እግረ ጽሑፍ
a ንጉስ እታ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት: ነታ ኣብ ኢድ ይቡሳውያን ዝነበረት ምድራዊት ዕርድቲ እምባ ጽዮን ብምቍጽጻር ርእሲ ኸተማኡ ገበራ። (2 ሳሙኤል 5:6, 7, 9) ነቲ ቕዱስ ታቦት እውን ናብኡ ኣግዓዞ። (2 ሳሙኤል 6:17) እቲ ታቦት ምስ ህላወ የሆዋ ዚተሓሓዝ ስለ ዝዀነ: ጽዮን: ኣምላኽ ዚነብረላ ቦታ ተባሂላ ተጠቒሳ ኣላ፣ ስለዚ ንሰማይ ከተመልክት እትኽእል ብቕዕቲ ተምሳል እያ።—ዘጸኣት 25:22፣ ዘሌዋውያን 16:2፣ መዝሙር 9:11፣ ራእይ 11:19