‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተማልአ መገዲ መስክር’
1. ሰኑይ 12 መጋቢት ካብ እትጅምር ሰሙን ኣትሒዝና፡ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ እንታይ ከነጽንዕ ኢና፧
1 ሰኑይ 12 መጋቢት 2012 ካብ እትጅምር ሰሙን ኣትሒዝና፡ ነታ ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተማልአ መገዲ መስክር’ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኸነጽንዓ ኢና። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንመጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት እትሽፍን ኰይና፡ ኣንባቢ ነቲ ፍጻመታት ባህ ኢልዎ ኸም ዜንብቦ ትገብር። በብጥቕሲ ብምዝርዛር ዘይኰነስ፡ ካብ ግብሪ ሃዋርያት እንታይ ትምህርቲ ኸም እንረክብን ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎን ትገልጽ።—ሮሜ 15:4።
2. ንገለ ኻብቲ መጽሓፍ መስክር ዘለዋ ትሕዝቶ ግለጽ።
2 ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ፦ እቲ ኣብ ገጽ 2 ዘሎ መእተዊ፡ ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተጻሕፈ ምዉቕ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ፣ ኣመሓዳሪ ኣካል ካብዛ መጽሓፍ እዚኣ ብኸመይ ክንጥቀም ከም ዚደልየና ገሊጹ ኣሎ። ካብ ምዕራፍ 2 ጀሚሩ፡ ቀንዲ ነጥቢ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ዚገልጽ ሓሳባትን ኣብኡ ተገሊጹ ዘሎ ኽፋል ግብሪ ሃዋርያትን ተሓቢሩ ኣሎ። ሓያሎ ምዕራፋት፡ ብዛዕባ ሰባት፡ ቦታታት፡ ወይ ፍጻመታት ዝርዝር ነገራት ዚሕብር ሳጹናት ሒዙ ኣሎ። እቲ ሰፊሕ ሕድጋት ሓሳባትና ንኽንጽሕፈሉ የኽእለና። እታ መጽሓፍ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ፍጻመታት ዜርኢ ሓያሎ ውቁብ ስእልታት ሒዛ ኣላ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣገዳሲ ፍጻመታት ኣብ ኣእምሮና ንኽንስእሎ ዚሕግዝ እዩ። ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ከኣ፡ እቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ እተፈላለየ ስእልታት እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኸም ዘሎ ዚሕብር መሐበሪ ስእሊ ይርከብ። ኣብ ውሽጢ ቐዳማይን ዳሕረዋይን ገበር፡ ነቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ብስራት ኪሰብኩ ኸለዉ ዚኸድዎ ቦታታት ንኽንከታተሎ ዚሕግዘና ካርታ ኣሎ።—ግብ. 1:8።
3. መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ብምጽናዕ፡ ንኸመይ ዝበለ ኣገዳስቲ ሕቶታት ኢና መልሲ ኽንረክብ እንኽእል፧
3 ንኣገደስቲ ሕቶታት ዚምልስ መልስታት፦ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ምምርማርና፡ ነቲ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዚለዓል ኣገደስቲ ሕቶታት ዚምልስ መልስታት ብንጹር ንኸነስተውዕሎ ይሕግዘና። ንኣብነት፡ መለለዪ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ዕዮን መልእኽትን እንታይ እዩ፧ ነዚ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ዚመርሖ ዘሎ መን እዩ፧ ብኸመይከ፧ መስጐጕትን ምጽራርን ንኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተሎም፧ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎትና እንታይ ግደ ኣለዎ፧
4. ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብምጽናዕ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4 ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ ነታ መጽሓፍ ኣቐዲምካ ኣጽንዓያ፡ ኣብ ጉባኤ ኣብ ዚግበር ምይይጥ ንኽትካፈል ከኣ ተዳሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ተረኸብ፡ ነቲ ትምህርቲ ኣብ ኣገልግሎትካ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ኸም እትኽእል ከኣ ኣስተንትን። ሃየ እምበኣር፡ ነዛ ባህ እተብል መጽሓፍ ብምጽናዕ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተማልአ መገዲ ንኽንምስክር ንለዓዓል!—ግብ. 28:23።