እግረ ጽሑፍ a እታ “ኣሕዋት” እትብል ቃል፡ ደቂ ኣንስትዮ ንዝዀና ኣባላት ጉባኤ እውን ተጠቓልል እያ። ጳውሎስ ንሓንቲ ኻብተን መልእኽቱ ኣብ ሮሜ ናብ ዝነበሩ “ኣሕዋት” እዩ ልኢኽዋ። እዚ ኣበሃህላ እዚ እንተላይ ንኣሓት ዜጠቓልል ከም ዝነበረ ንጹር እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብታ መልእኽቱ ንሓያሎ ኣሓት ጠቒሱ ኣሎ። (ሮሜ 16:3, 6, 12) መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኻብ ነዊሕ ኣትሒዛ ንኣመንቲ ክርስትያናት ‘ኣሕዋትን ኣሓትን’ ኢላ እያ እትጽውዖም።