኣዝዩ ኣሕረቖ። ነቲ ኽፉእ ባርያ ድማ፡ “ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ፡ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧” ኢሉ ሓተቶ። ሽዑ፡ “ጐይታኡ ዀርዩ፡ [ነቲ ይቕረ ዘይበለ ባርያ] ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ንዜጽብቡሉ ኣሕሊፉ ሀቦ።”—ማቴ. 18:21-34።
5 የሱስ እንታይ ኪምህር እዩ ዚጽዕር ነይሩ፧ ዘረባኡ ኺዛዝም ከሎ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ” በለ። (ማቴ. 18:35) እቲ ዝበሎ ንጹር እዩ ነይሩ። ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ንሓጥእ ኢና፣ እዚ ኸኣ ንስርዓታት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንፍጽሞ ኸም ዘይንኽእል እዩ ዚሕብር። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ብምሳልያዊ መገዲ ብምድምሳስ ይቕረ ኺብለልና ፍቓደኛ እዩ። ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ዓርኪ የሆዋ ኪኸውን ዚደሊ ሰብ፡ ንጕድለት ብጾቱ ይቕረ ናይ ምባል ግዴታ ኣለዎ። ከምቲ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ኣብ ዝሃቦ ህቡብ ስብከቱ ዝበሎ፡ “ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኩም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ።”—ማቴ. 6:14, 15።
6. ይቕረ ምባል ወትሩ ቐሊል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
6 ‘እዚ ነገር እዚ ቐሊል ኣይኰነን፣ ካብ ክትገብሮ ኽትዛረቦ ይቐልል’ ትብል ትኸውን። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ እቲ ብውልቅና ዜጋጥመና በደል ንስምዒትና ኣዝዩ ስለ ዚትንክፎ እዩ። ምስ ተበደልና፡ ክንሓርቕን እተኸዳዕና ዀይኑ ኺስምዓናን ይኽእል እዩ፣ እቲ ዝበደለና ሰብ ናይ ኢዱ ኸም ዚረክብ ክንገብርን ሕነ ኽንፈድን እውን ንጽዕር ንኸውን። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ፡ ነቲ በዳሊ ፈጺሞም ይቕረ ኸም ዘይብሉሉ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ንዓኻ እውን ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ልክዕ ከም የሆዋ ይቕረ በሃሊ ንኽትከውን እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
ስምዒትካ መርምር
7, 8. ካልኦት ምስ ዜጕህዩኻ፡ ይቕረ ንኽትብለሎም እንታይ ኪሕግዝካ ይኽእል፧
7 ብሓቂ ምስ እንብደል ወይ ከኣ እተበደልና ዀይኑ ምስ ዚስምዓና፡ ኣመና ኢና እንሓርቕ። ኣብ ሓደ ብዛዕባ ሓርቖት እተገብረ መጽናዕቲ እተጠቕሰ መንእሰይ ከምዚ በለ፦ “ሓደ እዋን . . . ኣመና ስለ ዝሓረቕኩ፡ ከም ዘይምለስ ተዛሪበ ኻብ ቤት ወጻእኩ። እዋኑ፡ ባህ ዜብል ምዉቕ መዓልቲ እዩ ነይሩ፣ ብሓንቲ ንእሽቶ መገዲ ኸኣ ክጓዓዝ ጀመርኩ፣ በቲ ጸጥ ዝበለን ባህ ዜብልን ቦታ ክኸይድ ከለኹ፡ ክሃድእ ጀመርኩ፣ ድሕሪ እተወሰነ ሰዓታት ድማ፡ በቲ ዝገበርክዎ ተጣዒሰ ናብ ቤተይ ተመለስኩ።” እዚ ተመክሮ እዚ ኸም ዚሕብሮ፡ ግዜ ወሲድካ ምህዳእን ንነገራት ብርትዓዊ መገዲ ኽትርእዮ ምፍታንን፡ ደሓር ዜጣዕሰካ ነገር ካብ ምግባር ኬዕቍብ ይኽእል እዩ።—መዝ. 4:4፣ ምሳ. 14:29፣ ያእ. 1:19, 20።
8 ይኹን እምበር፡ ንኽትሃድእ ምስ ጸዓርካ እውን እንተ ዀነ፡ እቲ ዚስምዓካ ኣሉታዊ ስምዒት እንተ ዘይጠፍአኸ፧ ስለምንታይ ከም ዝሓረቕካ ሕሰብ። ዘይፍትሓዊ ነገር፡ ምናልባት እውን ዜዋርድ ነገር ስለ ዘጋጠመካ ድዩ፧ ወይስ እቲ ዝበደለካ ሰብ ደይመደይ ኢሉ ኺጐድኣካ ኸም ዝፈተነ ዀይኑ ስለ እተሰምዓካ ድዩ፧ ተግባር እቲ ዝበደለካ ሰብ ኣመና ሕማቕ ስለ ዝዀነ ድዩ፧ ነቲ ኸም እትሓርቕ ዝገበረካ ምኽንያት ምምርማርካን ንኽትርድኦ ምፍታንካን፡ ዝሓሸን ብቕዱስ ጽሑፋዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ ግቡእን ምላሽ ንኽትህብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 15:28፣ 17:27 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ኣብ ስምዒትካ ዘይኰነስ፡ ኣብ ጭቡጥ ሓቅታት ከተተኵር ከለኻ፡ ይቕረ ንምባል ቀሊል ኪዀነልካ ይኽእል እዩ። ከምኡ ምግባር ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ቃል ኣምላኽ ‘ንምሕላን ሓሳብካን ንልብኻን’ ንኺምርምሮ፡ ይቕረ ኣብ ምባል ከኣ ንየሆዋ ንኽትመስሎ ንኺሕግዘካ ኢኻ እትፈቅድ።—እብ. 4:12።
ክትኵሪ ይግብኣካዶ፧
9, 10. (ሀ) እተጐዳእካ ዀይኑ ኺስምዓካ ኸሎ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ (ለ) ኣወንታዊ ኣመለኻኽታን ይቕረ ናይ ምባል መንፈስን ንኣረኣእያኻ ዚቕይሮ ብኸመይ እዩ፧
9 ንሓደ ሰብ ኬሕርቖ ዚኽእል ብዙሕ ኵነታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ማኪና ኽትዝውር ከለኻ፡ ምስ ካልእ ብዓል ማኪና ኻብ ምግጫው ንስክላ ኣምሊጥካ ንበል። ሽዑ እንታይ ምላሽ ምሃብካ፧ ገሊኦም ሰባት በዚ ኣመና ስለ ዚሓርቁ፡ ነቲ ብዓል ማኪና ኸይዶም ከም ዝሃረምዎ ዚገልጽ ጸብጻባት ኣንቢብካ ትኸውን ኢኻ። ክርስትያናት ግና ኸምኡ ኣይገብሩን እዮም።
10 ነቲ ጕዳይ ህድእ ኢልካ ኽትሓስበሉ ዝሓሸ እዩ። ምናልባት ብገለ ነገር ኣቓልቦኻ ተሳሒቡ ስለ ዝነበረ፡ ንስኻ እውን ተሓታቲ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ እቲ ብዓል ማኪና፡ ኣብ ማኪናኡ ጸገም ኣጋጢምዎ ይኸውን። ስለዚ፡ ንምኽንያት እቲ ዘጋጠመ ጸገማት ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ኸም ዘይንኽእል ምግንዛብና፡ ይቕረ ንምባል ከኣ ፍቓደኛታት ምዃንና፡ ኣመና ንኸይንሓርቕን ንኸይንጕህን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። መክብብ 7:9፡ “ኵራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ፡ ብመንፈስካ ንዅራ ኣይትተሀወኽ” ትብል። ስለዚ፡ ተሃዊኽካ ኣይትዀሪ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ሰብ ደይመደይ ኢሉ ኸም ዘጕሃየና ጌርና እኳ እንተ ሓሰብና፡ መብዛሕትኡ እዋን ግና ኸምኡ ኣይኰነን፣ ብምኽንያት ዘይፍጽምና ወይ ዘይምርድዳእ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኣደዳ ጐዳኢ ተግባራት ወይ ቃላት እንተ ዄንካ፡ ንምኽንያት እቲ ዘጋጠመ ጸገማት ክትርድኦ ፈትን፣ ብፍቕሪ ይቕረ ንምባል ከኣ ፍቓደኛ ኹን። ከምኡ ኣብ ምግባር እንተ ተዓዊትካ፡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ።—1 ጴጥሮስ 4:8 ኣንብብ።
‘ሰላምካ ይመለስ’
11. ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ ሰባት ዚህብዎ ምላሽ ብዘየገድስ፡ እንታይ ኪስምዓና ኣለዎ፧
11 ኣብ ኣገልግሎት ከለኻ፡ ሓደ ሰብ ዜሕርቕ ነገር ኪዛረበካ ኸሎ፡ ርእስኻ ኽትቈጻጸር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ የሱስ ነቶም 70 ሰበኽቲ ኺልእኮም ከሎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዚኣትዉዋ ቤት ሰላም ኪምነዩላ ነጊርዎም ነበረ። “ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኺሐድር እዩ፡ እንተ ዜልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ” ድማ በሎም። (ሉቃ. 10:1, 5, 6) ሰባት ንኣገልግሎትና ጽቡቕ ምላሽ ኪህቡሉ ኸለዉ፡ ካብቲ መልእኽትና ጥቕሚ ስለ ዚረኽቡ፡ ንሕጐስ ኢና። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ እቲ ዚህብዎ ምላሽ ጽቡቕ ኣይኰነን። ሽዑ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ የሱስ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ነታ ቤት እተመነናላ ሰላም ካባና ኺፍለ የብሉን። ሰባት ዚህብዎ ምላሽ ብዘየገድስ፡ ብሰላም ክንፈላለ ኣሎና። በቲ ዚህብዎ ምላሽ እንተ ሓሪቕና ግና፡ ሰላምና ኽንዕቅብ ኣይንኽእልን ኢና።
12. ብመሰረት እቲ ኣብ ኤፌሶን 4:31, 32 ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
12 ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኵሉ ዅነታት ሰላምካ ኽትዕቅብ ጽዓር። ንኻልኦት ይቕረ ንምባል ፍቓደኛታት ምዃንና፡ ንጌጋኦም ከም ዝሰመርናዮ ወይ ነቲ ጌጋኦም ዘስዓቦ ጕድኣት ኣትሒትና ኸም ዝረኣናዮ ዚሕብር ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ይቕረ ምባል፡ በቲ እተገብረ ጌጋ ዘይምቕያምን ሰላምካ ምዕቃብን ማለት እዩ። ገሊኦም ሰባት ኣብቲ ዘጋጠሞም ኣሉታዊ ነገራት ጥራይ ስለ ዜተኵሩ፡ ብሰንኪ እቲ ኻልኦት ሰባት ዜርእይዎ ጠባይ ሓጐሶም የጥፍኡ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኺቈጻጸረካ ኣይተፍቅድ። ቂም እንተ ሒዝካ፡ ሕጉስ ክትከውን ከም ዘይትኽእል ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ይቕረ በሃሊ ኹን።—ኤፌሶን 4:31, 32 ኣንብብ።
ንየሆዋ ብዜሐጕስ መገዲ ተመላለስ
13. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ኣብ ርእሲ ጸላኢኡ ‘ጕሁር ሓዊ ዚእክብ’ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ዜሕርቕ ነገር እናኣጋጠመካ ኽነሱ ልኡም ምላሽ ምሃብ፡ እንታይ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል፧
13 ሓድሓደ ግዜ፡ ንሓደ ዝበደለካ ሰብ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ስርዓታት ንኺፈልጥ ክትሕግዞ ትኽእል ትኸውን ኢኻ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጕሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዐር” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ። (ሮሜ 12:20, 21) ዜሕርቕ ነገር እናኣጋጠመካ ኽነሱ ሰናይ ጠባይ እንተ ኣርኢኻ፡ ነቲ ተሪር ኣረኣእያ ብምልስላስ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰባት ዘሎ ጽቡቕ ነገር ከም ዚወጽእ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዝበደለካ ሰብ ሕያውነትን ድንጋጽን ርሕራሐን ብምርኣይ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ንኺምሃር ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዅነታት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ልኡም ምላሽ ምሃብካ፡ ነቲ ሰብ ብዛዕባ ጽቡቕ ጠባይካ ኸም ዚሓስብ ኪገብሮ ይኽእል እዩ።—1 ጴጥ. 2:12፣ 3:16።
14. ሓደ ሰብ ኣመና እኳ እንተ ጐድኣካ፡ ቂም ክትሕዝ ዘይብልካ ስለምንታይ ኢኻ፧
14 ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ምስ ገሊኦም ሰባት ምቅርራብ ዘይግቡእ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ነቶም ሓደ እዋን ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ፡ ግናኸ ኻብ ሓጢኣቶም ስለ ዘይተነስሑ እተወገዱ የጠቓልሉ። ከምዚ ዓይነት ሰብ እንተ ጐዲኡካ፡ ዋላ እውን ይነሳሕ፡ እቲ እተጐድአ ስምዒትካ ንኺሓዊ ግዜ ስለ ዚወስድ፡ ይቕረ ምባል ኪኸብደካ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት፡ ነቲ እተነስሐ ኣባሲ ይቕረ ንኽትብለሉ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ንየሆዋ ለምኖ። ከመይሲ፡ ንስኻ ነቲ ኣብ ልቢ እቲ ኣባሲ ዘሎ ነገራት ዘይትፈልጦ እኳ እንተ ዀንካ፡ የሆዋ ግና ይፈልጦ እዩ። ንሱ ንውሽጣዊ ዝንባለ ሓደ ሰብ ኪምርምሮ ይኽእል እዩ፣ ንኣበስቲ ኸኣ ይዕገሶም እዩ። (መዝ. 7:9፣ ምሳ. 17:3) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ቕዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ዚብል፦ “ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከአል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፤ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።” (ሮሜ 12:17-19) ንዅሉ እቲ የሆዋ ዚፈልጦ ነገራት ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ንኻልኦት ክንፈርዶም ከም ዘይብልና ይገልጽ እዩ። (ማቴ. 7:1, 2) ኣምላኽ ፍትሓዊ ነገር ከም ዚገብር ግና ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።
15. ብዛዕባ እቶም ዚብድሉና ሰባት እንታይ ምግንዛብና እዩ ነቲ ብዛዕባኦም ዘሎና ኣረኣእያ ዚጸልዎ፧
15 ንሓደ ዝበደለካ ሰብ ከምኡውን ንሓደ እተነስሐ ኣባሲ ይቕረ ኽትብለሉ እንተ ኸቢዱካ፡ ንሱ እውን ምስ ሓደ ኣጸጋሚ ነገር ይቃለስ ከም ዘሎ ኣይትረስዕ። ከማኻ ዘይፍጽምና ወሪሱ እዩ። (ሮሜ 3:23) የሆዋ ንዅሎም ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ይድንግጸሎም እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ዝበደለካ ሰብ ክትጽልየሉ ኣሎካ። በቲ እትጽልየሉ ዘለኻ ሰብ ክትኵሪ ኸኣ ዘይመስል እዩ። የሱስ ነቶም ዚገፍዑና ሰባት እውን እንተ ዀነ ቒም ክንሕዘሎም ከም ዘይብልና ኼነጽር ከሎ፡ “ጸላእትኹም ፍተዉ፡ . . . ስለቶም ዚጸርፍኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ” በለ።—ማቴ. 5:44።
16, 17. ክርስትያን ሽማግለታት ንሓደ ሓጥእ ከም እተነስሐ እንተ ኣሚኖምሉ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ስለምንታይከ፧
16 ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዜጋጥም ኣበሳ ምስ ፍቓድ የሆዋ ብዚሰማማዕ መገዲ ንኺሕዝዎ ሓላፍነት ተዋሂብዎም እዩ። እዞም ኣሕዋት እዚኦም፡ ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ምስትውዓል እኳ እንተ ዘይብሎም፡ ምስ መሪሕነት ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ዚሰማማዕ ውሳነ እዮም ዚገብሩ። ስለዚ፡ ብጸሎት ኣቢሎም ሓገዝ ኣምላኽ ምስ ሓተቱ ዚገብርዎ ውሳነ፡ ምስ ኣረኣእያኡ ዚሰማማዕ እዩ።—ማቴ. 18:18።
17 ኣብዚ ድማ ኢኻ ተኣማንነትካ እተርኢ። ሽማግለታት ንሓደ ሓጥእ ከም እተነስሐ እንተ ኣሚኖምሉ፡ ነቲ እተነስሐ ሰብ ይቕረ ኽትብለሉን ከተፍቅሮን ዲኻ፧ (2 ቈረ. 2:5-8) ብፍላይ ንስኻ በቲ ኣበሳ እንተ ተተንኪፍካ፡ ወይ ከኣ ዘመድ እቲ ተበዳሊ እንተ ዄንካ፡ ኪኸብደካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንሱ በታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ገይሩ ዚገብሮ ነገራትን ብምትእምማን፡ ጥበባዊ ውሳነ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ብሓቂ ይቕረ ኸም እትብል ድማ ተርኢ።—ምሳ. 3:5, 6።
18. ይቕረ ምባል እንታይ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ፧
18 ሰብ ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና፡ ይቕረ ምባል ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ይገልጹ እዮም። ይቕረ ምባል ካብቲ ሕማም ኬስዕብ ዚኽእል እተደጐለን ዜማስንን ስምዒት ኪሰትረና፡ ጥዑይን ዜሐጕስን ርክብ ንኺህልወና ኸኣ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ይቕረ ዘይንብል እንተ ዄንና ግና፡ ጸገም ጥዕናን ውጥረትን ኬጋጥመና፡ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ከኣ ኪበላሾ ይኽእል እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ይቕረ ምባል ምስቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ከም ዚህልወና ይገብር እዩ።—ቈሎሴ 3:12-14 ኣንብብ።
[ሕቶታት መጽናዕቲ]