እግረ ጽሑፍ
b የሆዋ ነታ፡ “ቅንኢ” እትብል ቃል ምጥቃሙ፡ ንጕዳይ ተኣማንነት ክሳዕ ክንደይ ኣኽቢዱ ኸም ዚርእዮ እዩ ዚሕብር። ሰበይቲ ንሰብኣያ እንተ ጠሊማቶ፡ ሰብኣያ ክሳዕ ክንደይ ብቕንኢ ኸም ዚንድር ክንሓስብ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 6:34) የሆዋ ኸኣ፡ እቶም ኪዳን ዝኣተዉ ህዝቡ ኣብ ኣምልኾ ምስሊ ብምስታፍ ዘይእሙናት ኪዀኑ ኸለዉ፡ ከምዚ ዝጠቐስናዮ ሰብኣይ፡ ይንድር እዩ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ “ቅንኢ ኣምላኽ ካብ ቅድስናኡ እዩ ዚልዓዓል። ንሱ በይኑ ቕዱስ ስለ ዝዀነ፡ . . . መቐናቕንቲ ኣይጻወርን እዩ” ይብል።—ዘጸ. 34:14።