ሕቶታት ኣንበብትና
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ኣገልገልቲ ኣለዋኦም ድየን፧
▪ እወ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብሚልዮናት ዚቝጸራ ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ኣገልገልቲ ኣለዋኦም። ንሳተን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብካ ዓብዪ ጭፍራ እየን። መዝሙር 68:11 ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ኣገልገልቲ ኽትንበ ኸላ፡ “እግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ፡ እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን” ትብል።
ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ዚፍጽማኦ ኣገልግሎት ምስቲ ኣብ ካልእ ሃይማኖት ዚርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ኣቕሽሽቲ ዚፍጽማኦ ኣገልግሎት ኬደናግረካ የብሉን። ምኽንያቱ፡ ዕዮአን ኣዝዩ እተፈላለየ እዩ። ብኸመይ፧
እቶም ዚምህራኦም ሰባት እተፈላለዩ እዮም። ብሕልፊ ኣብ ህዝበ ክርስትያን ዚርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ኣቕሽሽቲ፡ ኣብ ውሽጢ ጉባኤአን መሪሕ ግደ ኣለወን፣ ሰማዕተን ከኣ ብቐንዱ ኣባላት እቲ መጓሰ እዮም። ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና፡ ሰማዕተን ብቐንዱ ኻብ ጉባኤ ወጻኢ ዚርከቡ፡ ማለት እቶም ካብ ቤት ናብ ቤት ኪኸዳ ኸለዋን ኣብ ካልእ ቦታታትን ዚረኽባኦም ሰባት እዮም።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብተን ኣብ ካልእ ሃይማኖታት ዚርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዚፍለያሉ ኻልእ መገዲ፡ ኣብ ጉባኤ ዚገብራኦ ንጥፈት እዩ። ኣብ ህዝበ ክርስትያን ኰነ ኣብ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያን ዚርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ኣቕሽሽቲ፡ ንኣባላት ጉባኤአን ይመርሓኦምን ብዛዕባ ሰረተ ትምህርቲ ሃይማኖተን ብቐጥታ ይምህራኦምን እየን። ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና፡ ጥሙቓት ሰብኡት እናሃለዉ፡ ንሳተን ኣብ ጉባኤ ኣይምህራን እየን። እተሸሙ ሰብኡት ጥራይ እዮም ኪምህሩ ዚግብኦም።—1 ጢሞቴዎስ 3:2፣ ያእቆብ 3:1።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንጉባኤ ኼመሓድሩ ሓላፍነት ዘለዎም፡ ሰብኡት ጥራይ ከም ዝዀኑ ይገልጽ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓደ ቲቶስ ዝስሙ ብጻዩ ዝዀነ ሓላዊ፡ “ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ” በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ እተሸመ ሰብኣይ፡ “መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ” ኪኸውን ከም ዘለዎ ሓበሮ። (ቲቶስ 1:5, 6) ንጢሞቴዎስ እውን እንተ ዀነ፡ ተመሳሳሊ መምርሒ ሂብዎ እዩ፣ ኣብታ ንጉባኤ ብዚምልከት ዝጸሓፈሉ መልእኽቲ፡ “እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፤ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ . . . ንምስትምሃር ብቑዕ ኪኸውን ይግብኦ” በለ።—1 ጢሞቴዎስ 3:1, 2።
ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ኪስከሙ ዘለዎም ሰብኡት ጥራይ ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ ጳውሎስ፡ “ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ” በለ። (1 ጢሞቴዎስ 2:12, 13) ስለዚ፡ እቲ ሰብኣይን ሰበይትን እተፈጥሩሉ መስርዕ እውን እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ንሰብኣይ፡ ናይ ምምሃርን ናይ ምምራሕን መዝነት ዝሃቦ ስለምንታይ ምዃኑ ይሕብረና እዩ።
ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ኣብነት እቲ መራሒኦም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ይስዕቡ እዮም። ሉቃስ እቲ ወደ መዝሙር፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት የሱስ፡ “ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ” ኢሉ ጸሓፈ። ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ የሱስ ንሰዓብቱ ተመሳሳሊ ዕዮ ኺዓይዩ ለኣኾም፣ ንሳቶም ድማ “ዓዲ ንዓዲ እናዞሩ፡ ወንጌል ይሰብኩ . . . ነበሩ።”—ሉቃስ 8:1፣ 9:2-6።
ሎሚ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝዀኑ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ኣብቲ የሱስ ብትንቢት ዝገለጾ ዕዮ ብንጥፈት ይካፈሉ ኣለዉ፣ ንሱ፡ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ።—ማቴዎስ 24:14።