እግረ ጽሑፍ a ኣብ ግዜ ማርቆስ ዝነበሩ ሰባት፡ ብእብራይስጢ ዀነ ብኻልእ ቋንቋ ኻልኣይ ስም ኪሕዙ ልሙድ እዩ ነይሩ። ናይ ማርቆስ ኣይሁዳዊ ስሙ ዮሃናን ዚብል ኰይኑ፡ ብትግርኛ ዮሃንስ ማለት እዩ። ብላቲን ድማ ማርኩስ ወይ ከኣ ማርቆስ እዩ።—ግብ. 12:25።