እግረ ጽሑፍ e እዚ ትንቢት እዚ ኣብ መጽሓፍ ዘካርያስ እዩ ዘሎ፣ ማቴዎስ ግና “ብነብዪ ኤርምያስ ከምዚ እተባህለ” ኢሉ እዩ ጠቒሱ ዘሎ። (ማቴዎስ 27:9) መጽሓፍ ኤርምያስ ኣብ ቅድሚት እቲ “ነብያት” ዚብሃል ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ዝነበረት እዩ ዚመስል። (ሉቃስ 24:44) ማቴዎስ ንብምሉኡ እቲ ንመጽሓፍ ዘካርያስ እውን ዜጠቓልል እተጠርነፈ መጻሕፍቲ ኼመልክት ኢሉ እዩ “ኤርምያስ” ኢሉ ኪኸውን ዘለዎ።