ሕቶ ሳጹን
◼ ናብቲ ንኣገልግሎት የሆዋ እተወፈየ ህንጻታት ክንበጽሕ ከለና: ግቡእ ዝዀነ ኣከዳድና እንታይ እዩ፧
እቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ: ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባ: ኣባይቲ ቤትኤል: ከምኡውን ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር ንኣገልግሎት የሆዋ እተወፈየ ቦታታት እዩ። ጽሩይን ጽፉፍን ስለ ዝዀነ: ምዕሩግ ትርኢት እዩ ዘለዎ። እዚ ኻብቲ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ስርዓት መብዛሕትኡ ግዜ ዚርአ ነገራት ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። እቶም ነዚ ንኣገልግሎት የሆዋ እተወፈየ ቦታታት ዚበጽሑ ሰባት እውን: ፍቓዱ ዚገብሩ ህዝቡ ምዃኖም ኪልለዩ ኣለዎም።
ከም ክርስትያናት መጠን: በቲ ግቡእን ጽፉፍን ኣከዳድናናን ትርኢትናን እውን ሓዊስካ: ብዅሉ መገድና: “ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ” ኢና። (2 ቈረ. 6:3, 4) ግቡእ ጠባይ ከነንጸባርቕ እውን ትጽቢት ይግበረልና እዩ። ኣከዳድናናን ትርኢትናን ወትሩ ንኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ዚበቅዕ እዱብን ምዕሩግን ኪኸውን ይግባእ። እዚ ብፍላይ ነቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከብ ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈርን ክንበጽሕ ከለና ኣገዳሲ እዩ።
እታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ ኣገዳስነት ግቡእ ኣከዳድናን ትርኢትን ክትዛረብ ከላ: ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንከይድን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንእከብን ከለና ኣካላዊ ጽሬት: ምዕሩግ ክዳን: ከምኡውን ጽቡቕ ትርኢት ኣገዳሲ ምዃኑ ትገልጽ። ድሕሪኡ: ኣብ ገጽ 139 ሕጡብ ጽሑፍ 1: “ቤትኤል ማለት ‘ቤት ኣምላኽ’ ማለት ምዃኑ ንዘክር። ስለዚ: ኣከዳድናናን ትርኢትናን ኣኻይዳናን ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣኼባታት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣምልኾ ኽንእከብ ከለና ኸነርእዮ ዚግባእ ዓይነት ኪኸውን ኣለዎ” ትብል። እዚ ልዑል መዐቀኒ እዚ: እቶም ካብ ርሑቕ ይኹን ካብ ቀረባ: ቤትኤል ንምብጻሕ ዚመጹ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪስዕብዎ ዘለዎም እዩ። በዚ መገዲ እዚ: እቲ በጻሒ ግቡእ ሞሳን ኣኽብሮትን ኬርኢ ይኽእል።—መዝ. 29:2
ኣከዳድናና ‘ፍርሃት እግዚኣብሄር ከም ዘሎና’ ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞ. 2:10) ግቡእ ኣከዳድናን ትርኢትን: ነቲ ኻልኦት ሰባት ንናይ ሓቂ ኣምልኾ የሆዋ ዘለዎም ኣረኣእያ ይጸልዎ እዩ። ይኹን እምበር: ሒደት ኣሕዋትን ኣሓትን ንኣገልግሎት የሆዋ ዜገልግል ቦታታት ኪበጽሑ ኸለዉ ወጅሃላይ ወይ ኣካላትካ ዜርኢ ኽዳን ከም ዚኽደኑ ተዓዚብና ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣከዳድና ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ንክርስትያናት ዚበቅዕ ኣይኰነን። ልክዕ ከምቲ ኣብ ኵሉ ኻልእ ክርስትያናዊ ህይወትና: ኣብዚ ጕዳይ እዚ እውን: ነቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ዚፈልየና ልዑል መዐቀኒታት ክንስዕብን ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ክንገብሮን ኢና እንደሊ።—ሮሜ 12:2፣ 1 ቈረ. 10:31
ስለዚ: ነቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ይኹን ነቲ ኻልእ ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር ብመደብ ይኹን ኣብ እዋን ዕረፍትኹም ክትበጽሑ ኸለኹም: ንርእስኹም ‘ኣከዳድናይን ትርኢተይን ንጽፈትን ንጽሬትን ንመዓርግን እቲ ዚበጽሖ ዘለኹ ቦታ ዜንጸባርቕ ድዩ፧ ነቲ ዘምልኾ ኣምላኽ ብጽቡቕ ዜንጸባርቕ ድዩ፧ ካልኦት ብትርኢተይ ይጕህዩ ወይ ኣቓልቦኦም ይስረቕ ድዩ፧’ ኢልኩም ሕተቱ። ሃየ እምበኣር: ብኣከዳድናናን ትርኢትናን: ወትሩ ‘ንትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ንሰልሞ።’—ቲቶ. 2:10