ነሕዋትካ ፍለጦም
1 መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ዓርኪ ካብ ሓው ንላዕሊ ከም ዝቐርብ: ከየቋረጸ ፍቕርን ተኣማንነትን ከም ዘርኢ: ፈታዊኡ ኣብ ዘጨንቕ ኵነታት ክወድቕ ከሎ ኸኣ ዝሕግዝ ሰብ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ። (ምሳ. 17:17፣ 18:24) ኣብ ንሓድሕድና ንኽንፋለጥን ንኽንፋቐርን እንተድኣ ጽዒርና: ኣብ ጉባኤ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣዕሩኽ ንምርካብ ኣይክንሽገርን ኢና።።—ዮሃ. 13:35
2 ኣኼባታት ቅድሚ ምጅማሩን ድሕሪ ምውድኡን ዘሎ ግዜ ምስ ኣሕዋትና ንኽንላለ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ኢዩ። ምዉቕን ፍቕራውን ምሕዝነት ምእንቲ ክትረክብ ስለምንታይ ቅልጥፍ ኢልካ ዘይትመጽእ ምስ ተወድአ ድማ ድንጕይ ኢልካ ዘይትኸይድ፧ ተመክሮ ዘለዎም ብዕድመ ዝደፍኡን መንእሰያትን ሓፋራትን ሓዊስካ: ከተዕልሎም እትኽእል እተፈላለዩ ኣሕዋት ክትረክብ ጽዓር።
3 ዕላል ንኽትጅምር ተበግሶ ውሰድ:- ነሕዋትካ ሰላም ኢልካዮም ጥራይ ኣይትሕለፍ። ኣብ ግራት ኣገልግሎት እተረኽበ ተመክሮ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ መጽሔት ዝወጸ ደስ ዘብል ነጥቢ: ወይ ድማ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተገብረ ኣኼባ ዝተንከፈካ ሓሳብ ብምግላጽ ዕላል ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ኣሕዋትካ ተመክሮኦምን ብዛዕባ እቲ ዝማሃርዎ ዘለዉ ነገራትን ክዛረቡ ብምትብባዕ ጽን ኢልካ ትሰምዖም እንተድኣ ዄንካ ብዙሕ ክትማሃር ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሰብ ከመይ ገይሩ ንየሆዋ ክፈልጦ ከም ዝኸኣለ ብምሕታት ጥራይ ብዙሕ ነገራት ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ኣብ ናብርኦም እምነት ዘደልድል ተመክሮ ኣሕሊፎም ኢዮም: ካልኦት ድማ ብዙሓት ሰባት ክሓስብዎ ኸለዉ ከደንጹ ዝኽእል ኵነታት ሕጂ ይጽመሙ ኣለዉ። ከም ሓቀኛታት ኣዕሩኽ መጠን ነዚ ምግንዛብ: ብናይ ካልኦት ሰባት ስምዒት ንኽንግደስን ብዘድልዮም ነገር ክንድግፎምን ክሕግዘና ኢዩ።
4 ንሓድሕድኩም ተመሓዘዉ:- ሓንቲ ሓብቲ ንእሽቶ ጓላ ምስ ሞተታ: ነቲ ንትንሳኤ ዝጠቅስ ናይታ መንግስቲ መዝሙራት ምዝማር ኣጸጋሚ ኰይኑ ረኸበቶ። ከምዚ ብምባል ድማ ትዝክር:- “ሓደ ግዜ ኣብቲ ስግር መተሓላለፊ ኮፍ ኢላ ዝነበረት ሓፍቲ ክነብዕ ረአየትኒ። ናባይ መጸት እሞ ብኢዳ ሓቚፋ ነቲ ዝተረፈ መዝሙር ምሳይ ኰይና ዘመረቶ። ንኣሕዋትን ኣሓትን ምሉእ ፍቕሪ ተሰማዓኒ: ሓገዝ እንረኽበሉ ኣብኡ: ኣብቲ መንግስቲ ኣደራሽ: ምዃኑ ብምግንዛብ ድማ: ኣኼባታት ብምርካብና ኣዝየ ተሓጐስኩ።” ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ነሕዋትና ብምጽንናዕን ኵሉ ግዜ ድማ ብምትብባዕን ምስኣቶም ክንማሓዞ ኣሎና።—እብ. 10:24, 25
5 እዛ ኣረጊት ዓለም እዚኣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ጸቕጢ ተውርደሉ ኣብ ዘላ እዋን: ነሕዋትና ብዝበለጸ ክንፈልጦም ንወስን። እዚ ኣብ ንሓድሕድና እንገብሮ ናይ ሓቂ ምትብባዕ ንዅላትና በረኸት ከምጽኣልና ኢዩ።—ሮሜ 1:11, 12