ዓንቀጽ መጽናዕቲ 13
የሆዋ ኺሕልወካ እዩ—ብኸመይ፧
“ጐይታ ግና እሙን እዩ፣ ንሱ እውን ኬበርትዓኩምን ካብቲ እኩይ ኪሕልወኩምን እዩ።”—2 ተሰ. 3:3።
መዝሙር 124 እሙናት ንኹን
መላለዪa
1. የሱስ ንየሆዋ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺሕልዎም ዝለመኖ ስለምንታይ እዩ፧
የሱስ ኣብታ ሰብ ኰይኑ ብህይወት ዝነበረላ ናይ መወዳእታ ምሸት ብዛዕባ እቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዜጋጥሞም ጸገማት ይሓስብ ነይሩ እዩ። በታ ንፈተውቱ ዘላቶ ፍቕሪ ተደሪኹ ኸኣ፡ ንኣቦኡ “ካብቲ እኩይ ክትሕልዎም” ኢሉ ለሚንዎ እዩ። (ዮሃ. 17:14, 15) ንሱ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ምስቶም ንየሆዋ ኼገልግሉ ዚደልዩ ኸም ዚዋጋእ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ህዝቢ የሆዋ፡ ዕቝባ የድልዮም እዩ።
2. የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚምልሰልና ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧
2 የሆዋ ንወዱ ስለ ዜፍቅሮ፡ ጸሎቱ መሊሱሉ እዩ። ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ዚከኣለና እንተ ጽዒርና፡ ንዓና እውን የፍቅረና እዩ። ነቲ ሓገዝን ዕቝባን ክንረክብ እነቕርቦ ጸሎት እውን ይሰምዖ እዩ። የሆዋ ግዱስ ርእሲ ስድራ ቤት ስለ ዝዀነ፡ ወትሩ ንደቁ ፍቕራዊ ሓልዮቱ የርእዮም እዩ። ስሙ እውን እንተ ዀነ፡ ምስዚ ይተሓሓዝ እዩ።
3. ሎሚ ዕቝባ የሆዋ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧
3 ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ዕቝባ የሆዋ የድልየና እዩ። ሰይጣን ካብ ሰማይ ተደርብዩ “ብብርቱዕ ቍጥዓ” ወሪዱ ኣሎ። (ራእ. 12:12) ንገሊኦም ሰጐጕትና ስለ ዘታለሎም ከኣ፡ “ንኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት” የቕርቡሉ ኸም ዘለዉ ይመስሎም እዩ። (ዮሃ. 16:2) ብዘይካዚ፡ በዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዘይንቕረጽ፡ ካልኦት ብኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት እውን ይሰጕጉና እዮም። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ቃል ኣምላኽ፡ “ጐይታ ግና እሙን እዩ፣ ንሱ እውን ኬበርትዓኩምን ካብቲ እኩይ ኪሕልወኩምን እዩ” ይብል እዩ። (2 ተሰ. 3:3) የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚሕልወና፧ ክልተ መገዲ እስከ ንርአ።
የሆዋ እንለብሶ ኣጽዋር የዳልወልና
4. ብመሰረት ኤፌሶን 6:13-17፡ የሆዋ ንዕቝባና ዚኸውን እንታይ ኣዳልዩልና ኣሎ፧
4 የሆዋ ኻብ መጥቃዕቲ ሰይጣን ዚከላኸለልና እንለብሶ ኣጽዋር ኣዳልዩልና ኣሎ። (ኤፌሶን 6:13-17 ኣንብብ።) እዚ መንፈሳዊ ኣጽዋር እዚ፡ ሓያልን ውጽኢታውን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንዅሉ እዚ ኣጽዋር እዚ እንተ ለቢስናዮ፡ ድሕሪኡ እውን እንተ ዘይቀንጢጥናዮ ጥራይ ኢና ዕቝባ እንረክብ። እዚ ኣጽዋር እዚ ንምንታይ ከም ዜመልክት በብሓደ እስከ ንመርምር።
5. ዕጣቕ ሓቂ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ ኢና ኽንዕጠቖ ዘሎና፧
5 ዕጣቕ ሓቂ ነቲ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት የመልክት። ስለምንታይ ኢና ነዚ ዕጣቕ እዚ ኽንዕጠቖ ዘሎና፧ ምኽንያቱ፡ ሰይጣን “ኣቦ ሓሶት” እዩ። (ዮሃ. 8:44) ንኣሽሓት ዓመታት ኪሕሱ ጸኒሑ እዩ፣ “ንብዘላ ዓለም” ድማ የስሕታ ኣሎ። (ራእ. 12:9) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ግና፡ ከይንታለል ይሕልወና እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ምሳልያዊ ዕጣቕ ብኸመይ ኢና እንዕጠቖ፧ ብዛዕባ የሆዋ ሓቂ ብምፍላጥን ንየሆዋ “ብመንፈስን ብሓቅን” ብምምላኽን ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ብምንባርን ኢና ነዚ ዕጣቕ እዚ እንዕጠቖ።—ዮሃ. 4:24፣ ኤፌ. 4:25፣ እብ. 13:18።
6. ድርዒ ጽድቂ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ ኢና ኽንለብሶ ዘሎና፧
6 ድርዒ ጽድቂ ነቲ ጽድቃዊ መለክዒታት የሆዋ የመልክት። ስለምንታይ ኢና ነዚ ድርዒ እዚ ኽንለብሶ ዘሎና፧ ከምቲ ድርዒ ንወተሃደር ልቡ ኸይውጋእ ዚከላኸለሉ፡ ድርዒ ጽድቂ እውን ንምሳልያዊ ልብና ወይ ውሽጣዊ እንታይነትና ብጽልዋታት እዛ ዓለም ከይበላሾ ይከላኸለሉ እዩ። (ምሳ. 4:23) የሆዋ ብምሉእ ልብና ኸነፍቅሮን ከነገልግሎን እዩ ዚጽበየና። (ማቴ. 22:36, 37) ሰይጣን ከኣ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ የሆዋ ዚጸልኦ ነገራት ከም እንፈቱ ብምግባር፡ ንልብና ኪኸፍሎ ይጽዕር እዩ። (ያእ. 4:4፣ 1 ዮሃ. 2:15, 16) እዚ እንተ ዘይሰሊጥዎ ኸኣ፡ ብምፍርራህ መለክዒታት ኣምላኽ ከም እንጥሕስ ኪገብረና ይጽዕር እዩ።
7. ከመይ ጌርና ኢና ድርዒ ጽድቂ እንለብስ፧
7 ድርዒ ጽድቂ ንምልባስ፡ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ቅኑዕን ጌጋን ክንቅበል፡ በቲ መለክዒታት እቲ እውን ክንመላለስ ኣሎና። (መዝ. 97:10) ገሊኦም ሰባት፡ መለክዒታት የሆዋ ቐያዲ ኸም ዝዀነ ይመስሎም። ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምልላስ ደው እንተ ኣቢልና ግና፡ ከምቲ ኣብ መንጎ ውግእ ከቢዱኒ ኢሉ ድርዑ ዜውጽእ ወተሃደር ኢና እንኸውን። እዚ ዕሽነት ምዀነ! ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ሰባት፡ ትእዛዛቱ ህይወት ዜድሕን ደኣ እዩ እምበር፡ “ከቢድ ኣይኰነን።”—1 ዮሃ. 5:3።
8. ኣብ ኣእጋርና ነቲ ብስራት ንምብሳር ዘሎና ድሉውነት ከም ኣሳእን ምውዳይ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
8 ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ ኣብ ኣእጋርና ነቲ ብስራት ሰላም ንምብሳር ዘሎና ድሉውነት ከም ኣሳእን ክንወዲ ተማሕጺኑና ኣሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ወትሩ ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ክንነግሮም ከለና፡ እምነትና ትድልድል እያ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚነብሩ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ነቲ ብስራት ንምንጋር ዝረኸብዎ ዅሉ ኣጋጣሚ ኸም ዚጥቀሙ ምርኣይ ብሓቂ የተባብዕ እዩ፣ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ቦታታት ንግዲ፡ ኣብ በቤት፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ንዘይኣመንቲ ቤተ ሰብ ኪበጽሑ ኸለዉ፡ ምስ ዚፈልጥዎም ሰባት ኬዕልሉ ኸለዉ፡ ዋላ እውን ዓዲ ውዒል ኣብ ዚዀኑሉ እዋን ይሰብኩ እዮም። ፈሪህና ስብከት ደው እንተ ኣቢልና፡ ከምቲ ኣብ መንጎ ውግእ ኣሳእኑ ዘውጽአ ወተሃደር ኢና እንኸውን። ኣእጋሩ ብቐሊሉ እዩ ዚቘስል። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንመጥቃዕቲ ይቃላዕ፡ ትእዛዝ ኣዛዚኡ ኺስዕብ እውን ኣይክእልን።
9. ዓብዪ ዋልታ እምነት ክንጸውር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
9 እቲ ዓብዪ ዋልታ እምነት ነታ ኣብ የሆዋ ዘላትና እምነት የመልክት። የሆዋ ንዅሉ እቲ ዘተስፈወና ተስፋታት ከም ዚፍጽሞ ንኣምን ኢና። እታ እምነት እቲኣ ኸኣ፡ ‘ነቲ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት እቲ እኩይ ከነጥፍእ’ ተኽእለና እያ። ስለምንታይ ኢና ነዚ ዓብዪ ዋልታ ኽንስከም ዘሎና፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ዓብዪ ዋልታ ብትምህርታት ከሓድቲ ኸይንታለል ወይ ብባጫ መላገጽቲ ኸይንደሃል የዕቍበና እዩ። እምነት እንተ ዘይብልና፡ ሰባት ንመለክዒታት የሆዋ ዕሽሽ ክንብል ኪሓብሉና ኸለዉ፡ ንምጽራሮም ዜኽእል ብርታዐ ኣይህልወናን እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ኣብ ስራሕ ኰነ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ እምነትና ጸኒዕና ብዝቘምና መጠን ዋልታና ኢና እንጸውር ዘለና። (1 ጴጥ. 3:15) ንኣምልኾና ዕንቅፋት ዚኸውን ጽቡቕ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ምቕባል ብዝኣበና መጠን፡ ዋልታና ኢና እንጸውር ዘለና። (እብ. 13:5, 6) ተቓውሞ እናኣጋጠመና ኽነሱ ንየሆዋ ብዘገልገልና መጠን ከኣ፡ ብዋልታና ኢና እንምክት ዘለና።—1 ተሰ. 2:2።
10. ናይ ድሕነት ቍራዕ ርእሲ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ ኢና ናይ ድሕነት ቍራዕ ርእሲ ኸነእቱ ዘሎና፧
10 ናይ ድሕነት ቍራዕ ርእሲ የሆዋ ዚህበና ተስፋ እዩ፣ እዚ ኸኣ እቲ ኻብ ሞት ከም ዜድሕነናን ፍቓዱ ንእንገብር ዘበልና ዅላትና ዓስብና ኸም ዚህበናን ዘተስፈወና ተስፋ እዩ። (1 ተሰ. 5:8፣ 1 ጢሞ. 4:10፣ ቲቶ. 1:1, 2) ከምቲ ቝራዕ ርእሲ ንወተሃደር ርእሱ ዚከላኸለሉ፡ ናይ ድሕነት ተስፋ ኸኣ ንሓሳብና ይከላኸለሉ እዩ። ብኸመይ፧ እቲ ተስፋ እቲ ኣብቲ ኣምላኽ ዘተስፈወና ነገራት ከም እነተኵር ይገብረና፣ ብዛዕባ ጸገማት ከኣ ቅኑዕ ኣረኣእያ ኽንሕዝ የኽእለና። ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ቝራዕ ርእሲ እነእትዎ፧ ንሓሳባትና ምስ ሓሳባት ኣምላኽ ብምስምማዕ ኢና ኸምኡ እንገብር። ንኣብነት፡ ኣብ ዘየተኣማምን ሃብቲ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣምላኽ ኢና ተስፋ እንገብር።—መዝ. 26:2፣ 104:34፣ 1 ጢሞ. 6:17።
11. ናይ መንፈስ ሰይፊ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ ኢና ኽንጥቀመሉ ዘሎና፧
11 ናይ መንፈስ ሰይፊ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። እቲ ሰይፊ እቲ ንዅሉ ዓይነት ምትላል ኪስንጥቕ፡ ንሰባት ከኣ ካብ ባርነት ናይ ሓሶት ትምህርትታትን ጐዳኢ ልማዳትን ሓራ ኼውጽእ ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 10:4, 5፣ 2 ጢሞ. 3:16, 17፣ እብ. 4:12) ግቡእ ኣጠቓቕማ እቲ ሰይፊ ኸኣ ብብሕታዊ መጽናዕትን በቲ ውድብ የሆዋ እትህቦ ስልጠናን ኣቢልና ኢና እንምሃር። (2 ጢሞ. 2:15) የሆዋ ኣብ ርእሲ እዚ እንለብሶ ኣጽዋር፡ ካልእ ዓይነት ብርቱዕ ዕቝባ እውን ይህበና እዩ። እዚ እንታይ እዩ፧
በይንና ዄንና ኣይኰንናን እንዋጋእ
12. እንታይ ተወሳኺ ነገር እዩ ዜድልየና፧ ስለምንታይከ፧
12 ሓደ ምኩር ወተሃደር ምስ ሓደ ዓብዪ ሰራዊት በይኑ ገጢሙ ኺዕወት ከም ዘይክእል ይፈልጥ እዩ፣ ናይ ብጾቱ ወተሃደራት ሓገዝ የድልዮ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ምስ ሰይጣንን ሰዓብቱን በይንና ገጢምና ኽንዕወት ኣይንኽእልን ኢና፣ ናይ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደገፍ የድልየና እዩ። የሆዋ ድማ ኪሕግዙና ዚኽእሉ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚነብሩ “ኣሕዋት” ሂቡና ኣሎ።—1 ጴጥ. 2:17።
13. ብመሰረት እብራውያን 10:24, 25፡ ካብ ኣኼባታትና እንታይ ጥቕሚ ኢና እንረክብ፧
13 ሓደ ኻብቲ ደገፍ እንረኽበሉ መገድታት፡ ኣብ ኣኼባታትና ብምእካብ እዩ። (እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።) ኵላትና ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ንቘርጽ ኢና፣ ከምኡ ኺስምዓና ኸሎ፡ ኣኼባታትና ኼተባብዓና ይኽእል እዩ። በቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ልቢ ዚህብዎ ሓሳባት ንተባባዕ ኢና። እቲ ንሳቶም ዜቕርብዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረታትን መርኣያታትን ከኣ፡ ንየሆዋ ኸነገልግሎ ዘሎና ቘራጽነት የሐይለልና እዩ። ቅድምን ድሕርን ኣኼባ እንገብሮ ሃናጺ ዝርርባት እውን የተባብዓና እዩ። (1 ተሰ. 5:14) ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣኼባታትና ንኻልኦት ብምሕጋዝ ዚመጽእ ሓጐስ ክንረክብ ኣጋጣሚ ይኽፈተልና እዩ። (ግብ. 20:35፣ ሮሜ 1:11, 12) ኣኼባታትና ብኻልእ መገድታት እውን ይሕግዘና እዩ። ንኣገልግሎት ዕጡቓት ብምግባር፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ናይ ውግእ ክእለትና ይስሕለልና እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ናውቲ ትምህርቲ ብውጽኢታዊ መገዲ ኽንጥቀመሉ ንምሃር ኢና። ስለዚ፡ ንኣኼባታት ጉባኤ ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ። ኣብ ኣኼባ፡ ጽን ኢልካ ስማዕ። ድሕሪ ኣኼባ፡ ነቲ እተዋህበካ ስልጠና ተግብሮ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ “ንፉዕ ወተሃደር ክርስቶስ የሱስ” ክትከውን ኢኻ።—2 ጢሞ. 2:3።
14. እንታይ ካልእ ሓገዝ እዩ ቐሪቡልና ዘሎ፧
14 ኣእላፋት ሓያላት መላእኽቲ እውን ይድግፉና እዮም። ሓደ መልኣኽ ጥራይ እንታይ ኪገብር ከም ዚኽእል እሞ ሕሰብ! (ኢሳ. 37:36) ኣስዕብ ኣቢልካ ሓያላት ሰራዊት መላእኽቲ እንታይ ኪዓምሙ ኸም ዚኽእሉ ሕሰብ። ምስቶም ሓያላት ሰራዊት የሆዋ ገጢሙ ኺዕወት ዚኽእል ሰብ ኰነ ጋኔን የልቦን። ሓደ እሙን ሰብ ተደመሮ የሆዋ ወትሩ ኻብ ካልኦት ይሕይሉ ኺብሃል ይከኣል እዩ። (መሳ. 6:16) እዚ ሓቂ ምዃኑ ኣየጠራጥርን እዩ። መሳርሕትኻ፡ መማህርትኻ፡ ወይ ዘይኣማኒ ቤተ ሰብካ ዚብሎ ወይ ዚገብሮ ኼፍርሃካ ኸሎ ነዚ ሓሳባት እዚ ዘክሮ። ኣብዚ ውግእ እዚ በይንኻ ዄንካ ትዋጋእ ከም ዘየለኻ ዘክር። መምርሒ የሆዋ ኢኻ እትስዕብ ዘለኻ።
የሆዋ ብሕጂ እውን ኪሕልወና እዩ
15. ብመሰረት ኢሳይያስ 54:15, 17፡ ጸላኢ ንህዝቢ ኣምላኽ ስቕ ኬብሎም ዘይከኣለ ስለምንታይ እዩ፧
15 እዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም ንዓና እትጸልኣሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዋ። ካብ ፖለቲካ ፍጹም ገለልትነትና ንሕሉ፡ ኣጽዋር እውን ኣይነልዕልን ኢና። ስም ኣምላኽ ንእውጅ፡ መንግስቱ ጥራይ ተስፋ ሰላም ምዃና ነበስር፡ ነቲ ጽድቃዊ መለክዒታቱ እውን ንድግፍ ኢና። ንገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሓሳውን ቀታል ነፍስን ምዃኑ ነቃልዖ ኢና። (ዮሃ. 8:44) ጥፍኣት ናይ ሰይጣን ዓለም ከም ዝቐረበ እውን ንእውጅ ኢና። ይኹን እምበር፡ ሰይጣንን ሰዓብቱን ስቕ ኬብሉና ኣይከኣሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ብዘሎና ዅሉ ተጠቒምና ንየሆዋ ንውድሶ ኢና! ሰይጣን ኣዝዩ ሓያል እኳ እንተ ዀነ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኸይስበኽ ግና ኪዓግት ኣይከኣለን። እዚ ሳላ ዕቝባ የሆዋ ጥራይ እዩ ኺግበር ተኻኢሉ።—ኢሳይያስ 54:15, 17 ኣንብብ።
16. የሆዋ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ንህዝቡ ብኸመይ እዩ ዜድሕኖም፧
16 ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበየና ኣሎ፧ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ የሆዋ ብኽልተ ዜደንቕ መገድታት ኬድሕነናን እዩ። ቀዳማይ፡ ብነገስታት ምድሪ ኣቢሉ ነታ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሃጸያዊት ግዝኣት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ኬጥፍኣ ኸሎ፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኼድሕኖም እዩ። (ራእ. 17:16-18፣ 18:2, 4) ድሕሪኡ ኸኣ፡ ነቲ ዝተረፈ ባእታታት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣብ ኣርማጌዶን ኬጥፍኦ ኸሎ፡ ንህዝቡ ኼድሕኖም እዩ።—ራእ. 7:9, 10፣ 16:14, 16።
17. ካብ የሆዋ እንተ ዘይርሒቕና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧
17 ካብ የሆዋ ስለ ዘይረሓቕካ፡ ሰይጣን ነባሪ ጕድኣት ኬምጽኣልካ ኣይክእልን እዩ፣ እኳ ደኣስ ንሱ እዩ ነባሪ ጕድኣት ዚወርዶ። (ሮሜ 16:20) ስለዚ፡ ምሉእ ኣጽዋር ልበስ፣ ድሕሪኡ ኸኣ ኣይትቐንጥጦ! ኣብቲ ውግእ በይንኻ ዄንካ ኽትዋጋእ ኣይትፈትን። ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ደግፎም። መምርሒ የሆዋ ኸኣ ስዓብ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኻ ኸም ዚሕልወካን ከም ዜበርትዓካን ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—ኢሳ. 41:10።
መዝሙር 149 መዝሙር ዓወት
a የሆዋ ኸም ዜበርትዓናን ካብ መንፈሳዊ ጕድኣት ኰነ ኻብ ዝዀነ ነባሪ ጕድኣት ከም ዚሕልወናን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምልስ ኢና፦ ስለምንታይ እዩ ዕቝባ ዜድልየና፧ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚሕልወና፧ ካብቲ የሆዋ ዚህቦ ሓገዝ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ኣሎና፧