ዓንቀጽ መጽናዕቲ 20
ትሕዝቶ ጸሎትና ነመሓይሽ
“ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ።”—መዝ. 62:8።
መዝሙር 45 ምስትንታን ልበይ
መላለዪa
1. የሆዋ ንኣምለኽቱ እንታይ ኪገብሩ እዩ ጻውዒት ኣቕሪቡሎም ዘሎ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
መጸናንዕን መምርሕን ኬድልየና ኸሎ፡ ናብ መን ኢና ቝሊሕ ክንብል እንኽእል፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣይጠፍኣናን እዩ። ብጸሎት ናብ የሆዋ ኣምላኽ ክንቀርብ ንኽእል ኢና። የሆዋ ኸምኡ ኽንገብር ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ። ብዙሕ ሳዕ ከምኡ ኽንገብር ይደልየና እዩ። “ከየቋረጽኩም ጸልዩ” ኢሉና እዩ። (1 ተሰ. 5:17) ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ኸይተሰከፍና ብጸሎት ናብኡ ኽንቀርብን መምርሒ ኺህበና ኽንሓትቶን ንኽእል ኢና። (ምሳ. 3:5, 6) የሆዋ ግዜኡ ዘይበቅቕ ለጋስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ክንደይ ሳዕ ናብኡ ኽንጽሊ ኸም እንኽእል ደረት ኣይገበረልናን።
2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧
2 ብጸሎት ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ንኽእል ምዃንና ኣዚና ኢና እነመስግን። እንተዀነ ግና፡ ብዙሕ እንገብሮ ንጥፈታት ስለ ዘሎና፡ ንጸሎት ግዜ ንምርካብ ቃልሲ ይዀነና ይኸውን። ትሕዝቶ ጸሎትና ኸነመሓይሽ እውን ንደሊ ንኸውን። እቲ ዜሐጕስ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ዚሕግዘና ብዙሕ መተባብዕን መምርሕን ንረክብ ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምምርማር፡ ንጸሎት ዚኸውን ግዜ ኸመይ ጌርና ኽንምድብ ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና። ንትሕዝቶ ጸሎትና ንምምሕያሽ እውን፡ ኣብ ጸሎትና ኸነጠቓልሎ እንኽእል ሓሙሽተ ኣገደስቲ ርእሰ ነገራት ክንርኢ ኢና።
የሱስ ንጸሎት ግዜ መዲቡ
3. የሱስ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ እዩ ዚፈልጥ ነይሩ፧
3 የሆዋ ንጸሎትና ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ፡ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ነዊሕ ይገብር፡ ኣቦኡ ንጸሎት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ኪምልስ ከሎ ርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንጸሎት ሃናን ዳዊትን ኤልያስን ካልኦት እሙናት ኣገልገልቱን ኪምልስ ከሎ፡ የሱስ ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 1:10, 11, 20፣ 1 ነገ. 19:4-6፣ መዝ. 32:5) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኣዘውቲሮም ኪጽልዩ ብምትእምማን ዝመሃሮም።—ማቴ. 7:7-11።
4. ካብ ጸሎት የሱስ እንታይ ንምሃር፧
4 የሱስ በቲ ናብ የሆዋ ዘቕረቦ ጸሎት ኣቢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉሎም እዩ። ኣብ ምሉእ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ብተደጋጋሚ ይጽሊ ነይሩ እዩ። ብዕዮ ትሑዝ ብምንባሩን ወትሩ ብዙሓት ሰባት ከቢቦምዎ ብምንባሮምን ንጸሎት ዚኸውን ግዜ ኺምድብ ነበሮ። (ማር. 6:31, 45, 46) ሓደ ግዜ፡ ንጸሎት ዚኸውን ብሕት ዝበለ ግዜ ንምርካብ ኣንጊሁ ተንስአ። (ማር. 1:35) ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ከኣ ኣገዳሲ ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ፡ ምሉእ ለይቲ ኺጽሊ ሓደረ። (ሉቃ. 6:12, 13) ድሮ እታ ዝሞተላ ዝነበረት ለይቲ ድማ፡ ኣብቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝኸበደ ዕማም ምእንቲ ኼተኵር ኢሉ ብተደጋጋሚ ጸለየ።—ማቴ. 26:39, 42, 44።
5. ክንጽሊ ኸለና፡ ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
5 ዋላ እውን ብዕዮ ትሑዛት እንተ ዀንና፡ ንጸሎት ግዜ ኽንምድብ ከም ዚግባእ ካብ የሱስ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ከም የሱስ ንጸሎት ዚኸውን ግዜ ኽንሓዝእ የድልየና ይኸውን። ምናልባት፡ ኣንጊህና ኽንትንስእ ወይ ቍሩብ ከነምሲ የድልየና ይኸውን። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ነዚ ፍሉይ ውህበት እዚ ኸም እነማስወሉ ንየሆዋ ነርእዮ ኢና። ሊን ዝስማ ሓብቲ ብዛዕባ እቲ ፍሉይ መሰል ዝዀነ ጸሎት ንፈለማ ግዜ ምስ ተማህረት፡ በዚ ውሽጣ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተተንከየ ኽትዝክር ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ንየሆዋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ኽዛረቦ ኸም ዝኽእል ምስ ፈለጥኩ፡ እዚ ነገር እዚ ንዕኡ ኸም ናይ ቀረባ ፈታውየይ ገይረ ኽርእዮን ጸሎተይ ንምምሕያሽ ድሌት ከሕድርን ሓጊዙኒ እዩ።” መብዛሕትና ተመሳሳሊ ስምዒት ከም ዘሕደርና ኣየጠራጥርን እዩ። እምበኣር፡ ቀጺልና ኣብ ጸሎትና ኸነእትዎ እንኽእል ሓሙሽተ ኣገደስቲ ርእሰ ነገራት ንርአ።
ኣብ ጸሎትና ኽንጠቕሶ እንኽእል ሓሙሽተ ኣገደስቲ ርእሰ ነገራት
6. ብመሰረት ራእይ 4:10, 11፡ የሆዋ እንታይ ንምውሳድ እዩ ብቑዕ ዝዀነ፧
6 ንየሆዋ ወድሶ። ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ መስተንክር ራእይ፡ ኣብ ሰማይ ዚርከቡ 24 ሽማግለታት፡ ንየሆዋ ኼምልኽዎ ረኣየ። ንሳቶም ንየሆዋ፡ “ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ኢሎም ወደስዎ። (ራእይ 4:10, 11 ኣንብብ።) እሙናት መላእኽቲ እውን፡ ንየሆዋ ንምውዳስን ክብሪ ንምሃብን ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዎም። ስለምንታይሲ፡ ምስኡ ኣብ ሰማይ እዮም ዚነብሩ፣ ኣጸቢቖም እውን ይፈልጥዎ እዮም። ባህርያቱ ኣብ ተግባራቱ ኺግለጽ ከሎ ይርእዩ እዮም። ተግባራት የሆዋ ኺርእዩ ኸለዉ ኸኣ፡ ንዕኡ ንምውዳስ ይልዓዓሉ እዮም።—እዮ. 38:4-7።
7. ንየሆዋ እንውድሰሉ እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧
7 ንሕና እውን ኣብ ጸሎትና ንየሆዋ ኽንውድሶ ንደሊ ኢና። ነቲ ብዛዕባኡ እንፈትዎን እነማስወሉን ነገራት ክንገልጸሉ ንደሊ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን ከተጽንዕን ከለኻ፡ ነቲ ብፍላይ ዚስሕበካ ባህርያት የሆዋ ኣተኵረሉ። (እዮ. 37:23፣ ሮሜ 11:33) ድሕሪኡ፡ ንየሆዋ ብዛዕባ እዚ ባህርያቱ እንታይ ከም ዚስምዓካ ግለጸሉ። ብዘይካዚ፡ ንየሆዋ ስለቲ ምእንታናን ምእንቲ ዅሎም መንፈሳውያን ስድራ ቤትናን ኢሉ ዚገብረልና ነገራት ክንውድሶ ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ፡ ክንክኑን ዕቝባኡን ኣይተፈልየናን።—1 ሳሙ. 1:27፣ 2:1, 2።
8. ገለ ኻብቲ ንየሆዋ እነመስግነሉ ብዙሕ ምኽንያታት እንታይ ክትጠቅስ ትኽእል፧ (1 ተሰሎንቄ 5:18)
8 ንየሆዋ ኣመስግኖ። ንየሆዋ ብጸሎት እነመስግነሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። (1 ተሰሎንቄ 5:18 ኣንብብ።) ስለቲ ዝረኸብናዮ ጽቡቕ ነገራት ከነመስግኖ ንኽእል ኢና። ስለምንታይሲ፡ ኵሉ ጽቡቕ ውህበት ካብኡ እዩ። (ያእ. 1:17) ንኣብነት፡ ስለቲ ኣብ ምድሪ እንርእዮ ጽባቐን ስለቲ መስተንክር ፍጥረታትን ሞሳና ኽንገልጸሉ ንኽእል ኢና። ህይወትን ስድራ ቤትን ፈተውትን ተስፋን ስለ ዝሃበና እውን፡ ከነመስግኖ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ምስኡ ኽቡር ዕርክነት ኪህልወና ስለ ዝፈቐደ፡ ከነመስግኖ ንደሊ ኢና።
9. ንየሆዋ ሞሳ ኸነማዕብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
9 ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ብብሕትና እነመስግነሉ ምኽንያታት ንምሕሳብ፡ ፍሉይ ጻዕሪ ኽንገብር የድልየና ይኸውን። ሎሚ፡ ኣብ ዘይተመስግን ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብቲ ዚደልይዎ ነገራት ደኣ እዮም ዜተኵሩ እምበር፡ ነቲ ዘለዎም ነገራት ኣየማስዉሉን እዮም። በዚ ኣረኣእያ እዚ እንተ ተጸሊና፡ ጸሎትና ዝርዝር ልማኖታት ጥራይ ዝሓዘ እዩ ዚኸውን። ከምኡ ምእንቲ ኸይከውን ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገራት ሞሳ ኸነማዕብልን ሞሳና ኽንገልጽን ኣሎና።—ሉቃ. 6:45።
10. ምስጋና ንሓንቲ ሓብቲ ኽትጻወር ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
10 ኣመስገንቲ ምዃን፡ ጸገማት ክንጻወር ይሕግዘና እዩ። ኣብ ናይ 15 ጥሪ 2015 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዚርከብ ተመክሮ ክዮንግ-ሱክ እስከ ንርአ። ንሳ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ዝበጽሐ መንሽሮ ሳንቡእ ከም ዘለዋ ተፈልጠ። ብዛዕባኡ ኽትገልጽ ከላ፡ “እዚ ናይ ጥዕና ጕዳይ ኣጸቢቑ ሃሲዩኒ እዩ። ኵሉ ነገራት ዝሰኣንኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ፣ ኣዝየ ኸኣ እየ ሰምቢደ” ትብል። እሞ ደኣ ነቲ ዅነታት ክትጻወሮ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ምሸት ምሸት ቅድሚ ምድቃሳ ናብ ናሕሲ ቤታ ደዪባ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ ዝረኸበቶ ሓሙሽተ እተማስወሉ ነገራት ዓው ኢላ ኸም እትጽሊ ገሊጻ ኣላ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ቅሳነት ይስምዓ፡ ንየሆዋ ፍቕራ ኽትገልጸሉ ድማ ትድረኽ ነበረት። የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኣብ ኣሸጋሪ ዅነታት ከም ዚሕግዞም፡ ካብቲ ዜጋጥሞም ፈተናታት ንላዕሊ ኸኣ ኣብ ህይወቶም ዚረኽብዎ በረኸት ኣዝዩ ኸም ዚበዝሕ ክትግንዘብ ከኣለት። ንሕና እውን፡ ዋላ እኳ ፈተና እናኣጓነፈና፡ ከም ክዮንግ ሱክ ንየሆዋ እነመስግነሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ብጸሎት ኣቢልና ምስጋናና እንተ ገሊጽናሉ፡ ክንጻወርን ስምዒታዊ ሚዛንና ኽንሕሉን ይሕግዘና እዩ።
11. የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ፡ ደቀ መዛሙርቱ ትብዓት ዘድለዮም ስለምንታይ እዩ፧
11 ኣብ ኣገልግሎት ትብዓት ንምርካብ ንየሆዋ ለምኖ። የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰናት ምድርን” ብዛዕባኡ ንምምስካር ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣዘኻኺርዎም እዩ። (ግብ. 1:8፣ ሉቃ. 24:46-48) ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስን ንሃዋርያ ዮሃንስን ሒዞም ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ኣቕረብዎም። ነዞም እሙናት ሰባት እዚኦም ድማ ከይሰብኩ ኣዘዝዎም፣ ሕሉፍ ሓሊፍዎም እውን ኣፈራርህዎም። (ግብ. 4:18, 21) እሞ ደኣ ጴጥሮስን ዮሃንስን እንታይ ኢሎም መለሱ፧
12. ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 4:29, 31፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እንታይ እዮም ገይሮም፧
12 መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ምስ ኣፈራርህዎም፡ ንሳቶም፡ “ካብ ንኣምላኽ፡ ንዓኻትኩም ምስማዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑ፡ ባዕላትኩም ፍረዱ። ንሕና ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” ኢሎም መለሱሎም። (ግብ. 4:19, 20) ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ተፈትሑ፡ ደቀ መዛሙርቲ ብሓባር ድምጾም ናብ የሆዋ ኣልዓሉ፡ “ንባሮትካ . . . ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ፍቐደሎም” ብምባል ድማ ኣብ ፍቓድ የሆዋ ዘተኰረ ጸሎት ኣቕረቡ። የሆዋ ኸኣ፡ ነቲ ልባዊ ጸሎት ምላሽ ሃበሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:29, 31 ኣንብብ።
13. ካብ ጂን-ህዩክ እንታይ ንምሃር፧
13 ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ስብከትና ኽንሓድግ ኣብ ዚእዝዙና እዋን እኳ፡ ስብከትና ብዘይምሕዳግ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኽንመስሎም ንኽእል ኢና። ብሰንኪ ናይ ገለልትነት መትከሉ እተኣስረ ጂን-ህዩክ ዚብሃል ሓው እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንበይኖም ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ንእተዓጽዉ እሱራት ኪከናኸን ዕዮ ተዋህቦ፣ ምስቲ እተዋህቦ ዕዮ ብዛዕባ ዘይተሓሓዝ ጕዳይ፡ እንተላይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዛረቦም ግና ኣይተፈቕደሉን። ንሱ ግና፡ ኵሉ እቲ ዚረኽቦ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ ሓቂ ንምዝራብ ተባዕን ሜለኛን ኪኸውን ጸለየ። (ግብ. 5:29) ብዛዕባ እቲ ዝረኸቦ ፍረ ኸኣ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ኣብ ኣፍ ደገ ሸላታት ሓያሎ ነናይ ሓሙሽተ ደቂቕ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ትብዓትን ጥበብን ብምሃብ የሆዋ ንጸሎተይ መሊሱለይ እዩ። ምሸት ምሸት ንጽብሒቱ ነቶም እሱራት ዝህቦም ደብዳበታት እጽሕፍ ነይረ።” ንሕና እውን፡ የሆዋ ንኣገልግሎቱ ንምፍጻም ከም ዚሕግዘና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ከም ጂን-ህዩክ ከኣ፡ ትብዓትን ጥበብን ንምርካብ ክንጽሊ ንኽእል ኢና።
14. ጸገማት ኬጓንፈና ኸሎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (መዝሙር 37:3, 5)
14 ጸገማትካ ንምጽዋር ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን። መብዛሕትና ኣካላዊ ወይ ስምዒታዊ ጸገማት፡ ሞት እንፈትዎ ሰብና፡ ናይ ስድራ ቤት ጸገማት፡ መስጐጕቲ፡ ወይ ካልእ ጸገማት ኣሎና። ከም ለበዳን ውግእን ዝኣመሰለ ነገራት ከኣ፡ ነዚ ጸገማትና የጋድዶ እዩ። ኣብዚ ዅነታት እዚ ልብኻ ናብ የሆዋ ኣፍስስ። ብዛዕባ እቲ ዅነታትካ ኸምቲ ንሓደ ናይ ቀረባ ዓርክኻ እትነግሮ ጌርካ ንገሮ። የሆዋ ኸም ‘ዜስልጠልካ’ እውን ርግጸኛ ኹን።—መዝሙር 37:3, 5 ኣንብብ።
15. ጸሎት ኣብ ትሕቲ ጸበባ ኽንጻወር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።
15 ብጸሎት እንተ ጸኒዕና፡ ‘ኣብ ትሕቲ ጸበባ ኽንጻወር’ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:12) የሆዋ፡ ኣምለኽቱ እንታይ ከም ዜሕልፉ ይፈልጥ እዩ፣ “ኣውያቶም ይሰምዕ” እዩ። (መዝ. 145:18, 19) ጓል 29 ዓመት ዝዀነት ክሪስቲ ዝስማ ፈላሚት ነዚ ኣብ ህይወታ ርእያቶ እያ። እዛ ሓብቲ እዚኣ ሃንደበት ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት ኣጋጠማ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ከቢድ ጭንቀት ኣሕደረት። ድሕርዚ፡ ኣዲኣ ዘይምሕር ሕማም ከም ዝሓዛ ፈለጠት። ክሪስቲ ኸምዚ ትብል፦ “ነንመዓልቲ ንምስጋር ዜኽእለኒ ብርታዐ ንምርካብ፡ ናብ የሆዋ ብጽኑዕ ጸለኹ። ኣብ ኣኼባታት ብምእካብን ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ብምግባርን እውን፡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማደይ ክሕሉ ጸዓርኩ። ጸሎት ነቲ ጽልሙት እዋን ክሰግሮ ሓጊዙኒ እዩ። የሆዋ ወትሩ ኣብ ጐድነይ ከም ዝዀነ እፈልጥ ነይረ እየ። እዚ ሓሳብ እዚ ድማ ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ ኰይኑኒ እዩ። ናይ ጥዕና ጸገመይ ብኡብኡ እኳ እንተ ዘይተፈትሐ፡ የሆዋ ውሽጣዊ ሰላምን ህዱእ ልብን ብምሃብ ጸሎተይ መሊሱለይ እዩ።” ብርግጽ እምበር፡ “የሆዋ ነቶም ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም ሰባት ከመይ ገይሩ ኻብ ፈተና ኸም ዜናግፎም ይፈልጥ እዩ።”—2 ጴጥ. 2:9።
16. ፈተና ንምቅዋም ካብ የሆዋ ሓገዝ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧
16 ፈተና ንምቅዋም ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን። ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ምስቲ ጌጋ ኽንገብር ዚቐርበልና ፈተና ወትሩ ንቃለስ ኢና። ሰይጣን ድማ ነቲ ቓልሲ እቲ ብእተኻእለ መጠን ንምኽባድ ሒዅ እዩ ዚብል ዘሎ። ሓደ ኻብቲ ንኣተሓሳስባና ንምብልሻው ዚጽዕረሉ መገዲ፡ ብርኹስ መዘናግዒ ኣቢሉ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መዘናግዒ ንኣእምሮና ብርኹስ ሓሳባት ኪመልኦ ይኽእል እዩ። እዚ ሓሳባት እዚ ድማ ንውሽጣዊ ስብእናና ኼበላሽዎ፡ ናብ ከቢድ ሓጢኣት እውን ኪመርሓና ይኽእል እዩ።—ማር. 7:21-23፣ ያእ. 1:14, 15።
17. ምስቲ ናብ ፈተና ኸይንኣቱ እነቕርቦ ልማኖ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
17 ጌጋ ንምግባር ንዚቐርበልና ፈተናታት ንምስጋር፡ ሓገዝ የሆዋ የድልየና እዩ። የሱስ ኣብቲ ኣብነት ዚዀነና ጸሎቱ፡ “ካብቲ እኩይ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና” ዚብል ልማኖ ኣእትዩ ኣሎ። (ማቴ. 6:13) የሆዋ ኺረድኣና ይደሊ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንሕና ሓገዙ ኽንልምን ኣሎና። ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና እውን ክንመላለስ ኣሎና። ንግጉይ ኣተሓሳስባን ነቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለምን ህቡብ ዝዀነ ሓሳባትን ምእንቲ ኸይንቃላዕ ግብራዊ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል ኢና። (መዝ. 97:10) መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብምጽናዕን ከኣ፡ ንኣእምሮና ብጥዑይ ሓሳባት ክንመልኦ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣኼባታት ምእካብን ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍን እውን፡ ንኣተሓሳስባና ይሕልዎ እዩ። ከምዚ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንፍተን ከም ዘይሓድገና ቓል ኣትዩልና ኣሎ።—1 ቈረ. 10:12, 13።
18. ብዛዕባ ጸሎት ኵላትና እንታይ ክንገብር እዩ ዜድልየና፧
18 ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት ንየሆዋ እሙናት ኴንና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ነፍሲ ወከፍና ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኽንጽሊ ኣሎና። እምበኣር፡ መዓልቲ መዓልቲ ንልባዊ ጸሎት ዚኸውን ግዜ መድብ። የሆዋ፡ ‘ልብና ኣብ ቅድሚኡ ኸነፍስስ’ እዩ ዚደልየና። (መዝ. 62:8) ንየሆዋ ስለቲ ዅሉ ተግባራቱ ወድሶን ኣመስግኖን። ኣብ ኣገልግሎት ትብዓት ንምርካብ ከኣ፡ ሓገዙ ለምን። ንዜጋጥመካ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጸገማት ንምጽዋር፡ ፈተናታት እውን ንምቅዋም ካብኡ ሓገዝ ለምን። ዝዀነ ይኹን ነገር ካብቲ ንየሆዋ ኣዘውቲርካ እተቕርበሉ ጸሎት ኪሓናዅለካ ኣይትፍቀድ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ እዩ ዚምልሶ፧ ነዛ ኣገዳሲት ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ምላሽ ክንረኽበላ ኢና።
መዝሙር 42 ጸሎት ኣገልጋሊ ኣምላኽ
a ጸሎትና ኸምቲ ናብ ናይ ቀረባ ፈታዊና እንልእኮ ኻብ ልቢ ዝፈልፈለ ደብዳበታት ኪኸውን ኢና እንደሊ። ኰይኑ ግና፡ ንጸሎት ዚኸውን ግዜ ምርካብ የጸግመና እዩ። ብዛዕባ እንታይ ከም እንጽሊ ምፍላጥ እውን ቀሊል ኣይኰነን። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እዚ ኽልተ ኣገዳሲ ጕዳያት ኪግለጽ እዩ።