ኵላትና ንየሆዋን ንወዱን ክብሪ ንሃብ
ኵሎም እቶም ኣብቲ 8 ሚያዝያ ዝኽበር በዓል ዝኽሪ ዝመጹ ብኸመይ ኣጸቢቖም ክጥቀሙ ኸም ዝኽእሉ
1 ሎሚ ፍሉይ ክብሪ ዝወሃቦም መን ኢዮም፧ እቶም ብዓለማዊ ኣረኣእያ ዓበይቲ ነገራት ፈጺሞም ዝበሃሉ ኢዮም ፍሉይ ክብሪ ዝረኽቡ። እንተዀነ ግን: መብዛሕትኡ እዋን ነዊሕ ከይጸንሐ ተግባራቶም ይርሳዕ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ንዅሎም ደቅሰብ ብሓቂ ዝጠቅም ተግባራትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኣብ 8 ሚያዝያ 2001 ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ድራር ጐይታ ኣብ እነብዕለሉ እዋን ነቲ ንደቅሰብ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ብሓቂ ዝጠቕሞም ተግባር ኸነተኵረሉ ኢና።
2 ዝለዓለ ኽብሪ ኽወሃቦ ዝግባእ መን ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ዎ ጐይታና [“የሆዋ:” NW ] ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ ኢኻ እሞ: ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ’ ብምባል መልሲ ይህብ። (ራእ. 4:11) የሆዋ: ፈጣሪ ከም ምዃኑ መጠን ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ገዛኢ ኢዩ። ዅሉ ግዜ ክኸብር ዝግብኦ ኢዩ!—1 ጢሞ. 1:17
3 የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለኣለማዊ በረኸት ዘምጽእ ሰናይ ተግባራት ገይሩ ኢዩ። ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ መሲልዎ ኢዩ። (ዮሃ. 5:19) ፍጹም ተኣዛዝነቱን ብተኣማንነት ዝፍጽሞ ኣገልግሎቱን “ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን ግርማን ውዳሴን ኪወስድ ብቑዕ” ይገብሮ። (ራእ. 5:12) ኣቦኡ ንጉስ ገይሩ ብምሻም ኣኽቢርዎ ኢዩ። (መዝ. 2:6-8) ንሕና እውን 8 ሚያዝያ 2001 ድራር ጐይታ ኣብ እነብዕለሉ እዋን ንኣቦን ንወድን ክብሪ ናይ ምሃብ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ኢና።
4 እቲ ዘሕዝን ግን: ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ ሒደት ሰባት ጥራይ ኢዮም ንየሆዋን ንወዱን ዝግብኦም ክብሪ ዝሃቡ። ሓድሓደ ግዜ እቶም ጥንታዎት ህዝቢ ኣምላኽ ማለት እስራኤላውያን እውን ከይተረፉ ንየሆዋ ካብ ልቦም ዘይኰኑስ ንማለቱ ዘገልግልሉ እዋናት ነይሩ ኢዩ። እዚ ግሁድ ንዕቀት ኢዩ ነይሩ። (ሚል. 1:6) ግቡእ ኣኽብሮት ኣብ ፍቕሪ ከምኡውን ኣብቲ የሆዋን ወዱን ዝገበሩልና ነገር ዘሎና ሞሳ ተመርኲስና ፍጹም ተኣዛዝነት ከም እነርኢ ዝገብረና ኢዩ። ክብሪ ምሃብ ክበሃል ከሎ ንየሆዋን የሱስን ኣብ ኵሉ መገድታትና ሞሳና ብምግላጽ ፍርሃት ኣምላኽን ኣኽብሮትን ምርኣይ ማለት ኢዩ። ክርስትያናዊት ጉባኤ ካልኦት ንኣምላኽ ክብሪ ምእንቲ ኽህቡ ንምምሃሮምን ንምሕጋዞምን ትጽዕር ኢያ።
5 ክብሪ ኸነርእየሉ እንኽእል ፍሉይ ኣጋጣሚ:- ህዝቢ የሆዋ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዘኽብርዎ በዓል ዝኽሪ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣኼባ ንላዕሊ ዘገድሶም ኢዩ። ንየሆዋ ንምግልጋልን ክብሪ ንምሃብን ባህጊ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብዚ በዓል እዚ ኽህሉ ኣለዎ። (ሉቃ. 22:19) ኣብ ልዕሊ እቶም 6 ሚልዮን ዝዀኑ ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ምስ ተወሰኹ ብድምር ልዕሊ 14 ሚልዮን ተኣከብቲ ኽህልዉ ትጽቢት ንገብር ኢና። ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ኽብሪ ንምሃብሲ እዚ ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣጋጣሚ ዀን ኢዩ! እቲ በዓል ኣብ የሱስ ዘተኵር እኳ እንተዀነ: ነቲ ዝፈጸሞ ተግባራት እነርእዮ ኽብሪ ግን ነቲ ዝለኣኾ ኣቦ ክብ ዘብሎ ኢዩ።—ዮሃ. 5:23
6 ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ብኸመይ ደገፍና ኽንህብ ንኽእል፧ ተገዳስነት ንዘለዎም ሓደስቲ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ንኽጥቀሙ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። ናብቲ በዓል ንኽመጹ ኣተባብዓዮም: ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ ኸኣ ናብቲ ዝበዓለሉ ቦታ ንኽመጹ ሓግዞም። ዕላማ ናይቲ ዝርርብ ግለጸሎም። ምስ ካልኦት ኣስፋሕቲ ኣላልዮም። እቲ ዝሰምዕዎን ዝርእይዎን ነገራት ምሳና ሓቢሮም ንየሆዋ ኽብሪ ንኽህብዎ ኽድርኾም ይኽእል ኢዩ።
7 እቲ ፕሮግራም ዘለዎ ጽልዋ ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። ሓደ ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ከምዚ ኢሉ ኢዩ:- “ብዙሕ ግዜ ኣብ ቤተ-ክርስትያንና ዝግበር ስነ-ስርዓት ቍርባን ርእየ ኢየ: እዚ ግን ፍልይ ዝበለ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣዘዞ ምዃኑ ክግንዘብ ክኢለ ኢየ: ብናተይ ኣረኣእያ ሓቂ ምሳኻትኩም ኢያ ዘላ።” ድሕርዚ ኣብ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዀይኑ ኽካፈል ጀመረ: ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ተጠምቀ።
8 ሓደስቲ ሰባት ዕቤት ንኽገብሩ ንሓግዞም:- ነቶም ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዝመጹ ሓደስቲ ሰባት ኣስተብህለሎም: ነቲ እተማህርዎን እተዓዘብዎን ባህ ዘብል ነገራት ንምዝኽኻር ድማ ቀልጢፍካ ብጽሓዮም። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠቶም ከዕብዩሉ ዝኽእሉ ኻልእ ኣኼባታት ከም ዘሎ ንገሮም። ነቲ “ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዕቝባ ርኸብ” ዝብል ኣርእስቲ ምዕራፍ 17 ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ምስኣቶም ምስ እትመያየጠሉ: ጥቕሚ ኽረኽቡሉ ዝኽእሉ እተፈላለየ ናይ ጉባኤ መንፈሳዊ ምድላዋት ከም ዘሎ ኽግንዘቡ ይኽእሉ ኢዮም። ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘሎ ሕብረት: ሓጐስ: ከምኡውን ቅንኢ ብዓይኖም ምእንቲ ኽርእይዎ: ነታ ኣዋር ሆል ኣሶስየሽን ኦቭ ብራዘርስ ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ኣርእዮም።
9 ሓደስቲ ሰባት ንየሆዋ ኽብሪ ኽህቡ ዝኽእልሉ መገድታት ክማሃሩ የድልዮም ኢዩ። ልባዊ ጸሎት ንየሆዋ ከም ዘሐጕሶን ዘየቋርጽ ምንጪ መንፈሳዊ ምሕዳስ ምዃኑን ግለጸሎም። (1 ዮሃ. 5:14) ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ካብ ትምህርቲ 8 ክሳዕ 12 ዘሎ ሓሳባት ገይርካ ንየሆዋ ኸነኽብረሉ እንኽእል ጠባያት ግለጸሎም። ኣብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 30-1 ንዘሎ ሓሳባት ተመያየጥሉ: ኣብ ዕዮ ስብከት ብምክፋል ንየሆዋ ኽብሪ ብዛዕባ ምሃብ ክሓስቡሉ ኣተባብዓዮም።
10 ንመስዋእቲ የሱስን ነቲ ኸም ደቀ መዛሙርቱ መጠን ኣገልገልቱ ንምዃን እተዋህበና መሰልን ሞሳ ምስ ዝህልወና ንኣቦ ነኽብሮ: ንኻልኦት ድማ በረኸት ነምጽእ። የሱስ “ዜገልግለኒ እንተሎ: ንእኡውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ” ብምባል ተማባጺዑ ኢዩ።—ዮሃ. 12:26