እግረ ጽሑፍ
b መግለጺ ቓላት፦ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ፦ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ሰባት ይሓሪ እዩ። ብመንፈሱ ገይሩ ድማ ነቲ ሰብ እቲ ንመጻኢ ቃል ይኣትወሉ ወይ “ዕርቡን” ይህቦ እዩ። (ኤፌ. 1:13, 14) እዞም ክርስትያናት እዚኦም፡ ዓስቦም ኣብ ሰማይ ከም ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ከም ‘ዝመስከረሎም’ ወይ ከም ዘነጸረሎም ኪገልጹ ይኽእሉ እዮም።—ሮሜ 8:16።