ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኢሳይያስ 38-42
የሆዋ ንድኹም ሓይሊ ይህብ
ንስሪ ዓምድታት ምዉቕ ኣየር ተጠቒሙ ንሰዓታት ኣብ ኣየር ኪንሳፈፍ ይኽእል እዩ። እቲ ንስሪ ሓንሳእ ነቲ ዓምዲ ምዉቕ ኣየር ረኺቡ ኺዝምቢ ምስ ጀመረ፡ እቲ ምዉቕ ኣየር ድማ ነቲ ንስሪ ንላዕሊ ይወስዶ። እቲ ንስሪ ኣብ እተወሰነ ርሕቐት ምስ በጽሐ ድማ፡ ናብቲ ዚቕጽል ዓምዲ ምዉቕ ኣየር፡ ሰለል ኢሉ ይሰግር
እቲ ንስሪ ብዘይ ዕረፍቲ ዚገብሮ ምንስፋፍ፡ ኣምላኽ ንዚህበና ብርታዐ፡ ኣብ ኣምልኾና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ዚገልጽ ጽቡቕ ምሳሌ እዩ