ምዕራፍ 35
ከመይ ገይረ እየ ዓርኪ ኣምላኽ ክኸውን ዝኽእል፧
ጀረሚ ሓዘን ምስ ኣጋጠሞ፡ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ምምስራት ዘለዎ ጥቕሚ ተረድአ። “ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣቦይ ሓዲጉና ኸደ። ሓደ ምሸት ኣብ ዓራተይ ኰይነ፡ የሆዋ ንኣቦይ ከም ዚምለስ ኪገብሮ ብጸሎት ለመንኩ” በለ።
ኣብቲ ዓቕሉ ጸቢብዎ ዝነበረ እዋን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ጀመረ። ንመዝሙር 10:14 ምስ ኣንበባ፡ ውሽጡ ተተንከፈ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “መስኪን ንነገሩ ናባኻ ይውፍዮ፡ ረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ” ብምባል ብዛዕባ የሆዋ ትዛረብ። ጀረሚ ኸምዚ በለ፦ “የሆዋ ይዛረበንን ረዳእየይ ምዃኑ የፍልጠንን ከም ዘሎ ተሰምዓኒ፣ ኣቦይ ከም ዝዀነ ተሰምዓኒ። ካብኡ ዚሓይሽ ኣቦ ኣበይ ይርከብ፧”
ኣብ ከም ናይ ጀረሚ ዝኣመሰለ ዅነታት ሃሉ ወይ ኣይትሃሉ ብዘየገድስ፡ የሆዋ ዓርኩ ኽትከውን ከም ዚደልየካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። ወረግ መጽሓፍ ቅዱስሲ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” እዩ ዚብል። (ያእቆብ 4:8) እዘን ቃላት እዚኣተን ሒዘናኦ ዘለዋ ትርጕም እሞ ሕስብ ኣብለሉ፦ ንየሆዋ ኣምላኽ ክትርእዮ እኳ እንተ ዘይከኣልካ፡ መዘናኻ እውን ዘይኰነ ኽነሱ፡ ዓርኩ ኽትከውን ይዕድመካ ኣሎ!
እንተዀነ ግን፡ ምስ ኣምላኽ ዚግበር ዕርክነት ጻዕሪ ይሓተካ እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ተኽሊ እንተ ኣልያትካ፡ ባዕላ ኸም ዘይትዓቢ ትፈልጥ ኢኻ። ንኽትጥጥዕ ኣዘውቲርካ ማይ ከተስትያን ንዕቤታ ኣብ ዚምሽእ ሃዋህው ከተንብራን ኣሎካ። ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ዕርክነት እውን ከምኡ እዩ። እቲ ዕርክነት ንኺዓቢ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ኣገዳስነት መጽናዕቲ
ዕርክነት፡ ክልተኣዊ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ፡ ማለት ምስማዕን ምዝራብን የጠቓልል። ምስ ኣምላኽ ዚግበር ዕርክነት እውን ከምኡ እዩ። ኣምላኽ ንዓና ዚብለና ነገራት፡ ብንባብን ብመጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና ኢና እንሰምዖ።—መዝሙር 1:2, 3
ልክዕ እዩ፡ መጽናዕቲ ብዙሕ ኣይትፈቱን ትኸውን። ብዙሓት መንእሰያት ካብ ዜጽንዑ፡ ቲቪ ኺርእዩ፡ ጸወታ ኺጻወቱ፡ ወይ ምስ ኣዕሩኾም ግዜ ኼሕልፉ ይመርጹ። ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ከተማዕብል እንተ ደሊኻ ግን፡ ኣቋራጭ መገዲ የለን። ቃሉ ብምጽናዕ ክትሰምዖ ኣሎካ።
እዚ ግን ኬጨንቐካ የብሉን። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግድን ጾር ኪኸውን የብሉን። ዋላ እውን መጽናዕቲ እትፈቱ ዓይነት ሰብ ከም ዘይኰንካ ዚስምዓካ እንተ ዀነ፡ መጽናዕቲ ኽትፈቱ ትኽእል ኢኻ። ብቐዳምነት ክትገብሮ ዜድልየካ ነገር፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ግዜ ምምዳብ እዩ። ላዪስ ዝስማ ጓል፡ “መደብ ኣሎኒ። ንግሆ ንግሆ ምስ ተንሳእኩ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ምዕራፍ አንብብ” በለት። ማሪያ ዝስማ ጓል 15 ዓመት ጓል ከኣ ካብዚ እተፈልየ ልማድ እዩ ዘለዋ። “ምሸት ምሸት ቅድሚ ምድቃሰይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ አንብብ” በለት።
ናይ ርእስኻ መደብ መጽናዕቲ ንምውጻእ፡ ኣብ ገጽ 292 እትርከብ ሳጹን ርአ። ድሕሪኡ፡ ንመጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ 30 ደቒቕ ኣቢሉ ዚኸውን ግዜ ኸተሕልፈሉ እትኽእል እዋን ኣብዚ ጽሓፍ።
․․․․․
መደብ ምውጻእ መጀመርታ ስጕምቲ ጥራይ እዩ። ሓንሳእ መጽናዕቲ ምስ ጀመርካ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ወትሩ ንምንባቡ ቐሊል ከም ዘይኰነ ኺርድኣካ ይኽእል እዩ። ምስቲ ጀዝርኤል ዝስሙ ወዲ 11 ዓመት ቈልዓ፡ “ገሊኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከቢድን ዘይማርኽን እዩ” ብምባል ዝሃቦ ሓሳብ ትሰማማዕ ትኸውን። ከምዚ እንተ ተሰሚዑካ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተሕልፎ ግዜ፡ ነቲ ዓርክኻ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እትሰምዓሉ ግዜ ጌርካ ወትሩ ኽትርእዮ ጽዓር። ኣብ መወዳእታ፡ ብመጠን እቲ እትገብሮ ጻዕሪ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜሐጕስን ዓስቢ ዘለዎን ኪዀነልካ እዩ።
ጸሎት ኣገዳሲ እዩ
ጸሎት ንኣምላኽ እንዛረበሉ መገዲ እዩ። ጸሎት ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ውህበት ምዃኑ እሞ ሕሰብ! መዓልቲ ዀነ ለይቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንየሆዋ ኣምላኽ ክትዛረቦ ትኽእል ኢኻ። ወትሩ ንኺሰምዓካ ድሉው እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ እውን፡ እትብሎ ነገር ኪሰምዕ ይደሊ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ዚብል።—ፊልጲ 4:6
ከምቲ እዛ ጥቕሲ እዚኣ እትሕብሮ፡ ንየሆዋ ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ክትዛረቦ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ጸገማትካን ጭንቀታትካን ክትዛረቦ ትኽእል ኢኻ። ምስጋናኻ እውን ክትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ከም ሓቂ፡ ኣዕሩኽካ ጽቡቕ ኪገብሩልካ ኸለዉ፡ ምስጋናኻ ትገልጸሎም ኢኻ። ነቲ ኻብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ዓርኪ ንላዕሊ ዝገበረልካ የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ ኸተመስግኖ ትኽእል ኢኻ።—መዝሙር 106:1
ኣብ ታሕቲ ገለ ኻብቲ ንየሆዋ እተመስግነሉ ነገራት ዘርዝር።
․․․․․
ዜፍርሃካን ዜጨንቐካን ነገር ሓሓሊፉ ኸም ዜጋጥመካ ኣየጠራጥርን እዩ። መዝሙር 55:22፡ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” ትብል።
ኣብ ዚስዕብ መስመራት፡ ኣብ ጸሎትካ ኽትጠቕሶ እትደሊ ብብሕቲ ዜተሓሳስበካ ነገራት ዘርዝር።
․․․․․
ብሕታዊ ተመክሮ
ምስ ኣምላኽ ኣብ ዘሎካ ዕርክነት፡ ዕሽሽ ክትብሎ ዘይብልካ ኻልእ መዳይ እውን ኣሎ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 34:8) ዳዊት ነታ መበል 34 መዝሙር ቀቅድሚ ምጽሓፉ፡ ዜፍርህ ተመክሮ ኣሕሊፉ ነበረ። ካብቲ ኪቐትሎ ሓሲቡ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ይሃድም ነበረ፣ እዚ ድማ ብሓቂ ዚርብሽ ነገር እዩ ነይሩ። ናብቶም ጸላእቱ ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ከይዱ ኺዕቈብ ተገደደ። ካብ ሞት ዘየምልጥ ኰይኑ ኣብ እተሰምዖ እዋን፡ ጽሉል መሲሉ ኼምልጥ ከኣለ።—1 ሳሙኤል 21:10-15
ዳዊት ነቲ ኻብ ሞት ንስክላ ዘምለጠሉ ኣጋጣሚ፡ ብብልሓቱ ኸም ዝገበሮ ገይሩ ኣይሓሰበን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሳላ የሆዋ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ኣብታ ዝጸሓፋ መዝሙር ኣቐድም ኣቢሉ፡ “ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፡ ንሱውን መለሰለይ፡ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መዝሙር 34:4) እምበኣር፡ ካብ ብሕታዊ ተመክሮኡ ተላዒሉ እዩ፡ “እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን” ኢሉ ንኻልኦት ኪምሕጸን ዝኸኣለ።a
የሆዋ ኸም ዚሓልየልካ ዝረኣኻሉ ኣብ ህይወትካ ዘጋጠመካ ተመክሮ ኽትዝክር ትኽእልዶ፧ እንተ ኣልዩ፡ ኣብ ታሕቲ ጽሓፎ። ብዛዕባ እዚ ገለ ኣፋፍኖት ክንህበካ፦ እቲ ተመክሮ ግድን ኣመና መሳጢ ኪኸውን የብሉን። ብዛዕባ እቲ ኣቕሊልካ ዚርአ መዓልታዊ እትረኽቦ በረኸት ሕሰብ።
․․․․․
ምናልባት ወለድኻ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምሂሮምኻ ይዀኑ። ከምኡ እንተ ገይሮም፡ እዚ ሓደ በረኸት እዩ። ኰይኑ ግን፡ ምስ ኣምላኽ ብሕታዊ ዕርክነት ከተማዕብል ኣሎካ። ክሳዕ ሕጂ ኸምኡ እንተ ዘይጌርካ፡ በዚ ኣብዛ ምዕራፍ ዘሎ ሓበሬታ ተጠቒምካ ኽትጅምር ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ንጻዕርታትካ ኺባርኾ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ለምኑ፡ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ” ይብል።—ማቴዎስ 7:7
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 38ን 39ን እውን ኣንብብ
ብዛዕባ ኣምላኽ ንኻልኦት ምንጋር ይኸብደካ ድዩ፧ ብኸመይ ንእምነትካ ኽትጣበቕ ከም እትኽእል ተምሃር።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ጥዐሙን ርአዩን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ሓረግ፡ “ባዕላትኩም ፍለጡ፡” “ባዕላትኩም ኣረጋግጹ፡” ከምኡውን “ብተመክሮ ኽትርእይዎ ኢኹም” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።—ኮንተምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን፡ ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን፡ ከምኡውን ዘ ባይብል ኢን ቤዚክ ኢንግሊሽ
ቀንዲ ጥቕሲ
“እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም።”—ማቴዎስ 5:3 NW
ምኽሪ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ገጽ ዚኣክል እንተ ኣንቢብካ፡ ኣብ ዓመት ካብ ጫፍ ንጫፍ ክትውድኦ ኢኻ።
ትፈልጥዶ፧
ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ምንባብካን ነቲ ኣብኣ ዘሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ምቕባልካን፡ የሆዋ ብብሕቲ ኸም ዚግደሰልካ ዚሕብር እዩ።—ዮሃንስ 6:44
መደባተይ
ካብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ምእንቲ ኽጥቀም፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․
ብዝያዳ ኣዘውቲረ ምእንቲ ኽጽሊ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․
እንታይ ይመስለካ፧
● ከመይ ጌርካ ኢኻ ንብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኸም እትፈትዎ ኽትገብር እትኽእል፧
● የሆዋ ንጸሎት ዘይፍጹማት ሰባት ኪሰምዕ ዚደሊ ስለምንታይ እዩ፧
● ንትሕዝቶ ጸሎትካ ብኸመይ ከተመሓይሾ ትኽእል፧
[ኣብ ገጽ 291 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ንእሽቶ ኸለኹ፡ ጸሎተይ ተደጋጋሚ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ብዛዕባ እቲ መዓልታዊ ዜጋጥመኒ ጽቡቕን ሕማቕን ነገር ክጽሊ እፍትን እየ። ብልክዕ ሕደ ዝዀና ኽልተ መዓልቲ ስለ ዘየለዋ፡ ሕደ ቓላት ንኸይደጋግም ሓጊዙኒ እዩ።’’—ኢቭ
[ኣብ ገጽ 292 ዘሎ ስእሊ]
ንመጽሓፍ ቅዱስካ መርምሮ
1. ከተንብቦ እትደሊ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ሕረ። ነቲ ሓሳብ ምእንቲ ኽትርድኦ፡ ጥበብ ኪወሃበካ ጸሊ።
2. ነቲ ጸብጻብ ተጠንቂቕካ ኣንብቦ። ኣይትትሃወኽ። ከተንብብ ከለኻ፡ ነቲ ጸብጻብ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ብእተኻእለካ መጠን ንዅሉ ህዋሳትካ ተጠቐመሉ። ንኣብነት፡ ነቲ ተግባር ክትርእዮ፡ ነቲ እቶም ኣብኡ እተጠቕሱ ዜውስእዎ ደሃይ ክትሰምዖ፡ ነቲ ኣየር ከተሽትቶ፡ ነቲ ምግቢ ኽትጥዕሞ ፈትን። ነቲ ጸብጻብ ኣብ ኣእምሮኻ ህያው ግበሮ።
3. ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ሕሰብ። ከምዚ ዚስዕብ ዝኣመሰለ ሕቶታት ሕተት፦
● የሆዋ ነዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ቃሉ ዘመዝገቦ ስለምንታይ እዩ፧
● ነየኖት እየ ኽመስሎም ዘሎኒ፧ ኣየኖትከ እዮም መለበሚ ዚዀኑኒ፧
● ካብዚ ንባብ እዚ እንታይ ግብራዊ ትምህርቲ ኽወስድ እኽእል፧
● እዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ መገድታቱን እንታይ ይምህረኒ፧
4. ኣሕጽር ኣቢልካ ናብ የሆዋ ጸሊ። ካብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም እተመሃርካን ኣብ ህይወትካ ብኸመይ ክትዓየሉ ኸም ዝመደብካን ንገሮ። የሆዋ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝሃበካ፡ ወትሩ ኣመስግኖ!
[ስእሊ]
“ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ብርሃን እዩ።”—መዝሙር 119:105
[ኣብ ገጽ 294 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ከተቐድሞ ንዚግባኣካ ኣቐድም
ንጸሎት ዚኸውን ግዜ ይሓጽረካ ድዩ፧ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ግዜ ትስእን ዲኻ፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዚ ኣብቲ ቐዳምነት እትህቦ ነገራት እዩ ዚውሰን።
ነዚ ፈትኖ፦ ሓደ ሰንኬሎ ወሲድካ፡ ክሳዕ ፍርቁ ዚኣክል ብደናጕላ ምልኣዮ። ድሕሪኡ፡ ክሳዕ ኣፉ ብሑጻ ምልኣዮ። ሕጂ ንሰንኬሎኻ ብደናጕላን ብሑጻን መሊእካዮ ኣለኻ።
ድሕርዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰንኬሎ ዘሎ ደናጕላን ሑጻን ናብ ካልእ ገልብጦ። ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝገበርካዮ ነገር ብግምጥልሽ ፈትኖ፦ ፈለማ ነቲ ሰንኬሎ በቲ ሑጻ ምልኣዮ፡ ድሕሪኡ ነቲ ደናጕላ ኣብ ልዕሊኡ ምልኣዮ። እሂ፡ ነቲ ደናጕላ ዚኸውን ቦታ ስኢንካዶ፧ ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ፈለማ ነቲ ሑጻ ኣብቲ ሰንኬሎ ስለ ዝመላእካዮ እዩ።
ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ትረክብ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ” ኢሉ ይምዕደና። (ፊልጲ 1:10) ከም መዘናግዒ ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ነገራት ቀዳምነት እንተ ሂብካዮ፡ ንኸም መንፈሳዊ ንጥፈታት ዝኣመሰለ ዓበይቲ ነገራት እኹል ቦታ ኣይክትረክብን ኢኻ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ማዕዳ እንተ ስዒብካ ግን፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽን ንእተወሰነ መዘናግዕን ዚኸውን ግዜ ኽትረክብ ኢኻ። ኣብ ሰንኬሎኻ ነየናይ ብቐዳምነት ከም እተእቱ እዩ ነዚ ዚውስኖ!
[ኣብ ገጽ 290 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ኣምላኽ ዚግበር ዕርክነት ንኺዓቢ፡ ከም ተኽሊ ኽንክን የድልዮ