1 ዜና መዋእል
10 ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኡ፣ ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፡ ብዙሓት እውን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ተቐቲሎም ወደቑ።+ 2 ፍልስጥኤማውያን ድማ ንሳኦልን ንደቁን እግር እግሮም ሰዓብዎም፣ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንዮናታንን ንኣቢናዳብን ንማልኪ-ሹዓን+ ደቂ ሳኦል ቀተልዎም። 3 እቲ ውግእ ድማ ንሳኦል በርትዖ፡ ቀስተኛታት ከኣ ረኸብዎ፡ በቶም ቀስተኛታት እውን ቈሰለ።+ 4 ሽዑ፡ ሳኦል ነቲ ተሰካም ኣጽዋሩ፡ “እዞም ዘይግዙራት እዚኦም መጺኦም ከይጭክኑለይሲ፡*+ ሰይፍኻ መሊሕካ ብእኡ ውግኣኒ” በሎ። እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ግና፡ እምብዛ ፈሪሁ ስለ ዝነበረ፡ ኣበየ። ሽዑ፡ ሳኦል ሰይፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ።+ 5 እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ኸኣ ሳኦል ሞይቱ ምስ ረኣየ፡ ንሱ እውን ኣብ ሰይፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ። 6 በዚ ኸምዚ፡ ሳኦልን ሰለስተ ደቁን ኵሎም እቶም ኣብ ቤቱ ዝነበሩን ብሓደ ሞቱ።+ 7 እቶም ኣብ ስንጭሮ* ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፡ ኵሎም ከም ዝሃደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ድማ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩ፡ ነተን ከተማታቶም ሓዲጎምወን ሃደሙ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ሓዝወን።
8 ንጽብሒቱ፡ ፍልስጥኤማውያን ነቶም ቅቱላት ኪገፍፍዎም ምስ መጹ፡ ንሳኦልን ንሰለስተ ደቁን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።+ 9 ንዕኡ ገፊፎም፡ ርእሱን ኣጽዋሩን ከኣ ወሲዶም፡ ንጣኦታቶምን ንህዝብን ኬውርዩ ናብ ኵላ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ወረ ለኣኹ።+ 10 ኣጽዋሩ ድማ ኣብ ቤት* ኣምላኾም ኣንበርዎ፣ ሽክና ርእሱ ኸኣ ኣብ ቤት ዳጎን ሰቐልዎ።+
11 ኵሎም እቶም ኣብ ያቤሽ+ ናይ ጊልዓድ ዝነበሩ፡ ኵሉ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ፡+ 12 ኵሎም ጀጋኑ ተንሲኦም፡ ሬሳ ሳኦልን ሬሳታት ደቁን ጾይሮም ወሰድዎ። ናብ ያቤሽ ኣምጺኦም ከኣ ንኣዕጽምቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ያቤሽ ዘሎ ዓብዪ ኦም ቀበርዎ፣+ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ጾሙ።
13 በዚ ኸምዚ፡ ሳኦል ንቓል የሆዋ ስለ ዘይሓለወ፡+ ንየሆዋ ብምጥላሙን ንጠያቒት መናፍስቲ ብምሕታቱን ሞተ።+ 14 ንየሆዋ ኣይሓተቶን። ስለዚ ድማ ቀተሎ፣ ነቲ ንግስና ኸኣ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣመሓላለፎ።+