ዓንቀጽ መጽናዕቲ 6
ተግባር የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ምዃኑስ ትኣምን ዲኻ፧
“ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ እሞ፡ እቲ ኸውሒ፡ ተግባሩ ፍጹም እዩ። ከቶ ዘይዕምጽ ኣምላኽ ተኣማንነት፡ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ ንሱ።”—ዘዳ. 32:4።
መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና
መላለዪa
1-2. (ሀ) ሎሚ ብዙሓት ሰባት ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ምእማን ዜጸግሞም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧
ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ስልጣን ንዘለዎ ዘበለ ኣይኣምንዎን እዮም። ሕጋውን ፖለቲካውን ስርዓታት ንሃብታማትን ንሓያላትን ኬሻሩ፡ ንድኻታት ከኣ ፍትሒ ኪኸልእ እዮም ርእዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ዚገዝኣሉ ግዜ” ኸም ዘሎ ብልክዕ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (መክ. 8:9) ብተወሳኺ፡ ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት ብዙሕ ክፉእ ነገራት ይገብሩ እዮም። እዚ ድማ ንገሊኦም ሰባት ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮም እምነት ከም ዜጥፍኡ ገይርዎም እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ምሳና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ኪሰማማዕ ከሎ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ምድራውያን ተወከልቱን እምነት ምእንቲ ኼሕድር ክንሕግዞ ኣሎና።
2 ልክዕ እዩ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን እምነት ኬሕድሩ ዜድልዮም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኣይኰኑን። እቶም ኣብ ሓቂ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸናሕና እኳ፡ ተግባር የሆዋ ወትሩ ብሉጽ ምዃኑ ኽንኣምን ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ ዚፍጠር ኵነታት፡ ነዚ እምነትና እዚ ዚፍትን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እምነትና ኺፍተነሉ ዚኽእል ሰለስተ መዳይ ክንርኢ ኢና፦ (1) ገሊኡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ (2) ካብ ውድብ የሆዋ መምርሒ ኺውሃበና ኸሎ፡ (3) ኣብ መጻኢ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ።
መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ንየሆዋ እመኖ
3. ገሊኡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነት ዚፍትኖ ብኸመይ እዩ፧
3 ቃል ኣምላኽ ከነንብብ ከለና፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንገሊኦም ሰባት ዝሓዘሉ መገድን ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ውሳነታትን ሕቶታት ይልዓለና ይኸውን። ንኣብነት፡ ኣብ መጽሓፍ ዘሁልቍ፡ የሆዋ ንሓደ እስራኤላዊ፡ ብሰንበት ዕንጨይቲ ብምእራዩ ንሞት ከም ዝፈረዶ ነንብብ ኢና። ኣብ ካልኣይ መጽሓፍ ሳሙኤል ከኣ፡ ድሕሪ ዘመናት ንጉስ ዳዊት ዝሙትን ቅትለትን ፈጺሙ ኽነሱ፡ የሆዋ ኸም ዝመሓሮ ነንብብ ኢና። (ዘሁ. 15:32, 35፣ 2 ሳሙ. 12:9, 13) ስለዚ፡ ‘የሆዋ ንዳዊት ቅትለትን ዝሙትን ይቕረ እናበለሉ ኽነሱ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ግና ብሰንኪ ንእሽቶ ዚመስል ሓጢኣት ንሞት ዝፈረዶ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ክንዝክሮ ዚግባእ ሰለስተ ረቛሒ ኽንርኢ ኢና።
4. ዘፍጥረት 18:20, 21ን ዘዳግም 10:17ን ነቲ ኣብ ፍርድታት የሆዋ ዘሎና እምንቶ ዜደልድለልና ብኸመይ እዩ፧
4 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ ጸብጻብ ዘሎ ዅሉ ዝርዝር ነጥብታት ኣይሕብርን እዩ። ንኣብነት፡ ዳዊት ካብ ልቡ ኸም እተነስሐ ንፈልጥ ኢና። (መዝ. 51:2-4) እቲ ሕጊ ሰንበት ዝጠሓሰ ሰብኣይ ግና እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ፧ በቲ ዝገበሮ ተጣዒሱ ድዩ፧ ቅድሚኡ ሕግታት የሆዋ ጥሒሱ ይፈልጥ ድዩ፧ ቅድሚኡ እተዋህቦ መጠንቀቕታታት ዕሽሽ ኢሉ ወይ ነጺጉ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይገልጽን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ርግጸኛ ኽንኰነሉ እንኽእል ነገር ኣሎ፦ የሆዋ “ኸቶ ዘይዕምጽ” ኣምላኽ እዩ። (ዘዳ. 32:4) ውሳነታት ኪገብር ከሎ፡ ኣብ በላበለው፡ ኣብ ኣቐዲምካ ፍርዲ፡ ወይ ንፍርዲ ሰባት ኣብ ዜጣምም ካልእ ነገራት ተመስሪቱ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኵሉ ሓቅታት ተመስሪቱ እዩ ዚውስን። (ዘፍጥረት 18:20, 21፣ ዘዳግም 10:17 ኣንብብ።) ብዛዕባ የሆዋን መለክዒታቱን ብዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን፡ ኣብ ፍርድታቱ ብዝያዳ እምነት ነሕድር ኢና። ኣብ ሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጂ ኽንምልሶ ዘይንኽእል ሕቶ እኳ እንተ ተላዕለና፡ “ብዅሉ መገድታቱ ጻድቕ” ምዃኑ ርግጸኛታት ኪገብረና ዚኽእል ኣኺሉ ዚተርፍ ፍልጠት ኣሎና።—መዝ. 145:17።
5. ዘይፍጽምና ነቲ ብዛዕባ ፍትሒ ዘሎና ሚዛን ብኸመይ ይጸልዎ፧ (“ዘይፍጽምና ነቲ ብዛዕባ ፍትሒ ዘሎና ኣረኣእያ የመዛብሎ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)
5 ብዛዕባ ፍትሒ ዘሎና ሚዛን ብሰንኪ ዘይፍጽምና ይዛባዕ እዩ። ኣምላኽ ብመልክዑ እዩ ፈጢሩና፣ ስለዚ፡ ሰባት ብፍትሒ ኺትሓዙ ኢና እንደሊ። (ዘፍ. 1:26) ኰይኑ ግና፡ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ኵሉ ጭቡጥ ሓቅታት ዝረኸብና ዀይኑ ኣብ ዚስምዓና እዋን እኳ፡ ግጉይ ፍርዲ ኽንህብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ዮናስ በቲ የሆዋ ንሰብ ነነዌ ኺምሕር ዝገበሮ ውሳነ ብዙሕ እዩ ጕህዩ ነይሩ። (ዮና. 3:10–4:1) ግናኸ፡ ምሕረት የሆዋ ዘፍረዮ እሞ ሕሰቦ። ህይወት ልዕሊ 120,000 እተነስሑ ሰብ ነነዌ እዩ ድሒኑ! ኣብ መወዳእታ፡ የሆዋ ዘይኰነስ፡ ዮናስ እዩ ኺእረም ነይርዎ።
6. የሆዋ ብዛዕባ ውሳነታቱ ኺገልጸልና ግዴታ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧
6 የሆዋ ንሰባት ብዛዕባ ውሳነታቱ ኺገልጸሎም ግዴታ የብሉን። ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ንገላውኡ ብዛዕባ እቲ ዚገብሮ ወይ ኪገብሮ ዝሓሰበ ውሳነታት ዜተሓሳስቦም ነገር ኪገልጹ ፈቒዱሎም እዩ። (ዘፍ. 18:25፣ ዮና. 4:2, 3) ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ውሳነኡ ይገልጸሎም እዩ። (ዮና. 4:10, 11) እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ንዓና ብዛዕባ ውሳነታቱ ኺገልጸልና ግዴታ የብሉን። ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ሓደ ነገር ቅድሚ ምግባሩ ዀነ ድሕሪኡ ንሕና ኸነጽድቐሉ ኣየድልዮን እዩ።—ኢሳ. 40:13, 14፣ 55:9።
መምርሒ ኺውሃበካ ኸሎ፡ ንየሆዋ እመኖ
7. እንታይ እዩ ኼጸግመና ዚኽእል፧ ስለምንታይከ፧
7 የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ኸም ዚገብር፡ ብምሉእ ልብና ንኣምኖ ኢና። ኣብ ሰብኣውያን ተወከልቱ ምእማን ግና ኬጸግመና ይኽእል እዩ። እቶም ኣብ ውድብ የሆዋ እተወሰነ ስልጣን ዘለዎም ሰባት ዚወስድዎ ስጕምቲ ብመሰረት መምርሒ የሆዋ ወይ ካብ ርእሶም እንተ ዀይኑ ሕቶ ይፍጠረና ይኸውን። ገሊኦም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ተመሳሳሊ ሓሳብ ተላዒልዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 3 እተጠቕሰ ኣብነታት እሞ ርአ። ዘመድ እቲ ሕጊ ሰንበት ዝጠሓሰ ሰብኣይ፡ ሙሴ ነቲ ሰብኣይ ንሞት ቅድሚ ምፍራዱ፡ ንየሆዋ ብሓቂ ሓቲትዎ እንተ ዀይኑ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዓርኪ ኡርያ እቲ ሔታዊ ኸኣ፡ ዳዊት ምስ ሰበይቲ ኡርያ ዘምዩ ኼብቅዕ ብንግስናኡ ተጠቒሙ ኻብቲ ዚግብኦ መቕጻዕቲ ኸም ዘምለጠ ገይሩ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ ግና፡ ነቶም የሆዋ ዝኣመኖም ምድራውያን ተወከልቱ እንተ ዘይኣሚንናዮም፡ ንየሆዋ ንኣምኖ ኽንብል ኣይንኽእልን ኢና።
8. ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 16:4, 5 ተመዝጊቡ ዚርከብ ጸብጻብን ኣብ መንጎ እዚ ሎሚ ክርስትያናዊት ጉባኤ እትጥቀመሉ ዘላ ኣሰራርሓን እንታይ ምስስል ኣሎ፧
8 ሎሚ የሆዋ ንምድራዊ ኽፋል ውድቡ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ እዩ ዚመርሖ። (ማቴ. 24:45) እዚ ባርያ እዚ ድማ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ዘመን ኣመሓዳሪ ኣካል ዚገብሮ ዝነበረ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብሓላፍነት ይመርሕ፡ ንሽማግለታት ጉባኤ እውን መምርሒ ይህብ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:4, 5 ኣንብብ።) ሽማግለታት ከኣ ብተራኦም ነቲ መምርሒ ኣብ ጉባኤታት ይትግብርዎ እዮም። እምበኣር፡ ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ብሽማግለታት ኣቢሉ ዚውሃበና መምርሒ ብምስዓብ ኢና ኣብ ተግባራት የሆዋ ዘሎና እምነት እነርኢ።
9. ሽማግለታት ምስ ዚገብርዎ ውሳነታት ምትሕብባር ዜጸግመና መዓስ ኪኸውን ይኽእል፧ ስለምንታይከ፧
9 ሓድሓደ ግዜ፡ ሽማግለታት ምስ ዚገብርዎ ውሳነታት ምትሕብባር የጸግመና ይኸውን። ንኣብነት፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ብዙሓት ጉባኤታትን ወረዳታትን ከም ብሓድሽ ተወዲቡ እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ንዓቕሚ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ብግቡእ ምእንቲ ኽንጥቀመሉ ተባሂሉ፡ ሽማግለታት ንኣስፋሕቲ ናብ ካልእ ጉባኤ ኺግዕዙ ሓቲቶምዎም እዮም። ናብ ካልእ ጉባኤ ኽንግዕዝ እንተ ተሓቲትና፡ ፈተውትናን ቤተ ሰብናን ሓዲግና ምኻድ ይኸብደና ይኸውን። ሽማግለታት ንነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኣበይ ኪምደብ ከም ዚግባእ ዚሕብር መለኮታዊ መምርሒ ይውሃቦም ድዩ፧ ኣይፋልን። እዚ ሓቂ እዚ ኸኣ፡ ነቲ ዚውሃበና መምርሒ ምስዓብ ከም ዚኸብደና ይገብር ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንሽማግለታት፡ ከምዚ ዝበለ ውሳነታት ኪገብሩ ይኣምኖም እዩ፣ ንሕና እውን ክንኣምኖም ኣሎና።b
10. ብመሰረት እብራውያን 13:17፡ ምስ ሽማግለታት ክንተሓባበር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
10 ዋላ እውን እቲ ዚውሰን ውሳነታት ንሕና ዘይንመርጾ ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ ምስ ሽማግለታት ክንተሓባበርን ንውሳነታቶም ክንድግፎን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ ኸምኡ ኽንገብር ከለና፡ ንሓድነት ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምዕቃብ ኢና እጃምና እነበርክት። (ኤፌ. 4:2, 3) ኵሉ ምስቲ ብኣካል ሽማግለታት ዚግበር ውሳነታት ብትሕትና እንተ ተሓባቢሩ እዩ ጉባኤታት ዚባረኻ። (እብራውያን 13:17 ኣንብብ።) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ምስቶም የሆዋ ኺሓልዩልና ኢሉ ኣሚኑ ሓላፍነት ዝሃቦም ብምትሕብባር፡ ንዕኡ ኸም እንኣምኖ ነርእዮ ኢና።—ግብ. 20:28።
11. ኣብቲ ሽማግለታት ዚህቡና መምርሒ ዘሎና እምነት ንምድልዳል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
11 ሽማግለታት ንጉባኤ ብዛዕባ ዚጸሉ ነገራት ኪመያየጡ ኸለዉ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃቦም ከም ዚጽልዩ ብምዝካር፡ ኣብቲ ዚህቡና መምርሒ ዘሎና እምነት ከነደልድል ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ ድማ፡ ምስቲ ጕዳይ ዚተሓሓዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይምርምሩ፡ ብውድብ የሆዋ ዚውሃቦም መምርሒታት እውን ይውከሱ እዮም። ንየሆዋ ባህ ኬብሉን ንህዝቡ ብእተኻእሎም ኪሓልዩን እዮም ካብ ልቦም ዚደልዩ። እዞም እሙናት ሰባት እዚኦም በቲ ንሓላፍነቶም ዚሕዙሉ መገዲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸብጻብ ዚህቡ ምዃኖም ይፈልጡ እዮም። (1 ጴጥ. 5:2, 3) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ኣብዛ ብዓሌትን ብሃይማኖትን ብፖለቲካን እተገማምዐት ዓለም፡ ህዝቢ የሆዋ ነቲ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዜቕርብዎ ኣምልኾ ኣቢሎም ሓድነት ረኺቦም ኣለዉ። እዚ ኪኸውን ዝኸኣለ፡ የሆዋ ንውድቡ ስለ ዝባረኻ ጥራይ እዩ!
12. ሽማግለታት፡ ሓደ ሰብ ብሓቂ እንተ ተነሲሑ ኺግምግሙ ኸለዉ፡ እንታይ ረቛሒታት እዮም ኣብ ግምት ዜእትዉ፧
12 የሆዋ ንሽማግለታት፡ ንጽህና ጉባኤ ናይ ምሕላው ከቢድ ሓላፍነት ሂብዎም ኣሎ። ሓደ ክርስትያን ከቢድ ሓጢኣት እንተ ገይሩ፡ የሆዋ ንሽማግለታት፡ እቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ጉባኤ ኺጸንሕ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ኺውስኑ ይጽበዮም እዩ። ንሳቶም ከኣ እቲ ሰብ እቲ በቲ ዝገበሮ ብሓቂ ተጣዒሱ እንተ ዀይኑ ኺፈልጡ ኣለዎም። ከም እተነስሐ ይዛረብ ይኸውን፣ ንተግባሩ ግና ብሓቂ ይጸልኦ ድዩ፧ ሓጢኣቱ ኸይደግም ቈሪጹ ድዩ፧ ሕማቕ ዕርክነት ናብቲ ኣበሳ እንተ መሪሕዎ፡ ነቲ ዕርክነት እቲ ኺበትኮ ፍቓደኛ ድዩ፧ ሽማግለታት ናብ የሆዋ ይጽልዩ፡ ነቲ ጭቡጥ ሓቅታት ምስ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እናኣሳነዩ ይምርምሩ፡ እቲ ኣባሲ ብዛዕባ ተግባሩ ዘለዎ ኣረኣእያ እውን ኣብ ግምት የእትዉ እዮም። ድሕሪኡ፡ እቲ ኣባሲ ኣብ ጉባኤ ኺጸንሕ ዚፍቀደሉ እንተ ዀይኑ ይውስኑ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ኪውገድ ኣለዎ።—1 ቈረ. 5:11-13።
13. ሓደ ዓርክና ወይ ቤተ ሰብና እንተ ተወጊዱ እንታይ እዩ ኼተሓሳስበና ዚኽእል፧
13 ኣብ ሽማግለታት ዘሎና እምነት ብኸመይ ኪፍተን ይኽእል፧ እቲ እተወገደ ሰብ ናይ ቀረባ ዓርክና ወይ ቤተ ሰብና እንተ ዘይኰይኑ፡ ነቲ ውሳነ ብቐሊሉ ንቕበሎ ንኸውን። ንበል ግና፡ እቲ እተወገደ ሰብ ናይ ቀረባ ዓርክና እዩ። ምናልባት እቶም ሽማግለታት ንዅሉ ሓቅታት ኣብ ግምት እንተ ኣእትዮም ወይ እንተ ዘየእትዮም የተሓሳስበና ይኸውን፣ ወይ ነቲ ጕዳይ ኸምቲ የሆዋ ዚፈርዶ ገይሮም ብሓቂ እንተ ፈሪዶምዎ ንሓስብ ንኸውን። እሞ ደኣ ነቲ ውሳነ እቲ ግቡእ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
14. ሽማግለታት ብዛዕባ ውገዳ ዚገብርዎ ውሳነ ብውልቂ ዚጸልወና ኪኸውን ከሎ፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
14 ውገዳ ንጉባኤ ዚጠቅም፡ ንኣባሲ እውን ኪጠቅም ዚኽእል ብየሆዋ እተሰርዐ ስርዓት ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና። ሓደ ዘይንሳሕ ኣባሲ ኣብ ጉባኤ ኺጸንሕ እንተ ተፈቒዱሉ፡ ንኻልኦት ኬበላሽዎም ይኽእል እዩ። (ገላ. 5:9) ብተወሳኺ፡ ሓጢኣቱ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝዀነ ኸይርድኦ ይኽእል እዩ፣ ሞገስ የሆዋ ንምርካብ ኣተሓሳስባኡን ተግባራቱን ኬዐሪ ዜለዓዕሎ ብዙሕ ድራኸ እውን ከይህልዎ ይኽእል እዩ። (መክ. 8:11) ሽማግለታት፡ ሓደ ሰብ ኪውገድ እንተ ኣልይዎ ኺውስኑ ኸለዉ፡ ንሓላፍነቶም ብርዝነት ከም ዚሕዝዎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ከምቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ፈራዶ፡ ‘ንየሆዋ ኢሎም እምበር፡ ንሰብ ኢሎም’ ከም ዘይፈርዱ ይፈልጡ እዮም።—2 ዜና 19:6, 7።
ሎሚ ንየሆዋ ንኣምኖ እንተ ዄንና፡ ንመጻኢ ስልጠና ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧
15. ሎሚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንመምርሒ የሆዋ ኽትኣምኖ ዜድልየካ ስለምንታይ እዩ፧
15 መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ተግባር የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ምዃኑ ኽንኣምን ኣሎና። ስለምንታይ፧ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ዜደንጹ፡ ዘይግብራዊ፡ ወይ ዘይከውን ዚመስል መምርሒታት ይውሃበና ይኸውን። የሆዋ መሸም ብኣካል ኣይኰነን ኪዛረበና። የግዳስ፡ በቶም እተሸሙ ተወከልቱ ኣቢሉ መምርሒ ኺህበና ኢና ትጽቢት እንገብር። ሽዑ፡ ‘እዝስ ብሓቂ ኻብ የሆዋ ዝመጸ ድዩ፡ ወይስ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ብርእሶም እዮም ዚውስኑ ዘለዉ፧’ ኢልና ነቲ መምርሒ ኣብ ሕቶ እነእትወሉ ወይ እንጠራጠረሉ እዋን ኪኸውን ኣይግባእን እዩ። እሞ ደኣ ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ወሳኒ ዝዀነ እዋን፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር፧ ሕጂ ንቲኦክራስያዊ መምርሒ እትህቦ ምላሽ፡ ነቲ ሽዑ እትገብሮ ነገር ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሎሚ ንዚውሃበና መምርሒ እትኣምኖ እንተ ዄንካ፡ ብቕልጡፍ እውን እትእዘዝ እንተ ኣሊኻ፡ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ እውን ከምኡ ኽትገብር ኢኻ።—ሉቃ. 16:10።
16. ኣብ ፍርድታት የሆዋ ዘሎና እምነት ኣብ ቀረባ እዋን ብኸመይ ኪፍተን ይኽእል፧
16 ካልእ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘሎና ኸኣ፡ የሆዋ ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት ዚፈርዶ ፍርድታት እዩ። ሕጂ፡ ብዙሓት ንየሆዋ ዘየገልግሉ ሰባት፡ እንተላይ ዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ቕድሚ መወዳእታ መገዶም ኬዐርዩ ተስፋ ንገብር ኢና። ኣብ ኣርማጌዶን ግና፡ የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ብዛዕባ መጻኢኦም ናይ መወዳእታ ውሳነ ኺገብር እዩ። (ማቴ. 25:31-33፣ 2 ተሰ. 1:7-9) መን ምሕረት የሆዋ ኸም ዚረክብ ወይ ከም ዘይረክብ፡ ናትና ውሳነ ኣይኰነን። (ማቴ. 25:34, 41, 46) እሞ ደኣ ኣብ ፍርድታት የሆዋ ኽንኣምን ንኽእል ዲና፡ ወይስ መዐንቀፊ እዩ ኪዀነና፧ ኣብ መጻኢ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንኣምኖ፡ ሕጂ ኣብኡ ዘሎና እምነት ከነደልድል ኣሎና።
17. ካብቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ዚህሉ ፍርድታት የሆዋ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም፧
17 ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም፡ ፍርድታት የሆዋ እንታይ ከም ዘፍረየ ምስ ረኣና ዚስምዓና እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣይኪህሉን እዩ፣ እቲ ኣብ ምሉእ ታሪኽ ብዙሕ ጭቈናን መከራን ዘስዓበ ስስዐ ዝመልኦ ስርዓት ንግዲ ዀነ ፖለቲካዊ ስርዓታት እውን ኣይኪህሉን እዩ። ጸገማት ጥዕናን እርጋንን ሞት ሰብናን ከኣ ክፍሊ መዓልታዊ ህይወትና ኣይኪኸውንን እዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንሽሕ ዓመት ኪእሰሩ እዮም። ሳዕቤናት ዕልወቶም እውን ኪውገድ እዩ። (ራእ. 20:2, 3) ተግባር የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ምዃኑ ምእማንና፡ ሽዑ ብሓቂ ኼሐጕሰና እዩ!
18. ካብቲ ኣብ ዘሁልቍ 11:4-6ን 21:5ን ተመዝጊቡ ዘሎ ዛንታ እስራኤላውያን እንታይ ንምሃር፧
18 ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ህይወት፡ ነቲ ተግባር የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ ዘሎና እምነት ዚፍትን ኪኸውን ድዩ፧ እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ምስ ወጹ ነዊሕ ከይጸንሑ ዘጋጠሞም እስከ ንርአ። ገሊኦም ነቲ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ምግቢ ዘኪሮም ኣማረሩ፣ ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ማና እውን ነዓቕዎ። (ዘሁልቍ 11:4-6፣ 21:5 ኣንብብ።) ንሕናኸ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ሓለፈ፡ ተመሳሳሊ ሓሳባት ኪህልወና ይኽእልዶ፧ ንምድሪ ኻብቲ ዕንወት ንምጽራይን በብቝሩብ ገነት ንምግባርን ክንደይ ዚኣክል ዕዮ ኸም ዜድሊ ኣይንፈልጥን ኢና። ብዙሕ ዕዮ ኺህሉ ይኽእል እዩ፣ ኣብ ፈለማ እውን ህይወት ኣይጥዕመናን ይኸውን። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ሽዑ ዚህበናስ ነማርር ደዀን ንኸውን፧ ሓደ ርግጽ እንዀነሉ ነገር ኣሎ፦ ሕጂ ንመሰናድዎ የሆዋ ብዝያዳ ብዘማሰናሉ መጠን፡ ሽዑ እውን ንምምሳው ዘሎና ኣጋጣሚ ይሰፍሕ እዩ።
19. ቀንዲ ነጥብታት እዛ ዓንቀጽ ከመይ ጌርካ ጽምቝ ኣቢልካ ምገለጽካዮ፧
19 ተግባር የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ እዩ። ነዚ ኽንኣምነሉ ኣሎና። ኣብቶም የሆዋ መምርሒኡ ኸም ዚፍጽሙ ኣሚኑ ሓላፍነት ዝሃቦም ሰባት እውን እምነት ከነሕድር ኣሎና። ነቲ የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “ብርታዐኹም ኣብ ምህዳእኩምን ኣብ ምውካልኩምን ኪኸውን እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ከቶ ኣይንረስዓዮ።—ኢሳ. 30:15።
መዝሙር 98 ቅዱሳት ጽሑፋት—ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ
a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነትን ኣብ ምድራውያን ተወከልቱ ዘሎና እምነትን ከነደልድል ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ ትገልጸልና። ብዘይካዚ፡ ከምኡ ምግባር ሕጂ ብኸመይ ከም ዚጠቕመና፡ ኣብ መጻኢ ንዜጋጥመና ጸገማት እውን ብኸመይ ከም ዜዳልወና ኽንርኢ ኢና።